S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ንሕጊ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ’ዩ ዚረግጸካ”

ንሕጊ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ ዚረግጸካቃል ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ 3 ፓትርያርክ ..ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

መጽናዕታዊ ጽሑፍ

ደቂቀ እንጦንዮስተማሃሮ ስነ-መለኮት መንፈሳዊ ኮሌጅ . ኣትናቴዎስ

ኮርፖስ ክርስቲ, ቴክሳስ, .. ኣሜሪካ

30 መጋቢት/April 2009

ትሕዝቶ

መእተዊ

  1. ትርጉም ሕጊ
  2. ዓለማዊ ሕጊ
  3. መንፈሳዊ ሕጊ
    1. ሕጊ ብሉይ ኪዳን
    2. ሕጊ ሓድሽ ኪዳን
    3. ሕጊ (ቀኖና) ቤተ ክርስቲያን
  4. ልዕልና ሕጊ
  5. ምፍራስ ሕጊ ዘስዕቦ ጉድኣት
  6. ምእዛዝ ሕጊ ዘምጽኦ በረኸት
  7. መደምደምታ

መእተዊ: ኣብ ውሽጢ እታ ንዘመናት ዝኣኽል ብቕዱሳን ኣቦታት እናተመሓደረት፥ ርእሳ ክኢላ ብሰላም ህዝቢ ትኣሊ ዝነበረት ቅድስቲ ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ካብ መፋርቕ 2005 . ፈረንጂ ጀሚሩ፥ ብዘይ ኣፍልጦ መራሒኣ ቅዱስ ስዩመ እግዚኣብሔር ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብውሽጢ ውሽጢ ሰይጣን ዝኣለሞ ሓደገኛ ዝዀነ መጻወድያ ተዘርግሓላ። ጠንቂ ናይዚ ውዲት እዚ ድማ፥ እቲ ብወርሒ ለካቲት 2002 .. ብዘይ ሕቶ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ብመንግስቲ ኤርትራ ንኽሕግዘኩም ምሁር ሰብ ሂብናኩም ኣሎና ተባሂሉ ዝመጸ ውልቀ ሰብ (ኣቶ ዮፍታሀ ቀሺ ዲሜጥሮስ) ንሕጊ ቤተክርስቲያን ብኢደ ወነኑ ስለ ዝቐየሮ እዩ። ዕላማ ምቅይያር ሕጊ ዝተደልየሉ ምኽንያት ድማ፥ ነታ ንሕጊ ክትርጉም ምሉእ ሥልጣን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያንና፥ እናረኣየት ከም ዘይረኣየት ምእንቲ ክጽልምታ፥ መንፈሳዊ ሕጊን ዓለማዊ ሕግን ልዕልናኦም ከጥፍኡ፥ ከም ውጽኢቱ ድማ ምፍራስ ሕጊ ጸረ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ፥ ቤተ ክርስቲያንውን ኣብ ኹሉ ምፍራስ ሕጊ ተኻፋሊት ምእንቲ ክትኸወን እሞ፥ እቲ ካብ ብሳላ ምእዛዛ ካብ እግዚኣብሔር ትቕበሎ ዝነበረት በረኸት ከተጥፍእ ዝተኣልመ ውዲት ይመስል። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብሪ ጸልማት እንተድኣ ተጸምቢራ ድማ፥ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክርስትና ንምጥፋእ ዝተገብረ ፈተነ ከም ዝፍተን  ዘጠራጥር የልቦን።

ቤት ሓያል ክሰርቕ ዝደለየ ቅድም ነቲ ሓያል ይአስሮ እሞ፥ ድሕሪኡ ቤት ሓያል ይምዝብር ከም ዝተባህለ፥ ቅድም ቀዳድም ንምሩጻትን ምሁራትን ኣገልገልታን ብዘይ ገለ ክሲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብምዱጓን ተጀመረ። ወረ እቶም ንምሉእ መዋእሎም ንቤተክርስቲያን ዘገልገልዋ ብዙሓት ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን፥ በቲ በዓል ግዜ ዝዀነ ኣቶ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ፥ ኣጸዳ(ካንሸሎ) ከይረግጹ ተኣጊዶም ኣሎዉ። ኮታ እቶም ሓዋርያዊ ሕግን ኣምላኻዊ ሓቅን ተኸቲሎም ንቤተክርስቲያን ብቕንዕና ከገልግሉዋ ዝደልዩ ዘበሉ፥ ፍትሒ ጎዲልዎም ይግፍዑ ኣሎዉ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ምልእቲ  ቤተክርስቲያን ተዋህዶ፥ ኣብ ከቢድ ቅልውላውን ነውጽን ትርከብ ኣላ። ካብ ቀኖናዊ ሕጊ ምብራቓውያን ቤተ ክርስቲያናት ባዕላ ንባዕላ ስለ ዝተነጸለት ድማ፥ ካብ ኣሓት ምብራቓውያን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናትን ዓለም-ለኻዊ ማኅበር ቤተ ክርስቲያናትን ምሉእ ብምሉእ ተነጺላ ንበይና ኣብ ማሕዩር ኣትያ ትርከብ ኣላ።

ይኹን እምበር ኣቐዲሞም ሱር ናይቲ ኩሉ ጥፍኣት ክጅመር ከሎ ብትኽክል ዘስተውዓሉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ነቲ እኩይ ተግባር ኣቶ ዮፍታሀ ኣውገዝዎ። እቶም ኣብ ጎኖም ደው ክብሉ ዝተሸሙ ጳጳሳት ግና ኣብ ክንዲ ምስ ኣቦኦምን ጥንታዊ ሕጊ ኣቦታቶምን ደው ዝብሉ፥ ነቦኦምን ንሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ብግሁድ ጠለሙ እሞ፥ ብጹእ ኣቦኦም ድማ…“ሕጊ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ ዚረግጸካኢሎም ሕጊ ከይረግጹ ኣጠንቀቕዎም። ንሳቶም ግና ድሮ ፈሪሆምን ተታሊሎምን ኣብ ኣጀንዳ ሕጊ ኣልቦ ዝዀነ ኣቶ ዮፍታሀ ስለ ዝፈረሙ፥ ነቲ ብስም ሥላሴ ዝተኣወጀ ውግዘት ሸለል ኢሎም፥ ምስቲ ጭዋ ሰብ ስለ ዝወገኑ፥ ሎሚ ሳዕቤን ናይ ጥልመቶምን ሕጊ ምፍራሶምን ብግብሪ ይርእይዎ ኣለዉ። ህዝብና ኸኣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ፥ ሎሚ ብዛዕባ ሕጊ ቤተክርስቲያን መንነት ቅኑዓትን ዘይቅኑዓት መራሕቱ፥ ኪፈልጥን ኪመራመርን ብምጅማሩ፥ ኣብ ዓዲ ዘሎ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘሎ ዝበዝሐ ህዝቢ፥ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ጥፍኣት ቤተ ክርስቲያን፥ ግብሪ ኣረማውያን ምዃኑ ከም ጽሓይ ቀትሪ በሪህሉ እዩ።

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝምህረና፡ ንዘይጠቅም ረብሓ ክትብል ነቲ ተገኒዝካ ዝተቐበልካዮ መዓርግ ምንዓቕ፡ ብህዝብኻን ደላይ ሓቂ ህዝቢ-ዓለምን ሕፍረት ኣብ ርእሲ ሕፍረት እምበር፡ ንመፍረስቲ ሕጊ ዝወሃብ ክብርን ሽልማትን የሎን። ስለዚ ንሎሚ ብተመሃሮ ስነ-መለኮት ዝቐርብ ዘሎመጽናዕታዊ ጽሑፍነቲ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተተንበየ ረዚንን ክቡርን ቃል ዝትንትን ኪኸውን እዩ።

1. ትርጉም ሕጊ

ሕጊ፡ ሓገገ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ እዩ። ገትአ፡ ደንቢ ሰርዐ ወይ ደንቢ ገበረ፡ ተባሂሉ ኪትርጎም ይኽእል። መዝገበ ቃላት ናይ ትግርኛ (1) ከኣ ከምዚ ኪብል ንሕጊ ገሊጽዎ ኣሎ፡- “ሕጊ፣ ማለት ሓደ ሕብረተሰብ ወይ ዜጋ ብፍሉጥ ሥርዓትን ደምብን መታን ኪመላለስ ተባሂሉ እተሠርዐ መምርሒ እዩ ኣብ ዓለምና ሕጊ እንተዘይህሉ ናብራ ደቂ ሰባት ካብ ናይ እንስሳ በረኻ ኣይምተፈልየን። እንስሳ ዘቤትን እንስሳ ዘገዳምን ካብ ዝፈላልዮም ቀንዲ ብሕጊ ወዲ ሰብ ምቕያድን ዘይምቕያድን እዩ።

ሰባትውን ብዘይ ወግዓዊ ሕጊ ክንነብር እንተመሪጽና ካብ ናብራ እንስሳ ዘገዳም ዝፍለ ህይወት ኪህልወና ኣይክእልን። ብሕጊ-ኣልቦነት ንቡር ህይወትን፡ ቀጻሊ ምዕባለ ደቂ ሰባትን የሎን። ሕግን ንሕጊ ዘፈጽም ሓይሊን እናሃለወ እኳ ንጋዶ! ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ብስምምዕ ዝጸንዕ ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕግታት ኣሎ። ካብ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ሕግታትውን ኣሎ። ኩሉ ድማ ዕላምኡ ሓደ እዩ፡- ሰባት ብስኒት፡ ሰላምን ፍቕርን ንኽንነብር፡ ሥጋውን መንፈሳውን ረብሓ ኽንረክብ ዝዓለመ እዩ። ንኣብነት ካብ ምንጪ ኩሉ ሰናይን ጽቡቕን ዝኾነ ልዑል ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ፡ ዓሰርተ ትእዛዛትን ካልኦት ሕግታትን፡ ዕላምኡ ከምዚ ኪብል ንጉሥ ሰሎሞን ይገልጾ።ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻምሳሌ 72

ህዝብና ሕጊ ዝፈልጥን ዘኽብርን ወረጃ ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ክቡር ባህልን ሃብትን ሕብረተሰብና ከምቀደሙ ኣሎ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረብ ዝክኣል ኣይኮነን። ናይ ትማሊ ታሪኽ ሃገርና ከምዝምስክሮ ኣብ መታሕት ይኹን ከበሳ ‘’ብሕጊ እንዳባ’’ ዝፍለጥ ኣብ ባህልን ልምድን ናይቲ ሕብረተሰብ ዝተመስረተ ሥርዓት ወይ ሕጊ ኣሎ። ሕጊ-ኣልቦን ከም ዊን ዝበሎን ዝነብር ሰብ፡ ከኣ ይፍንፈን እምበር ከም ሰብ አብ ሕብረተሰብና ክብረት ይረክብ ኣይነበረን። ሕጊ ዝጥሕስ ሰብ ይውዓል ይሕደር ናብ ሕጊ እንዳባኡ ብጣዕሳን ብኻሕሳን ይምለስ ምንባሩውን ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ።

ህዝብታት ብናቶም ድልየት ተኻቲዖምን ተላዚቦምን ሓደ ሕጊ እንተ ኣቝይሞም ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎነዊሕ ኣይነጥሮ፡ ሓጺር ኣይሰልኮ”  እንተኾይኑ ሰላምን ቅሳነትን ይነግሥ። ሓልዮት ህዝቢ ዘለዎ መንግሥቲ ኸኣ ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ከረጋግጽ ለይትን መዓልትን ይጽዕር። "እኽሊ ኣይኮነን ካብ ባይታ፡ እንታይ ደኣ ካብ ባይቶ" ከም ዝብሃል፡ ፍትሒ ከይጎደለ፡ ድኻ ከይተበደለ ልዕልና ሕጊ እንተሎ፡ ኣምላኽ ከኣ ኢዱ ይዝርግሕ እሞ ጥምየትን ድኽነትን ይጎድል፤ ህዝቢውን የስተርሁ።

2. ዓለማዊ ሕጊ

ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት፡ ዝቖመ ዓለማዊ ሕጊ ዘይነበረሉ እዋን ኔሩ እዩ። ሽዑ ግና ብቕትለት፡ ዓመጽን ዘረፋን ዝልለ ዘመናት ኔሩ። ወዲ ሰብ ከም ኣብ ኩሉ ዓውድታት፡ ኣብ ሥርዓተ-ፍትሒውን ብዙሕ ምዕባለ ኣርእዩ እዩ። በዚ መሠረት መብዝሕትኡ ሰብ ንሕጊ ምኽባር ንጥቕሙ ምዃኑ ብግቡእ ተገንዚቡ። ኩሉ ሰብ ኣኽባሪ ሕጊ ስለዘይከውን ኸኣ ልዕልና ሕጊ ዝሰፍነሉ ሜላውን ደንጊጉ እዩ። ስለስተ ኣካላት መንግስቲ፡ ማለት ሕጊ ዘርቅቕ፡ ንሕጊ ዝትርጉምን ዝዳንይን፡ ሕጊ ዘፈጽም ብምቛም ዝሓሸ ርትዓዊ ምምሕዳር ኪተክል ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ዝኾነት ሃገር ካብ ኩሉ ሕግታት ዝልዓለን ዝኸበረን ግን ሃገራዊ ቅዋም እዩ። ኩሉ ሰብ ማዕርጉን ሃብቱን ብዘየገድስ ትሕቲ ቅዋም ምስዝኸውን ማዕርነትን ሰላምን ይሰፍን። ንኣብነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ ናጽነቶም (ሓምለ 4, 1776) ኣብ ውሽጢ 11 ዓመታት (1787) ቅዋማዊ መንግስቲ ብምትካሎም ኣብ ዓለም ካብቶም ቀዳሞት ይስርዑ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣመሪካ ካብ ዓለም ዝሓየለትን ዝሃብተመትን ሃገር ኪትከውን ዝኽኣለት ርትዓውን ድልዱልን ሥርዓተ-ሕጊ (ቅዋም) ብምትካላ እዩ ይብሉ። ቅዋም ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ካብ መጀመርታኡ ፍጹም ኣይነበረን፡ ብዙሕ ድኻምን መስዋእትን ዝሓተተ 27 ግዜ ምምሕያሻት ተጌርሉ እዩ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣመሪካ ካብ ኩሉ ዓለም ርትዒ፡ ሃብትን ብልጽግናን ደልዮም ብዝመጹ ዝተፈላለዩ ኣሕዛብ ዝቖመት እኳ እንተኾነት፡ ንኹሉ ከከም ኣመጻጽኡ ዘነባብር ርትዓውን ፍትሓውን ሥርዓተ-ምምሕዳር ኣለዋ። ኩሉ ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኣብዚ ሃገር ክቡር እዩ፤ መሰሉ ሕሉው ስለዝኾነ እንተተበደለውን ጭብጡ ሒዙ ንማንም ብዓል ስልጣን፡ ንመራሕ ሃገር ከይተረፈ ኪኸስስ ይኽእል። በዚ ምኽንያት ጸሊምን ጻዕዳን፡ ሃብታምን ድኻን፡ ሰራሕን ኣስራሕን ተጸዋዊሮም ብኽብሪ ክነብሩ ምስረአኻ፡ ነቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌልምስ ኩሉ ሰብ ብስምምዕ ንበሩዝብል ጠቓሚ ምኽሪ ዘኪርካ ንኣምላኽ ተመስግን።

ኣብ ሃገርና ኤርትራውን ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ቅዋም ኣሎና። ቅዋም ሃገርና ድሕሪ ነጻነት (ግንቦት 1991) ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት (ግንቦት 1997) ብተሳትፎ ዝበዝሐ ኣካል ሕብረተሰብናን ብምሁራት ሃገራውያንን ዝተነድፈ ብዙሕውን ዝተደኽመሉ እዩ። ኣብ መቕድም እቲ ቅዋም ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ ዕላማ ቅዋምን ሠናይ ትምኒት ናይቶም ነዚ ክውን ንምግባር ዝደኸሙ ሃገራውያንን ክንርዳእ ስለ ዝሕግዘና ብዕምቆት ተገዲስና እንተ ኣንበብናዮ ጠቓሚ እዩ።

ንሕና፡ እዞም ብናይ ሓባር ቃልሲ ንመሰልናን ሓደ መጻኢናን ስሙር ሃገር ዝኾንና ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ንነዊሕን ዝናዊ ታሪኽ ዝተሰርሓሉን ሓርነታዊ ሰውራ፡ ምእንቲ ናጽነትን መሰልናን ህይወቶም ንዝበጀዉ ዓሰርተታት-ኣሽሓት ጀጋኑ ሰማእታትን፡ ንጽንዓት ኩሎም ሓርበኛታት ኤርትራውያንን እናመጎስናን፡ ኣብቲ ዘውረሱና ናይ ሓድነትን ፍትሕን ተሪር ምድሪ ረጊጽናን፡-...መሰል ዜጋታት፡ ሰብኣዊ ክብረት፡ ማዕርነትን ምዕሩይ ምዕባለን ዘውሕስ፡ ናይ ዜጋታት ነገራውን መንፈሳውን ድልየት ዝረውየሉ ኩነታት ዘጠጥሕ፡ ኣብ ድልየት ህዝብን ረብሑኡን ተሳትፎኡን እተመስረተ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል፡ ንቑጠባዊ ምዕባለ፡ ንማሕበራዊ ስኒትን ግስጋሰን መሰረት ምዃኑ ብምምርግጋጽ፣ንህይወትናን ህይወት መጻኢ ወሎዶታትናን ዝሰርዕን ዝገዝእን፡ ፍትሕን ሰላምን ዘስፍን፡ ኣብ ደሞክራስን ሃገራዊ ሓድነትን እተሰረተ፡ ግዝኣተ ሕጊ ዘንግሥ ቅዋም ከም ኪዳን ኣብ ሞንጎናን ኣብ መንጎ እቲ ብፍታውና እነቑሞ መንግስትናን ክኸውን ብምድላይ፣ ሎሚ 23 ግንቦት 1997 ኣብዚ ታሪኻዊ ዕለት እዚ፡ ድሕሪ ሰፊሕ ህዝባዊ ክትዕ፡ ብመገዲ ቅዋማዊ ባይቶ፡ ከም ዝለዓለ ሕጊ ናጻን ልኡላዊትን ሃገርና ኤርትራ፡ ነዚ ሃገራዊ ቅዋም እዚ ብወግዒ ንቕበሎን ነጽድቖን ኣለና።ይብል።

ብተወሳኺ ምስቲ ኣልዒልናዮ ዘሎና ኣርእስቲ ዝኸይድ ኣብ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓንቀጽ 19 ሰፊሩ ዘሎ እንተረኣአናዮ ኸኣ ነዚ ዝስዕብ ነንብብ።

ዓንቀጽ 19- ሓርነት ሕልና፡ እምነት፡ ምግላጽ ርእይቶ፡ ምንቅስቓስ ምእካብን ምውዳብን

1. ኩሉ ሰብ፡ ናይ ሓሳብ፡ ናይ ሕልናን እምነትን ሓርነት ኣለዎ።….

4. ኩሉ ሰብ፡ ዝኾነ ሃይማኖት ናይ ምኽታልን ምዝውታርን መሰል ኣለዎ።

ኣብ ዓንቀጽ 25 ከኣ ምስ መሰል ዝመጽእ ሓላፍነት/ግቡኣት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ይትንትን።

ብሓፈሻ ቅዋም ኤርትራ ንርትዓውን ፍትሓውን ምሕደራ ሰለስተ ገዛእ ርእሶም ዝኽኣሉ ኣካላት መንግስቲ ከምዘድልዩ ይኣምን። ሓጋጊ ኣካል (ብድምጺ ህዝቢ ዝተመርጹ ኣባላት ዘለዎ ሃገራዊ ባይቶ) ነጻ ሥርዓተ ፍርዲ (ብሞያውያን ዳያኑ ዝቖመ) ፈጻሚ ኣካል (ብፕረሲደንትን ካቢነ ሚንስተራትን ዝቖመ) ነፍሲ ወከፍ ኣካል ንውሱን ዕድመ ጥራይ የገልግል፡ ብድምጺ ህዝቢ ንዝምረጹ ሓደስቲ ዜጋታት ከኣ ስልጣኑ የረክብ ይብል። ስለዚ ቅዋም መሠረት ውሑስ ሕይወት እዩ። በዚ ምኽንያት ዝኾነ ሰብ ብሃገራውን ኣሕጉራውን ሕጊ ክመሓደር ምድራዊ መሰሉን ግዴታኡ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

3. መንፈሳዊ ሕጊ

ብሉይ ኪዳን

መንፈሳዊ ሕጊ እንታይ'ዩ፧ መንፈሳዊ ሕጊ ‘’ግበር፡ ኣይትግብር’’ ዝብል ልዑለ ባሕርይ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝሃበና ትእዛዝ እዩ። እዚ መንፈሳዊ ሕግታትን ትእዛዛትን ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቃል ኮይኑ፡ ብኣገልገልቱ ቅዱሳት ነቢያት፤ ሓዋርያት፤ ሰማዕታት፤ ጻድቃንን ተጻሒፉ ንውሉድ-ወለዶ ዝተመሓላለፈ ንነፍስን ሥጋን ዝጠቕም ኣምላኻዊ-መምርሒ እዩ። ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ‘’እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት ከኣ መንፈስ እየን። ሕይወትውን እየን’’ ዝበለ (ዮሓ 663) ብሓቅን ጽድቅን ኽንመላለስ፤ ኣብ ምድሪ ተባሪኽና ኣብ ሰማያት ድማ ንኽንከብር ይጠቕመና። ንሕጊ ዘይምቕባል ግና ሓጢኣት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ከኣ፥ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዝገብር፥ ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ። (1ዮሃ 34)

ዘለኣለማዊ ሕጊ ኣይትርገጽ ከይረግጸካ

ቀዳሞት ወለድናሕጊ ይነብር ተተኺሉ ሥርዓት ይነብር ኣዛዊሩከም ዝበልዎ፡ ሕጊ ንሓያልን ንድኹምን፥ ንዓበይትን ንነኣሽቱን፥ ንዝገዝእን ንዝግዛእን፥ ንዝረሓቑን ንዝቐረቡን፥ ዓሌት ይኹን ጾታ ከይፈለየ ብማዕረ ከገልግል ምእንቲ ተተኺሉ ዝነብር መንፈሳዊ ሓይሊ ከም ዝዀነ ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፋት ርኢናዮ ኣሎና። ይኹን እምበር እቲ ተተኺሉ ዝነብር ዘለዓለማዊ ሕጊ ዋናኡ መንዩ፧ ተባሂሉ ክሕተተሉ ድማ፥ ንቡር እዩ። መልሱ ድማ ሓደ እዩ፥ ንሱ ድማ ዋናኡ እቲ ኣብ ዘለዓለም ዝነብር፥ ኩሉ ሥልጣንን ሓይልን ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ እግዚኣብሔር እንተ ዘይዀኑ፥ ካልእ ወሃብ ሕጊ ዝበሃል የልቦን። ባዕሉ ይተክል፥ ባዕሉ ድማ ይነቕል፥ ባዕሉ ይሕግግ ባዕሉ ድማ የተግብር፥ ባዕሉ የዛውሮ፥ ባዕሉ ድማ ንሕጉ ይጣበቐሉ። ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅድስና ስለ ዘየብሉ፥ ቅዱስ ወይ ፍቕራዊ ሕጊ ክሕግግ ተኽእሎ ስለ ዘየብሉ፥ ካብ ሕጊ እግዚኣብሔር እናጨለፈ፥ ዝመሳሰል ባዕላዊ ሕጊ እናሰርዔ እዩ ዝነብር።

እቲ ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ዝነበረ፥ ዓለም ምስ ተፈጥረት ድማ ክሳዕ ሕጂ ዘገልግል ዘሎ፥ ዓለም ኣሕሊፉ ዝነብር፥ ብገዛእ ኣጻብዕቱ ጽሒፉ ንሰብ ዝሃቦ ዘለኣለማዊ ሕጉ ከምዚ ይብል።

1. ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ እየ፥ ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።

2. ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ምስልን ስእሊ ዘበለን ኣይትግበር።

3. ስም እግዚኣብሔር ኣምላኽካ፥ ብኸንቱ ኣይተልዕል።

4. መዓልቲ ሰንበት ክትቕድሳ ዘክር።

5. ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕሲ፥ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር

6. ኣይትቕተል።

7. ኣይትዘሙ።

8. ኣይትስረቕ።

9. ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።

10. ቤት ብጻይካ ኣይትመነ።

"ዘይተዓደመ ሳልሳይ ኣካል መፍረስ ሕጊ" ኣዳም ምስ ሰበይቱ፥ ነቲ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ኣምላኾምን ዝነበረ ሕይወትን ሞትን ዝገልጽ ሕጊ ኣምላኾም፥ ብጽቡቕ ሓልዮሞ እናተናበሩ ከለዉ ግና፥ ‘’ካልእ ሳልሳይ ኣካል’’ ኣብ ሞንጎኦም ኣትዩ፥ ሕጊ ክረግጹ መዓዶም እሞ፥ ነቲ ፈትዮም ብሕይወት ዝነብርሉ ዝነበሩ ቅዱስ ሕጊ ኣምላኾም፥ ረገጽዎ። ብመኽሪ እቲ ዘይተዓደመ ሳልሳይ ኣካል፥ ሕጊ ብምርጋጾም ሳዕቤኑ ሞትን ድኽነትን ሕማምን ቃንዛን ኮታ ኩሉ መከራ ዘበለ፥ ኣባና ኣብ ደቆምን ደቂ ደቆምን ክሳብ ሕጂ ክረግጸና ይነብር ኣሎ።

እቶም ብሳላ ኣብርሃም ነቲ ዘለዓለማዊ ሕጊ ምሕላዉ በረኸት ዝረኸቡ እስራኤላውያን፥ ብህይወት ክነብሩ ምእንቲ፥ ነቲ ኣብ ልቦናኦም ዝነበረ ሕጊ ኣምላኾም ከም ኣቦኦም ኣዳም ምቕባሉ ስለ ዘጸገሞም፥ እግዚኣብሔር ኣምላኾም፥ ሕጉ ክሳዕ ክንደይ ፋቃርን ፍትሓውን ሓርነታውን ከም ዝዀነ ብሕልናኦም ከስተውዕሉዎ፥ በኣዒንቶም ክርእይዎ፥ ብእዝኖም ክሰምዕዎ ኢሉ፥ ‘’ነውሔ ኢልካ ዘይትቕንሰሉ፥ ሓጸረ ኢልካ ዘይትልቅበሉ’’ ኣብ ገዚፍ እምኒ፥ ዓሰርተ ትእዛዛት ብገዛእ ኣጻብዕቱ ጽሒፉ፥ ብኢድ ሙሴ ገይሩ ሃቦም። እቶም ህዝቢ ድማ ክገብርዎ ቃል ኣተዉ።

ሕጊ ሓድሽ ኪዳን

እቲ ካብ መጀመርታ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ዝነበረ ሕጊ ኣምላኽ ኩሎም መላእኽትን ነቢያትን ተገዚኦምሉን ተማእዚዞሞን እዮም። ሕጂውን እቶም ናይ ኣምላኽ-ሰባትሲ ይነብርሉን ይግዝእዎን ኣሎዉ። እዚ ሕጊ ሎሚ'ውን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣይተለወጠን። እኳ ድኣ ዝያዳ ደልዲሉን ጸኒዑን እዩ። ክርስቶስ እቲ ሕጊ ከም ዘይልወጥ ክምህር ከሎ (ማቴ 517-19) ካብቲ ሕጊ ዋላ እታ ዝደቐቐት ነጥቢ ትኹን ከምዘይትጎድል ብዘየማትእ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ። እዚ ድማ ቀጻልነት ናይቲ ሕጊ ዝእምት ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ሕጊ ባዕሉ ክርስቶስ ምዃኑን ክሳብ ዳግማይ ዝመጽእ ዝነብር: ንዓለም ኣሕሊፉ ድማ ክነብር ምዃኑ ክምህር ስለዝደለየ እዩ።

ክርስቶስ ይኹን ሃዋርያት ንሕጊ ሓድሽ ኪዳን ክንነብረሉን ብሕጊ ተማእዚዝና ክንከይድ ኢዮም ምሂሮምና እምበር ንሕጊ እናፍረስና ክንነብር ኣይመሃሩናን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሕጊ-ሓድሽ ኪዳን ክዛረብ ከሎ፣ እቶም ሕጊ ዘለዎም ብሕጊ ኪፍረዱ ምዃኖም እቶም ሕጊ ዘይፈልጡ ድማ "ሕልንኦም እናወቐሶም ክፉእ ካብ ዝገብሩስ እቲ ሕጊ ኣብ ልቦም ተጻሒፉን ተወቒጡን ከምዘሎ ይምስክሩ ኣለዉ። ስለዚ ሕጊ እዃ እንተዘይብሎም በቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ልቦናዊ ሕጊ ክፍረዱ እዮም ይብል (ሮሜ 2: 12-16) እምበኣር ‘’እቲ ሕጊ-ኣምላኽ ኣብ ብራና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልብና ከይተረፈ ተወቂጡን ተጻሒፉን ኣሎ’’ ንሕጊ ዝምእዘዙ ሰባት እምበር መፍረስቲ ሕጊ (ንሕጊ ዝፈልጥዎ ግና ዘይነብርሉ) ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግደ ከምዘይብሎም መጽሓፍ ቅዱስፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር ጎይታይ ጎይታይ ዚብለኒ ኩሉ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኮነን” (ማቴ 721-23 1 ዮሃ 3.4) ይብል። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ምግባር ማለት ድማ ትእዛዙ ምሕላው ምዃኑ ጎይታ ኪምህር ከሎእተፍቅሩኒ እንተኼንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ” (ዮሃንስ 1415-16) ኢሉና።ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹ፣ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዐ ዘሎኹ፣ ከምኡ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተሓሎኹም፣ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም”(ዮሃንስ 1510) ስለዚ፣ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንን ሕጊ-ኣምላኽ ምሕላውን ክለተ ክንፊ ናይ ሓንቲ ዑፍ ምዃኑ፣ እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ኻልኣይ ዋጋ ከምዘይብሉ ብዘየማትእ መገዲ ክርስቶስ ምሂሩና'ዩ።  እቲ መንእሰይ መንግስቲ ኣምላኽ ክወርስ እንታይ ኪገብር ይግብኣኒ ኢሉ ንክርስቶስ ምስ ሓተቶውን፣ ጎይታ "ናብ ህይወት ኪትኣቱ እንተደሊኻ ግና እተን ትእዛዛት ሓሉ" (ማቴ 1917) ዝብል መልሲ ሂብዎ።እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፣ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፣ ኣነ'ውን አፍቅሮ ርእሰይ ድማ እገልጸሉ” (ዮሃ 1428) እናበለ ደጋጊሙ ይምዕደና። ኣብዚ ንእግረ መገድና ከነስምረሉ እንደሊ ሓደ ሓቂ ኣሎ። ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ኢና ዝብሉ "ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብጸጋ ኢና ንነብር፣ ስለዚ፣ ሕጊ ኣባና ምልኪ የብሉን" ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ግና ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ እዩ። "ብጸጋ ምንባር" ማለት ንሕጊ እናፍረስካ ምንባር ከምዘይኮነ ክንርዳእ ይግብኣና (ሮሜ 6:15; 1ዮሃ 3:9,10)

ጻድቕ ንሕጊ ኣምላኽ ኣኽቢሩ ብእምነት ይነብር።

ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮ፣ ትእዛዛቱውን ምስ እንሕሉ፣ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮም በዚ ኢና እንፈልጥ። ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ክንሕሉ እዩ እሞ፣ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።” (1 ዮሃ 5:2-3; 1 ዮሃ 2:2-5) ከምኡውንእቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት ኢየሱስን ዝሕልዉ ቅዱሳት ከኣ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ ”(ራእይ. 14:12; 12: 17) እናበለ ጻድቕ ዝጭበጥ ሳይንሳዊ ነገራት እናጸብጸበ ዘይኮነስ: ንሕጊ-ኣምላኽ ዓንዲ-ማእከል ናይ ህይወቱ ገይሩ ብእምነት ከምዝነብር እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ይምህረና። ኣቦና ፓትርያርክ እንጦንዮስውን ነቲ "..ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ" (ግብ 2028) ዝብል ሃዋርያዊ ሕድሪ ከኽብሩ እዮም ክሳብ ክንዲዚ መከራ ንምቕባል ዝጸንዑ። ከምቲ ሃዋርያ፣ ሞት ኮነ መከራ፣ ፈተና ኮነ ጸበባ ካብ ክርስቶስ ዝፈልየኒ የሎን ዝበሎ፣ ንሶም'ውን ነዚ ኣብነት እዚ ተኸቲሎም እዮም ናይ እምነት በትሪ ኣልዒሎም ደው ዝበሉ። እቶም እሙናት ባሮት ጎይታ ንመንፈስ ኢሎም መንፈሳዊ ነገር ከምዝዘርኡ፣ ካብቲ መንፈሳዊ ነገር ድማ ህይወት ከም ዝረኽቡ መጽሓፍ ቅዱስ ደኲንዎ ኣሎ። እግዚኣብሔር ድኣ ካብኡ ይሰውረና እምበር እቶም ንውልቀ-ረብሕኦም ኢሎም ዝዘርኡ ግና ካብቲ ናይ ስጋ ጥፍኣት ክዓጽዱ ከምዝኾኑ: ሰብ ድማ ዝዘርኦ ከምዝዓጽድ' ዓለም ዘይትኽሕዶ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰረቱ ትምህርቲ-ሓቂ እዩ (ገላ 6: 7-10)

ሕጊ (ቀኖና) ቤተ ክርስትያን

ሕጊ ቤተ ክርስትያን ምስ ናይ እግዚኣብሔር ሕጊ ዝጻረር ኣይኮነን። ብመሠረቱውን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተመሥረተ ቅኑዕ ሕጊ እዩ። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን (ማቴ. 1613-19 ዮሓ. 2021-23) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቦና ቅዱስ ጴጥሮስን ንኹሎም ሓዋርያትን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እምነት ክርስቶስ ከም ዝተመሥረተት የረድእ። ከምቲ እግዚኣብሔር ኣቦ ንወልድ፡ ብፍቓዱ፡ ንዓለም ከድኅን፡ ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ብሥጋ ግሁድ ኪገብሮ ዚለኣኾ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ንሓዋርያት።ከምቲ ኣቦ ነኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም ኣለኹ’’ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። ኃጢኣቶም ንዝኃደግኩሙሎም ኪኅደገሎም፡ ንዘይሓደግኩሙሎም ግና ኣይኪኅደገሎምን እዩ በሎም” (ዮሓ.2021-23)

እዚ መልእኽቲ እዚ፡ ከም ሓደ ኣምባሳደር ወረቐት ኣትሒዝካ ምልኣኽ ኣይኮነን። መልእኽቲ መንፈስ ቅዱስ፡ ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ ዚወሃብ ኣምባሳዳርነት እዩ። እዚ ድማ መልእኽቲ ኣብ: ወልድን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝኾንዎ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሥልጣን እዚ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሎ ሰብ ከም ይሁዳ ነቲ መገዲ ረጊጹን ክሒዱን፡ ከም ኣርዮስ ተገሲጹን ተማዒዱን ካብ ጌጋ ኣይምለስን ኢሉ፡ ክሳብ ዘይከደ፡ ህያብ ኣምላክ ብጸላእኩኻ ፈተኹኻ ምትካእ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ (ግብ.ሓዋ.121- 25) ቤተ ክርስቲያን ኣካል ክርስቶስ ካብኡ ዘይትፍለ እያ (“ኤፈ.122-23) ክርስቶስ ርእሲ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ዝተረፈ ኣካሉ እያ። ኣካል ካብ ርእሲ ተሪፉ እንተ ተፈልዩ ድማ መዋቲ እዩ።

ቅዱሳን ኣቦታትና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣካል ክርስቶስ ምዃናን ክርስቶሳዊ ሰንሰለትን ሓዋርያዊ መገድን ተኸቲላ ብዛዕባ ቀጻልነታ ዚበልዎ ንመልከት።

ቅዱስ ቀሌምንጦስ ረድኣ ቅዱስ ጴጥሮስ (95 .)

ሓዋርያት ቅዱስ ወንጌል ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተቀቢሎም ናባና ኣብጺሖም፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ ተላኢኹ። ስለዚ ኩሉ ብፍቓድ ኣምላኽ መሥርዑ ሓልዩ፡ ብትብዓትን ተኣማንነትን ድማ ትንሣኤ ክርስቲስ ንምምስካር፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ እሙናት ብምዃን፡ ድሕሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞሩ ኣመንቲ ኣጥረዩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ፈቲኖም ድማ ጳጳሳትን ዲያቆናትን ሾሙ።1ቀሌ.421-2)

ቅዱስ ኣግናጥዮስ ምጥው ለኣንበሳ ተመሃራይ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ (69 .).

ኩሉ እትገብርዎ ብፍቕሪ ኣምላኽ ግበርዎ፡ ጳጳስ፡ ኣብታ ኣካሉ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንበር ኣምላኽ ኮይኑ ብእምነት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካህናት፡ ዲያቆናት ምእመናን ከቢቦሞ፡ ምርኣይ ንኣይ እቲ ኣዝዩ ዝመቀረ እዩ። (ኣግናጥዮስ ናብ ማግናስዮስ 61) ቀጺሉውን ቅዱስ ኣግናጥዮስ፡ኩልኹም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሾመ ንሊቀ ጳጳሳት ከም ኢየሱስ ክርስቶስ፡ንጳጳሳትን ካህናትን ከም ሓዋርያት ተቀበልዎም።” (Magnesians 6:1)

ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሕይወትና ዘይፍለ፡ ዕላማ እግዚኣብሔር ኣቦ ዘሥመረ፡ ከምኡ ድማ ጳጳስ ዕላማ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምሥማር ብመንፈስ ቅዱስ ዝተላእከ እዩ።ኣግናጥዮስ ናብ ኤፌሶን 32ካብ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ንበይኖም ተነጺሎም ዝቖሙ ካብ ዝቖሙ ረሓቕ”  ኣብታ ኣካል ክርስቶስ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዘየለ፡ ኩሉ ኣካል ክርስቶስ እዩ ምባል ኣይከኣልን። ኣግናጥዮስ ናብ ኤፌሶን 35

ቅዱስ ኢራንዮስ፡ ቅዱስ ኢራንዮስ ኣብ 180 ተመሃራይ ፖሊካርፓስ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ወዲ ወዱ ብመንፈስ እዩ።ቤተ ክርስቲያን ሓቀኛ እምነታ ብሓዋርያዊ መተካእታ ኣቦታት ተኸቢሩ ኣባና በጺሑ።” ኣንጻር ከሓድቲ 33

ሊቃነ ጳጳሳት፡ ተኸተልትን ሓዋርያትን እዮም። ንኣኻትኩም ዝተቐበለ ነኣይ ተቐበለ ዝበሎ እዩ።ቀኖና ሂፖሊዶስ ሓዋርያዊ ትውፊት 3

እግዚኣብሔር ኣቦ ንክርስቶስ ልኢኽዎ ክርስቶስ ንሓዋርያት፡ ሓዋርያት ንሰዓብቶም (1ቀሌ.171-2) ጉባኤ ኒቅያ ናይ 318 ጉባኤ መንፈስ ቅዱስ ውሳኔ ኣብ ርእሲ ፓትርያርክ።  ኣብ ትሕቲ ሓደ ሊቀ ጳጳስ (ፓትርያርክ) ዘለዉ ጳጳሳት፡ ‘’ኣብ ርእሲ ፓትርያርክ ክሲ ተቐቢሎም ዝኾነ ውሳኔ ክህቡ ኣይክእሉን። ዝኾነ ገበን እንተ ሃለዎ ካልእ ኃዉ ፓትርያክ ኣብ ጉባኤ ተረኺቡ ገበን እቲ ዝተኸሰ ፓትርያርክ ከየርጋገጸ፡ ክውስኑ ኣይክእሉን።ውሳኔ ጉባኤ ኒቅያ 51

ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጳጳሳት ኤጲስ ቆጶሳት እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ ሃገረ ስብከታት ዚርከቡ ጳጳሳት ሓለቓኦም መን ምዃኑ ኪፈልጡ ይግባእ እዩ። ብዘይፍቓዱ ድማ ዓብይ ይኹን ንእስ ስራሓት ኪሰርሑ ኣይግባእን። ንሱ ድማ ብዘይምኽሮም ዓበይቲ ነገራት ኣይስራሕ። 3 ቀሌምንጦስ (ኣብጥሊስ ቀኖና 25)

  • ዝኾነ ጳጳስ ብፓትርያርክ ወይ ፓትርያርክ ብዝመርሖ ጉባኤ ካብ ኣግለግሎት ደው ኪብል ተኣዚዙ ነቲ ውሳኔ ስዒሩ እንተ ኣገልገለ ውጉዝ ይኹን፡ ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል የብሉን” (ቀኖና ጋንግራ 325-381.. ቀኖና 3)
  • ዝኾነ ጳጳስ ብዘይፍቓድን ኣፍልጦን ፓትርያርክ ዝኾነ ይዕበ ይንኣስ ስራሕ ቤተ ክርስቲያን ኪሰርሕ ኣይክእልን። ኣብ ሃገረ ስብከቱ ዝሰርሖ ስርሓት ብምልኡ ብኣፍልጦ ሊቀ ጳጳሱ ጥራይ ይኹን” (ቀኖና ጋንግራ-325-381ቀኖና 9)
  • ጳጳስ ብዘይፍቃድን ኣፍልጦን ፓትርያርክ፡ ናብ ዓለማዊ መጋባእያ ቤተ መንግስቲ ጥርዓን እንተ ኣቕረበ፡ ካብ መዓርግ ጵጵስናኡ ይውረድ። ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ከም ዝበሎ ኣምላኽና።” (ቀኖና 11)
  • ጳጳስ ብፓትርያርክ ይኹን ብምልኣት ሲኖዶስ ንዝበጽሖ ግፍዒ፡ ናብ ዓቢይ ሲኖዶስ ጥርዓኑ የቕርብ እምበር ናብ ቤት መንግስቲ ኣይኺድ። ከምኡ እንተ ገበረ ግና ምሉእ ብምሉእ ናብ ስልጣኑ ኣይመለስ።” (ቀኖና ጋንግራ 325-381 ቀኖና 12)
  • ዝኾነ ካህን ወይ ጳጳስ፡ ነቲ ዝሾሞ ጳጳስ ወይ ፓትያርክ ንዒቑ ብገዛእ ሥልጣኑ ናቱ ምምሕዳር ዚምሥርት፡ ዝተዋህቦ ዝሓደገ እዩ እሞ፡ ክሳብ ብንስሓ ናብ ጳጳሱ ወይ ፓትርያርኩ ዚምለስ ይከልከል።” (ቀኖና 17)
  • ኣብ ምምራጽ ጳጳስ ዓለማዊ ምእመን ከድምጽ ኣይግብኦን። (ቀኖና ሎዶቅያ 13)
  • ዝኾነ ጳጳስ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተኸሲሱ ኣብ ጉባኤ ቀሪቡ ብዝለዓለ ፓትርያርክ ገበነኛ ምዃኑ ከይተረጋገጸ፡ ካብ ቦታኡ ኣይተኣለ ኣብ ቦታኡ ካልእ መተካእታ ኣይገበሮ። (ሰርዲቅያ 343 .. ቀኖና 5)
  • ጳጳስ ንሕሙማትን እሱራትን ብርሕራሔ ዘይበጽሕን ዘይሓትትን እንተኾነ ነቲ እሱርን ሕሙምን ኣይንታዮምን እዩ፡ ንረብሓ ቤተ ክርስቲያንውን ኣይኮነን።” (ቀኖና ኣትናቴዎስ 15)
  • ቤተ ክርስቲያን ንካህናታ እኹል ዘመሓድር ዓቕሚ እንተ ዘይብላ፡ እቲ ጳጳስ ነቶም ካህናት ዘድልዮም ኩሉ ይሃቦምን ይፈጽመሎምን። እዚ ኪገብር ዓቕሚ ዘይብሉ ጳጳስ እንተ ኾነ ግና፡ ኣብ እንዳ ሃብታማት ይኺዱ። ጉድለት እቶም መንበረ ታቦት ሓዲጎም ዝኸዱ ካህናት ኣብቲ ጳጳስ ይመለስ።” (ቀኖና ኣትናቴዎስ 23)
  • ዝኾነ ኣብ መዓርግ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ካብ ኣጻዌ ኆኅት (ዓጻዊ ማዕጾ) ጀሚሩ ክሳብ ጳጳስ፡ ገበኑ ብሠለስተ መሰኻክር እንተዘይተረጋጊጹን እንተዘይኣሚኑሉን፡ ገበነኛ ተባሂሉ ኣይከልከል።” (ቀኖና ኣትናቴዎስ 53)
  • ወሊቀ ጳጳሳትሰ፡ ወይደልዎ ሎቱ ከመ ይትማከሮሙ፡ ለሰብኣ ኣእምሮ በእንተ ኩነኔ ወፍትሕ፡። .መንፈሳዊ ዓንቀጽ 481
  • ትርጉም፡ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ብዛዕባ ፍትሕን፡ መቕጻዕትን ምስ ፈላጣት መጻሕፍቲ ክማኸር ይግብኦ።
  • ብኃይሊ፡ ብተንኮል፡ ብኣድማ፡ ብህያብ፡ ብገዛእትን ሰበ ስልጣ ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር፡ ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፍለ። ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠልቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5 172- 185

ነቲ ብሕርየት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአ ርእሰ-ኣቦታት (ሊቀ ጳጳስ) ብዘይካ በዘን ዚስዕባ ሰለስተ ጉድለታት ብዝኾነ ካልእ ምኽንያት ካብ መዓርጉ ኣይእለን እዩ።

ልቡ እንተ ሰሓተ እሞ ከም ዘይኃዊ እንተ ተረጋገጸ።

ምሉእ ክሕደት ኣምልኮተ እግዚኣብሔር ከም ዘለዎ ምስ ዚረጋገጽ።

ኣብ ዝሙትን ቅትለትን እንተ ተረኽበ (ፍትሕ . 487-91)

5. ልዕልና ሕጊ

"ሕግሰ ጣባይዓዊ ተውህቦ ለሰብእ ቀዲሙ እምኀበ እግዚኣብሔር’’ እዚ ማለት ‘’ሕጊ ኣቐዲሙ ብእግዚኣብሔር ንሰብ ዝተዋህበ ባህርያዊ ትዕድልቲ እዩ’’ ከም ዝበለ ፍትሓ ነገሥት፡ ኣብዚ ዓለም ልዕልና ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ካብ ኣቦና ኣዳም ዝጀመረ ምዃኑ ተገሊጹ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ከምዚ ሎሚ ሕጊ ኣብ ወረቐትን ጽሑፋትን ከይሰፈረ ከሎ፡ ቀዳሞት ኣበውብሕጊ ልቦናእዮም ዝምርሑ ዝነበሩ። ኩሉ ወዲ ሰብ ንግዝኣተ-ሕጊ ከኽብርን ክእዘዝን ከኣ ግዴታ እዩ። እዚ ክንብል ከሎና ሕጊ ዘኽበረ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ይኸብር። ሕጊ ዘሕስር ሰብ ድማ ንሕይወቱ እዩ ዝሓስር። ሕይወትና ንባዕላውን ብሕጊ ዝቖመት ኣካል እያ። ስለዚ ወዲ ሰብ ንሕጊ ስድራ ቤት፡ ሕጊ ሃገርን ሕጊ ዓለምን ፈሊጡ ንልዕልና ሕጊ ኣኽቢሩ ብሰላም እንተ ተመላለሰ ነዛ ዓለም ዓቢይ ረብሓ እዩ።

ኵልና ከምዘንበብናዮ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ጳጳሳት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልሲ "ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ዝኽእል የሎን። ሕጊ ድማ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ" ክብሉ ሓጺርን ንጹር ብዝኾኑ ቃላት ንልዕልና ሕጊ ገሊጸሞ እዮም። ኣቦና እዚ ክብሉ ከለዉ ንዝኾነ ፓትርያርክ ብኣድማ ይኹን ብጸለመ--ሻራ ከተውርዶ ከምዘይትኽእል ብምግላጽ፡ ፓትርያርክ ገለ ገበን እንተገበረ ግና ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብዝፈቕዶን ዲድስቅልያ ብዝእዝዞን መሠረት ተኸሲሱ ካልእ ፓትርያርክ ናብ ዝመርሖ መንፈሳዊ ጉባኤ ከተቕርቦ ከምዝከኣል ሓቢሮም እዮም። ነዚ ዝምልከት ኣብ ቅዱስ ወንጌል እቶም ሕጊ ገዲፎም ‘’ሰይፊ ዘልዕሉ ኵሎም ብሰይፊ እዮም ዝጠፍኡ’’ ከም ዝበለ እቶም ንልዕልና ሕጊ ዘኽብሩ ድማ ብኽብረት ክነብሩን ክዝከሩን ምዃኖም ክንፈልጦ ዘሎና ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ማቴ 2652

ኣቦና ዳዊት ‘’ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕግኻ ይሕሸኒ’’ ከም ዝበለ መንፈሳዊ ሕጊ ልዕሊ ኵሉ ሃብትን ንብረትን ዝሕረ ምዃኑ እዩ ዘነጽረልና። (መዝ 11972) ስለዝኾነ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ነቲ ሓዋርያት ዝጸሓፉልና መንፈሳዊ ትእዛዛትን፡ ቅዱሳን ኣቦታት ዘቖሙልናን ቀኖናን መሠረታዊ ሕጋን ሥርዓታን ጌይራ እያ ትጎዓዝ ጸኒሓ። እቲ ኣብ ቀዳማይ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን 325 . ኣብ ኒቅያ፡ ካልኣይ መንፈሳዊ ጉባኤ 381 . ኣብ ቁስጥንጥንያ፡ ሣልሳይ መንፈሳዊ ጉባኤ 431 . ኣብ ኤፈሶን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ሕብረት ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምን ዝተወሰነ ሕግታት ከኣ 1700 ዓመታት ጸኒዑ፡ ኣጽኒዑና ዘሎ ናይ ልዕልና ሕጊ ሓይሊ ጭቡጥ ኣብነት እዩ።

እምበኣር ሎሚ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ልዕልና መንፈሳዊ ሕጊ ስለዝተጣሕሰ ከም ክንፊ ዘይብሉ ኣሞራ ክብራን መሓውራን ኣጥፊኣ፡ ካብ ዓለምን ካብ ሓፍታ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ መንበረ ማርቆስ ተነጺላ፡ ብህልኽ፡ ሕሜታን ክስን ትርመስ ኣላ። እዚ ድማ ንዘስተውዕል ልቢ ዘለዎ ኣማኒ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ከም ክርስቲያን መጠን እምበኣር ነቶም ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ሰማዕታት ዘኪርና ‘’ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ’’ ኢልና ምእንቲ ልዕልና ሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ክኽበር ኵልና መራሕትን ኣመንትን ሠሚርና ክነሰርሕን ልዕልና ሕጊ ክርገጽ ከሎ ድማ ሓቅን ሕግን ሒዝና ብጽንዓት ክንከላኸልን በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ።

6. ምፍራስ ሕጊ ዘስዕቦ ጉድኣት

ምፍራስ ሕጊ ማለት መገዲ እግዚኣብሔር ገዲፍካ መገዲ ሰይጣን ምስዓብ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ሰይጣን ሰማያዊ ሕጊ ስለዘፍረሰ እዩ ካብ ብርሃናዊ መልኣኽ ናብ  ማዕሙቕ ጸልማት ዝተደርበየ። ንኣዳም ሕጊ ኣምላኹ ከፍርስ ዘታለሎን፡ ቃኤል ንኃዉ ኣቤል ክቐትሎ ዝመኸሮን ድማ ረቂቕ ምኽሪ ሰይጣን እዩ። ስለዚ ብምፍራስ ሕጊ ኵሉ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ክሲ፡ ስርቂ፡ ውድቀት፡ ኃጢኣትን ሞትን ኣብዚ ዓለም መጸ። በዚ መሠረት ሕጊ ከተፍርስ ከሎኻ ኣንጻር ክብርኻን ሕይወትካን ትጎዓዝ ምህላውካ ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ። ዝኾነ ሰብ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን። እቲ ‘’ኣይትዘሙ’’ ዝበለኣይትቕተል’’ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ ካብ ትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ። ያዕ 210

ምፍራስ ሕጊ ዘስዕቦ ጉድኣት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ጉድኣቱ ምድራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ሰማያዊ ጉድኣትውን ኣለዎ። እቲ ሰማያውን ሓጋግ ሕግን ዝኮነ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ነታ ቀዳመይቲ ስድራቤት (ኣዳምን ሄዋንን) ዝሃባ ሕጊ ብዘይ ምእዛዝ ዘምጽእዎ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ኣብ ዘፍ 314-19 እንተ ተመልከትና፡ ጉድኣቱ ማዕረ ክንደይ ዓቢይ ከም ዝኾነ ይነግረና። ምፍራስ ሕጊ መቅጻዕቲ ስለ ዘስዕብ ወዲ ሰብ እንሆ ተሰካሚ ተዋራራሲ ሓጢኣት ሞት ኮይኑ ይነብር ነበረ። ካብታ ብሓጎስን ብደስታን ንኽነብርዋ ዝተዋሃበቶም ገነት፡ ተደርብዮም ካብ ክብሪ ናብ ሓሳር፡ ካብ ጽጋብ ናብ ጥሜት፡ ካብ ሓጎስ ናብ ሓዘን፡ ካብ ምርቓ ናብ መርገም፡ ካብ ትብዓት ናብ ፍርሃት ከም ዘውደቆም ነንብብ። ብሓቂ ከምቲ ቃል ኣቦና ፓትርያርክ እንጦንዮስ ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ ዝረግጸካዝበልዎ: እቶም ቅድሚ ሕጂ ሓይሊ ኣሎና፡ ግዜ ኣሎና ኢሎም ንሕጊ ዝረገጽዎ ሰባት በቲ ሓቀኛ ሕጊ ተረጊጾም እዮም። ሎሚ ዝረግጽዎ ዘለዉ ድማ ጽባሕ ክርገጹ እዮም።

ከምኡውን ታሪኽ እስራኤላውያን ሃዲእና እንተ ርኢናዮ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ዝሕልዉሉን ዘኽብርሉን ጊዜ ንጸላእቶም ብምስዓር ዓወት ይረኽቡ ምንባሮም ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ብኣንጻሩ ሕጊ ምስ ዘፍርሱን ሸለል ኢሎም ኣብ ዝኸዱሉን ጊዜ ከኣ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ይቃልዑን ይማረኹን ምንባሮም ቃል ኣምላኽ የዘንቱ። ስለዚ ሕጊ ምስ ዝፈርስ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ብሰላም ቅሳነት ከይነብርን ንኸይንዓብን ከም ኣብ እሾክ ዝበቆለት ቆልቋል ኩይኑ እንዳ ተሳቐየን እንዳ ነበዔን ይነብር።

ብሕጊ ምንባር ግድን ድዩ? ወዲ ሰብ ኣብዛ እንነብራ ዓለም ብሰላምን ተኸባቢሩ ክነብር እንተድኣ ኮይኑ ሕጊ ክህሉ ግድን እዩ። ከም ኣብነት ኣብዚ ብምቾትን ብኽብርን እንነብረሉ ዓዲ ሰሜን ኣመሪካ እንተ ሪኢና፡ ንሰብ ካብቲ ሕንጹጽ መስመር ንኸይወጽእ ዝሕልዎ ሕጊ ደኣምበር ተክኖሎጂ ዘምጽኦ መሳርሒ ኣይኮነን። ስለዝኮነ ከኣ፡ ነዚ ብሚልዮናት ዝቑጸር ስደተኛ ዘለዎ ሃገር ንኩሉ ዜጋ ጸሊም ኮነ ጻዕዳ ብማዕረ ክነብር ንርእዮ ኣሎና። ሕጊ ምንባር ኣብ ሃገርን ሕብረተ ሰብን ዘምጽኦ ጠቕምን ዕብየትን ልዑል ስለዝኾነ ውሑስ ሕይወትን ሰላማዊ ናብራን ዝደሊ ሰብ ንሕጊ ክግዛእ ሠናይ እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ እንተ ዘይህሉ ወድሰብ ናይ ምንባር ዕድሉውን ኣዝዩ ኣጣራጣሪ ኮይኑ ምተረኽበ።

‘’ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ቅኑዓት ገይሩ ፈጠረና። ንሕና ግና ብልሓት ኣብዚሕና ንሕይወትና ሕልኽልኽ ኣእቶናላ’’ ከም ዝበለ መክብብ 729 ሎሚ ወዲ ሰብ ብፍርሓት ኣምላኽን ግዝኣተ-ሕግን ተዓጊሡ ኸይነብር፡ ብስስዐ ሥጋዊ ድሌቱ ስለ ዝተዋሕጠ ኣብ ዓለምና ብሰንኪ ምፍራስ ሕጊ ቁጽሪ ዘይብሎም ኣብያተ ማእሰርትን ቤት ፍርድታትን ብብዝሒ ሰባት የዕለቕሊቖም ንርኢ ኣሎና። እዚ ድማ ሰብ ክሳብ ክንደይ ካብ ሰማያውን ምድራውን ሕጊ ርሒቑ ከምዘሎ ንምርዳእ ኣየጸግምን እዩ። ሕጊ ኸኣ ንጻድቃን ከም ዘይተሠርዐ ንፈልጥ ኢና። ሕጊ ዝተሠርዐ ንመፍረስቲ ሕጊ፡ ንጕሒላታት ነቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ፡ ንኃጥኣን፡ ንርኹሳት፡ ነቶም መንፈስ ዘይብሎም፡ ነቶም ኣቦኦምን ኣዲኦምን ዚቐትሉ፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ ንኣመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፡ ነቶም ሰብ ዚሸጡ ነጋዶ፡ ንሓሰውቲ፡ ነቶም ብሓሶት ዚምሕሉ፡ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዚቃወሙ እዩ። 1ጢሞ 19

ንኣብነት፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጊ ምጥሓስ ዘምጽኦ ጉድኣትን ሳዕቤኑን እንተ ተመልከትና፡ ኣመንታ ብምፍልላይ፡ ብሻራ፡ ብጽልኢ፡ ብቂም፡ ብባእሲ፡ ብትዕቢት ብሓሶት እትፋላለየሉ እዋን፡ ገለ ኣብ ገዛ፡ ገለ ኣብ ካልእ እምነት፡ ገለ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ባእስን ቆዮቛን ክሰምዕ ኣይከይድን ብምባል ኣብ ቤቱ ተዓጽዩ ዝነብር ብዙሕ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና ናይ ክብሪ ሚዛና ቀኒሳ እትራኣየሉ ዘላ ናይ ፈተና ጊዜ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይከኣል። እዚ ዅሉ ካበይ እዩ መጺኡ? ሳዕቤኑ እንታይ እዩ? ኢልና ንነብስና ምስ እንሓታ፡ መልሱ ኩልና ኣመንቲ ናይዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ከምቲ ክቡር ኣቦና ቀዳማዊ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ ክረግጸካ እዩዝበልዎ ቃል ብዘይ ምስትውዓልና፡ ክንድዚ ዝኣክል ስቓይን መከራን በጽሓና።

ኣብዚ ብንጹር ልዕሊ ዝኾነ ከነብርሆ እንደሊ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዚርከብ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር’’ ዝብል ዓቢይ ሕጊ በቶም ንዓለም መኒኖም ዝመንኮሱን፡ ንዕዮ ቤተ ክርስቲያን ክመርሑ ዝጰጰሱን ኣቦታት ክንዲ ናይ ፍቕሪ ናይ ዕርቅን ሓቅን ኣብነት ዝኾኑ፡ ንቀዋሚ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪሶም፡ ስም ሥላሴን ውግዘትን ረጊጾም፡ ንመራሒኦምን ብጻዮምን ጠሊሞም፡ ናይ ፍርሒ ጽልእን ህርፋን ሥልጣንን መራሕቲ ክኾኑ ምርኣይና ብልቢ ዘሕዝነና ነገር እዩ።  ነቲ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ተጀሚሩ ዝነበረ ቅልጡፍ ምዕባለን ብሩህ ተስፋን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖሞ ከምዘለዉ ከኣ ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። ጳጳሳት ኤርትራ ብሓቂ ንኣምላኾምን ንማዕርጎምን ክሳብ ሞት እሙናት ኮይኖም ስለ ዘይተረኽቡ ሕጊ ብምፍራሶም ካብ ዓለምን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ተነጺሎም ኣለዉ።

እግዚኣብሔር ነቶም ሕጉ ኣፍሪሶም ካብኡ ዝረሓቑ ሕዝቢ ናባይ ተመለሱ እሞ ኣነ ድማ ክምለሰኩም እየ’’ ከምዝበሎም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ 3 ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ ሕጊ ብምፍራስ ዝተወስደ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ዝመቓቕል ዓመጻዊ ውሳኔ ኵሎም እቶም ብኢዶም ፈሪሞም ዝወሰንዎ ጳጳሳት ጌጋኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ተኣሚኖም ብንስሓን መንፈሳዊ ጣዕሳን ተመሊሶም ንእግዚኣብሔር ክኽሕሱን ንሕዝቦም ክድብሱን ሕጂውን ግዜ ኣለዎም። ሕጊ ፈሪሱ ከሎ ‘’ኃጢኣት የብልናን እንተ በልና ግና ንገዛእ ርእስና ንጥብር ኣሎና እታ ሓቂ ኸኣ ኣባና የላን’’ ዝብል ማዕዳ ቅዱስ ዮሓንስ ምዝካርውን ጽቡቕ እዩ።1ዮሓ 18

7. ንሕጊ ምእዛዝ ዘምጽኦ በረኸት

ሕጊ እግዚኣብሔር እቲ ናይ መጀመርታ ቅዱስን መሠረት ናይ ኩሉ ቅኑዕ ሕግን እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ እግዚኣብሔር ብሓቂ ፍጹም ስለዝኾነ ጉድለት ዝበሃል ኣይርከቦን እዩ። ኢየሱስውን ንደቀ መዛምርቱ ክምህሮም ከሎ ኸምዚ በሎም፡እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ክትሕልዉ ኢኹም። (ዮሓ 1415) ስለዚ ንእግዚኣብሔር ምፍቃር ማለት ትእዛዛቱ ምሕላው ማለት እዩ። ኵሎም ነቢያትን ሓዋርያትን ቅዱሳን ሰማዓታትን ድማ ንሕጊ ኣምላኽ ስለ ዘኽበሩ እዮም ንውሉድ ወለዶ ብቕድስንኦም ዝዝከሩ ዘለዉ። ንሕና ኸኣ እቲ ዝዓበየ ህያብ ካብ ሰማያዊ ኣቦና ዝተቐበልናዮ፡ ሕጊ ሞትን ሕይወትን ከምዘምጽኣልና ፈሊጥና ብነጻ  ጽቡቕን ሕማቕን ናይ ምምራጽ ክእለት ተዓዲሉና እዩ። ዘዳ 3019

ኣቦና ዳዊት ብዛዕባ ሕጊ እግዚኣብሔር ክዝምር ከሎ ከምዚ ይብል፡- ሕጊ እግዚኣብሔር ፍጹም እዩ፥ ሓድሽ ሕይወት ይህብ፥ትእዛዝ እግዚኣብሔር እሙን እዩ፥ ንገርህታት ጥበብ ይህቦም። ሕጊ እግዚኣብሔር ቕኑዕ እዩ፥ ነቶም ዚእዘዝዎ የሓጉሶም፥ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ንጹሕ እዩ፥ ንኣእምሮ ምስትውዓል ይህብ ንእግዚኣብሔር ምፍራህ ጽቡቕ እዩ፥ንዘልዓለም ይነብር። ፍርድታት እግዚኣብሔር ሓቂ እዩ። ኩሉ ጊዜውን ቅኑዕ እዩ። ካብ ወርቂ፥ አረ ኻብቲ ኣዝዩ ዝጸረየ ወርቂ እኳ ዝኅረ እዩ። ካብ መዓር፥ አረ ኻብ መዓር ወለላ እኳ ዚጥዕም እዩ። ንኣይ ንባርያኻ እውን ፍልጠት ይህበኒ፥ ዚሕልዎ ዘበለ ከኣ ዓቢ ኻሕሳ ኣለዎ። (መዝ 197-11) ይብል። እምበኣር ብኽብሪ ንዝቕበሎ ሓድሽ ሕይወት፡ ንዓያሹ ጥበብ፡ ንኣእምሮ ምስትውዓልን ሓጎስን ዝህብ፡ ካብ ወርቅን መዓርን ንላዕሊ ዝኅረ ሕጊ እግዚኣብሔር ጥራይ ብምዃኑ ክንትግብሮን ክንቅበሎን ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ።

ብምኽባር ሕጊ መንፈሳውን ሥጋውን በረኸት ከምዝርከብ ዘየጠራጥር እዩ። ምኽንያቱ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ እቶም ሕጊ ኣምላኽ ዘፍርሱ ብመርገም፡ ምንቕጥቃጥ ምድርን፡ ማይ ኣይኅን ክቅጽዑ ከለዉ፡ እቶም ንሕጊ ተኣዚዞም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝመላለሱ ድማ ንውሉድ ወለዶ ዝጸንሕ ሃብትን በረኸትን ተቐቢሎም እዮም። ሕጊ ድማ ንደቂ ሰባት ከም መስትያት እዩ ተዋሂቡና። ናብቲ ሕጊ ምስ እንምልከት መንፈሳዊ ኩነታትና ንርኢ እሞ ጉድለትና ተረዲእና ናብቲ ጥንታዊ መገዲ ኣምላኽን ጽቡቕ ጎደናን ተመሊስና ብሰላም ክንጎዓዝ ይሕግዘና። ሕጊ እንተዘይህሉ ግና ሕማቕን ጽቡቕን ክንፈልጥውን ምስ ተሸገርና ኔርና። ስለዚ ንሕጊ እግዚኣብሔር ዝእዘዝን ዘስተንትንን ሰብ ብጹዕ እዩ። መዝ 12

ብተወሳኺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ምስ ናይ እግዚኣብሔር ሕጊ ዝጻረር ኣይኮነን። ብመሠረቱውን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተመሥረተ ቅኑዕ ሕጊ እዩ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ዝወሰንዎም ቀኖናታት ከኣ፡ ኣዝዮም ጠቐምቲ ብምዃኖም ኣኽቢርና ክንሕልዎምን ዝኾነ ሰብ ‘’ልዕሊ ሕጊ ክነብር እየ’’ ዝብል እንተመጸ ካብ ኣምላኽ ፍርዲ ከምዝቕበል ክነረድኦን ይግበኣና እዩ። 3 ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስውን ነቲ ብሓዋርያት ‘’ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብጋዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ’’ (ግሓ 2028) ዝብል ሕድሪ ስለ ዘኽበሩ ከቢድ ፈተናን ጸበባን እኳ ይወርዶም እንተሎ፡ ብውሽጦም ብዙሕ ከም ዝሕጎሱን በረኸት እዙዛት ከምዝቕበሉን ርዱእ እዩ። እቶም ንሥጋኦም ፈሪሆም፡ ፍቓድ ሰብ ምእንቲ ክፍጽሙ ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝረገጹን ብዘይ ሕጊ ዝነብሩን ግና ውሽጣዊ ጓህን ሕልናዊ ወቐሳን ከምዝስምዖም ዘየጠራጥር እዩ። ሕድሪ ኣምላኾም ስለ ዝጠለሙውን ዝቕበልዎ ጸጋን በረኸትን የሎን። ኣብ ቅድሚ ሰብ ክሓፍሩን ኽሓስሩን ከኣ ግድን እዩ።

እምበኣር ነቲ ዝተዋህበና መንፈሳዊ ይኹን መመሓደሪ ዓለማዊ ሕጊ ክንጥሕሶ ዘይኮነስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ከነኽብሮ ጽቡቕ እዩ። ሕጊ ብምኻባር ኢና ድማ እሙናት፡ እዙዛት፡ ብሓቂ ኣብነታውያን ክርስቲያናትን ምዃንና ከነረጋግጽ ንኽእል። ኵሎም እቶም ቅዱሳንን ክቡራት ሰባትን እንብሎም ዓበይቲ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ስለ ዘኽበሩ እዩ ኣምላኽ ሞገስን በረኸትን ሂብዎም። እግዚኣብሔር ድማ ንወዲ ሰብ ብቅሳነትን ህድኣትን ክነብር ድኣምበር ብሕጊ ኣልቦነትን ጥልመትን ክነብር ኣይኮነን ፈጢርዎ። ንኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብርሃም ብትእዘዝ እግዚኣብሔር ዝመላለስ ስለ ዝነበረ፥ብኸብትን፡ ብሩርን ወርቅን ኣዝዩ ሃብታም ነበረ (ዘፍ 132) እቲ ዕጉሥ ኢዮብ ጻድቕውን ንሕጊ ኣምላኹ ብምኽባር እዩ ብውሉድን ጥሪትን ተባሪኹ።

ስለዚ ከምቲ ኣምላኽ ብነቢይ ሙሴ ጌሩ ‘’ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እንተ ሓሎኹም፡ ብመገዱውን እንተ ኸድኩም እግዚኣብሔር ርእሲ እምበር ጭራ ኣይክገብረኩምን እዩ’’ ተጠንቒቕኩም ሕግታቱ እንተ ኣኽበርኩም ከኣ ብላዕሊ እምበር ኣብ ታሕቲ ከቶ ኣይክትኮኑን ኢኹም’’ ምስ በለነዚ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግታቱን እንተ ኣፈረስኩም ግና ብዙሕ መርገም ውርደትን ክበጽሓኩም እዩ’’ ከምዝበሎም ምዝካር ግቡእ እዩ። ዘዳ 2813

በዚ ምኽንያት ንመንፈሳዊ ሕጊ ምእዛዝ ማለት ንእግዚኣብሔር ምኽባርን ምምስጋንን ማለት እዩ። እቶም ዝወሃቡና ሕግታትን ትእዛዛታት ድማ ከም ኣርዑትን ጽዕነትን ዘይኮነስ፡ ከም መምርሒታትን መገድታትን ኢና ክንቆጽሮም ዘሎና። ምድራዊ ሕግታት ከየኽበርና ድማ ንሰማያዊ ትእዛዛት ከነኽብር ብፍጹም ኣይንኽእልን ኢና። ከመይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ሰብውን ሠናይ ንምግባር እዩ ዕላማና’’ ስለዝኾነ ከምቲ ሓዋርያት ዝኣዘዙና ነቲ ቅኑዕን ሕጋውን ክርስቲያናዊ ኣካይዳና ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣምላኽና ምእንቲ ከመስግንዎስ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣካይዳና ነጸብቕ። 2ቆሮ 821

8. መደምደምታ

ኣብዚ ብዛዕባ ልዕልና ሕጊ ክንዛረብ ከሎና፡ ብመጀመርታ ኣብ ዓለም ሕጊ እንተ ዘይህሉ ወዲ ሰብ ከመይ ኢሉ ምነበረ? እንታይከ ምኾነ ነይሩ? ኢልና ክንሓስብ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ሕጊ መሠረት ሕይወትን መምርሒ ምድራዊ ጉዕዞናን እዩ። እቲ ‘’ካብ ሕጊ ሓንቲ ነጥቢ ካብ እትወድቕሲ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል’’ ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ናይ ሕጊ ልዕልና ብንጹር ቃላት ገሊጹልና እዩ። ሉቃ 1617 ብፍላይ መንፈሳዊ ሕጊ ብግዜን ኵነታትን ከይተሓጽረ፡ ኣሚኖም ንዝፍጽምዎ ሕይወትን በረኸትን ከውርሶም ከሎ፡ ነቶም ንልዕልና ሕጊ ዕሽሽ ዝብሉ ግና ናብ ሕይወቶም መዓትን መቕጻዕትን ኣስዒብሎም እዩ (ኤር 4423)

ኵልና ከምንፈልጦ ኣቦና ኣዳም ንሕጊ ኣምላኹ ኣኽቢሩ ኣብ ገነት ክነብር ከሎ ምሉእ ሰላምን ብዙሕ በረኸትን ነበሮ። ትእዛዝ ምስ ኣፍረሰ ግና ግርማኡ ተቐንጠጠ፡ በረኸቱ ድማ ሃጸጸ። ነቢይ ኢሳያስውን ብዛዕባ ሕጊ ‘’ሕራይ እንተበልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምን ምድሪ እተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ኽትበልዑ ኢኹም’’ ይብለና። ኢሳ 119 ስለዚ ንሕጊ ምእዛዝ ሠናይ ነገራት የብልዕ፡ ዕረፍቲውን የምጽእ እዩ። ንሕጊ ዘይምእዛዝ ድማ ሞትን ውድቀትን እዩ ዘስዕብ። እግዚኣብሔር ንሙሴ ክእዝዞ ኸሎ ‘’ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስ ካብቲ ሕጊ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይተልግስ’’ በሎ (ኢያ 17)

እምበኣርከስ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ከምዝረኣናዮ ብሰንኪ ምፍራስ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ብዙሕ ተጻሒፉን ተዘሪቡን እዩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ሕጊ ኣምላኾም ዓቒቦም ነታ ዝመሓሉላ ቤተ ክርስቲያን በይኖም ክሳብ ሰማዕትነት ግቡኦም ፈጺሞም እዮም። ሎሚ ከነመሓላልፎ ንደሊ መልእኽቲ ብዛዕባ እቶም ካብ እምነት ሓላፊ ሽመት፡ ካብ ሓቂ ሓሶት፡ መሪጾም ኣብ ጌጋ መገዲ ዘለዉኣምላኽ ዕርቂ ንብኡሳት፡ ንስሓ ንጥፉኣት’’ ሰሪዑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ዝወረስዋ እቶም ጽኑዕ መንፈስ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ካሌብን ኢያሱን ምዃኖም ዘኪሮም፡ ምድራዊ ሕይወቶም ከየብቅዐ፡ ጻዕረ ሞት ከይመጸ፡ ከሎ ካብ ሓጻር ኢድ ሰብ ወጺኦም ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ከዕቁቡ ሓደራ ንብል።

ብዝተረፈ ቅዱስ ጽሑፍ እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም’’ ከምዝበለ እቶም ንልዕልና ሕጊ ዝረግጹ ድማ ‘’ብዙሕ ጭንቀትን ሕልናዊ ስቕያትን ኣለዎም። ስለዚ ነቶም 25 ሚያዝያ 2004 ብሕጋዊ መገዲ 3 ፓትርያርክ ክኾኑ ዝተመርጹ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ዮፍታሄን ጳጳሳትን ሕጊ ጥሒሶም 13 ጥሪ 2006 ካብ መንፈሳዊ ሓላፍነትኩም ኣውሪድናኩም ኢሎም ንኣባ ዲዮስቆሮስ እኳ እንተመዘዙ፡ ልዕልና ሕጊ ወትሩ ሕያው ስለዝኾነ ዓለማዊ ተነጽሎን ውርደትን ጥራይ እዩ ኣስዒብሎም ዘሎ እምበር፡ ንሓቂ ክቐብሩን ንቅኑዕ ሕጊ ክቕይሩን ኣይከኣሉን ዘለዉ እሞ ሕጊ ዝተሰርዐ ንመፍረስቲ ሕጊ ምዃኑ ተረዲእና ንልዕልና ሕጊ ንገዛእ!

"ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕግኻ ይሕሸኒ"

ዝተወከስናዮም መጻሕፍቲ/ጽሑፋት

  1. መርበብ ሓበሬታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ, www.tewahdo.org
  2. መጽሓፈ ፍትሓ ነገሥት ግእዝና ኣማርኛ
  3. ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ፡ 1999 ብኣቶ ተኪኤ ተስፋይ።
  4. Constitution of the United States of America online: http://www.archives.gov/exhibits/charters/constitution.html
  5. ሃገራዊ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ, 1997.
  6. ብማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኤርትራ ዝተሓትመ, መጽሓ ቅዱስ ትግርኛ
  7. መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ፩ይ
  8. መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ፪ይ
  9. ኣብጥሊስ
  10. ዲድስቅልያ ዘሓዋርያት።
  11. መጽሓፈ ሲኖዶስ፡
  12. ፈውስ መንፈሳዊ
  13. ቀኖና ባስሌዎስ ዘቂሳርያ።
  14. ቀኖና ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ።
  15. መጽሓፈ ተግሳጽ ዘዮሓንስ ኣፈወርቅ።
  16. ሥርዓተ ጽዮን
  17. መጽሓፈ ኪዳን ፩ይ
  18. ቀኖና ሕቶን መልስን ቅዱስ ጢሞቴዎስ ዘእስክንድርያ።

More about His Holiness Patriarch Antonios

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div