S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሓዋርያት ክንመስል ይግብኣና (5ይ ክፋል) ሓዋርያዊ ትውፊት- Paradosis

ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፥ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ (ሮሜ 111) ሓዋርያ ጳውሎስ መሊሱእምብኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበልኩምዎምህሮ.. ፓራዶስስዘይነብር፥ ብዘይ ሥርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓው

ክትፍለዩ፥ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣሎና። ኣብ ሓዴኹም እኳ ኸይነኽብድሲ፥ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዓየና እምበር፥ ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፥ ኣባኻትኩም ብዘይ ሥርዓት ኣይተመላለስናን እሞ፥ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፥ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ምሳኻትኩም ከሎናውን ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፥ ንዓና ምእንቲ ኽትመስሉ ድኣ፥ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፥ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን። ማለት ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ሥርዓት ከም ዚመላለሱ፥ ዙረት እምበር ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዓዩ፥ ንሰምዕ ኣሎና። ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፥ብህድኣት እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣሎና። ኣቱም ኣሕዋትና፥ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ፥ ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፥ምእንቲ ኺሐፍርሲ፥ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበሩሉ።(2ተሰ፥ 3 6-14)

እምበኣርከስ ናይ ሓዋርያት ትውፊት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ጥራይ ዘይኰነ፥ ካብ ቓል ናብ ቓል ክውረስ ክወራረስ ዝጸብሔ ቅዱስ ሓዋርያዊ ውርሻ ዘማልኤ እዩ። ስለዚ ሓዋርያዊ ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን ክልተ ዝተፈላለዩ ዘይቃደዉ ልማዳት ዘይኰኑስ ካብ ሓደ ሓቀኛ ዝዀነ ምንጪ ማለት ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ናብ ሓዋርያት ካብኡ ድማ ናብቶም ቀዳሞት ኣቦታት፥ ሓሊፉ ተሪፉ ድማ ክሳዕ እዞም ሕጂ ዘለዉ ኣቦታት ይቕጽል ኣሎ። ንዝመጽእ ድማ ብምሕረት ኣቦን ብጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ኣብቶም ብሕጂ ዝመጹ ኣቦታት ከም ዝቕጽል ርግጸኛታት ኢና። ንሕና ድማ ንሓዋርያት ምእንቲ ክንመስል ነዚ ክቡርን ዘይሃስስ ቅዱስ ውርሻ እዚ፥ ተቐቢልና ከከም ዓቅምና ንሰርሓሉ ኣሎና። ንምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጻሕፈ ማለት ቓል ብቓል እናተወራረሰ ዝመጸ ሓዋርያዊ ትውፊት ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧ ከመይ ጌርናኸ ክንግንዘቦ ንኽእል፧ ዝብል ሕቶ እንተሎ፥ ኩላትና እቶም ንሓዋርያት ክንመስሎም ኢልና፥ ኣብዚ ልማዳዊ ትውፊት እዚ ዘሎና ዘበልና፥ ንትውፊት ብልማድ እናተርጎምና ንሓዋርያት ንመስሎም ስለ ዘሎና፥ ክንምልሶ ይግብኣና። ከመይሲ መሰረት ትውፊት፥ ኣብተን ንሓዋርያት ዝመስላ ሓዋርያዊ መንበር ተኺለን ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ካብ ጥንቲ ጀሚረን ክሳዕ ሕጂ እናሰርሓሉ ይነብራ ስለ ዘለዋ፥ ሓዋርያዊ ትውፊት ኣብኣተን እዩ ዝርከብ። ኣብዘን ምስሊ ሓዋርያት ዝዀና ቤተ ክርስቲያናት እዚኣተን፥ እቲ ካብ ሓዋርያት ብቓልን ብግብርን ዝተመሓላለፈለን ቅዱስ ትውፊት ከም ዘለዎ ብምልኡ ወሪሰንኦ ስለ ዘለዋ፥ እንተወሓደ ኣብ ኣሰራርሓኡ ኣብ ሰለስተ ኩነታት ከፊለን ክስርሓሉ ንርእየን ኣሎና።

ቀዳማይ፥  እቲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ካብ ሓዋርያት ናብቶም ድሕሪኦም ዝመጹ ኣቦታት ብቓል ዝመሓላለፍ ዝነበረ ትውፊት፥ ኣብቲ ቀዳሞት ኣቦታት ንሓዋርያት ዝመስሉ ዝጸሓፎዎም ጽሑፋት ይርከብ። እዞም ብሓዋርያዊ ትውፊት ዝተሃንጹ ብኣበው ዝተቀደሱ ቅዱሳት ውርሻታት እዚኣቶም እንተ ኣንበብናዮም፥ ኣብሪሆምን ኣነጺሮምን የርእዩና። እዞም በቶም ንሓዋርያት ዝመስሉ ኣበቦታት ተጻሒፎም ዝቐረቡልና መጻሕፍቲ ድማ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ቛንቛታት ተተርጕሞም ኣብ ዓበይቲ ኮሎጃትን ይንቨርሲትን ሰሜናራትን ይምህርዎምን ይመሃርዎምን ኣለዉ።

ካልኣይ፥ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን ምክፍፋላ ማለት ክሳብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ዝተገብሩ ኣብቶም ንሓዋርያዊ ሲኖዶሳት ዝመስሉ ዝነበሩ ሲኖዶሳት፥ ዘመሓላለፍዎ ሃይማኖታዊ ውሳኔታት ዝተፈላለዩ ሕግታትትን ሥርዓታትን ሓዋርያዊ ጥንታዊ ጉዳያት ይርከብዎም። ስለዚ ንሕና ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣመንቲ፥ ምስ ኩላተን ናይ ኦረንታል ቤተ ክርስቲያናት ሓባራዊ ጉዕዞ ዘለና፥ ነቲ ኣብ ኒቕያን ቁስጥንጥንያን ኤፈሶንን ብቅዱሳት ኣቦታት ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝተኻየደ ጉባኤታት ብምቕባልና ንሓዋርያት ንመስል። ከምኡውን ናይ ባይዛንቲ ቤተ ክርስቲያናትን ሮማዊት ካቶሊክን ነዚ ቅዱስ ትውፊት እዚ ይቕበላኦን ይሰርሓሉን እየን።

ሳልሳይ፥ ኣብቶም ኩላትና ንሓዋርያት እንመስል ቤተ ክርስቲያናት ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾትን ኣብ ግዜ በዓላትን ኣጽዋማትን ኩሉ ጽቡቕ ስርሓትን ሥነ ምግባርን ኮታ ብኹሉ መንፈሳዊ ሕይወትን ብታሪኽን ብቓልን ኰነ ብጽሑፍ ክወራረስ ዝጸንሔ ሓዋርያዊ ትውፊት፥ ጥንታውነቱ ከይሓደገ ክሳብ ሕጂ ብህይወቱ ይነብር ኣሎ።

ኣብዚ ክንርድኦ ዝግብኣና ግን፥ እቶም ብዳሕረዋይ ዘመናት ዝመጹ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያናት፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኣቦታት፥ ነዚ ቅዱስ ሓዋርያዊ ትውፊት እዚ፥ ናቶም ናይ በይኖም ጥራይ እናመሰሎም፥ በብናታቶም ባህላዊ መገዲ እናተርጎሙ ዝጥቀሙሎም ሓዋርያዊ ትውፊት፥ ካብቲ ቀንድን ዝተቐደሰን ሓዋርያዊ ትውፊት መሰረት ከይሓደጉ ገለ ለውጥታት ስለ ዝገብሩ፥ ገለ ፍልልያት ከም ዝርኣዩ ክንግዘብ ይግብኣና።

ናይ ኣበው ትውፊት

ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስናዮ ናይ ኣበው ትውፊት ክንብል ከሎና፥ ኣብ ሓዋርያዊ ትውፊት ዝተመርኰሰ እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ጎይታ ንሓዋርያት ዝሃቦም ትውፊትን ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት ማለት ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ሥርዓተ ቅዳሴን ሥርዓተ ክህነትን፥ ታሪኽን ትምህርትን ቤተ ክርስቲያንን ወዘተካልኦት ምስዚ ዝተተሓሓዘን ዘጠቓለለን እዩ። እዚ ክንብል ከሎና ካብታ ጎይታ ንቤተ ክርስቲያን ዝመስረተላ ግዜ፥ ክሳብ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ዝነበረትላ ግዜ ዘሎ ማለት መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖ ጉባኤታት ዘጠቓልል ግዜ እዩ። በቲ ግዜ እቲ ማለት ኣብ ውሽጢ እተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ሚኢቲ ዓመታት ዝተጻሕፈ ናይ ኣቦታት እምነት ኦርቶዶክስ ኣብ ርእሲ እቲ ድልዱል ስሩት መሰረት ዝዀነ ትምህርቲ ክርስቶስ፥ ሰፊሕን ዓሚቑን ትምህርቲ ክፍጠር ስለ ዝኸኣለ ንእምነት ኦርቶዶክስ ኣዝዩ ሃብታም ክኸውን ትውፊት ኣበው መፈጸምታ ስለ ዝገበረሉ እዩ። በዚ ድማ ኦርቶዶክስ ምሉእ ኰይኑ ተረኽበ። እቶም በቲ ዘመናት እቲ ዝነበሩ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ ርእሲ እቲ ንሳቶም ዘቕረብዎ ሰፊሕ ትንተና ትምህርቲ እግዚኣብሔር፥ ንቕዱሳት ጽሑፋት ናብ ብዙሓት ቛንቛታት ብትኽክል እናተርጎሙ እናኣራብሑን ዝመሃርዎ ሓዋርያዊ ትወፊት፥ ነቶም ድሕሪኦም ዝመጹ ወለዶታት፥ ንዓኣቶም ክመስሉ ምእንቲ፥ ኣመሓላሊፎሞ ሓሊፎም እዮም።

ሓዋርያዊ ትውፊት ክንብል ከሎና፥ ከምቲ ንገሊኦም ዝመስሎም ብጥበብን ብምህዞን ሰብ ዝመጸ ዘይኰነስ ክንዮኡ እዩ። ትውፊት ብዘይ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብጥበብን ምህዞን ሰብ መጺኡ እንተ ዝነብርሲ፥ ንኣሰራርሓ ፈሪሳውያን ምመሰለ ነይሩ። ንሳቶም ነቲ ክገብርዎ ዝግብኦም ዝነበረ ቅዱስ ትውፊት ሓዲጎም፥ ኣብ ርእሲ እቲ ቅዱስ ልማዳዊ ትውፊት፥ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝዀነ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ዘማልእ ስሱዕ ልማድ ስለ ዝወሰኽሉ ጥራይ ዘይዀነስ፥ እቲ ስሱዕ ልማዶም ነቲ ድሕሪኦም ዝነበረ ወለዶ፥ በቲ ንሳቶም ዝመሃዝዎ ዘይቅዱስ ስሱዕ ልማድ ክጓዓዙ ስለ ዝመሃርዎም፥ ንገዛእ ርእሶም ጠፊኦም ዘጥፍኡ ዕውራት መራሕቲ ስለ ዝነበሩ ተታሓሒዞም ኣብ ጉድጓድ ድኣ ወደቑ እምበር ነታ ንዓኣቶም ክትብል ካብ ሰማይ ዝወረደት ድሕነትሲ ኣይረኸብዋን። ስለዚ ድማ ጎይታ ልማዶም ምስ ቅዱስ ትውፊት ብሉይ ኪዳን ዝጻረር ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ።

ይቕጽል

1ይ ክፋል | 2ይ ክፋል | 3ይ ክፋል | 4ይ ክፋል | 5ይ ክፋል | 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div