S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም-መተካእታ ዘይርከቦም ሊቅ

መምህር ዓምደብርሃን ሞይቶም ዝብል መርድእ ይስማዕ ኣሎ። ንዓይ ብውልቂ ዝስመዓኒ ሓዘን ወሰን የብሉን። ከመይሲ ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎም ሓደ ስለ ዝኾንኩ እየ። ነታ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና’ውን እዚ ናቶም ሞት ዓቢይ ማህሰይቲ እዩ።

መምህር ዓምደብርሃን ንዕቤት ተዋህዶ ብዙሕ ዝተቓለሱ ምዃኖም እቲ ዕድሚኦም ምሉእ ዝፈጸምዎ ተግባራት ሕያው ምስክር እዩ። ንሶም ካብ ጸሎት ዝተፈልየ ሕይወት ኣይነበሮምን። መገዲ እግዚኣብሔር ሒዞም ድማ ምድራዊ ዑደቶም ዛዚሞም።

መምህር ዓምደብርሃን ሓደ ካብ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና ከም ምንባሮም መጠን፡ካብ 1991 ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ንሶም ዘይተሳተፍዎ መድረኽ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ምሥጢራት መጻሕፍትን ሥነ ጽሑፍን ብዝነበሮም ብቕዓት፡ ኣዳላዊ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ብምዃን ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ምሁር እዮም። ስለ ዝኾነውን ብዝነበሮም ቅንኣት ሃይማኖት፡ ደኺመ ከይበሉ ዝፈጸሙዎ ኣገልግሎት ብውሑዳት ቃላት ገሊጽካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ብጀካ’ዚ መምህር ዓምደብርሃን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኽ ተዋህዶና፡ መጽሓፈ-ቅዳሴ ናብ ትግርኛ ካብ ዝተርጎሙ ሊቃውንቲ ሓደ ምዃኖም ይፍለጥ። እቲ ዝበዝሐ ናይ ምትርጓም ዕማም’ውን ንሶም ተሰኪሞሞ ከምዝነበሩ፡ እቶም ምስኦም ኣብቲ ዕዮ ተጸሚዶም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ይምስክርሎም እዮም። እቲ ኣገልግሎት ንቤተ ክርስቲያን ክሳብ ዝኾነ ዝደክም ሕልና ስለዘይነብሮም፡ ካልኦት ብዙሓት መጻሕፍቲ ምትርጓሞም’ውን ይፍለጥ።

ብዝተረፈ ኣብ ማሕተም ምብጽሑን ዘይምብጽሑን እኳ እንተዘየረጋገጽኩ፡ ኣብ 2005 ብኣካል ተራኺብና ኣብ ዝተዘራረብናሉ ግዜ፡’’ሃይማኖተ ኣበው’’ ኣብ ምትርጓም ይርከቡ ከምዝነበሩ ኣዕሊሎሙኒ ነይሮም። ሃይማኖተ ኣበው ምትርጓም ማለት ግን፡ ኣብ ውቅያኖስ ኣቲኻ ከም ምሕንባስ ዝቝጸር ከቢድ ሥራሕ እዩ። ነቶም ብዝለዓለ ደረጃ ዝዕቀን ናይ ሊቅነቶም ሞያ ዝነበሮም መምህር ዓምደብርሃን ግን፡ ዝኸብዶም መጽሓፍ ኣይነበረን። ኣነ ከም ኦርቶዶክሳዊ መጠን ዘብክየንን ዘሕዝነንን ድማ፡ ሎሚ ከም ሎሚ እታ ውጽዕቲ ቤተ ክርስቲያንና ሰብ ትድሊ ኣብ ዘላትሉ ግዜ፡ ክንዲ መምህር ዓምደብርሃን ዝኣኽሉ ዓቢይ ሊቅ ገዲፎሙና ምዃዶም መጸናንዒ ዘይብሉ ሓዘን እዩ።

መምህር ዓምደብርሃን ብዝነበሮም ኣፍልጦ መጻሕፍትን ምልከት ቋንቋታትን፡ ኣብቲ ብማእከልነት ’’ ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ’’ ዝተኻየደ ናይ ትርጉም ሥራሕ፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ብምውካል፡ ምስ ካቶሊካውያንን ወንጌላውያንን ብምዃን ፡ ኣብዚ ሕጂ ክርስቲያን ኤርትራን ትግራይን ዝጥቀሙሉ ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ክትርጉሙ ካብ ዝኸኣሉ ሊቃውንቲ ሓደ ምዃኖም ክርሳዕ ኣይክእልን። ብጀካ ትግርኛ ኣማርኛን፡ ግእዝን፡ እንግሊዝን ዕብራይጥን እውን ይመልኩ ስለዝነበሩ፡ ንሶም ዘይፈልጥዎ ትርጉምን ምሥጢርን ኣይነበረን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ከምኡ’ውን 1997 ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ክረቅቕ ከሎ፡ ነዚ ተልእኮ’ዚ ብግዚያዊ ሲኖዶስ ካብ ዝተጸውዑ ምሁራን ሓደ፡ መምህር ዓምደብርሃን ምዃኖም ይፍለጥ። እቲ ናይ ሕጊ ምርቃቕ ተልእኮ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ዘርኣይዎ ተገዳስነትን ዝገበርዎ ተወፋይነትን ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ከምዝነበረ ክምስክሩ ካብ ዝኽእሉ ሓደ ኣነ እየ። ብርግጽ’ውን ብዘይ ናቶም ጻዕርን ተወፋይነትን፡ ኣብ መፈጸምታ ክበጽሕ ምኸኣለ ክብል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን።

መምህር ዓምደብርሃን ንህልው ኵነታት ቤተ ክርስቲያንና ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ስለዝነበሩ፡ ብመጠን’ቲ እታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝስምዓ ዝነበረ ስቓይ፡ ኣኺሉ ክሳብ ዝተርፍ ተሳቕዮም እዮም። ኣብ ሕይወቶም እቲ ልዕሊ ኵሉ ዝሠርዑዎ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ከምዝነበረ፡ ዝምስክሩሎም ብዙኃት እዮም። እዚ ካብ ምርጫ ቀዳማይ ፓትርያረክ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ፡ መምህር ዓምደብርሃን ኣቐዲሞም ብራእይ ከምዝረኣይዎ፡ ይዛረቡ ኔሮም እዮም። እቲ ብጾምን ጸሎትን ዝፍለጥ ክርስቲያናዊ ሕይወቶም፡ ነቲ በብግዜኡ ክፍጸም ዝጸንሐ ምምሕዳራዊ ብልሽውና ክጽየፎ ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ናይ ጥፍኣት መኣዲ’ውን ኢዶም ኣይሓወሱን።

ብዝኾነ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግብሪ ክውዕል ከሎ፡ እቶም ኣብቲ ሕጊ ዝተቐመጡ መምቕራት ኣካል ሠሪዖምን ሕይወት ሰዅዖምን ክቔሙ ስለዝነበሮም፡ በዚ መሠረት  መምህር ዓምደብርሃን ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክመርሑ ካብ ዝተጸውዑ ሊቃውንቲ ምዃኖም ይፍለጥ። ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንሓላፍነት ዝበቕዑ ምዕቡላት ውሉደ ክህነት ከተፍሪ ብዝነበሮም ራእይ’ውን፡ ናብኡ ከብጽሕ ዝኽእል ጽጹይ መጽናዕቲ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ብዙኃት ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። እቲ ብዝኾነ መዐቀኒ ብቕዓት ኣሎዎ ዘይብሃል መሪሕነት ግና፡ ንዝቐረበሉ ሕሳብ ቁምነገር ኢሉ’ውን ኣይጠመቶን።

እቲ ኵነታት ተስፋ ዘቝርጽ እኳ እንተነበረ፡ እቶም ሕሉፍ ቅንኣት ኦርቶዶክሳዊ  ሃይማኖት ዝነበሮም መምህር ዓምደብርሃን ግን፡ ተሸኒፎም ኢዶም ዝህቡ ዓይነት ሰብ ኣይነበሩን። ስለዝኾነ’ውን ባዕሎም ብዝገበርዎ ጻዕሪ ምስ ኖርወጂያዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምድና ከምዝፍጠር ብምግባር፡ ኣርባዕተ ዙርያ ዝኸውን ሥልጠና-ካህናት ኣካይዶም እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሥልጠና’ውን 60 ካህናት ተሳተፍቲ ምንባሮም ይፍለጥ። ብጀካ’ዚ እቶም ካብ ገጠር ዝመጹ ምእንቲ ከይሽገሩ፡ መደቀስን መግብን ዝረኽቡሉ መንገዲ ኣጣጢሖሙሎም እዮም። ብተወሳኺ ነቶም ዝሥልጥኑ ናይ ገንዘብ ድጎማ በብወርሒ ዝኽፈል መሥርሕ ከተኣታትዉ ዝኸኣሉ፡ ኣዝዩ ምዕቡል ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ምሁር እዮም።

ኣብ 1998 ኣቢሉ ይመስለኒ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ብኣጋጣሚ ምኽንያት ምስ ከድኩ፡ ንትምህርቲ ሰንበት ብዝምልከት ነዊሕ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምስ ገበርና፡ ‘’ኣነስ ንጥሮታ ዝኸደሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ። ንስኻትኩም ግና ኣበይ ደኣ ከየሥርሑኩም እምበር፡ እቲ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ንቤተ ክርስቲያንና፡ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ስለዝኾነ፡ ብዘይ ተስፋ ምቝራጽ ጻዕርኹም ቀጽሉ ኢኹም’’ ከምዝበሉኒ እዝክር። ኣነ እቲ ጥሮታ ዝበሃል ነገር ኣብ ሓሳባተይ ስለዘይነበረ፡ ከም ስምብድ ኢለ ’’ እዛ ቤተ ክርስቲያንከ ንመን ክትገድፉዋ? ኢለዮም። ንሶም ከኣ ‘’ጥሮታኮ ሕጊ’ዩ። ንሕጊ ረጊጽካ ክኽየድ ከኣ ኣይከኣልን እዩ’’ ብምባል መሊሶሙለይ።

ኣነ ግን እዚ ጉዳይ’ዚ ስቕ ኢልካ ዝርአ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ስለዝመጸኒ፡ንጽባሒቱ ናብቶም በቲ ግዜ’ቲ ንሲኖዶስ ብምውካል ሰብ ተራ ኮይኖም ዝሠርሑ ዝነበሩ ኣቡነ እንጦንዮስን ኣቡነ ቄርሎስን ብምኻድ፡ ብዛዕባ መምህር ዓምደብርሃን ከምዘዘራረብክዎም እዝክር። እቲ ሽዕኡ ዝበልክዎም ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ ’’መምህር ዓምደብርሃን ንዕዮ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኖም፡ ካባይ ብዝበለጸ ንስኻትኩም’ውን ትፈልጥዎ ኢኹም ዝብል እምነት ኣሎኒ። ስለዚ ዝከኣል እንተደኣ ኮይኑ እቲ ጥሮታ ከምዝናዋሓሎም ይገበር። ኣይከኣልንዩ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ ድማ፡ ብፍሉይ ኵንትራት ክሠርሑ ዝኽእሉሉ መገዲ ይደለ’’ ብዝተረፈ ንመምህር ዓምደብርሃን ኣፋንያ፡ ቤተ ክርስቲያን መን ሒዛ’ያ ክትተርፍ’’ ብምባል’የ ተዛሪበዮም።

እቲ ናይ ጥሮታ ግዜ ንሓሙሽተ ዓመት ከምዝናዋሓሎም ኮይኑ ድማ፡ ንዕቤት ቤተ ክርስቲያን ክብሉ ዝከኣሎም ዘበለ ዅሉ ክገብሩ ጸኒሖም። እንተኾነ ’’ለኣድግ ኢይጥዕሞ መዓር፡ ዘእንበለ እጉስጣር’’ ከምዝበሃል፡ እቲ ምስ ሊቃውንቲ ሓቢርካ ምሥራሕ ከም ኵናት ዝፈርህ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፡ ንመምህር ዓምደብርሃን ኮነ ንካልኦት ሊቃውንቲ፡ ሓግሒጉ ካብ መንበረ ፓትርያረክ ኣውጽኦም። እቲ ብመምህር ዓምደብርሃን ዝተጀመረ ሥልጠና-ካህናት ዓጽዩ ድማ፡ ነቲ ናይ ተስፋ ጸሓይ በሪቑዎ ዝጸንሐ ደምበ ተዋህዶ ኣጸልሚትዎ።

ርግጽ’ዩ ንዮፍታሔ ኮነ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ኵሎም ዝግድሶም ኣይኮነን። ሞት መምህር ዓምደብርሃን ግን፡ ነታ ውጽዕቲ ቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ማህሰይቲ እዩ። ድሮ’ውን ካብ ቅድሙ ብዋሕዲ ምሁራት ክሳቐ ዝጸንሐ ደምበ፡ ሕጂ ድማ እዚ ተወሲኹዎ፡ ካንዶ ኣይተዓደልናን ኢና ዘየብል ኣይኮነን። ከመይሲ’’ኢይከብር ነቢይ በሃገሩ’’ ከምዝተባህለ፡ ሊቃውንቲ ተዋህዶ ካብ ማእከል ቤቶም፡ ወዲ ቤት ብዘይኮነ ጭዋ ተደፊኦም ክወጹ ካብ ምርኣይ ዘሕዝን ነገር የልቦን። 

ዝኮነ ንመንበረ ፓትርያረክ ቅርበት ኣለዎ ዝበሃል ኵሉ ከረጋግጾ ከምዝኻል፡ መምህር ዓምደብርሃን ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀረባ ፈታዊ እዮም ነይሮም። ክልቲኦም ብሓንሳብ ዓብዮም፡ ብሓንሳብ'ውን ተማሂሮም። ክሳብ መወዳእታ’ውን ከም ክልተ ኣኅዋት ኮይኖም ጉዕዝኦም ቀጺሎሞ። እዚ ከም ምኽንያት ተወሲዱ ከኣ’ዩ፡ እቲ ኣብ መንበረ ፓትርያረክ ዘሎ ብሲኖዶስ ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጦንዮስን ወገን ኣቡነ እንጦንዮስን ኵናት ዝኣወጀ። በዚ ሰበብ እዚ ከኣ’ዩ መምህር ዓምደብርሃን’ውን ተነጽሎን መስጎግትን ክበጽሖም ዝኸኣለ። ብእኡ ኣቢሎም’ውን ደፊኦም ደፊኦም ናብ መቓብር ኣብጺሖሞም።

እዚ ዅሉ ዝተገብረ ግፍዒ ብሓዊ ከምጽዋት ዝቝጸር እኳ እንተነበረ፡ እቲ ሳዕቤኑ ግን ነቲ ኣብ ዘይግብኦ መንበር ተቐሚጡ ዘሎ ጭዋ ይርድኦ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እንተ እቶም ንሱ ዝጸሓፈሎም ዘንብቡ ጉጅለ ግን ’’ኣባ ሥረይ ሎሙ፡ እስመ በዘኢየኣምሩ ይገብሩ’’ እንተዘይኮይኑ ካልእ እንታይ ክበሃል ይከኣል። ኣብቲ ምስላናኮ '’ሰብ መሲሉኒ እምኒ ቆንጥየ’’ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ።

ብዝተረፈ እቲ ኣዝዩ ዘጉህን ዘሕዝንን፡ መምህር ዓምደብርሃን ከም ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ትንሣኤ ሃይማኖት ተዋህዶ ክርእዩ፡ ባህግን ትምኒትን ጸኒሑዎም እዩ። ነቲ ዝጸንሖም ራእይ ግብራዊ ንምግባር’ውን ካብ ጫፍ ንጫፍ ወሪዶምን ደይቦምን እዮም። ክብሪ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ክርእዩ’ውን፡ ክግበር ዝከኣል ኵሉ ጻዕሪ ፈጺሞም እዮም። እቶም ኣብቲ ውሽጢ ዘለዉ ጉጅለ ንመሓውር ቤተ ክርስቲያን ከምዘይንቀሳቐስ ጌሮም ስለዝዓገቱዎ ግን፡ መምህር ዓምደብርሃን እቲ ዝነበሮም ጽቡቕ ባህግን ትምኒትን ተማሊኦሞ ንመቓብር ወሪዶም።

ደጊም መምህር ዓምደብርሃን ከይዶም እዮም። ዝምለሱ’ውን ኣይኮኑን። ሓደራ ኢልና ንነግሮም መልእኽቲ ግን ኣሎና። እወ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ስለዝኾኑ፡ ኣብቲ ጽርሓ-ኣርያም ኣብ መንበረ ፀባኦት ክበጽሑ እዮም ዝብል እምነት’ውን ኣሎና። ስለዚ ኣብቲ ሰማያዊ ንጉሥ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ከእውዩልና፡ ሓደራ ኢልና ተማሕጺናዮም ኣሎና። “እስመ በእንቲኣሁ ይቀትሉነ ኵሎ ኣሚረ ወኮነ ከመ ኣባግዕ ዘይጠብሑ ንቃሕ እግዚኦ ለምንት ትነውም።” (መዝ 44፡23)

ብዝተረፈ ክቡር መምህር ዓምደብርሃን! ምስ ሕዙን ልብናን ምስ ንብዓት ዓይንናን ንፋነወኩም ኣሎና። ናትኩም ሞት ንደምበ-ተዋህዶና ዓቢይ ወጽዓ እዩ። ንዓኹም ግና እዚ ሞት’ዚ ዕረፍቲ እዩ። ከመይሲ እቲ በቶም መንበረ-ፓትርያረክ ዘለዉ ጉጅለ ክግበረልኩም ዝጸንሐ ጸቕጢ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ካብ ሠማዕታት ቤተ ክርስቲያን ክትኮኑ ብምብቃዕኩም ግና ዕድለኛ ኢኹም። ነቶም ቅድሜኹም ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓሊፎም ዘለዉ፡ መጋቤ ሥርዓት ሉቃስ ገብረሚካኤል፡ ቀሲስ ባህታ ገብረሥላሴን፡ ሊቀ ጠበብት ጸጋይ ወልደኢየሱስን፡ እቲ ኣብ ዝባን ቤተ ክርስቲያን ዝገድፍኩሞ መንድዓት ገና ስለዘይወረደ፡ እቲ ቓንዛን ስቓይን ይቕጽል’ዩ ዘሎ በሉዎም። በሉ ጎይታና መምህር! እቲ ዘገልገልኩሞ ኣምላኽ ኣብ መንግሥቱ ይቀበልኩም። ንበዓልቲ ቤትኩም ወይዘሮ ኣዝመራን ደቅኹምን ድማ፡ እግዚኣብሔር ክእለቱን ጽንዓቱን ይሃቦም።

ዲያቆን ተኽለማርያም ምርካጽዮን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div