S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ እንተ ኣንበብና ኩሎም ኣቦታትና መንፈሳዊ ሓላፍነት ምእንቲ ከይስከሙ ካብ ሽመትን ሥልጣንን ይሃድሙን ይእሰሩን ከም ዝነበሩ ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ ካብ ‘’እቲ ካባኻትኩም ጎይታ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን’’ ዝብል ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወርሰ መገዲ ትሕትናን ቅድስናን እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ግና መገዲ ትሕትና ተሪፉስ ንሓቂ ብሓሶት ንሕጊ ብዓመጽ ንፍቕሪ ብጽልኢ ክትክኡ ዝጓየዩ ብህርፋን ስልጣንን ስስዐ ገንዘብን ዝታለሉ ሰባት ስለ ዝበዝሑ ጥልመትን ዕንወትን ኣብ ኵሉ ይስማዕ ኣሎ። ብድምጺ ንምስማዕ አብዚ ጠውቕ

እቲ ካብ 2005 ዓም ፈረንጂ ጀሚሩ፡ ብስም ጳጳሳት ኤርትራ ተጻሒፉ ተባሂሉ ዝወጸ ውሳኔታት፡ ነቲ 325 ኣብ ጉባኤ  ኒቅያ ብኣቦታትና ዝቖመ ሕጊ ስለዝግሃሰ፡ ካብ ኩለን ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስትያናት ተነጺሎም፡ ብህዝቦም ከኣ እንትርፎ ሕስራን ዝረኸብዎ ረብሓ የሎን። ተገኒዞም ዝተቐበልዎ ማዕርግ ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእትነት ኪኸፍልሉ ይግባእ ኔሩ። እንተስ ብፍርሒ ወይስ ብምትላል ነቲ ክብረቶም ዝኾነ ሕጊ ስለዝግሃሱ፡ ነቶም ብድምጺ መላእ ቤተክርስትያን ዝተመርጹ ኣብኦም ኣሕሊፎም ስለዝሃቡ፡ ህዝቢ ከኣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ንገበኖም እንዳቃልዐ፡ "ንስኻትኩም ነታ ንኣስታት 2000 ዓመት ኣብ መሰረት ሃዋርያት ጸኒዓ ዝነበረት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣይትውክልዋን እኹም" ኢሉ ይሙግቶም ኣሎ። ካብዚ ዝኸፍእ ውርደት የሎን።ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ፡ ብእግራ ትወጽእከምዝብሃል፡ ታሪኽን ግብረ-መልስን ፓትርያርክ እንጦንዮስ ግን ናብ ኩሉ ዓለም ተዘርጊሑ ዚፈልጦምን ዘይፈልጦምን ስሌኦምን ስለ ሓቅን ይምስክር ኣሎ። ንግዜኡ ብስጋ እኳ እንተሓሰሞም፡ ብሓቂ ካብተን ሰላማውያን ዓመተ-ሲመቶም ኣብዘን ናይ ፈተና ዓመታት ዚረኸብዎ ስምን ክብርን ይዓቢ። ኣካሎም እኳ ኣብ ሓደ ገዛ ኪዕጾ እንተተገደደ፡ መንፈሶም ግን ዳርጋ ንብምሉኡ ኣማኒ ኦርቶዶክስን ደላይ ሓቂ ህዝቢ ዓለምን ይመርሕ ኣሎ።  

እቲ ጉዳይ ከሰስትን ፈረድትን ባዕላቶም፡ ዝኸሰስሉን ፍርዲ ዝሃብሉን እዋን ኩሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣብ ርእሲ ምዃኑ እንካንዶ ስርዓት ቤተክርስትያንሲ፡ ኣብ ዓለማዊ ስርዓተ-ፍርዲ (ቤት ፍርዲ) ዝርከብ መባእታዊ መሰል ናይ ሓደ ዝተኸሰ ሰብ እኳ ኣየማልእን እዩ። ይኹን እምበር ኩሎም ምእመናን መሰረታዊ ጠንቂ ናይዚ ከቢድ ዕንወት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን ምጥፋእ ብሉጻት መራሕታን ኣነጺርና ክንፈልጥ ኣገዳሲ ብምዃኑ ካብዚ ቀጺልና እተን ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝቐረባሎም ሽዱሽተ (6) ክስታት በብሓደ ዘርዚርና ክንገልጸን ከሎና ሓጎስ ይስምዓና። ምኽንያቱ ሓሶት ብዙሕ ጊዜ እንተ ተደጋገመ ሓቂ ይመስል ከም ዝበሃል ገለ ነቲ ኩነታት ኣነጺሮም ዘይፈልጡ ሰባት ምእንቲ ከይታለሉ ‘’ንዅሉ መርምርዎ ነቲ ሠናይ ሰዓብዎ’’ ዝብል ጥቕሲ መሠረት ጌርና መብርሂታትና ብዝርዝር ነቕርብ።


1 ክሲ:- "ንመንእሰያት መካነ ሕይወት መድሃኔ ዓለም መናፍቓን ምዃኖም 2001 . ብጉባኤ ሊቃውንቲ ተረጋጊጹስ ቅዱስ ሲኖዶስ ፋሕ ክብሉ ዝሃቦ ውሳኔ ተቓዊምኩም" ይብል።

መብርሂ:-

1. ትምህርቲ ሰንበት መድሃኔ ዓለም መካነ ሕይወት ልዕሊ 3 ሺሕ ዝኾኑ መንእሰያትን ብመሪጌታ ተወልደመድህን መንግስቱ ዝተማህሩ 60 ዝኣኽሉ ዲያቆናትን ብዙሓት ወለድን ካህናትን ዘጠቓለለ ዓቢይ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዝካየደሉ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ማሕበር እዩ።

2. ቀናእ ሰይጣን ንትምህርቲ ሰንበት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ 3000 ዝኾኑ መንእሰያት መድሃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ከም ስርናይ ክሓሕዮምን ከጥፍኦምን መደበ እሞ ሓገዝቲ ሰባት ድማ ረኸበ። ብምኽሪ ሰይጣን ከኣ ሃንደበት 2001 . ኣብ ተዋህዶና ከቢድ ናይ ንብረት ዕንወትን ምንዳድ መጽሓፍ ቅዱስን ኣጋጢሙ እዩ።

3. መንእሰያት መካነ ሕይወት ብሓቂ እንታይ ዝብል መናፍቕነት ተረኽቦም? መን እዩ ከሳሲ? መን እዩ ፈራዲ? ኣበይ ቦታን በየናይ ውሳኔን ተረጋገጸ? ካብ ሓቂ ዝርሓቀ ክሲ እዩ።

4. መናፍቓን ምዃኖም እንተ ተረጋጊጹ ስለምንታይ ሰለስተ ሺሕ (3,000) ዝኾኑ መንእሰያትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ናብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስመራ ፋሕ ኢሎም ክምደቡ ተወሲኑ? ንመናፍቓን ብውግዘት ፈሊኻ ተርሕቖም እምበር ቦታ ኣይትቕይሮምን ኢኻ።

5. መንእሰያት መካነ ሕይወት መናፍቓን እንተ ኮይኖም ስለምንታይ ብኣባላት' ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝተዋጽአ ሓያሎ ገንዘብ፡ ቤት ንባብ ዘጠቓልል ንብረትን ናብ ኢድ ቤተክርስትያን ኣትዩ? ናይ መናፍቓን ገንዘብን ንብረትንዶ ንኣገልግሎት ቤተክርስትያን ይውዕል እዩ?

6. ዝበሃል ኣብ መሠረታዊ እምነትን ነገረ መለኮትን ትስብእትን ከቢድ ክሕደት  እንተ ገበረ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተማእኪሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስቲያንን "እዚ መናፍቕነት ጌርካ ትኣምንዶ ትኽሕድ ?" ተባሂሉ መልሲ ከይሃበ መናፍቕ ምባል ድንቁርናን ጽላለን ጥራይ እዩ።

7. ትምህርቲ ሰንበት ተዋህዶ:- ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንተመሃሮ መካነ ሕይወት ጥራይ ዘይኮነስ ንዅሎም ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ከይስጉጉ እዮም ትእዛዝ ዝሃቡ። ኣብ ቅድስት ማርያምን ቅድስት ስላሴን ዘጋጠመ ዕንወትን ምስጓግ መንእሰያትን ንተዋህዶ ኣርቢሕዋ ዲዩ? "ደርሆስ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት" ከምዝብሃል እዩ እቲ ነገር። ተካእቲ መንእሰያት ዘይብላ ቤተክርስትያን ትዓኑ፡ ተካእትና መንእሰያት ኣይንበትኖም፡ መንእሰያትን ተኽልን እንዳኾስኮስካን እንዳተኸታትልካን ኢኻ ኣብ ፍረ ተብጽሖም እሞ መማህራን ድኣ ንወስኸሎም እዮም ዝበሉ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ። ኩሉ ዝወለደ ዘበለ ዝርድኦ ቛንቛ እዩ፡ ለባምን ኣስተውዓልን ኣቦ ምዃኖም ከኣ የገንዝብ።

ተወሳኺ:- "ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስትን ...ፍን ስርሒት ዞባን ደብዳቤ ጽሒፍኩም ውጉዝ ስራሕ ፈጺምኩም" ይብል።

መብርሂ:-

እዚ "ንዕቀትን ድፍረትን ናይቲ ብስም ሲኖዶስ" ተባሂሉ ዝተባህለ፡ ዘይኮነስ ልቦናን ንቕሓትን ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ "ከይኮነ ለብም ከይተሰብረ ጸግን" ከም ዝበሃል ንጉዳይ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንግስቲ ኤርትራ ብቐረባ ስለ ዝፈልጦ ዘይተደልየ ስጉምቲ ምእንቲ ከይወስድ ኣቡነ እንጦንዮስ ሓደገኛነትን ተኣፋፊ ጉዳይ ትምህርቲ ሰንበትን: ፓትርያርክ መፍትሒ ንኽረኽብሉ ብዙሕ ጽዒሮምን ተቓሊሶምን እዮም። ሰማዒ ግና ኣይረኸቡን።

2."መናፍቓን" ዝብል ቃል "ነፈቐ" ካብ ዝብል ዝወጸ ቃል እዩ። ትርጉሙ ድማ፡ከፈለ፡ ንሓደ ነገር ኣብ ክልተ ምምቃል ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ባሕርያት ኢየሱስ ክርስቶስን ትስብእትን ናይ እምነት ምምቕቓልን ምኽፍፋልን ንዝገበረ ዝወሃብ ቅጽል ስም እዩ። ንኣብነት ኣርዮስን ንስጥሮስን ዝበሃሉ ከሓድቲ ብጉባኤ ምስ ተወገዙ መናፍቓን ይበሃሉ።

3."ውጉዝ" ዝብል ቃል "ወገዘ" ካብ ዝብል ዝወጸ ቃል እዩ። ትርጉሙ ድማ 'ፈለየ''ነጸለ' ማለት እዩ። እዚ ድማ መንፈሳዊ ሕጊ መሰረት ጌርካ ንዝፈጸሞ ጌጋ ኣረዲእካዮ ምምላስ ንዝኣበየ ሰብ ንምፍላይ እትጥቀመሉ መንፈሳዊ ሕጊ እዩ። ንኣብነት: ከም መቕደንዮስ ዝመሰሉ ክሓንድቲ ብውግዘት ተፈልዮም።


2 ክሲ:- "ናይ ነገረ መለኮትን ጉዳይ ሃይማኖትን ዘማኽሩ ሰባት መዚዝኩም ውጉዝ ስራሕ ፈጺምኩም" ይብል።

መብርሂ:-

1. ነገረ መለኮትን ጉዳይ ሃይማኖትን ዝምልከቶ ብፓትርያ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ጥራይ ምዃኑ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። እንተ ኾነ ግና ውሳኔ ቅድሚ ምሕላፉ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተመርዅሶም ዘጽንዑ ኣማኸርትን ሊቃውንትን ምምዳብ ብቑዕ ሓላፍነታዊ ስራሕ እዩ።

2. ቅዱስ ፓትርያ እንጦንዮስ ኣብ ዝኾነ ምምሕዳራዊ ስራሕ ቤተ ክርስቲያን ብምኽርን ልቦናን ክንከይድ ይግብኣና ዝብል ሰፊሕ ኣረኣእያ ኣለዎም። ምኽንያቱ ብዙሓት "ኣማኸርትን ለባማት ኣቦታትን ዘለ ሃገር ምሉእ ሰላም ኣለዋ’’ ከም ዝበለ ሰሎሞን።

3. ፓትርያ እንጦንዮስ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ምስ ክልተ ጳጳሳት ክመርሕዎ፡ ካልኦት ኣገደስቲ  ጉዳያት ዝምልከት ግና ኣጽኒዖምን ኣጻፊፎምን ናብ ውሳኔ ፓትርያረክ ዘቕርቡ ሰለስተ ሊቃውንት ኣብ ዝለዓለ ፍነት መንበረ ፓትርያ ዝነበሩ መዚዞም ንሲኖዶስ ኣፍሊጦም ምሉእ ተቐባልነት ረኺቦም እዮም። ኣብ ጉባኤ . ሲኖዶስ ቀሪቡ ብስምምዕ ኣብ ውሳኔ ዝተበጽሓሉ ጉዳይ ተመሊሱ ከም ክሲ ኪቐርብ ከሎ እቲ ጉዳይ ካልእ ግዳማዊ ዘይክርስትያናዊ ኢድ ከምዘለዎ ዘገንዝብ እዩ። ምኽንያቱ ጳጳሳት ብቅዱስ ፓትርያርክ ተመሪሖም ባዕላቶም ዘጽደቕዎ ተመሊሶም እንተኸሲሶም ንገዛእ ነፍሶም ይኸስዋ ኣሎዉ ማለት ኪኸውን እዩ።

ሎሚ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ከቢድ ዓዘቕትን ምብትታንን በጺሓ ዘላ ቅኑዓት ኣማኸርትን ንኣምላኽ ዝፈርሑ መራሕትን ስኢና ንሓንቲ ሕይወቶም ክመርሑ ብዘይክእሉ ዓመጽቲ ሰባት ትመሓደር ስለ ዘላ ጥራይ ምዃኑ ማንም ሰብ ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ።


3 ክሲ:- "ንምምሕያሽ ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ተቓዊምኩም። ተራእዩ ዘይፈልጥ ውሳኔ 03-02-2005 . የሕሊፍኩም" ይብል።

መብርሂ:-

1.ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ናታ መንፈሳዊ ሕጊ ኣለዋ። እቲ ሕጊ ዝመሓየሽ ድማ ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስን ብምልኣተ ጉባኤን ጥራይ እዩ። ንመንፈሳዊ ሕጊ ምምሕያሽ ማለት ግና ብዓለማዊ ሕጊ ምቕያር ማለት ኣይኮነን። ንሓደ ጭዋ ሰብ ንቤተክርስትያን ሓድር ዝፈቕድ ዓንቀጻት ምእንቲ ኪትስኽ ኢልካ ዝቕየር ሕጊ፡ እሞ ኸኣ ብዘይ ኣፍልጦን ድልየትን ቤተክርስትያን ከም ክሲ ኮይኑ ኪቐርብ ከሎ መስደመም እዩ። ፓትርያ ውራድ ክሳብ ክንድዚ ቀሊል፡ ንሓደ ጭዋ ሰብ ከኣ ዋና ኣማሓዳሪ ጌርካ ምሻም ናይ ውድቀት ወድቀት እዩ። እዚ ነገርዚ ኣብ ዘመንና ኪፍጸም፡ ከም መራሕቲ ሃይማኖት ይትረፍሲ ከም ኤርትራውያንውን ዘሐፍር እዩ።

2. ቅዱስ ፓትርያ ኣቡነ እንጦንዮስ ንምምሕያሽ ሕጊ ኣይኮነን ዝተቓወሙ። ነቲ ‘’ዮፍታሄ ዋና ኣማሓዳሪ ተዋህዶ ፈጻምን ኣፈጻምን ኩሉ ጉዳያት’’ ዝብል ውጉዝ ሕጊ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ዕለት 03-02-2005 . ብውሳኔ ኣውጊዘሞ ኢዮም። ትእዛዞምውን ናብ ኩሉ ተመሓላሊፉ እዩ።


4 ክሲ:- "ብዛዕባ ኣባይቲ ደብረ ቤትኤል ዝምልከት ደብዳቤ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ብማሕተም ሲኖዶስ ሰዲድኩም" ይብል

መብርሂ:-

1. ኣባይቲ ደብረ ቤትኤል ንመምሃሪ መንእሰያትን መንበሪ ውሉደ ክህነትን ክኸውን ዝተንሃንጸ ናይ መድሃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ገዛ ባንዳ ገዛውቲ እዩ። 11 ውሉደ ክህነት ምስ ስድራ ቤቶም ድማ ይነብርሉ ኔሮም።

2. ኣብ ወርሒ መስከረም 2004 . ዮፍታ ’’እዚ ኣባይቲ ናይ ማሕበረ ሓዋርያት ስለ ዝኾነ ኵሎም ነበርቲ ክወጹ ኣለዎም ዝብል ተሪር ትእዛዝ ለኣኸ። ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኾነ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ክነብርሉ ግቡእ እዩ ኢሎም። ስለዚ ብሓይሊ ፖሊስ ወጺኦም ኣብ ጎደና ምእንቲ ከይድርበዩ ‘’ክሳብ ንዘራረበሉ ካብ ኣባይቶም ከይወጹ’’ ዝብል ደብዳቤ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ልኢኾም። ሰይጣን ብህልኽ ስለ ዝድረር ግና እቶም ኣገልገልቲ ብሓይሊ ፖሊስ ከም ድሌት ዮፍታሄ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ኣብ ጎደና ተደርበዩ። ድሓር ከምዝተነጸረ ከኣ  ዮፍታ ንብረት ኣቦይ እዩ ኪብል ስለዝደለየ እዩ። እንተኾነ ኣብኡ ብህይወት እንተዝህልዉ: ብሞባእን ዕሽርን ምእመናን ዝተጠርየ ንብረት ኑ ባዕሎም ምመስከሩ ነይሮም እቶም ኣብኡ ዝሰፍሩ ዝነበሩ ውሉደ ክህነት ከኣ ኣብ ኣባይቲ እታ ለይትን መዓልትን ዘገልግልዋ ቤተክርስትያን እምበር ኣብ እንዳማቶም ኣይተቐመጡን። ብቐደሙ ካብታ ጭዋ ሰብ ዘመሓድራ ቤተክርስትያን ክብረት ውሉደ ክህነት ይኹን ክብረት ስድራ ቤቶም ኪትጽበ ኣይትኽእልን።

3.ግላዊ ርብሓ ዝድግፍ ዝብል ጸለመ ግና ዝኾነ ፓትርያ ንመሰል ውሉደ ክህነትን ምእምናንን ክጣበቐሎም ሓዋርያዊ ፍነቱ ምዃኑ ዘይምፍላጥን ስምዒታዊ ድፍረት ጥራይ እዩ።


5 ክሲ:- "መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘዘራረኩም ግዜ ነቶም ብሲኖዶስ መናፍቓን ምዃኖም ዝተኣምነሎም ብኻልእ ገበናትንውን ዝተኸሰሱ ሰባት ክፍትሕልኩም ብስም ቤተ ክርስቲያን ምሕታትኩም ኣንጻር ሲኖዶስ ደው ምባልኩም ዘነጽር እዩ።"

1. መብርሂ:- ሲኖዶስ መዓስ ዕለትን ኣበየናይ ጉባኤን እዩ ብጽሑፍ

    . ንቀሺ ገብረ መድህን ገብረ ጊዮርጊስ

    . ንቀሺ / ፍጹም ገብረንጉስ

    . ንቀሺ / ተኽለኣብ መንግስተኣብ

    . ንመሪጌታ ይትባረክ በርሀ

ከሲሱ መናፍቓን ኢዮም ኢሉ ወሲኑ ኣይፈልጥን። እዚ ውጹእ ሓሶት እዩ። ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ንምዕንቃፍ ብተንኮልን ውልቃዊ ጽልእን ዝተማህዘ እዩ።

መብርሂ:-  

2.ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2005 . ናብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያ መጺኡ ንኣቡነ እንጦንዮስን ንዮፍታሄን ዘከራኽረኩም ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ? ኢሉ ሓቲትዎም። ሓጋዚና ተባሂሉ ዝመጸና ዮፍታሄ ብሓዋርያዊ ማሕላ ዝተረከብክዎ ፍነት ዕሽሽ ኢሉ ‘’ልዕሌኹም እየ ይብል ኣሎ’’ ከቢድ ጸገምና ድማ እዚ እዩ: ረኣዮ። ኢሎም ንፕረሲደንት ኢሳያስ እቲ ዮፍታሄ ዘሕተሞ ውጉዝ ሕጊ ኣብ ኢዱ ሃብዎ።

3.ብተወሳኺውን ብዛዕባ እቶም ዝተኣስሩ ምሁራት ሰራሕተኛታት መንበረ ፓትርያ ‘’ክትፈሓትልና ብስም ቤተ ክርስቲያን እልምነካ ኣሎኹ’’ በልዎ። ንምዃኑ እዞም ዝተኣስሩ ሊቃውንት ካህናት መናፍቓን ምዃኖምን ካልእ ገበን ከም ዘለዎምን ኣቡነ እንጦንዮስ ከይፈለጡ ሲኖዶስ ብኸመይ ክፈልጥ ክኢሉ? ብዮፍታሄን ገለ ጳጳሳትን ከም ዝተኣስሩ ከኣ ይበርሃልካ።

4. እዞም ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነ ንመንግስቲ ኤርትራ'ውን ብልዑል ፍነት ዘገልግሉ ዝነበሩ ኦርቶዶክሳውያን ካህናት ብገበን ወይ ብመናፍቕነት ብወግዒ ዝተኸሰስሉ ሕግን ጽሑፍን ኣበይ ኣሎ?

5. ፓትርያ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘለዎም መንፈሳዊ ፍነት ምእንቲ እሱራት ካህናቶም ክፍትሑ ምልማኖም ወትሩ ዘንእዶም ሠናይ ስራሕዩ። ምኽንያቱ መንፈሳዊ መራሒ እሱር ክፍታሕ እምበር ሓደ ሰብ እኳ  ክእሰር ብፍጹም ጸሎቱን ድሌቱን ስለ ዘይኮነ።

6. ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብጸሎትን ልማኖን እሱራት ክተፍትሕ እምበር ደቃ ምእንቲ ክሳቐዩ እሰሩልና ኢላ ከሲሳ ኣይትፈልጥን እያ። ምኽንያቱ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምድራዊ እሰርቲ ዕላምኣ ስለ ዘይኮነ።

7. እዚ ብገለ ጳጳሳትን ሰብ ግዜ ጭዋታትን ተማኺሮም ንቅዱስ ፓትርያክን ሊቃውንት ካህናትን ብዘይ ሓደ ብቑዕ ክስን ፍርድን ከእስሩ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ከምቲ ይሁዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕሊፉ 30 ቅርሺ ዝሸጦ ዓቢይ ታሪኻዊ ጌጋ እዩ።


6 ክሲ:- "ምዝውዋር ኣቡነ ሽኖዳ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ተቓዊምኩም" ይብል።

መብርሂ:-

1.ንኣባ ሺኖዳ ጳጳስ ክኾኑ ዝቐብእዎም ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም። ኣብ ሃገረ ጣልያን ስለ ዝነበሩ ጳጳስ ኤውሮጳ ክኾኑ መደብዎም። በዚ ዘይተሓጎሰ ዮፍታሄ ምስ ሰዓብቱን ግና ነዚ ክቕይርዎ ብዙሕ ጸዓሩ። እዚ ከኣ ንምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ንምልማስ ስለ ዝኾነ ፓትርያ እንጦንዮስ ብትሪ ነጺጎሞ እዮም።

2. ኣባ ሺኖዳ ብዘይ ፍቓድን መምርሕን ፓትርያ እንጦንዮስ ናብ ሃገረ ኣሜሪካ መጺኦም እኳ እንተለዉ ኣብ ክንዲ ምርቓ መርገም፡ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ፡ ኣብ ክንዲ መንፈሳዊ ክብሪ ሓሳርን ውርደትን ረኺቦም ከም ዘለዉ ብዓይንና ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ። ንህዝቢ ተዋህዶ ድማ ጠንቂ ምብትታንን ምትህልላኽን ኮይኖም ኣብ ዝኸድዎ ሓዊ ይኣጕድሉ ኣለዉ። ምኽንያቱ ዝመጽዎ ንኽብሪ ኣምላኽን ዕዮ ወንጌልን ዘይኮነስ ንክብሪ ሰብን ንረብሓ ስጋን ክብሉ ምርቓ ኣብኦምን መራሒኦምን ረጊጾም ስለ ዝመጹ እዩ።

3. ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትርያ ዝመርሖ ኩሎም ጳጳሳት ጥራይ እዮም ክእከቡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝፈቕድ። ውጉዝ ዮፍታሄን ቀሺ ነበር ሃብቶም ርእሶምን ግና ካብ ጉባኤ ጳጳሳት ሓንቲ መዓልቲውን ተፈልዮም ኣይፈልጡን እዮም። እዚ ድማ ንምምሕዳር ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንሽሮ ኮይንዋ ዘሎ ከቢድ ጉዳይ እዩ።


ተወሳኺ ክሲ:- "ኣብ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ዕንቅፋት ኮንኩም ምጽናሕኩምን ምህላውኩምን ስለ ዝተረጋገጸ ካብ 11 ሓምለ 1997 . (18 ሓምለ 2005 .) በጀካ ጸሎትን ቡራኬን ካብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ክትግለሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ብውሳኔ የፍልጥ።" ይብል። 

መብርሂ:- 

1.ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ዕንቅፋት ዘይኮኑስ ዓንድን ድልድልን ናይ እምነት እዮም ኔሮም። ገበርቲ እከይ ነቲ ብሩህ ራእዮምን ዕላምኦምን ስለ ዝፈለጡ ግና ንኸይትግበር ኣውሪደሞም።

2.ንሓደ ሕጋዊ ፓትርያ ዕንቅፋት ኮንኩም ኢልካ ብሓሶት ምኽሳስ ድማ ንወላዲኻ ምኽሳስን ንሥልጣን እግዚኣብሔር ምቅዋምን እዩ። ኣቡነ እንጦንዮስ ዓመጻዊ ዕልዋ ምስ ተኣስሩ ድማ ዮፍታሄን ጳጳሳት ኤርትራን ኣብ ምዕናው ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ግብራዊ ስርሖም ንርእዮ ኣሎና።

3. ቅዱስ ፓትርያ ኣቡነ እንጦንዮስ ከኣ ከምቲ ከሰስቶም ዝበልዎ ‘’ብጸሎትን ቡራኬን ጥራይ ምስ ኣምላኾም’’ ካብ ኵሉ ዓለም ተገሊሎም ኣለዉ።

4. ኣየ! ነዚ ናይ ሓሶት ክስታት ዝመሃዘ ኣእምሮ፡ እተን ነዚ ዝጸሓፋ ኣእዳው፡ ነዚ ዝፈረማ ኣጻብዕቲ ኣየ ክንደይ እግዚኣብሔር ጸሊእሎም እዩ?

5. ኣየ! ነቲ ሓቀኛ ጉዳይ እናፈለጠ ዘጽቀጠ ሰብን በዚ ሕማቕ ምኽሪ ሰይጣን ተሓጕሱ ንዕንወት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ተዓጢቑ ዘሎ ውሉደ ክህነት ይኹን ምእመን ክንደይ ኣምላኽ ጸሊእሉ እዩ?

6. ኣየ! ነቲ ሓቀኛ ጉዳይ እናፈለጠ ዘጽቀጠ ሰብን በዚ ሕማቕ ምኽሪ ሰይጣን ተሓጕሱ ንዕንወት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ተዓጢቑ ዘሎ ውሉደ ክህነት ይኹን ምእመን ክንደይ ኣምላኽ ጸሊእሉ እዩ?

መጠቓለሊ:- ንሕና ግና ቅዱስ ጽሑፍ 'ነቶም ሕሩያት ኣምላኽ ዝኸሶም መን እዩ?'(ሮሜ 833) ከምዝብሎ ከሳሲ ቅዱሳን ኣቦታትን ኣሕዋትን ቀናእ ሰይጣን ኣርጊጽና ንፈልጥ ኢና። ንኽሉ ግዜ ዎ፡ ንዓመጽን ንዓመጸኛታትን ግዜኦም ዎም፡ ንፍትሕን ንቕኑዓትን ከኣ ግዜ ኪመጽእ እዩ፤ ርሑቕውን ኣይኪኸውንን'ዩ። እዚ ናይ ጸልማት እዋን ብብርሃን ምስ ተተክአ እዝንና ዝሰምዖኦ፡ ዓይንና ዝርእይኦ ጉድ ኪህሉ እዩ። ኣምላኽ ንሓቂ ትምስክር እስትንፋስ፡ ንፍትሒ ደው ትብል ህይወት ይሃበና። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓቂ እዩ፣ ምስቶም ሓቀኛታት ስለዝኾነ መጨረሽታኡ ዓወት ናይቶም ሰብ ሓቂ እዩ። ንመንፈሳዊ ኣቦ-ምእመናን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ሕጊ ወጻኢ: (1) ክሕደት (2) ዝሙት (3) ረሲእነትን (ጸገም ኣእምሮ)  ከይተረኽቦም ከሎ ብጉዳይ ገዛን ስለ እሱራት ለሚንኩምን ተባሂሎም ካብ መዓርጎም ክወርዱ: መሠረት ዘይብሉ ክሲ-ሰይጣንን ጥልመት-ሃይማኖት ምዃኑ ግሁድ ሓቂ እዩ። 

እመቦ ዘይተሉ ኖላዌ እኩየ ሞቱ ክሱት በቅድሜሁ’’ ሓደ ንዓመጸኛ ጓሳ ዝስዕብ እንተሎ፡ ሞቱ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ! (ዲድስቅልያ 7  ፍትሓ ነገሥት ገጽ 39)

ደቂቀ እንጦንዮስ
ተማሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ .. ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div