S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቃለ መሕትት ምስ ናይ ቲኦሎጂ ምሁር ኣባ ሽኖዳ ማህር

ቃለ መሕትት ምስ ናይ ቲኦሎጂ ምሁር ኣባ ሽኖዳ ማህር
ኣዳለውቲ ተመሃሮ ስነ-መለኮት “ደቂቀ እንጦንዮስ”
ቪድዮ ናይዚ ቃለ-መሕትት'ዚ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ.

መእተዊ:- መነኮስ ኣባ ሽኖዳ ማህር፡ ንልዕሊ 40 ዓመት ፕሮፌሰር ናይ ኦክስፎርድ ዪኑቨርሲቲ ኮይኖም ስነ-መለኮት ዝምሃሩ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ካብቶም ዝልዓሉ ናይ

ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን  ሊቃውንቲ ሓደ እዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ኣድማሳዊ ጉባኤታት ንኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ግብጽን ኤርትራን  ወኪሎም ዝተጋብኡን፡ ንቤተክርስትያን ብዝምልከት ኣብ ዘመንና ካብ ዘለዉ ሊቃውንቲ፡ ብነገረ መለኮት ብቀዳምነት ዝስርዑ ሊቅ ወዲ ቤተክርስትያን እዮም። ብተወሳኺ: መነኮስ ኣባ ሽኖዳ ማህር፡ ናይ ስነ-ጥዕና በዓል ሞያ (MD,Medical Doctor) እዮም።

ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓደ ካብቶም ዝድነቑ መማህራን ብምዃኖም፡ ነዚ ፍሉይ ዕድል ብምጥቃም ተመሃሮ ስነ-መለኮት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ፡ ኣኸቲልዎ ዝርከብ ኣድማሳዊ ተነጽሎን ውሽጣዊ ነውጽን ብዝምልከት ፍሉይ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዶም። ተተርጒሙ ናብ ህዝቢ ኪቐርብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ቃል ኣቲና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ መነኮስ ካህን ሽኖዳ ማህር ቀኖናን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ቤተክርስትያን ተዋሕዶ ብምዝርዛር፡ እቲ ኣብ ናይ አርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ተፈጺሙ ዘሎ ግህሰት ብዕምቆት ብምዝርዛር ዝሃብዎ መልሲ ይቕጽል።

ሕቶ. ታሪኻዊ ዝምድና ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስትያናትዶ ምገለጽኩምልና?

መልሲ መነኮስ ካህን ሽኖዳ ማህር፡- ልክዕ’ዩ ናይ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብያተ ክርስትያናት፡ ኣሓትን ደቂ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላውን እየን። ቅ. ማርቆስ፡ ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ናይ መጀመርያ ሰባኺ ወንጌልን ቀዳማይ ፓትርያርክ ናይ ዞባናን እዩ። ካብ ክርስቶስ (0 - 33 ዓም) ዝተበገሰ ሃዋርያዊ ሰንሰለት፡ ድሕሪ ቅ. ማርቆስ (43 - 68 ዓም) ብሰማዕትነት ምሕላፉ ናብ ካልኣይ ፓትርያርክ ቅ. ኣንያኖስ (68 - 85 ዓም) … ከምኡ ኢሉ ቀጺሉ ብፓትርያርክ (መበል 20 ፓትርያርክ) ቅ. ኣትናቴዎስ 1ይ  (326 - 373 ዓም)፡ ብቕብኣት ቅ. ኣትናቴዎስ ከኣ ኣቡነ ፍረሚናጦስ ናይ መጀመርያ ሰባኺ ወንጌልን ጳጳስን ኮይኖም ናብ ኤርትራ ብድሕሬኡ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተጎዓዙ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ስኑድ እዩ። ብተወሳኺ ብመጽናዕቲ ዝተረኽበ ቅርስታትውን ምስክር እዮም።

ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ግዜ ኦሪት ጀሚሮም እምነት እግዚኣብሔር ስለዝነበሮም፡ ስብከተ ወንጌል ኣቡነ ፍረሚናጦስ ብሰላም እዩ ተፈጺሙ፡ ናይ ሰላም መልእኽቲ ብሰላም ስለዝሰበኹ፡ ኣባ ሰላማ ዝብል ቅጽል ስም ከኣ ተዋህቦም። ክሳብ 1954-1955 ግብጻውያን ጳጳሳት ኣኣብ እዋኑ እናመጹ ንቤተክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ይመርሑ ነበሩ። መግዛእቲ ናይ ጥልያን ምስ ኣብቕዐ ሓሙሽተ ጳጳሳት ብድሕሬኡ ከኣ ናይ መጀመርያ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ኣቡነ ባስልዮስ ተመሪጾም። ካልኣይ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ኣቡነ ቴዎፍሎስ መንግስቲ ደርጊ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ብዓመጽ ኣውሪድዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ሃለዋቶም (ሙማቶም ወይ ምህላዎም) ከይተፈልጠ፡ በደሎም እንታይ ምዃኑ ብነጻ ቤት ፍርድን ብጉባኤ ቤተክርስትያንን ከይተነጸረ፡ ሓድሽ ፓትርያርክ ክንቀብእ ደሊና መጺኹም ቅብኡልና ኢሎም ናብ ግብጺ ሓቲቶም። ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ካብ ሕጊ ቤተክርስትያን ወጺኹም ትኸዱ ስለዘሎኹም ኣይንመጽእን ኢና። ሕጋዊ ፓትርያርክ ከኣ ንኣቡነ ቴዎፍሎስ ጥራይ ኢና ንፈልጥ ብምባል ንጹር መርገጺ ሒዛ እያ ጸኒሓ፡ ዋላ እኳ ናይ ሓባር ፕሮቶኮል እንተሃለወና ልዕሊ'ቲ ብኣቦታትና ሃዋርያት ዝቖመ ቀኖና ቤተክርስትያን ንሰርዖ ነገር ስለዘየለ መትከልና ኣነጺርና። ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ጸቕጢ ናይቲ ሽዕኡ ዝነበረ ኮሚንስት መንግስቲ (ደርጊ) እኳ ትርዳእ እንተነበረት፤ መራሕቲ ኃይማኖት ንሕጊ ቤተክርስትያንን ክሳብ ሞት ደው ክብሉ ሓላፍነቶም ምዃኑ ስለዘገንዘብናዮም፡ ብኣና ሸነኽ ኣብ ሓቂ ጸኒዕና ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምኡ ብምግባርና ንቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ሓጊዝናዮም ኢና ንብል። ብተመሳሳሊ መገዲ ድሕሪ'ቶም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ ተክለሃይማኖት (ብዘይ ሕጊ ሣልሳይ ኮይኖም ዝተመርጹ)፡ ራብዓይ ፓትርያርክ ኣቡነ መርቆሬዎስ ኪቐብኡ ከሎዉ'ውን ዓዲሞምና ዝተጋህሰ ሕጊ ቤተክርስትያን ከይተፈወሰ ከምዘይንሕወስ ገሊጽና። ድሕሪ ናይ 1991 ዓ.ም ለወጢ'ውን ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኣቡነ ጳውሎስ ኪቕብኡ ከሎው ተዓዲምና ግና በቲ ዝተገልጸ ምኽንያት ኣይተሓወስናን።   

ናይ ኤርትራ ቤተክርስትያን ኣብ ግዜ ቃልስኹም ብዙሕ ጸገም ከምዝነበረኩምን ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ውሳኔታት ግደ ከምዘይነበረኩም ርዱእ እዩ ኔሩ። ድሕሪ ነጻነት ሃገርኩም ብዙሓት ጳጳሳት ኣይነበሩኹምን። ሓደ ካብኦም ኣቡነ ፍሊጶስ ኔሮም ንሶም ንገዛእ ርእሶም ክህነት ኣብ ግብጺ እዮም ብ1926 ዓም ብኢድ ፓትርያርክ ዮሃንስ ተቐቢኦም። ከም ሓዳስ ሃገር ናይ ገዛእ ርእስኹም ጳጳሳትን ፓትርያርክን ኪህልወኩም ንናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ሓቲትኩም። ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ከኣ ታሪኻዊ ሃዋርያዊ ሓድነት ከምዘሎና ኣርጊጻ ስለትፈልጥ ብኣወንታ መሊሳ። ኣቐዲሞም ሓሙሽተ ጳጳሳት ብድሕሬኡ ከኣ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ፍሊጶስ ኣብ ግብጺ ተቐቢኦም። ኣቡነ ያዕቆብ 2ይ ፓትርያርክ ብድሕሬኦም ከኣ ኣቡነ እንጦንዮስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኮይኖም ተቐቢኦም። ጽቡቕ ጸኒሕኩም ብሃንደበት ሽግር ከምዘጓነፈኩም፡ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ (ናይ ገዛ እሱር) ምህላዎም ንፈልጥ፤ ከም ክሲ ዝቐረበሎም ነገራት ኣቶ ዮፍታሀ ምስ ክልተ ጳጳሳት ብሓምለ 2005 መጺኦም ሓቢሮምና። መልሲ ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ካብ ንግሆኡ ንጹር እዩ። ቀዳማይ ነቲ ተባሂሉ ዘሎ ክሲ ኣብ ጉባኤ ቤተክርስትያን ኣቡነ እንጦንዮስ መልሲ ኪህብሉ ኣለዎም። ካልኣይ ትሕዝቶ እቲ ክሲ ንሓደ ፓትርያርክ ከውርድ ዝኽእል ኣይኮነን። ሳልሳይ ዝኾነ ዓይነት ምስ ስልጣን ፓትርያርክ ዝተሓሓዘ ጉዳይ ኪልዓል ከሎ፤ ፓትርያርክ ናይ ኣሓት ኣብያተክርስትያናት ኪዕደም (ኣብቲ ኤርትራን ግብጽን ዝተፈራረማሉ ፕሮቶኮል ብግልጺ ሰፊሩ ዘሎ)፡ ቅሉዕ ጉባኤ ቤተክርስትያን ኪጽዋዕ፡ እቲ ነገር ከኣ ብዝርዝር ቀሪቡ፡ ከሰስትን ተኸሳስን ጭብጥታቶም ሒዞም መጺኦም ንጉባኤ ከስምዑ እዩ ዝግባእ። ኣብ ናይ ኤርትራ ቤተክርስትያን ተፈጺሙ ዘሎ ግን ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ዓመጽ እዩ። ኩሉ እቲ ነገር ብጸቕጢ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ከምዝተፈጸመ ንኹሉ ሰብ ብሩህ እዩ። መተካእታ ፓትርያርክ ከምዝመረጹ ኣብ ናይ ዜና ማዕከናት ሰሚዕና። ብ325 ዓም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝቖመ ሕጊ ኣቦታትና ሃዋርያት ግሂሶም ይኸዱ ስለዘሎዉ፤ ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ጥራይ እዮም። እቶም ብጸቕጢ ነዚ ዝገበሩ ጳጳሳት ካብ ሕጊ ወጻኢ ይጉዓዙ ከምዘሎዉ ይፈልጡ እዮም። ካብ ናይ ግብጺ ጥራይ ኣይኮኑን ተፈልዮም ዘሎዉ፡ ምስ ኩለን ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተክርስትያናት ሕብረት የብሎምን። ኩላትና ናይ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተክርስትያናት ሓቢርና እንገብሮ ዓመታዊ ጉባኤታት ኣሎና፤ እዞም ሕጊ ኣፍሪሶም ዘሎዉ ጳጳሳት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኪሳተፉ ከምዘይክእሉን፤ ኪፍቀደሎም እንተኾይኑ ከኣ ካብቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ፍቓድ እንተምጺኦም ጥራይ ምዃኑ ብንጹር ተነጊርዎም እዩ። ስለዚ ዝኾነ ካህን ይኹን ጳጳስ ብኤርትራ ዝመጸ ካብ ኣቡነ እንጦንዮስ ፍቓድ ከየምጽአ ምሳና ዋላ ሓደ ዓይነት ሕብረትን ርክብን ኪህልዎ ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ኣይትፈቅድን እያ። 

ቤተክርስትያን ኤርትራን ሕጋዊ መራሒኣ ኣቡነ እንጦንዮስን ኣብ ፈተና ከምዘሎዉ ስለንፈልጥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴና ድሕሪ ፖፕ ሽኖዳ፡ ፓትርያርክ ሶርያ፡ ድሕሬኦም ከኣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ጸዊዕና ጸሎት ንገብር። ምኽንያቱ ኣስማት ክልትኤን ቤተክርስትያናትን መራሕተንን ክንጽሊ፡ ኣብቲ ግብጽን ኤርትራን ኣብያተ ክርስትያናት ዝተሰማማዓሉ ፕሮቶኮል ሰፊሩ ስለዘሎ   

ሕቶ. ብዛዕባ እቶም ብዘይ ሕጊ ዝተመርጹ ፓትርያርክን እቲ ፍጻመ ብሓፈሻን ዝምልከት ቀኖና ቤተክርስትያን እንታይ ይብል?

መልሲ ካህን ሽኖዳ ማህር፡- ሕጊ ኣልቦ እዩ። ነቲ ተግባር ወጊዝናዮ ኢና። እቶም ኣብ ዘይግብኦም ወንበር ተቐሚጦም ዘሎው'ውን ብሕልንኦም ሕጊ ኣፍሪሶም ከምዘሎዉ ይፈልጡ እዮም ዝብል ግምት እዩ ዘሎኒ። ምኽንያቱ እቶም ብተመሳሳሊ ኩነታት ብዘይ ሕጊ ብጸቕጢ መንግስቲ ደርጊ ወንበር ዝሓዙ ኣቡነ ተክለሃይሞኖት (3ይ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ)፡ ብሕልንኦም ሕጊ ግሂሶም ዘይምልከቶም ወንበር ከምዝተቐመጡ ይፈልጡ ምንባሮምን ኣብ ናይ ቀጻሊ ሕልናዊ መወቀስቲ ይነብሩ ምንባሮምን ብጭቡጥ ኣፈልጥ ኔረ። ብዘይካ ኣቡነ እንጦንዮስ ካልእ ሕጋዊ ፓትርያርክ ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዘይንፈልጥን፡ ካብ ፍቓዶም ወጺኡ ምስእዞም ሕጂ ብዘይሕጊ ዝጉዓዙ ዘሎዉ ሰባት ዝወገነ ካህን ይኹን ጳጳስ ምስ ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ዋላ ሓደ ዓይነት ሕብረት ይኹን ርክብ የብሉን።

ነታ ቤተክርስትያን ብምልእታ ግን ኣይወገዝናያን። ምኽንያቱ ሓደ ብዘይ ድሌት ቤተክርስትያን ብጸቕጢ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ከምዝተፈጸመ ስለንፈልጥ። ካልኣይ ኣብ ብምልእታ እታ ቤተክርስትያን ውግዘት እንተቐሚጥና እቶም ብሕጋውያን ፓትርያርካት ዝተቐብኡ ድያቆናት፡ ካህናትን ጳጳሳትን ዝፈጸምዎ ምስጢራተ ቤተክርስትያን (ጥምቀት፡ ተክሊል… ወዘተ) ከንቱ ኪኸውን’ዩ ማለት እዩ።

ሕቶ. ኣብቲ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድሕሪ ብዙሕ ትዕግስቲ ኣብ መጨረሻ ዝጸሓፍዎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ንሊቃውንቲ ካህናትን ንብምሉኡ ምእመናንን፡ ከምኡውን ንኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስትያናት (ብፍላይ ከኣ ንናይ ግብጺ)፡ ነቲ ጉዳይ ኣነጺሮም መፍትሒ ኪኸውን ዝኽእል ሓሳብ (ማለት ጉባኤ ክጽዋዕ) ኣቕሪቦም። ነቶም መፍረስቲ ሕጊ እቲ ጉዳይ ብጉባኤ እንተተራእዩ ከምዘነውሮም ተረዲኦም ኣይገበርዎን። ን1700 ዓመታት ጸኒዑ ዝነበረ ሕጊ ኣፍሪሶም ውጺእቱ ከኣ ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ኣዕናዊ ኮይኑ። ከም ምሁር ግብረ-መለኮት መጠን፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን እንታይ ይርኣየኩም? 

መልሲ ካህን ሽኖዳ ማህር፡- ከም ደቂ ክርስቶስ ቅድሚ ኩሉ ነገር ንሰርዖ ጸሎት እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ዋና ቤተክርስትያን፡ ጓሳና ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ታሪኽ ቤተክርስትያን ከምዝምህረና ንቤተክርስትያን ዝፈታተን ሓዊ፡ እንተ ካብ ውሽጢ ዝነቅል ወይስ ካብ ደገ፡ ጠፊኡ ኣይፈልጥን እዩ፤ ነገር ግን ኣብቲ ልክዕ ሰዓቱ ክርስቶስ ጎይታ መጺኡ ንቤቱ የድሕና እዩ። እቲ ንዓይ ዘስግኣኒ እቶም ሕጊ ቤተክርስትያን ረጊጾም ተሸይመ ዝብሉ ዘሎዉን፡ ነዚ ገበን እዚ እንዳረኣዩ ዘጽቐጡን፡ ንሓቂ ዝረገጹን ንህይወቶም የጥፍእዋ ኣሎዉ። ናይ ዘልኣለም መንግስቲ፡ ጽድቂ ደልዮም መኒኖም ከብቕዑ፡ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዘየውርስ ተግባር ይፍጽሙ ኣሎዉ። ኣነ ካብ ውሽጢ ልበይ ዝምነየሎም ገና ብህይወት ከሎዉ ክናስሑ እዩ። ኩላትና ውሱናት ዓመታት ኢና እንነብር ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ኣምላኽ ከኣ ክንቀርብ ኢና። ነዚ ሰብን እዝግን ዝመስከረሉ ዓመጽ ፈጺሞም ኣብ ቅድሚ መንበር ኣምላኽ ንፍርዲ ኪቀርቡ እዮም፤ ካብዚ ዝኸብድ ነገር ከኣ የሎን። እቶም ኣብዚ ምድሪ ንፍትሒ ዝደፈኑ ካብ ፍርዲ ኣየምልጡን እዮም። እቶም ኣብዚ ምድሪ ፍትሒ ዝተነፍጎም ከኣ፡ ከም ኩሎም ናይ ቤተክርስትያንና ሰማእታትን ቅዱሳንን፡ ካብ ኣምላኽ ዓስቦም፡ ካብ ምእመናንን ከኣ ክብሪ ይረኽቡ።

ኣብ ዓለምና እኳ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪብካ ንዝተኸሰስካሉ መልሲ ምሃብ ልሙድ እዩ። ቤተክርስትያን ግዳ ክሳብ ክንደይ ናይ ፍትሒ፡ ሰላምን ፍቕርን ኣርኣያ ኪትከውን እዩ ዝግባኣ ኔሩ። እዚ ኩሉ ግን ኣብ ቤተክርስትያን ኤርትራ ፈጺሙ ኣይተተግበረን። እምበኣር ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዓብይኡ ካብ ኣምላኽ ዝረኽብዎ ዓስቢ እኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር ስለዘየሎን፡ ክርስቶስ ንቤተክርስትያኑ ሱቕ ኢሉ ስለዘይርእያን እቲ ዘሎ ዓመጽ ብፍትሒ ኪቕልበስ ዓቢ ተስፋ እዩ ዘሎና።

ንኡስ ሃገረ ስብከትኩም ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፡ ምስቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ደው ምባልኩም፡ ቅኑዕ እዩ። ኩለን ኦርየንታል ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ቀኖና ቤተክርስትያን ንዝስዓረ ኣፍልጦ ኪህባ ኣይክእላን እየን። እቶም ተመሪጸ ዝብሉ ዘሎዉ ኣቦ ስሞም እኳ ዝጽውዖ የሎን። በዚ ሒዝክምዎ ዘሎኹም ሓቂ ጸኒዕኩም ኪዱ፡ ኣዘውቲርና ከኣ ንጸሊ፡ ኣምላኽ ፍትሒ ከምጽእ እዩ።

ሕቶ. ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናይ ጥዕና ጸገም እኳ እንተለዎም፡ ናይ ገዛ እሱር ኮይኖም ሕክምና ተሓሪምዎም ክነሱ፡ ክሳብ ሎሚ ብሓይሊ ኣምላኽ ደሓን ኣሎዉ፡ ሓደ መዓልቲ ብዙሓት ደቆምን፡ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተክርስትያናትን ደላይ ሓቂ ህዝቢ ዓለምን ስሌኦም ከምዝሞጎተ ዝፈልጡላ መዓልቲ ክትመጽእ ኣብ ኣምላኽ ተስፋና ዓቢ እዩ። ክሳብ ሽዑ ግን ብውልቕኹም ከተመሓላልፍሎም እትደልይዎ መልእኽቲ እንታይ ኣሎ?

መልሲ ካህን ሽኖዳ ማህር፡- ኣነ ትሑት ካህን ሽኖዳ፡ ኩሎም ተዋሕዶ ክርስትያንን መራሕትን ከም ኣካላት ናይ ሓንቲ ሰብነት እንኣምነሉ፡ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ስለ ሓቅን ሕግን ቤተክርስትያን ዝቕበልዎ ዘሎዉ ፈተና ዓቢ ሰማያዊ ክብሪ ዘጎናጽፍ እዩ። ንግዜኡ ብስጋ እኳ እንተሓሰሞም፡ ብመንፈሶም ግን ዕሩፍን ሓያልን እዮም። 3ይ ፓትርያርክ ብፁእ ወቅዱስ  ኣቦና እንጦንዮስ ኣሰር ቅዱሳት ኣቦታትና ብምስዓቦም፡ ንኹላትና ሰዓብቲ ክርስቶስ ህያው ኣርኣያ እዮም። ካብ ናቶም ንላዕሊ ስለቶም መፍረስቲ ሕጊ ሻቕሎት ኣሎኒ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣነ እቲ ሓቀኛ ጉንዲ ወይኒ እየ..ንስኻትኩም ከኣ ጨናፍር ኢኹም… ኣባይ እንተጸናዕኩም ጽቡቕ ፍረ ኪትፈርዩ ኢኹም…ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ” ዮሃ 15፡1-7 ዝብል ዘፍርሕ ቃል ኣሎ። ከምኡውን ኣብ ወ. ማቴዎስ 18፡6-7 “ካብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ንኣሽቱ ንሓደኳ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ። መዓንቀፊ ከይመጸ ኣይተርፍን እዩ…ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ።” እቶም ሕጊ ኪምህሩ ዝግብኦም መራሕቲ ባዕላቶም ሕጊ እንተፍሪሶም፡ ብሰሮም ካብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ዝርሕቁ ውሉደ ክህነት ብዙሓት ኪህልዉ፡ ካብ መገዲ ኣምላኽ ዝጠፍኡ ሰባትውን ሒደት ኣይኮኑን፡ ኣብ ስድራ ቤትን ምእመናንን ዝስዕብ ባእስን ጽልእን ምፍልላይን ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ንኹሉ ግዜ ኣለዎ: ጽባሕ እዚ ሎሚ ዝተፈጸመ ገበን ተቓሊዑ ኣብዚ ምድሪዚ ዝሓፍርሉ ግዜውን ኪመጽእ እዩ። እንተዘይተነሲሖም ዝጽበዮም ዘሎ መቕጻዕቲ ከቢድ እዩ።

ሕቶ. ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ናይ መጨረሻ ቅሉዕ ደብዳቤኦም፡ ሕጊ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ስለዚ ሕጊ ኣይትርገጹ ኢሎም ኣጠንቒቖም፡ ወሲኾምውን ክሳብ እዚ ጉዳይ እዚ ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያንን መራሕቲ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶን ዘጋብአ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ተጸዊዑ ዝምርመር ካብ ድያቆን ክሳብ ጳጳስ ከይትቐብኡ ብስም ቅድስት ሥላሴ ኣውጊዘ ኣሎኹ ኢሎም ኔሮም። እቲ ንሶም ዝሃብዎ ውግዘት ብዓይኒ ቆኖና ቤተክርስትያን ብኸመይ’ዩ ዝርአይ?

መልሲ ካህን ሽኖዳ ማህር፡- ብቀኖና ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ናይ ሓንቲ ሃገር ኪውግዝ ስልጣን ኣሎዎ። እዚ ውግዘት እዚ ምስቲ ተፈጺሙ ዘሎ ዓመጽ ኪርኣይ ከሎ ከቢድ ሳዕቤን እዩ ዘሎዎ። ኩሎም እቲ ኣብዚ ገበንዚ ዝውዓሉ ብሕልናኦም ነቲ ሓቅን ነዚ ውግዘትን ኪፈርሕዎ ግድን እዩ። ስለዚ ብኣግኡ ንኽምለሱን ኪናስሑን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕጊ ቤተክርስትያን ካብ ተሓታትነት ናይዚ ውግዘት ነጻ ኣይገብሮምን እዩ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ዝብሃል፡ ካብቶም ብብጽእና ዝተቀብኡ ኩሎም፡ ንላዕሊ ብቅድስና ዝተቐብአ ሕጋዊ ፓትርያርክ ዝመርሖ ጉባኤ እዩ። ርእሲ ዘይብሉ ሰብ ኪህልው ከምዘይክእል፡ ፓትርያርክ ዘይብሉ ሲኖዶስ ውሳኔ ኪወስድ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ንፓትርያርክ ዝምልከት ጉዳይ ብፓትርያርክ ናይ ካልእ ኣሓት ቤተክርስትያን ኪርኣይ ዝግብኦ። እዚ ኣብ ኤርትራ ተጌሩ ዘሎ ሕጊ ኣልቦ እዩ። ካብ ውግዘት ናይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ከኣ ነጻ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ብዓይኒ ታሪኽ ቤተክርስትያን ክንርእዮ እንተዄንና ኣብ ዘመን ፖፕ ጴጥሮስ (መበል 17 ፓትርያርክ ኣሌክሳንድርያ) ተሰዲዱ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ጳጳሳት ከኣ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኮይኖም ንሰማዕትነት ድሉዋት እንዳሃልዉ፡ ኣናትዮስ ዝተባህለ ጳጳስ ናብ ኣሌክሳንድርያ ብዘይ ሽግር ኣትዩ ካህናት ኪቀብእ ጀሚሩ (ምስቲ ናይቲ ሽዑ መንግስቲ ተሳምሚዑ)። እቶም ጳጳሳት እዚ ምስ ሰምዑ ከቢድ መጠንቐቕታ ዝሓዘ ደብዳቤ ጽሒፎምሉ። እቲ ናይ ሰማዕትነት እዋን ምስ ኣብቕዐ ሕጋውያን ጳጳሳትን ፓትርያርክን ናብ ቦትኦም ምስተመልሱ ግን፡ ውጽኢቱ ሕማቕ ኮይኑ ብወግዒ ተወጊዙ፡ ጸኒሖም ከኣ ኣናትዮስን ሰዓብቱን ናብ ናይ ኣርዮስ ማሕብር ተጸንቢሮም።  

ሕቶ. ፖፕ ሽኖዳ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ሰማንያታት ከምዚ ናይ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝመስል ፈተና ኣጋጢምዎም ኔሩ? ዝመሳሰለሉን ዝፈላለየሉን፡ ንትምህርቲ ኪኸውን ዝኽእል መልእኽቲ እንታይ ኣሎ?

መልሲ ካህን ሽኖዳ ማህር፡- ኣብ ግዜ ፕረሲደንት ሳዳት፡ ብትእዛዝ ሳዳት ፖፕ ሽኖዳ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ኔሮም። እንተኾነ ኣብ ስርዓተ ምምሕዳር ግብጺ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ዘእትወሉ ዕድል ድሩት እዩ። ቤተክርስትያን ግብጺ ብዘይ ገለ ተጽዕኖ ባዕላ መራሒኣ ትመርጽ ብድሕሬኡ እያ ነቲ መንግስቲ መራሒና ፍለጠልና (ናብ ምምሕዳር ሲቪል ዩንዮን) ወረቐት ተእቱ። ስለዚ ፕረሲደንት ሳዳት ኪገብሮ ዝኽኣለ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ ኔሩ። ንፖፕ ሽኖዳ ከም መራሒ ግብጺ ቤተክርስትያን ኣፍልጦ ከሊእዎም። ንፖፕ ሽኖዳ ናብ ገዳም ኪኣትዉን ኪዕጾዉን ኣዚዞሞም፤ ብዙሓት ጳጳሳት፡ ካህናትን ድያቆናትን ከኣ ኣሲሮሞም።

ብድሕሬኡ እቲ መንግስቲ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ጳጳሳት ኣኻኻኺቡ ካልእ ፓትርያርክ ኪመርጽ ፈተነ ጌሩ ኔሩ፤ ገለ ውሑዳትውን ተታሊሎም ኔሮም ዝበዝሑ ግን እቲ ነገር ካብ ሕጊ ቤተክርስትያን ወጻኢ ምዃኑ ስለዝፈለጡ፡ ኣብቲ ኣኼባታት ንዘይምስታፍ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እንዳፈጠሩ ነቲ ተንኮል ኣፍሺሎሞ፤ ፕረሲደንት ሳዳት ሓሳቡ ኣይተሳኻዓሉን። ደቂ ቤተክርስትያንን ውሉድ ክህነትን ከኣ እቲ ጉዳይ ኣጸቢቑ ስለዝበርሃሎም መራሒኦም ፖፕ ሽኖዳ ምዃኖም ጥራይ እዮም ዝፈልጡ ኔሮም። ብኣንጻር'ቲ ብመንግስቲ ዝተወስደ ስጉምትታት፡ ምእመናን ኮፕቲክ ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ መራሒኦም ዝወረደ ፈተና መሊሱ ኣትሪርዎም፡ ሽም ፖፕ ሽኖዳ ብዝደመቐ ኣብ ቅዳሴን ውልቃዊ ጸሎቶምን ኪዝክርዎም ጀሚሮም። ከምቲ ትፈልጥዎ ንኽሕግዝዎ ኢሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘውጸኦም “ብሞስሊም ብራዘርስ” ዝፍለጡ ኣኽረርቲ ምስልምና፡ ቀተልቱ ኮይኖም ቤተክርስትያንና ካብቲ ናይቲ ሽዑ ፈተና ኣዕረፈት።

ሕቶ. ኣብ ናይ መጨረሻ ሕቶና፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መራሕቲ ቤተክርስትያን ኤርትራ እንታይ ኪገብሩ ይግብኦም?

መልሲ ካህን ሽኖዳ ማህር፡- መራሕቲ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንምእመናን እቲ ሓቂ ኪምህሩ ይግብኦም። ሓቅን ክህነትን (መሪሕነትን) ኪፈላለያ ኣይግብአንን። ብጾምን ጸሎትን ከኣ ናብቲ ኩሉ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ፈጣሪ መድኃኔ ዓለም ኪቐርቡ ይግባእ። ቤተክርስትያን ካብ ሕጋን መገዳን እንተወጺኣ ንዕንወት ጥራይ እዩ። ብግብሪ ዚርኣይ ዘሎ ኸኣ ንሱ እዩ። ካብ ታሪኽ ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን እንምሃሮ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት መራሕትን ህዝብን ነቲ ሓቀኛ ሕጊ ቤተክርስትያን ስለዝፈለጡ ንዘይሕጋዊ ምውራድ ፖፕ ሽኖዳ ብትሪ ተቃዊሞሞ። ኣምላኽ ይመስገን ውጽኢቱ ኸኣ ሎሚ ንርእዮ ኣሎና ፖፕ ሽኖዳ ንቤተክርስትያን ብኸመይን ኣበየናይ ደረጃን ንኽትበጽሕ ብጸጋ ኣምላኽ ዘገልገልዎ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ። ፖፐ ሽኖዳ ንጉዳይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብደንቢ ስለዝተረድእዎ ድማ ብጸሎትን ካልእ ብዘድሊ ዘበለን ይሕግዙ ኣሎዉ። ንኣብነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንዝርከቡ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብዘድልዮም ዘበለ ዝድግፎም ኣቦ ጳጳስ ኣቡነ ዳዊት ተመዚዞም ኣሎዉ።

ንሕቶታትና ንምምላስ ፍቓደኛ ምዃንኩምን ድኻምኩም ከይጸብጸብኩም ሰፊሕ ኣስተምህሮ ስለዝሃብኩምና የቐንየልና።


ቪድዮ ናይዚ ቃለ-መሕትት'ዚ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ.

{google width="320" height="270"}4430770896403234022{/google}

Posted September 2008

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div