S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፈተና ይርከብ ቅድስና!

ሕይወት ወዲ ሰብ ኣብዚ ዓለም ብጻዕሪ እያ እትጅምር። ብብዙሕ ፈተናን ክፉእ ነገራትን ከኣ ትስነ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብቓንዛን በቲ ጸላኢና ዝኾነ ሞትን

ትድምደም። ዝኾነ ወዲ ኣዳም ኣብዛ ምድሪ እናነበረ ካብ ፈተናን ጓህን ከምልጥ ኢሉ ዝምነ እንተሎ፡ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይብሉ ሰብ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ እዛ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ንነብረላ ናይ ስደትን ግሽነትን ዓለምና ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ክፉእ ሰይጣን ከምዘላ ንፈልጥ ኢና። ኢየሱስ ክርስቶስውን ‘‘ዓለም እንተ ጸልኣትኩም ቅድሚኹም ንዓይ ከም ዝጸልአትኒ ፍለጡ። ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ ትኾኑስ ዓለም ከም ናታ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ካብ ዓለም ሓረኹኩም ንስኻትኩም ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፥ ስለዚ ኸኣ እያ እትጸልኣኩም ዘላ’’ ክብል ኣቐዲሙ ኣብ ዓለም ዘጋጥመና ፈተና ነጊሩና እዩ። ዮሓ 15፡18።

ፈተና ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ኢና ንረኽቦ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናውን ዝተፈላለዩ ፈተናታት የጋጥሙና እዮም። ይኹን እምበር ብመሠረቱ ምፍታን ኃጢኣት ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ከኣ ንዓና ፈተና ከርሕቐልና መብጽዓ ኣይኣተወልናን። ከመይሲ ኢየሱስ ክርስቶስውን ተፈቲኑ እዩ። ኣብ ግዜ ፈተና ድማ ኣምላኽ ብርታዔን ትዕግሥትን ሂቡ ብቅኑዕ መገዲ ንኽመርሓካ ብጸሎት ምንቃሕ እምበር፡ ክትሃድም ምፍታንን ተስፋ ምቝራጽን ግቡእ ኣይኮነን። ፈተና ነቶም ኣብ ሓቂ ዝጸንዑ ምኽንያት ንዓወት፥ ነቶም ዝሰነፉ ድማ ምኽንያት ንወድቀት ክኸውን ዝመጸእ መርመራ እዩ። ስለዚ እምበኣር ብፈተና ተሳዒርካ እንተ ወዲቕካ እዩ ኃጢኣት ዝበሃል። ኣዴና ሔዋን ኣብ ገነት ከላ ሰይጣን ብሥጋ ተመን ተሠዊሩ መጺኡ ካብዛ ኦም እንተ በላዕኩም ‘‘ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም’’ ዝብል ፈተና ኣምጽኣላ። ሔዋን ከኣ ብፈተና ተመን ተታሊላ ስለ ዝተሳዕረት ሞት ናብ ኵሉ ፍጡር መጸ። እሙን ዮሴፍን ጻድቕ ኢዮብን ግና ወላኳ ብከቢድ ፈተና እንተ ሓለፉ፡ ንሕማቕ ፈተና ብቕድስና ስለ ዝሰገርዎ እምነቶም ናብ ዝበለጸ ዓወትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣብጺሕዎም እዩ። ዘፍ 3።

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ትምህርቱ ‘‘እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ።’’ እናበለ ከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ብዝወረዶም ቀሊል ፈተና ከማርሩን ከንጸርጽሩን ይስምዑ እዮም። እዚ ግና ብሓቂ ናይ ድኹማት ጎደሎ እምነትን ሓሳብ እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ክልእኮም ከሎ ‘‘እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፥ ደጊም ብልህታት ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። ካብ ሰብ ተጠንቀቑ፥ ንሳቶም ናብ መጋባእያታት ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ክገርፍኹም እዮም። ብኣይ ምኽንያት ድማ ናብ መኳንንትን ናብ ነገሥታትን ክትውሰዱ ኢኹም።’’ ዝብል ማዕዳ እዩ ሂብዎም። ሓዋርያት ድማ ነቲ ተመሃራይ ካብ መምህሩ፡ ባርያ ካብ ጎይትኡ ኣይበልጽን እዩ ዝብል ዕላማ ስለ ዝሓዙ፡ ቀናኣት ኣይሁድ ክሰጉዎምን ዓመጽቲ ነገሥታት ክኣስርዎምን ከለዉ፡ ‘‘ምእንቲ ስሙ ውርደት ንምቕባል ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጎሱ ወጹ’’ ዝብል ነንብብ። ማቴ 10፡16።

ብተወሳኺ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝተጻሕፈ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ ብዲያብሎስ ተፈተነ ይብለና። እዞም ሎሚ ነቢያት፡ ሓዋርያት፡ ሰማዕታትን ቅዱሳንን እናበልና ከማልዱልና ወትሩ ብጸሎት ንዝክሮም ዘሎናውን ኵሎም ብፈተና ዝሓለፉን ምእንቲ ቅንዕቲ እምነት ዝተሰየፉን እዮም። ነፍሲ ወከፍ  ክርስቲያን ድማ ፈተና ዘይብሉ ሕይወት ኣይነብርን እዩ። ኣብ ናይ ፈተና ግዜያት ብዙኅ ዝጠቅም ውጽኢት ይርከቦ እዩ። እወ ፈተና እንታይነት ናይ ሰባት ብርጉጽ ዘርእየና መትያት እዩ። እንሆ ነቶም ብፈተና ጸኒዖም ዝሓለፉ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ብፁዓን ንብሎም ኣሎና። እቲ ብሕድሪ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ድማ ‘‘ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ ዲያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኪድርብየኩም እዩ። ዓሠርተ መዓልቲውን ጸበባ ኪረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን። ኣነውን ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ።’’ ዝብል እዩ። ራእ 2፡10።

ሎሚ ኵላትና ንዕዘቦ ከም ዘሎና ሰባት ብፈተና ሰይጣን ተሳዒሮም ኣብ ኃጢኣት ክወድቑ፡ ተስፋ ክቖርጹ፡ ሓዳሮም ክብትኑን ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙን ምስማዕ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ንስድራ ቤታትን መንግሥታትን ኣሻቓሊ ጉዳይ ብምዃኑ ነዚ ጸገማት ንምፍታሕ ብዙሓት ኣማኸርትን ማሕበራትን ይጽዕርሉ ኣለዉ። እቲ መሠረታዊ ፍታሕ ግና ካብቲ ንሰይጣንን ዓለምን ዝሰዓረ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጽእ ጸጋን ኃይልን ተቐቢልካ ኣብ ግዜ ፈተና ብእምነት ጸብለል ኢልካ ምንባር ዓቢይ ርብሓ ምዃኑ ምፍላጡ የድሊ። ስለዚ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ነዚ መንፈሳዊ ሓላፍነተንን ሓዋርያዊ ዕላምአንን ብምዃኑ ዝያዳ ክነቕሓሉ ይግባእ። ተራ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ኣበርክቶ ውልቀ ሰባትን ብጸሎት እንተ ተወሃሂዱ ድማ ናብ ዓወትን በረኸት ዘለዎ ሕይወትን ከም ዘብጽሓና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምእመናን ድማ ከምቲ ሓዋርያት ‘‘ሽሕ እኳ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ኽትሓልፉ ግዲ እንተኾነ በዚ ክትሕጎሱ ኢኹም። እዚ ከኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከም ዝኾነት ኬረድእ እዩ። እምነትኩም ምስ ተፈተነት ከኣ ብሉጽ ዋጋ ኣለዋ።’’ ከም ዝበልዎ ንኹሉ ብጸጋ ክንቅበሎ ሠናይ እዩ።1ጴጥ 1፡6።

ብመሠረት ኣገላልጻ መንፈሳውያን ኣቦታት ክልተ ዓይነት ፈተናታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ውልቃዊ ፈተናን ሓባራዊ ፈተናን ይበሃሉ። እዚ ግን ኣብ ቅኑዕ  መገድኻ ከሎኻ ዘጋጥመካ ፈተና ደኣ’ምበር፡ ባዕልኻ ኮነ ኢልካ፡ ብጽጋብን ዓለማዊ ስምዒትን ተደፊእካ ንርእስኻ ናብ ቦታ ፈተና ከተእትዋ ግቡእ ኣይኮነን። እምበኣር ብዛዕባ’ዚ መረዳእታ ምእንቲ ክህልወና ካብዚ ቀጺሉ ዘሎ ሕጽር ዝበለ መብርሂ ብመንጽር ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሓቢርና ንከታተል።

ሀ. ውልቃዊ ፈተና፡- እዚ ዓይነት ፈተና ኣብ ዝተወሰነ ግዜን ቦታን ንበይንኻ ጥራይ ዝበጽሓካ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዘጋጥም ናይ እምነት ፈተና፡ ናይ ጥዕና ፈተና፡ ናይ ሥራሕ ፈተና ….. ወዘተ ክኸውን ይኽእል። ይኹን እምበር እንታይ ዓይነት ፈተና ምዃኑ ብዘየገድስ ሰይጣን ብገለ ምኽንያት ኣብ ዝደኸምናሉ ግዜ ከም ዝፍትነና ርግጸኛታት ክንከውን ይግባእ። እቲ ዘሐጉስ ግና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ጌርና ንናይ ሰይጣን ፈተና ከምንስዕሮ ኣርኣያ ሂቡና ኣሎ። ንሱ ኣብ በረኻ ብዲያብሎስ ኪፍተን ከሎ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ እዩ ስዒርዎ። ብርግጽ ድማ በዚ ናይ እምነት ቃል ሓቂ ጥራይ ኢና ንዲያብሎስ ክንስዕሮ እንኽእል። ክርስቶስውን ንዓና ‘’ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ፥ ብኣይውን እመኑ። … ኣነስ ዘኽታማት ኴንኩም ክትተርፉ ኣይሓድገኩምን እየ’’ ኢሉና እዩ። ስለዚ በይንና ዘሎና እኳ እንተ መሰለና፡ ኣምላኽ ካባና ኵሉሳዕ ኣይርሕቅን እዩ። ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ‘‘እቲ ብግዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብፁዕ እዩ። ከመይ ተፈቲኑ ምስ ወጸ ነቲ እግዚኣብሔር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ኪቕበል እዩ። ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል ከመይ ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን፥ ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ’’ ዝበሎ ብተስፋን እምነትን ጸኒዕና ንንበር። ያዕ 1፡12።

ለ. ሓባራዊ ፈተና፡-  እዚ ፈተና’ዚ ብዙሓት ሰባት ብሓደ ጎይታ ብሓንቲ እምነት ሰሚሮም ክጎዓዙ ከለዉ ዘጋጥም ናይ ሓባር ሓደ ዓይነት ፈተና እዩ። ስለዚ ከኣ ምስ ስድራ ቤትካ ምስ መማህርትኻን ደቂ ቤተ ክርስቲያንካን ዝጋጥመካ ናይ እምነት ገድልን ናይ ሕይወት ፈተናን እዩ። ነቲ ብከሓዲ ዲዮቅልጥያኖስን ብኔሮን ቄሳር ንጉሥን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ዘጋጠመ ከቢድ ግፍዕን መቕተልትን ድማ ናይ ሓባር ፈተና ክንብሎ ንኽእል። እቲ ብጣዕሚ ዘገርም ከኣ ንጉሥ ኔሮን ብሰይጣን ዝተገዝአ ጨካን ልቢ ስለ ዝነበሮ፡ ክሳድ ሰብ ምቝራጽ ኣድኪምዎስ ‘‘ናይ ኵሉ ሰብ ክሳድ ሓንቲ እንተ ትኾነለይ’’ ይብል ከም ዝነበረ ታሪኽ የዘንቱ። ኣብቲ እዋን ብዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፈተና ቁጽሪ ዘይብሎም ሰማዕታት ብሴፍ ተሰይፎም ሓሊፎም እዮም። ንሳቶም ግና ‘‘ኣቱም ፍቁራተይ፥ ከም ሓዊ ዝባላዕ ፈተና ኪረኽበኩም ከሎ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።ንሱ ብግርማ ኪግለጽ ከሎ ኣዝዩ ባህ ኪብለኩም እዩ እሞ ኣብ ሥቓይ ክርስቶስ ክትካፈሉ ከሎኹም ተሓጎሱ’’ ንዝብል ሕድሪ ተኸቲሎም ዓረፉ። ከምኡውን እቶም ሠለስተ ኣብ ግሁር ሓዊ ዝተደርበዩ፡ ሲድራቅ፥ ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝበሃሉ ባሮት ልዑል ኣምላኽ ናይ ሓባራዊ ፈተና ሕያው ኣብነት እዮም። ዳን 3፡26።

ፈታኒ መን እዩ፡- ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ናይዚ ኵሉ ፈተና መበገሲ እቲ ቀንዲ ጸላኢና ዲያብሎስ እዩ። ንሱ ኣቦ ሓሶትን ጀማሪ ክሕደትን ብምዃኑ ሕማቅ ካብ ምሥራሕ ኣይዓርፍን እዩ። እወ እቲ ንክርስቶስ ክፍትኖ ዘይሓፈረ ሰይጣን፡ ንነቢያትን ሓዋርያትን ንዅሎም ደቂ ሰባትን ክሳብ ሎሚ፡ መልክዑ ቀያይሩን መንንነቱ ሓቢኡን ብዝተፈላለየ መገዲ ይፍትነና ኣሎ። ይኹን እምበር ገለ ሰባት ንሰይጣን ዝንዕቁዎን ዘቃልሉን ኣለዉ። ሰይጣን ግና ረቂቅ ቶንኮል መሪር ናይ ክሕደት መርዝን ዘለዎ ርኹስ ፍጥረት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ብዝተረፈ ኣቦታትና ክምስሉ ‘’ጸባ ድሕሪ ጸበባ’’ ይብሉ። ስለዚ ክርስቲያናት ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዝግብኣና ብብዙሕ ጸበባን ፈተናን ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ኣምላኽ ድማ መንፈስ ኃይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን እምበር መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናን። ስለዚ ኣብ ሕይወትና ንዘጋጥም ዝኾነ ዓይነት ፈተና ብተስፋን ጸሎትን እንተ ሰጊርናዮ ናብ ቅድስናን ሰማያዊ ሕያወትን ዘብጽሕ ናይ እምነት መሳልል ምዃኑ ክንፈልጦ ይግብኣና። ብእኡ ምስ እንሓልፍ ድማ እዩ መጸናንንዒ መንፈስ ቅዱስ ረዚን ክብርን ተኣምራታዊ ኃይልን ዝህበና። 

ኣምላኽ ኣብ ፈተና ክንዕወት ጸጋ የብዝሓልና!!

ክፍሊ ሥነ ጽሑፍን ስብከትን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div