S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልእኽቲ ካብ ሃዋህው (4ይ ክፋል ኣብ ላዕሊዶ ህይወት ኣሎ)

ከም ፓዮኔር፥ ቮዮጀር፥ ማሪነር፥ ኣፖሎ፥ ፊኔክ ወዘተ ዝተባህላ ናብ ሰማይ ዝጓዕዛ፥ ኣብ ሰማይ ዝንሳፈፋ፥ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ብዝለዓለ ደረጃ ተንቀሳቒሰን ጌና ድማ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ። ዳርጋ ሎሚ ካብቲ ናይ ቀደም ዕስራ ሰላሳ ዓመት ከም

ተኣምራት ኰይኑ ዝስማዕን ዝርኤን ዝነበረ፥ እናለመድናዮን ስለ ዝኸድና ኣብ የእምሮና ዳርጋ ከም ተራ ነፈርቲ እየን ተቔጺረን። እዘን መንኰርኰር ሰማይ እዚኣተን፥ እንታይ እዩ ቀንዲ ስርሔን፧ እዘን መንኰርኰር እዚኣተን ቀንዲ ስርሔን፥ ንዓና ዝመስል ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ኣብዞም እንርእዮም ዘሎና ፕላኔትን ኮባኽብትን ወይ ድማ ክንዮው ኣድማስ ሕይወት እንተሎ ምድላይ እዩ። እቲ ዘገርም ግና፥ ንኸብዶም ዘይረኸቡ ቖርጠምጠም፥ ንርእሶም ሻሽ መጠምጠም ከም ዝባባል፥ ቅድሚ ኣብ ሰማያት ዘሎ ምምርማር ሃብታማት ሃገራት፥ ቅድም ቀዳድም ነቲ ኣብ መሬት ዘሎ ጥሙይ እንተ ዝዕንግላ ኔረን ኣጸቢቑ ምሓሸ ኔሩ። እቲ ዝደልይዎ ዘለዉ ኣብ ሰማይ ዝነብር ድማ ከምኡ እዩ ዝብል።

ካብቲ ንሕና ደቂ ሰባት ኣምላኽ ኢልና እንጽውዖ ሕያው ኰይኑ ዝነብር ንኹሉ ሥልጣናትን ሓይልታትን ኣብ ኢዱ ዝጨበጠ፥ ንኹላቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሕያው ኰይኖም ዝነብሩ ነባሪ መልእኽቲ ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ድማ፥ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዓለም ኣሕሊፉ ዝነብርን ቓል ኣምላኽ (ሎጎስ) ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሓንሳብ ንሓዋሩ ብዘየዳግም መገዲ ንዘለዓለም ትቐውም ዘይትስዓር ነባሪት ዝዀነት መንግሥቲ ክምስርት ክመጽእ እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ራኢ የሃንስ 19ን፡ 20 ክትርኢ ትኽእል። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ሰማያት ከም ብራና ክጥቕለል፥ መሬት ካብ ገጹ ክትሃድም እያ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን ዝብል ጽሑፍ ከተንብብ ኢኻ።

እቲ መልእኽቲ እቲ በቶም ካብኡ ዝተላእኹ ኣብ ዘመን ብሉይ በቦታት ብነብያት፥ ኣብ ሓዱሽ ብሃዋርያት ካህናትን መማህራንን ንዘመናት ዝኣክል ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ሰማያት እንታይ ከም ዘሎ ክነግሩን ክንበዩን ክሰብኹን ክምህሩን ብቓሉ ክምዕዱን ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ንሳቶም ዝተነበይዎ ድማ፥ ኣብ ግብሪ ክረኤ ሰማያዊ ሓይሊ ኣብ ኣፍደገ ኣሎ። ምናልባሽ ኣብ ግዜይን ግዜኹምን ከይከውንሲ ርእስና ንሓሉ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም እቲተመን ኣብ እግርኻ፥ እቲ በትሪ ኣብ ኢድካከም ዝተባህለ፥ እቲ ንኣምላኽ እትፈልጠሉ መምሃሪ ቓል ኣብ ኢድኻ ከሎ፥ ኣብ ክንዲ ነቲ ጽሑፍ ኣልዒልካ ምንባብሲ፥ ሰማያት ደይበ ኣብኡ እንተሎ ክደልዮ ኢልካ ዘይወሃብ ሂብካ፥ ዘይክፈል ከፌልካ ኣብ ሃዋህው ክትረኽቦ ምጉዓዝሲ ዕሽነትዶ ኣይኰነን፧ታሪኽ ይድገምከም ዝተባህለ ግና፥ ንምሮድ ኣብ ሰማይ እንታይ ከም ዘሎ፥ ኣብቲ ኣምላኽ ዘለዎ እንታይ ከም ዝመስል ክርኢ ክብል፥ ሰማይ ዝጥንቁር ግንቢ ሰርሔ ይብለና። ስለዚ ብሕሉፍ ድኣ ተመሃር እምበር፥ ዓሻ ታሪኽ ምድጋምሲ ኣይጠቕመካን።

|1ይ ክፋል |2ይ ክፋል |3ይ ክፋል |4ይ ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div