S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብኣቶ ዮፍታሀ ዝተሰነዐ ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ፓትርያርክ ኣብዛ ምድሪ ብመንፈሳውን ሕጋውን መገዲ፣ እምነት ክሕሉ፣ ምእመናን ኪጓሲ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኮይኑ ዝተሾመ መራሒ እዩ" (መንፈሳዊ ፍትሒ: ኣንቀጽ 4) እዚ ሃዋርያዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ዝበዝሕ ሰብ ከምዝፈልጦ ግና ኣብዚ እዋን እዚ ፓትርያርክ ንጦንዮስ ካብ መዓርጎም ብዓመጽ ተኣልዮም፣ ዘይሕጋዊ ሓድሽ ፓትርያርክ ኣብ ስልጣን ደይቦም፣ ቤተ ክርስትያን ብሓደ ተራ ሰብ (ዮፍታሀ ቀሺ ዲመጥሮስ) ተጨውያ፣ ምእመናን መኣዲ እምነት ከይምገቡ፣ ኣብ ዓድን ስደትን ጓሳዪ ስኢኖም ይነብሩ ኣለዉ።

ናይ ክልተ ሽሕ ዓመት ሕጊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ተሳዒሩ፣ ኣቶ ዮፍታሀ ብኢደ-ወነኑ ንሕጊ ቤተ ክርስትያን ተምይኑ (ሰኒዑ) ንዕኡ ብዝጥዕሞ መገዲ ቀይርዎ። ምእመናን ንምድንጋር ተባሂሉ'ውን ኣብ ሓጺር ግዜ ወጺኡ ክነሱ፣ ኣብ 2002 . ተኣሪሙ ዝወጸ ሓድሽ ሕታም ኢሉ ኣውጺእዎ ኣሎ። ኣቶ ዮፍታሀ ኣብዚ እዋን' ስልጣን ፓትርያርክ መንዚዑ ብምሓዝ ንምምሕዳራውን መንፈሳውን ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ገቢትዎ ኣሎ።

ምእመናን እቲ ሽግር እንታይ ምኻኑ ብግቡእ ምእንቲ ክትርድእዎ፣ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ምስቲ ብኣቶ ዮፍታሀ ዝተተምየነ (ዝተሰንዐ) ቅዋም፡ ጎድኒ ንጎድኒ ገይርና ኣቕሪብናልኩም ኣለና ንሎሚ ብሓጺሩ ኣብቲ ዝያዳ ተተምይኑ (ተሰኒዑ) ዘሎ ክፍልታት፣ ኣንቀጽ 32 ኣንቀጽ 37 ኣንቀጽ 96 ከነድህብ ኢና።

ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡-
ኣንቀጽ 32 ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ።

ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ክልተ በብተራ ንዝተወሰነ ጊዜ ተመዲቦም ዝሰርሑሉ እዩ። ብናይ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቦ መንበርነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምምሕዳራዊ ጉዳያት ፈጻምን ኣፈጻምን ጉባኤ እዩ።

ቀዋሚ ዚብል ቃል ከኣ ነቲ ሥራሕ እምበር ነቶም ኣባላት ዚምልከት ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ሥራሕ ቀዋሚ፡ እቶም ኣባላት ግና ኣብ ሠሠለስተ ወርኂ በብተራ እናተተክኡ ስለ ዝሰርሑ እዩ። ናይ ቀዋሚ ሲኖዶስ ኣባላት ተመዲቦም በብተራኦም ከም ዚሠርሑ ይኸውን። ናይ ቀዋሚ ሲኖዶስ ጸሓፊ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ እዩ።

ብዮፍታሀ ዝተተምየነ (ዝተሰንዐ) ቅዋም፡ ኣንቀጽ 32 ናይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዋና ኣማሓዳሪ።

1. ቅዱስ ሲኖዶስ ብኣቕራብነት ፓትርያርክ ሓደ ናይ ምምሕዳር ተሞክሮን ብቕዓትን ዘለዎ ላዕለዋይ ናይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዋና ኣማሓዳሪ ይምድብ።

እቲ ብጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተመደበ ዋና ኣማሓዳሪ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምምሕዳራዊ ጉዳያት ኩሉ ፈጻምን ኣፈጻምን እዩ።

መብርሂ፣ ዓንቀጽ 32.

"ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ" ብፓትርያርክ ዝምራሕ ኣካል፣ ላዕለዋይ ሓላፊ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እዩ። እዚ ጉባኤ እዚ ብፓትርያርክ እናተመርሐ ኩሉ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን የመሓድር። ሰለስተ ሰባት (ፓትርያርክን ክልተ ጳጳሳትን) ዝሓቁፍ ኮይኑ ምሳሌ ናይ ቅድስት ስላሴ ይእምት። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ካብ ሓደ ሰብ፣ ሰለስተ ሰባት ዝሓሸ ቅኑዕ ፍርድን ምምሕዳርን ክህቡ ተባሂሉ እዩ።

ኣቶ ዮፍታሀ ግና ነዚ ዓቢይ ምስጢርን ሃዋርያዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሕጊ ኣጥፊኡ፣ ንባዕሉ ዋና ኣመሓዳሪ ገይርዋ። ንዓንቀጽ 32 ካብ ኣርእስቱ ጀሚሩ' ቀይርዎ። "ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ" "ዋና ኣማሓዳሪ" ተኪእዎ መሪሕነት ናይ ፓትርያርክ በዘሎ ሰሪዙ፣ ንገዛእርእሱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምምሕዳራዊ ጉዳያት ኩሉ ፈጻምን ኣፈጻምን እዩ ክብል ሸይምዋ። "ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ" ዝብል ሓረግ ካብዘን ዝስዕባ ዓንቀጻት (ዓንቀጻት 33, 34, 35, 36, 37) ብምልኡ ኣውጺእዎ።

ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡-
ኣንቀጽ 37 ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡

ብፓትርያርክ ዚምራሕ ምምሕዳር ጠቕላላ መሪሕነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ እዚ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ዝተዋህበ ውሳኔ ብቐጥታ ብፓትርያርክ ብዚምራሕ ምምሕዳር ይፍጽምን ኣብ ትሕቲኡ ዝርከባ ምምሕዳራውን ቁጽጽራው ወዘተ ክፍልታት ድማ ላዕለዋይ ኣካል ኮይኑ የመሓድርን ይቆጻጸርን። ነተን ክፍልታት ዚበቕዑ ሰባት መሪጹ ናብ ሲኖዶስ ብምቕራብ የርግእ።

ብዮፍታሀ ዝተተምየነ (ዝተሰንዐ) ቅዋም፡ ኣንቀጽ 37 ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ

. ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምስ ቅዱስ ፓትርያርክ እንዳ ተማኸረ ብዋና ኣማሓዳሪ ዚምራሕ ጠቕላሊ ምምሕዳራዊ መሪሕነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እዩ።

. እዚ ድማ ካብ ነፍሲ- ወከፍ ሃገረ ስብከት ንዝተዋህበ ምምሕዳራዊ መምርሒታት ተመልኪቱ የጽድቕ ዝመሓየሽ የመሓይሽ።

. ኣብ ትሕቲኡ ዝርከባ ምምሕዳራውን ቁጽጽራውን ወዘተ ክፍልታት ላዕለዋይ ኣካል ኮይኑ የመሓድርን ይቆጻጸርን።

መብርሂ፣- ዓንቀጽ 37.

ቤት ጽሕፈት ፓትርያርክ፣ ጠቕላላ ምምሕዳር መሪሕነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ስሙ ከምዝሕብሮ፣ ሓላፊ ናይዚ ቤት ጽሕፈት' ፓትርያርክ እዮም። እዚ ድማ ብፓትርያርክ እናተመርሐ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን የመሓድራ። ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ምምሕደራውን መንፈሳውን ኣገልግሎት ካብዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ትረክብ።

ኣቶ ዮፍታሀ ግና ነዚብፓትርያርክ ዚምራሕ ምምሕዳር ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንሰሪዙብዋና ኣማሓዳሪ [ዮፍታሀ] ዚምራሕ ጠቕላሊ ምምሕዳር ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እዩ።ብምባል መሪሕነት ናይ ፓትርያርክ ብዘሎ ሰሪዝዎ።" ንዝተዋህበ ምምሕዳራዊ መምርሒታት ተመልኪቱ የጽድቕ ዝመሓየሽ ድማ የመሓይሽ" ዝብል ሓድሽ ስልጣን ሒዙ ላዕለዋይ ኣማሓዳሪ ተዋህዶ ኮይኑ። እንሆ ድማ ድሮ ንሕጊ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ተምይንዎ ኣሎ።

ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡-
ኣንቀጽ 96 ናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ጸሓፊ መዝን ተግባርን።

1.መንፈሳውነቱን ዘመናዊ ትምህርቱን ዝተመስከረሉ፡ ናይ ምምሕዳር ሥራሕ ልምዲ ዘለዎ ተመሪጹ ናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ብፓትርያርክ ይሽየም። እቲ ዚምረጽ፡ ቆሞስ፡ ካህን፡ ወይ መዘምር ይኸውን።

2.ናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ጸሓፊ ተጸዋዕነቱ ንፓትርያርክ እዩ።

3.ብዛዕባ ምምሕዳራዊ ኣብያተ ጽሕፈትን ኣብያተ ክርስቲያንን በብጊዚኡ ብቅዱስ ሲኖዶስ ወይ ብፓትርያርክ ዚውሃቡ መምርሒታትን ትእዛዛትን ናብ ነፍሲ ወከፍ ሃረ ስብከት ከም ዚመሓላለፍ ይገብር። ኣብ ግብሪ ምውዓሎም ድማ ይቆጻጸር።

4.ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ዚቐርቡ ሕቶታትን ጉድያትን ድማ ከከም ኣድላይነቶም ምስ ፓትርያርክ ብምምኽኻር ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ቀዋሚ ኮሚቴ ከም ዚቐርብ ይገብር።

5.ነቲ ናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ቤት ጽሕፈትን ኣብኡ ዝርከቡ ክፍልታት ሥራሕን የተሓባብርን ይመርሕን።

6.ብነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት በብዓይነቱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሥርሓትን ንኻልእ ዚኸውንን ተጸኒዑ ዚቐርብ ዓመታዊ በጀት ናብ ቅዱስ ፓትርያርክ ከም ዚቐርብ ይገብር። ብቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተፈቕደ ድማ ኣፈጻጽማኡ ይቆጻጸር።

7.ብዛዕባ ሥራሕ መንበረ ፓትርያርክ ዚገልጽ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣጽኒዑ ናብ ፓትርያርክ የቕርብ ቅዱስ ፓትርያርክ ከኣ ነቲ ዝቐረበሉ ዓመታዊ ጸብጻብ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቕሪቡ ከም ዚውሰን ይገብር።

8.ሓፈሻዊ ምምሕዳራዊ ጠቕላሊ /ፓትርያርክ ናይ ክፍልታት ሥራሓትን ይመርሕን የፈጽምን።

ቅዱስ ፓትርያርክ ዝመደበሉን ዝኣዘዞን ካልእ ተመሳሳሊ ሥራሕትንውን የፈጽም።

ብዮፍታሀ ዝተተምየነ (ዝተሰንዐ) ቅዋም፡ ኣንቀጽ 96 ናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ኣማሓዳሪ መዝን ተግባርን።

1.ብመንፈሳውነቱን ብትምህርቱን ናይ ምምሕዳር ክእለቱን ተኣሚኑሉ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተሾመ ናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ኣማሓዳሪ ብዛዕባ ምምሕዳራዊ ኣብያተ ክርስቲያንን በብጊዝኡ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝወሃብ መምርሒታትን ትእዛዛትን ይፍጽምን የፈጽምን ናብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ከም ዝመሓላለፍ ይገብርን ይቆጻጸርን።

2.ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ዚቐርብ ሕቶታት ድማ ከከም ኣድላይነቱ ምስ ፓትርያርክ ብምምኽኻር ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ዝቐርብ ይገብር።

3.ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ቤት ጽሕፈትን ኣብኡ ዝርከቡ ክፍልታት ሥራሕን የተሓባብርን ይመርሕን።

4.ብነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት በብዓይነቱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሥራሕን ንኻልእ ዝኸውንን ተጸኒዑ ዝቐርብ ዓመታዊ በጀት ምስ ቅዱስ ፓትርያርክ ብምምኽኻር ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ዝፍቀደሉ ይገብር።

5.ብዛዕባ ናይ ሥራሕ መንበረ ፓትርያርክ ዚገልጽ ዓመታዊ ጸብጻብ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቕሪቡ ከም ዝውሰን ይገብር።

6.ሓፈሻዊ ምምሕዳራዊ መንበረ ፓትርያርክን ናይ ክፍሊ ሥራሓትን ይመርሕ።

7.ዋና ኣማሓዳሪ ነዚ ኩሉ ሥርሓቱ ዝሕግዞ ሓደ ጸሓፊ ወይ ተሓጋጋዚ ዋና ኣማሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ መሪጹ ይሸይም።

8.ዋና ጸሓፊ ወይ ተሓጋጋዚ ዋና ኣማሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ዋና ኣማሓዳሪ ኣብ ህልወሉ ተሓጋጋዚ ኮይኑ፡ ዋና ኣማሓዳሪ ኣብ ዘይህልወሉ ድማ፡ ንዕኡ ተኪኡ ይሰርሕ።

መብርሂ፣- ዓንቀጽ 96.

መዝን ስርሕን ናይ ዋና ጸሓፊ መንበረ ፓትርያርክ ይገልጽ።  እዚ ዋና ጸሓፊ' ፓትርያርክ እዮም ዝቖጽርዎ። ፓትርያርክ ዝበልዎ ተኣዚዙ፣ ይሰርሕ፣ ይጽሕፍ፣ ፓትርያርክ እንተደለዩ ይቖጽርዎ እንተዘይደለዩ ድማ ካብ ስራሕ የፋንውዎ።

እቲ ጸሓፊ ነዘን ዚስዕባ 3 ኣገደስቲ ረቓሒታት ዘማልአ ኪከውን ኣለዎ። ቆሞስ፡ ካህን፡ ወይ መዘምር ኪኸውን ይግባእ፣ ማለት መንፈሳዊ መዓርግ ዘለዎ ሰብ ኪኸውን ይግባእ። ቀጺሉ ድማ "ናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ጸሓፊ ተጸዋዕነቱ ንፓትርያርክ እዩ።" ይብል። ብፓትርያርክ ወይ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዚውሃቡ መምርሒታትን ትእዛዛትን ድማ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሃረ ስብከት ከም ዚመሓላለፍ ይገብር። እዚ እዩ እምበኣር ስራሕ ናይ ጸሓፊ።

ኣቶ ዮፍታሀ ግና ንዓንቀጽ 96 ነቲ ኣርእስቱ ከይተረፈ' ቀይርዎ። "መዝን ተግባርን ዋና ጸሓፊ" ንዝብል "ዋና ኣማሓዳሪ" ዝብል ሰኒዑ ብዘይ ፍቓድ ናይ ፓትርያርክ ንገዛእ ርእሱ ካብ ጸሓፊ ናብ ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣሰጋጊርዋ። ኣብ ዓንቀጽ 96 ቁጽሪ 2 ዘሎናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ጸሓፊ ተጸዋዕነቱ ንፓትርያርክ እዩ።ዝብል ሓረግ ድማ ብምሉኡ ካብቲ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ሰሪዝዎ ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ንፓትርያርክ ዝምልከት ስራሕ ብምልኡ ምስ ገበቶ፣ ብዘይ መንፈሳዊ መዓርግ ንነብሱ ዲፋክቶ (de facto) ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ገይሩ ኣጠሚቕዋ። ሕጂ ንሱ እዩ ንፓትርያርክ ዝሰጉጕን ዝቖጽርን።

ደቂቀ እንጦንዮስ
ተመሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮለጅ ኮርፐስ ክርስቲ ቴክሳስ፣
ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ
24 ሕዳር 2007

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div