S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ዘየደቅስ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ

ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታትውን፥ ኣብዚ እዋን ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶም ኦርቶዶክሳውያን፥  ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚዩ።

ርግጽ ንሕና ብጸጋ ጥምቀት ዝተወለድና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኢና። ግዳስ እዛ ቅድስቲ ቤት እዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ጥዑም ለይቲ ሓዲራ ትበሃል ኣይኮነትን። ኣብ ልዕሊኣ ዘይተፈጸመ ናይ ሕጊ ግህሰት ከኣ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዘይተቐበለቶ ፈተናውን ኣሎ ክብል ዝኽእል የልቦን። ንሕና እቶም ብጸጋ ጥምቀት ዝወለደትና ደቃ ግና፥ ደሃያ ክንገብር ኣይተረኸብናን። ንኣውያታን ቃንዛኣን ምረታንውን፥ ክንሰምዖ ጸኒሕና ኢና ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፥ ካብ ግዜ ንግዜ እናኸፍአ መጺኡ፥ ንህልውናኣ ኣብ ዝፍታተን ደረጃ ስለ-ዝበጽሐ፥ ሕጂ ኣብዚ እዋን እውን፥ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ከተእዊ ትስማዕ ዘላ።

እሞ ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን መጠን ደኣ፥ ነዚ ዝስማዕ ዘሎ መሪር ኣውያት፥ እንህቦ መልሲ እንታይ-? ርግጽ ነዚ ኣውያትዚ፥ ግዲ ዘይብልና መሲልና ክንርአ ዝጸሕና ዉሑዳት ኣይኮናን። ሕጂ ብኸምኡ ክንቅጽል ግና፥ ዘጸብቐልና ኣይኮነን። ሎሚ ከም ሎሚ እታ ቅድስቲ ቤትውን፥ ኣብ ከቢድ ፈተና ትርከብ ኣላ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ሰዓት። እዝንና ክንዓጹን ዓይንና ክንዕምትን ኣይንኽእልን ኢና። ርግጽ ንሕና ከም ንሕና መጠን፥ ሱር ዝሰደደ ሕመቕ ከም-ዝጸንሓና ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። ንኹሉ ግን ወሰንን ደረትን ኣለዎ። ግዲ ዘይብልና ድቁሳት ኮንና ዝሓለፍናዮ ሕይወት፥ ድሕሪ ደጊምሲ መወዳእታ ክንገብረሉ ዝግበኣና።

ብዝኾነ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋንውን፥ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ መበገሲ ብምግባር፥ እቲ ንልዕሊ 11-ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሐ መዝገብ፥ ብሃንደበት ኣምጺኦም ህጹጽ መዛረቢ ኣጀንዳ ክገብሩዎ ንርኢ ኣሎና። ዝደለየ ይኹን ከኣ እቲ ተበግሶ፥ ናብ ሰላም ዘብጽሕ እንተ-ዝኸውን፥ ዝጸልኦ ወይውን ዝቃወሞ ሰብ ኣይምተረኽበን። እዚ ብወገን ኣሥመራ ዝርአን ዝስማዕን ዘሎ ድራማ ግና፥ እቶም ነታ ቤተ-ክርስቲያን ካብ 1983 / (1991)ተቘጻጺሮማ ዝርከቡ ዘለዉ ሰብ ፖለቲካ፥ ጌግኦም ኣሪሞም ኢዶም ከውጽኡ ዝደልዩ፥ ኮይኖም ኣይንርእዮምን ዘሎና።

ከመይሲ ነቲ ቅድሚ ሕጂውን፥ ብምድግጋም ክፍትኑዎ ጸኒሖምስ፥ ክዕወቱሉ ዘይከኣሉዮም ሕጂውን፥ ንድሕሪት ተመሊሶም ክደግሙዎ ዝርኣዩ ዘለዉ። ሎሚ ግን ትማሊ ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ትማሊ ዋና ስለ-ዘይጸንሖ፥ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብቲ ክኾኖ ዝግብኦ ወጻኢ፥ መጋበርያ ፖለቲካ ክኸውን ተገዲዱ ምጽንሑን ምህላዉን ዝፍለጥዩ። እቲ ጸወታ ብኸምኡ ክቕጽል ከም-ዘይንደልዮ ግና፥ ንሕና እቶም ኦርቶዶክሳውያን፥ ግልጺ ጌርና ክንዛረብ ካብ እንጅምር ነዊሕ ኮይኑዩ። እቶም ሰብ-ፖለቲካ ግና፥ ንድምፂ ሕዝቢ ናይ ምስማዕ ባህሊ ስለ-ዘይጸንሖም ግዲ ኮይኑ። እቲ ቅድሚ 11-ዓመት ዝሞተ ኣጀንዳ ሒዞምዮም፥ ሕጂውን ተዓጠቕ ተሸብሸብ ክብሉ ዝርከቡ ዘለዉ።

ከም-ዝፍለጥ ኣብ 1998 / (2006) ነቲ ሲኖዶስ ከም-መጋበርያ ብምጥቃም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ካብ ሥልጣኖም ኣውሪድናዮም ክብሉ ከለዉ። እቲ መንገዲ ብኸምኡ ክኽየድ ከም-ዘይከኣል ስለ-ዝተረድኦም፥ ቅድሚ ወግዓዊ መግለጺ ምሃቦም፥ ንካይሮዮም በሪሮም ክኸዱ ዝተገደዱ። ከመይሲ እቲ ክወሰዱዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ስጉምቲ፥ ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ግብጺ፥ ተቐባልነት ክረክብ ከም-ዘይክእል ይርድኦም ስለ-ዝነበረ እዩ። እቶም ንእምነት ብዝምልከት ተረርትን ጽኑዓትን ዝኾኑ፥ ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ግና፥ ዮፍታሔ ከም-ዝሓሰቦ ብቐሊል ክታለሉ ዝኽእሉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን።

እቲ ንቤተ-ክርስትያንን ምሥጢራት ቤተ-ክርስቲያንን፥ ባዕዲ ዝነበረ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ። ንኣባ ዲዮስቆሮስን ኣባ-ማርቆስን ኣኸቲሉ ኣብቲ እዋን ካይሮ ዝበጽሐ። ኣብ ቅድሚቶም ታሪኽ ብኽብሪ እናዘከሮም ዝነብር፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ቀሪቦም፥ ዘምጽኣኩም ጉዳይ ተዛረቡ ምስ-ተባህሉ ግና። እቶም ክልተ ጳጳሳት እቲ ጉዳይ ከም-ዘይምልከቶም፥ ወሰኖም ሒዞም ክጽግዑ ከለዉ፥ ብኣንጻሩ ከኣ ዋናን በዓል-ጉዳይን ኮይኑ፥ ዮፍታሔ ክምድር ኢሉ ክጅምር ከሎ፥ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ነዚ ዓሻ ድፍረት ክዕገሱዎ ስለ-ዘይከኣሉ“... እቲ ጉዳይ፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ዝኾነ፥ ጳጳሳት ኣብዚ ደው ኢሎም ይርከቡ እናሃለዉ፥ ንስኻ ንዓታቶም ሓሊፍካ ክትዛረብ መሰል የብልካን...”ብምባል፥ ኣደብ ክገብር ገኒሖም ኣፉ ከም-ዘትሓዙዎ፥ ታሪኽ መዝጊቡዎ ኣሎ።

እቶም ንዕኡ ክዕጅቡ እምበር፥ ንኽዛረቡ ተባሂሎም ዘይከዱ፥ ክልተ ጳጳሳት ተዛረቡ ምስ-ተባህሉ፥ ንኽንድ ዝኣክል ጉዳይ ክገልጹ፥ ብመሠረቱውን እቲ ዓቕሚ ስለ-ዘይነበረ፥ እቲ ዝፈጠረሎም ምስንባድ ኣብ ገጾም ይንበብ ከም-ዝነበረ፥ እቶም ብኣካል ኣብኡ ዝወዓሉ ክገልጹዎ ይስምዑ እዮም። ኣብ ዓዲ ምስ-ተመልሱ ምዝራብ ኣብዮም ተባሂሎም ጸገም ከየኸትለሎም ስለ-ዝሰግኡ ግና፥ ዝኾነ ነገር ክብሉ ኩነታቶም ከም-ዘገደዶም ዝንገር።

በዚ መሠረት እውን፥ እቶም ብእወንታ ዝግለጽ ታሪኽ ዘይነበሮም ኣባ-ማርቆስ “...ምስ ሲኖዶስ ተሰማሚዖም ምስራሕ ኣይከኣሉን...” ብምባል ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክኸሱዎም ከለዉ። እቶም ኣብ ኩሉ ነይሮም ዘይበሃሉ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ድማ ኣይኪኢላቶ ኣይሲኢናቶ ከም-ዝበሃል “...መናፍቕ ኮይኖም ተረኺቦም። ተመለሱ እንተ-በልናዮም ድማ፥ ኣብዮሙና። በዚ ድማ ካብ ሥልጣኖም ኣውሪድናዮም...” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ውንጀላዮም ኣስሚዖም። እዚ ድማ ተዛሪቦም ክበሃሉ እንተ-ዘይኮይኖም፥ ነቲ ሽዕኡ ዝነበረ መድረኽ ዝምጥን፥ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ነይሩዎም ዝበሃሉ ከም-ዘይነበሩ፥ እቶም ኣብኡ ብኣካል ዝወዓሉ ክገልጹዎ ይስምዑ እዮም።

ብዝኾነ እቶም ፓትርያርክ፥ ማለት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-ሺኖዳ። ነቲ እቶም ክልተ-ጳጳሳት ዝበሉዎ ምስ-ሰምዑ፥ ኣብቲ ዝተባህለ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝምልከት ጉዳይ፥ ክዝለል ዘይግብኦ ርኡይ ጌጋ ተገይሩ ምህላዉዮም፥ ጸቒጦም ክዛረቡ ዝተሰምዑ። እቲ ንሶም ዝበሉዎ ከኣ፡-

“...ቅድሚ ዝኾነ ኩሉ፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ክፉት ዝኾነ ጉባኤ ቀሪቦም፥ ቃሎም ክስምዑ ዘለዎም መሰል ክሕለወሎም ኣለዎ። እዚ ከኣ ኣብ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ሰፊሩ ዝርከብ ዘሎ ሕጊዩ። ስለዚ እቲ ጉባኤ ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያንውን ክትሕወሶ ስለ-ዘለዋ፥ ብድሕሪኡ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ እንታይ ከም-ዝብሉ ሰሚዕካ ዝውሰን እምበር፥ እዚ ወሲድናዮ ትብሉ ዘለኹም ስጉምቲ፥ ብመንጽር ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ክርአ ከሎ፥ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና ከም ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ትማሊ ኮነ ሎሚ፥ ንዓና ሕጋዊ ፓትርያርክ እዮም...” ብምባል፥ ሓደን ዘየጋግን መልሲ ከም-ዝሃቡዎም ዝፍለጥ።

እዚ ከኣ ብዝኾነ ተኣምር፥ ሰጊርካዮ ክሕለፍ ዘይግብኦ፥ ክብደት ዝነበሮ ረዚን ቃል ነይሩ። ነዚ ርዝነት ክመዝን ዝኽእል ልቦና ዘለዎ ሰብ ግና፥ ኣብቲ ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ መንበረ-ፓትርያርክ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ፥ ነቲ ቀይሕ-መስመር ሰጢጦም ብምሕላፍ፥ ፓትርያርክ መሪጽና ክብሉ ተሰሚዖም። እቲ ጌርናዮ ዝበሉዎ ፓትርያርክነት ግና፥ ካብ ኣሥመራ ወጻኢ ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦ ዝህቦ ኣይረኸበን። ንዓመታት ኮለል ኢሎምውን ከዐርይዎ ዝኸኣሉ ነገር ኣይነበረን።

ርግጽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፥ ናብ ብዙሓት ዓበይቲ ጉባኤታት ክካፈሉ፥ ዝገበሩዎ ፈተነታት ምንባሩ ዝፍለጥዩ። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ኢሉ ገጹ ኣብሪሁ ዝቕበሎም ግና ኣይረኸቡን። ኣብ ብዙሕ ጉባኤታት ክሳተፉውን፥ ዮፍታሔን ኣባ-ሉቃስን ዘይገበሩዎ ፈተነ ኣይነበረን። ሕራይ ክኽፈት ዝኽእል ማዕጾ ግና ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ካብ ክንደይ ጉባኤታት ከኣ፥ ተነጺጎም ክምለሱ ከም-ዝጸንሑ ዝፍለጥ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኮርያን ስዊስን፥ ከቢድ መንጸግትን ተነጽሎን ኣጋጢሙዎም እዩ። ካብ ጌግኦም ክመሃሩ ዝደልዩ ኮይኖም ግና ኣይተረኽቡን።

ሕጂ ድማ እንሆ ንኽትዛረበሉን ንኽትገልጾን ብዘሕፍር ኩነታት: ምስ ሓደ ኣብ ከቢድ ናይ ሽምግልና ዕድመ ዝርከቡ ፓትርያርክ፥ ክቃለሱ ይውዕሉን ይሓድሩን ኣለዉ። ብግዲ ተጋግየ ኢልኩም ፈርሙ ብምባል ድማዮም፥ ከጨንቑዎም ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለዉ። ከምኡ ክብሉ ዝኽእሉ እንተዝኾኑ ነይሮም እሞ፥ ንልዕሊ 11-ዓመት ኣብ መቑሕ ኣትዮም፥ ክጸንሑ ዘግብር ምኽንያት ኣይምነበሮምን። ስለዚ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ኣብቲ ንግሆ ዝቘሙሉ ዕላማ ደው ኢሎም ከም-ዘለዉ ዝኣምን። ካብዚ ወጻኢ ተዓሪቖምዶ ፈሪሞምዶ ዝብል ምድንጋር፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶን ሕዝቢ ተዋሕዶን ይቕበሉዎዮም ዝበሃል ኣይኮነን።

እቲ ክኸውን ዝግብኦ ቅኑዕ መስመር፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-ሺኖዳ፥ ኣብ 1998 / (2006) ተዛሪቦሞዮም። እቲ ጉዳይ ኣብ ግሉጽ መጋባእያ፥ እታ ታሪኻዊትን ዓባይን ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያንውን ኣብ ዘላቶዩ፥ ቀሪቡ ክውሰን ዝኽእል ዝነበረ። ኣብዛ መድረኽዚኣ ክቐርቡ ስለ-ዘሕፍሮም ግና፥ ካብ 11-ዓመት ንላዕሊ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣእትዮም፥ ከሳቕዩዎም ይርከቡ ንዘለዉ ፓትርያርክ“...ተጋግየ ኢልኩም ፈርሙ...” ብምባል፥ ዕረፍቲ መዓልትን ድቃስ ለይትን ከሊኦሞም ይርከቡ ኣለዉ።

ንሳቶም እቶም ሰብ-ፖለቲካ ክርድኡዎ ዘለዎም ግና። ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተወዲኡ ማለት፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተወዲኡ ማለት ከም-ዘይኮነ፥ ክርድኡዎ ዝደልዩ ኣይመስሉን ዘለዉ። ከመይሲ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ 1998 / (2006) ዝጀመረ ክኸውን ከሎ: እታ ዓባይ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ዝኣተወት ግና ኣብ 1983/ (1991) እያ። ስለዚ ዋናን ቀዳማይን ሕዝቢ ተዋሕዶ ዝሓቶ “...እቲ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ጽዒንኩሞ ዘሎኹም ናይ ፖለቲካ ኣርዑት ኣውርዱዎ። ወይ ድማ ኢድኩም ካብ ቤተ-ክርስቲያን ኣውጽኡ...” ምባል ከም-ዝኾነ፥ ኣነጺርና ክንነግሮም እዋኑ ሕጂዩ።

ብዝተረፈ በቲ “...እቶም ፓትርያርክ ፈሪሞም ወይ ተዓሪቖም...” እናተባህለ፥ ዝንገር ዘሎ ናይ ምድንጋር ቃላት፥ ሕጂ ከም ሕጂ ክዕሾ ዝኽእል ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ ንቕሓት ሕዝቢ-ተዋሕዶ፥ ኣብቲ ቅድሚ 26-ዓመት ዝነበሮ ኣይኮነን ዝርከብ ዘሎ። ሎሚ እግዚኣብሔር ይኽበር-! ይመስገን-! ብዙሓት ሰብ ዲግሪ ዉልደ-ክህነት ኣብ ዘፍረናሉ ህሞት ኢና ንርከብ ዘሎና። ስለዚ ከኣ ኢና ትማሊ ክንብሎ ንኽእል ዘይነበርና፥ ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ዓው ኢልና “-ይኣክል-!!-” ክንብል ትብዓት ረኺብና ዘሎና። እዚ ግና እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ክሰምዑዎ ወይ ክርድኡዎ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ብዝኾነ እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ካብቲ ቀርቂሩ ሒዙዎም ዘሎ ባዕላቶም ዝፈጠሩዎ ጸገም ክወጹ ዝደልዩ እንተደኣ ኮይኖም: እቲ ክኸዱዎ ዝግብኦም መንገዲ ግልጺዩ። ንሱ ድማ ኢዶም ተሓጺቦም ካብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክወጹ ጥራይዩ። እቲ ኩሉ ብመንገዲ በዓል ናይዝጊ ክፍሉን, ደራጎን ኃይለ-መለኮትን, ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን, ኣባ-ሉቃስ ኣቢልካ ክግበር ዝጸንሐ ምትእትታው፥ ከፍርዮ ዝኸኣለ ነገር የልቦን። የግዳስ ውግዘትን, ኩነኔን, ተነጽሎን ከስዕብ ጥራይ ዝተራእየ። ሕጂ ድማ በዚ መንገዲ ቀጺልካ ክኸይድ ምባል፥ ለባማት ዝመርጹዎ ምርጫ ከም-ዘይኮነ ጥራይ ኢና ክንነግሮም ንኽእል።

ብዝተረፈ ከምቲ እቶም ዉሉደ-ክህነትና “-ንነግር ወኢንዘብጥ-” ዝብሉዎ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶውን “...ትጋገዩ ስለ-ዘሎኹም ጌጋኹም ኣርሙ...” ክትብሎም ትኽእል እምበር፥ ብረት ዓጢቓ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢላ ክትጸንሖም ትኽእል ኣይኮነትን። ክትምርቕን ክትረግምን ግና ትኽእልያ። ንሳ ግና ክትምርቕ እምበር ክትረግም እትደሊ ኣይኮነትን። እምበኣር ከምቲ “-ኣቅረብኩ ለከ ማየ ወእሳተ፥ ደይ እዴከ ሃበ ዘፈቀድከ-” ተባሂሉ ዘሎ። እቲ ምርጫ ንዓታቶም ነቶም ሰብ ፖለቲካ ዝምልከትዩ። መንገዲ ዕርቅን ሰላምን ክመርጹ ድማ፥ ጸሎት ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ እዩ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል፥ ወለወላዲቱ ድንግል፥ ወለ-መስቀሉ ክቡር-!!!

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div