S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቱም ብእግዚኣብሔር ተስፋ እትገብሩ በርትዑ ልብኹምውን ይጽናዕ

“ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ኵልኹም በርትዑ ልብኹምውን ይጽናዕ“ (መዝ 31፡24)

“ክርስቲያን ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ብምርዳእ ይኹን ብዘይ ምርዳእ ካብ ብዙሓት እንሰምዖ ቋንቋ እዩ። ብርግጽ ሰዓቢ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብ ተስፋ ምቑራጽ ባህርይኡ ኣይኮነን፡ ክኸውን'ውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ከምቲ ዓለም ኣብ ዕዮ እዳው ፍጡራት ኣሚና ተስፋ ትገብር ዘይኮነስ፡ ነቲ በዒንትና ዘይረኣናዮ ግናኸ ብእምነት እነስተውዕሎ ጀማርን ደምዳምን እምነትና ዝኾነ ክርስቶስ ኢና ተስፋ እንገብር (ሮሜ 8፡24-25)። ካሌብን ኢያሱን ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ከተማ ከም ዝወርስዋ ተስፋ ምስ ተዋህቦም ዘይከምቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ብቑመትን ብዝሕን ዓናቓውያን ከይተዳህሉ እቲ ንኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረበዳ ዘሳገሮም ኣምላኽ ሕጂውን ነታ ዝተረፈት ንእሽተይ ቦታ ከም ዘሳግሮም ሰብ ምሉእ ተስፋ ኮይኖም ክንኣትዋ ኢና ኢሎም። ናብራ ክርስትና ኣብ ተስፋ ኣምላኽ እምበር ኣብ ጻዕርን ሃልክን ስራሕ ኣእምሮ ኣይምርኮስን እዩ። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል ኣብርሃም እዩ። ድሕሪ ነዊሕ ሃረርታን ትጽቢትን ተስፋ እግዚኣብሔር ኣብ ጊዜኡ ተፈጺሙ። ምምህማን ልቢ ኣብርሃም ብዘየገድስ ኣብቲ ምዱብ ጊዜኡ ተስፋ እግዚኣብር ክውን ኮይኑ። እዚ ክውንነት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ መጻእተኛን ስደተኛን ምዃኑ ኣግሂዱሉ። ኣብቲ ዝተዋህቦ ምድሪ ድማ ህንጻን ጽቡቕ ነገርን ኣይበሃገን። ንጊዚኡ ካብ ጸሓይ ከጽልለሉ ዝኽእል ድንኳን ጥራይ ተኺሉ።

ዘለናዮ ዘመን ብተስፋ ዘቑርጽ ነገር ዓቕሉ ዝጸበቦ ዘመን እኳ እንተኾነ ኣብዚ ንኣና ዝኸበደና እዋን እግዚኣብር ዝሃበና ተስፋ ዝፍጽሞን ተስፍኡ ዘብዝሓልና ኣምላኽ ምዃኑ ግን ሓለፋ ኵሉ ሓጐስና እዩ። እግዚኣብር ንሓንቲ ነገር ይደልየና፡ ከም ኣብርሃም ምድራዊ ናብራና ኣብ ድንኳን ክኸውን ከምኡውን ተስፋና ኣብ ኣምላኽ ክንገብርን ይደሊ። እቲ ሰማያዊ ተስፋና ድማ ሓደ መዓልቲ ነዚ ምድራዊ ናብራ ክትክኦ እዩ (መዝ 33፡18፣ ኤር 17፡7፣ 1ጴጥ 1፡21)

ኣስተንትን

1. ናብራኻ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዘለኣለማዊ ኮይኑ'ዶ ይስምዓካ?

2. ዕላማ ምንባርካ ኣብዚ ምድሪ እንታይ እዩ?

ጸሎት፡- እግዚኣብር ኣቦ ኣብዛ ተስፋ ዝሰኣነት ሓላፊት ዓለም ዘይበርስን ዘለኣለማውን ዝዀነ ተስፋ ስለ ዝሃበና ነመስግን።

ይትባረክ እግዚኣብር ኣምላከ ኣበዊነ

መካነ-ህይወት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div