S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓድሽ ሕይወት ኣብ ሓድሽ ዓመት !

እንቋዕ ናብዚ ሓድሽ ዓመተ ምሕረት ግእዝ ብሓጎስን ሰላምን ኣብጽሓና!

ከምቲ ብትንቢት ዝተነግረ ‘‘እግዚኣብሔር መንፈሱ መልኣኒ፥ ንድኻታት ብሥራት ከበሥር ቀብኣኒ። ንስቡራት ልቢ ክዝንን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ፥ እግዚኣብሔር ንህዝቡ ዜድሕነላ ዓመት ጸጋ … ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ ለኣኸኒ’’ (ኢሳ 61፡1-2) ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ንኹሎም ምእመናን ብሩኽ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና እናበልና፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመትዚ: መድሃኔ ዓለም ኣምላኽና ኣዋጅ ናይ ምሕረትን በረኸትን ራህዋን ስኒትን ጥዑም ብሥራት ከስምዓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

ከምዝፍለጥ ንምእታው ሓድሽ ዓመት ኩሉ ሰብ ብዓቢ ሃረርታን ተስፋን እዩ ዝጽበዮ። ምኽንያቱ ናይ ግዜ ምቅይያር ንኹሉ ጉዕዞ ሕይወትና ዝምልከት ጉዳይ ብምዃኑ ናይ መነባብሮ ለውጢ ንጽበ፡ ናይ ሥራሕ መደባትና ንሰርዕ፡ ሓድሽ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ዕላማታት ሓንጺጽና ንኽንሠርሕ ከኣ ስለ ዝጠቅመና እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ነቲ መንፈሳዊ ራእይና ብምስፋሕ ሓላፊ ነገር ብነባሪ፥ ኩሉ ዝርአ ብዘይርአ፥ ግዚያዊ ብዘለዓለማዊ፥ ምድራዊ ብሰማያዊ፥ ሞት ብሕይወት፡ ክትካእ ግድን ስለ ዝኾነ ነታ ትመጽእ መንግሥቲ ኣምላኽ ብቑዓት ወረስቲ ንኽንከውን ብንስሓን ጸሎት ኽነቕሕ ስለ ዝሕግዘና እዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብዛ ብዓመታትን ኵነታትን ብህጹጽ እናተለዋወጠት ትኸይድ ዘላ ሓላፊት ዓለም ንእግዚኣብሔር ኣኽቢርናን ምስ ኩሉ ሰብ ተፋቒርናን ብእምነት ክነብር ኣምላኽ ይደልየና ከም ዘሎ ከነስተውዕል ይግባእ።

ክቡራት ህዝበ-ክርስቲያን!

ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ዝረኣናዮ ነገር እንተሎ፡ እቲ ናይ ግዜ ምቅይያር: ንሕጊ ተፈጥሮን ባህርይ ወዲ ሰብን ይልወጦ ከምዘሎ ንምርድኡ ኣየጸግምን እዩ። ዓለምና ብዋዒ ትጽምሉ፥ ብኵናት ትርመስ፥ ብዝተፈላለየ ሕማማት ትጥቃዕ ከምዘላ ንዕዘቦ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ወዲ ሰብ ወላኳ ብቴኽኖሎጂ ማዕቢሉ ካብ ምድሪ ሓሊፉ ኣብ ጠፈርን ወርሕን ክመራመር እንተ በቕዐ፥ ኣብ ሥርሑ ዕጋበት፡ ኣብ ናብርኡ ተመስገን ስኢኑ ብሰንፍላል ሕይወት ይነብር ከም ዘሎ ንምፍላጡ ዘጸግም ኣይኮነን። እወ ደቂ ሰባት ነቲ “ናይ መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ እዩ” ዝብል ቅኑዕ ሃይማኖታዊ መምርሒ ብቐዳምነት ስለ ዘይሰርዕዎ ውሽጣዊ ሰላምን ልባዊ ሓጎስን ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ከም ውጽኢቱ ድማ ዓለም ብጭንቀትን ፍርሕን ተኸቢባ  ሃይማኖት ተዳኺሙ፥ በረኸት ሃጺጹ፡ ፍቕሪ  ዛሕቲሉ፡ ኣምልኾ ሰይጣን ገኒኑ፡ኣብ ዘገርም እዋን በጺሕና ከም ዘሎና ክንፈልጦ የድሊ። ብርግጽ ምንቅስቓሳት ኣጋንንትን ሥራሕ ጠንቆልትን ኣብ ዙርያ እዛ ምድሪ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። “እምበኣር ተጠንቀቑ እቲ ቅንያቱ ክፉእ እዩ እሞ ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ብምልኡ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ንበሩ” (ኤፈ 5፡15)።

ኣቦታትና ክምስሉ “ቀላይ ካብ ዓይኒ ማይ’’ ይብሉ። ሕይወት ወዲ ሰብ ድማ ካብቲ ወሃቢ ሕይወት ዝኾነ ልዑል እግዚኣብሔር እያ እትፍልፍል። ስለዝኾነ ካብ ኣምላኽ እንተ ርሒቕና ኣብ ኃጢኣት ክንወድቕን ብሰይጣን ክንሰዓርን ንኽእል ኢና። ከምቲ ከብድና ከይጠምን ኣካልና ከይሓምምን ዕለታዊ መግቢ ንሥጋና ዘድልዮ፡ ብዝያዳ ንነፍስና ግድን መንፈሳዊ መግቢ ቃል ኣምላኽ የድልያ እያ። ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኵሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ክነብር ኣይክእልን እዩ።ሕይወትና ክትሕደስ፡ ኃጢኣት ክድምሰስ እንተ ኾይኑ ድማ ብንስሓ ተመሊስና መንፈሳዊ ለውጢ ከነርኢ ይግብኣና። ኣካላዊ ለውጢ ጥራይ ዘይኮነስ ልብና ክልወጥ፡ ኣእምሮና ክሰፍሕን ኣተሓሳስባና ክዓብን ከምኡውን ኣፍና ናብ ምርቓ፡ ኣዕይንትና ከኣ ናብ ሰማይ ክጥምታ ብሓቂ ዘድሊ ዘሎ ነገር እዩ። እምነትና ኣጽኒዕና ጸሎት ኣዘውቲርና ምሉእ ተስፋና ናብቲ ኩሉ ዝከኣሎ መድሃኔ ዓለም ኣምላኽና እንተ ገበርና ጥራይ ኢና ኸኣ ክንዕወት ንኽእል። ኣቦና ዳዊትውን ነዚ ኣስተውዒሉ ምሉእ ዕድሜና ክንሕጎስን ባህ ክብለናንሲ ንግሆ ንግሆ ዘለዓለማዊ ምሕረትካ ኣጽግበና!’’ ኢሉ ጸለየ። መዝ 90፡14።

ኩሉ ኽሓልፍ እዩ!

ሓደ ክቡር ሰብኣይ ምስ ስድራ ቤቱ  ብእምነትን ሕጉስ ሕይወትን ይመላለስ ነበረ። ንሱ ኣብ ግዜ ራህዋ ይኹን  ጸበባ፥ ብሕማም ይኹን ብጥዕና፥ ወትሩ ምስጋና እንተ ዘይኮይኑ ተስፋ ምቑራጽን ምንጽርጻርን ዘየርኢ ዕጉስ ሰብ ነበረ። ንዅሉ ዘጋጥም ነገር ከኣ ‘’እዚውን ክሓልፍ እዩ’’ እናበለ ንብዙሓት ሰባት የጸናንዕ ብምንባሩ ደቂ ዓዱ “ኣቦይ ክሓልፍ እዩ’’ ዝብል መጸውዒ ኣውጽኡሉ። ሓደ መዓልቲ ክብድ ዝበለ ሕማም ስለ ዝሓመመ ኣብ ሕክምና ኣተወ እሞ፡ እቶም ዝፈልጥዎ ሰባት እናመጹ ይበጽሕዎ ነበሩ። ኣብ ኣፍ ደገ ሞት ከሎ ድማ ነቶም ስድራ ቤቱ ኣብ ልዕሊ መቓብረይ በጃኹም ‘’እዚውን ክሓልፍ እዩ’’ ዝብል ጽሑፍ ግበሩለይ ኢሉ ብሓደራ ተላበዎም። ንሳቶም ግና ኣንታ ሰብኣይ ኣብዚሕካዮ እምበር ብድሕሪ ሕጂኸ ኣየናይ እዩ ዝሓልፍ? ክብሉ ኣንጸርጸሩ። እቲ ሰብኣይ ሞተ። ቃሉ ምእንቲ ከኽብሩ ድማ ኣብ መቓብሩ ‘’እዚውን ክሓልፍ እዩ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣቖሙሉ። ብድሕሪ ሓጺር ግዜ ጎደናታት እታ ከተማ ክሰፍሕ ስለ ዝተደለየ እቲ መቓብራት ብምልኡ ፈሪሱ ናብ ካልእ ቦታ ገዓዘ። እቶም ፈተውቱን ስድራ ቤቱን ብምልኦም ነዚ ኣስተውዒሎም ብሓቂ “ኩሉ ክሓልፍ እዩ’’ ኢሎም ተገረሙ።

እወ እዚ ሎሚ ዘይሓልፍ ኮይኑ ዝስምዓና ዘሎ ዘጨንቐናን ዘሻቕለናን ኵሉ ነገራት  ጽባሕ ኣይክህሉን እዩ። ‘’ወለዶ ይሓልፍ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ።….ፀሓይ ትበርቕ፡ ፀሓይ ትዓርብ። ትማሊ ቆልዓ ዝነበረ ሎሚ መንእሰይ ይኸውን። መንእሰይ ዝነበረ ድማ ናብ ሽምግልና ይኣቱ። ሰዓታት ተቖጺሩ ናብ መዓልታት፡ ሰሙናት፡ ኣዋርሕ፡ ዓመታት እናበለ ዘመን እናተጓዓዘ፥ ታሪኽ እናተሰርሐ እዩ። ኵሉ ሰብ ሕጉስ ክኸውን ይደሊ። ምንጪ ሓጎስን መሠረት እምነትን ኣበይ ከም ዝርከብ ግና መብዝሕትኡ ሰብ ኣየስተውዕልን እዩ። ሥራሕን ጻዕርን የብዝሕ ግናኸ በረኸት ይስእን፡ ገንዘብ እንተ ኣከበ ድማ ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን፥ እዝኒ ኸኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን። ከምቲ ሰሎሞን ንጉሥ ዝበሎ ኣብ ትሕቲ ፀሓይሲ ኩሉ ከንቱ እዩ። ሰማያዊ ኣምላኽ ግና ንኹሉ ጽቡቕ ጌሩ ገግዚኡ ሠሪዑሉ ኣሎ። ስለዚ ንኣና ብሕይወት ከሎና ካብ ምሕጓስን ሠናይ ካብ ምግባርን ዝሕሸና ኸም ዘየልቦ ፈልጥኩ’’ በለ። ብርግጽ ድማ ዓለምን እቲ ዅሉ ፍትወታን ሓላፈይ እዩ፥ ፍቃድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር። 1ዮሓ 2፡17

‘‘ግዜ ወርቂ እዩ’’ ዝብል ምስላ ተደጋጊሙ እዩ ዝስማዕ። እወ ብግቡእ ንዝጥቀመሉስ ብሓቂ ግዜ ወርቅን ብዋጋ ዘይሽነን ክቡር ህያብ ኣምላኽን ምዃኑ ማንም ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ንግዜና ብኣጋባብ እንተ ተጠቒምናሉ ሓንቲ ደቒቕ’ውን ትኹን ኣብ ሕይወትና ዓቢይ ኣገዳስነት ከም ዘለዋ ከነስተውዕሎ ኣሎና። ንኣብነት እቶም ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ብየማኑ ሓደ ከኣ ብጸጋሙ ዝተሰቕሉ ክልተ ሸፋቱ ብሓንቲ ናይ ንስሓ ደቂቕ ምኽንያት ከም ዝተፈላለዩ ንርኢ። እቲ ሓደ ብየማን ዝነበረ ‘‘ጎይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ’’ ዝበለ ጢጦስ ስለ ዝለመነ ናብ ገነት ኣተወ። ዳክርስ ዝበሃል ብጸጋም ኮይኑ ዝጻረፍ ዝነበረ ግና ሰኣን ንስሓ ናብ ሲኦል ተመደበ። ነዊሕ እዋን ብሓባር ዝኸትሩ ዝነበሩ ሸፋቱ ብውሳኔ ሓንቲ ደቒቅ ተፈላለዩ (ሉቃ 23፡39)። ሓዋርያት ብዛዕባ እዚ ‘‘እቲ ሕይወት ዚፈቱ ጽቡቓት መዓልታት ከኣ ኺርኢ ዚደሊ፥ ልሳኑ ካብ ክፉእ ከናፍሩውን ተንኮል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይርሓቕ ሠናይ ከኣ ይግበር ንሰላም ይድለያን ይስዓባን’’ ዝብል ክቡር ማዕዳ ሓዲጎሙልና ኣለዉ (1ጴጥ 3፡12)።

እምበኣር ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ማርቆስ ሓድሽ ሕይወት ምእንቲ ክህልወና ናይ ባሕርይ መሠረታዊ ለውጢ ክንገብርን ልብና ንኣምላኽ ከነግዝእን የድልየና ኣሎ። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዕብየት እንተ ዝየርኢና ድማ፡ ብሥጋ ጥራይ ንነብር ኣሎና ምባል ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ኣይኮነን። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ። ብሥጋ ዝነብር ድሌት ሥጋኡ’ዩ ዝፍጽም፡ እቲ ብፍቕርን ሃይማኖትን ዝነብር ድማ ሰማያዊ ዓስብን ኣኽሊል ጽድቅን ክቕበል እዩ። ስለዝኾነ ንጽጉም ክንረድእ፡ ንሕሙም ክንበጽሕ፡ ንእሱራት ከነጸናንዕ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ሕያው ፍረ ክንዘርእን ክቡር ታሪኽን ክንሓድግን ንግዜና ብጥንቃቐን ልቦናን ክንጥቀመሉ ይግባእ። ስለዚ ‘‘ነቲ ቐደም ትነብርሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፥ በተሓሳስባኹም እውን ተሓደሱ። ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከኣ ልበስዎ’’ ዝብል ክርስቲያናዊ ትእዛዝ ንከተል (ኤፈ 4፡22)። ደጊምና ብሩኽ ሓድሽ ዓመት፡ ናይ ሰላምን በረኸትን ኣዋጅ ይግበረልና!!!

ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዕድመን ጥዕናን ይሃበልና! ሰላም ድማ ንሃገርና ይኹነልና

ደቂቀ እንጦንዮስ,
ተመሃሮ መንፈሳዊ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኮርፐስ ክርስቲ ቴክሳስ,
ሕቡራት መንግሥታት ኣሜርካ

posted on 13 September 2009

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div