S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብተስፋ ምጽኣቱ ተስፋና እንታይ እዩ፧

ብዲያ / /እግዚኣብሔር ደብረጽዮን

ጥቕምን ኣድላይነትን ተስፋ

ኣብቲ ዝሓለፈ ትምህርትና (ተስፋ ምጽኣቱ ኣበይ ኣሎ፧ ዝብል)፡ ዳግም ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማያት፡ ንዓና ንሰዓብቱ ናይ ተስፋ ምንጪ ዝዀነ ፍጻሜ ምዃኑ ርኢና ኔርና። ንሎሚ ኣብዚ ክፍሊ ትምህርትና እንምልከቶ ድማ፡ እቲ እንጽበዮ ተስፋና እንታይ እዩ፧ ዝብል ክኸውን እዩ።

ተስፋ፡ ንናይ ወዲ ሰብ ብህይወት ናይ ምቅጻል ድርኪት ምዃኑ እንርደኦ ሓቂ እዩ። ሰብ ከይበልዐ ንመዓልታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ማይ ከይሰተየውን ንሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ከየተንፈሰ ድማ ንደቓይቕ ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ዝርእዮ ስኢኑ፡ ተስፋኡ ምስ ዝጽልምት ግና ንሁመት ክቕጽል ኣይኽእልን። ናይ ብዙሓት ነፍሶም ዘጥፍኡ ሰባት ምኽንያት ድማ፡ ተስፋ ምቑራጽ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ስለዚ ተስፋ ንናይ ሰብ ህልውና መሰረታዊ ባእታ እዩ።

መንፈሳዊ ህይወትናውን፡ ከም ኵሉ ህይወታዊ ብህይወት ክቕጽል ኣማዕድዩ ዝርእዮ ተስፋ ክህልዎ ከድልዮ ናይ ግድን እዩ። ናይቶም ብእምነት ዝተመስከረሎም ናይ እምነት ቅዱሳት ኣቦታትና፡ ኣብቲ ናይ እምነት ጉዕዞ ምንጪ ጸዓቶም ዝነበረ ዘማዕድውዎ ተስፋ ስለ ዝነበሮም እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣቦ ብዙሓትን ፍቁር ኣምላኽን ዝተሰምየ ኣብርሃም፡ ክዛረብ ከሎ ሓዋርያ ከምዚ ይብልነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።” (እብ 119-11) ብዛዕባ እታ ጭዋ ዝተባህለት ኣዴና ሳራ ድማ ከምዚ ይብል፥ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት።” (እብ 11:12) ብዛዕባ ነብዪ ሙሴ እቲ ሓዋርያ ዝበሎ ድማ እዚ ነበረናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ።” (እብ 11:26) ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ናይ እምነት ጀጋኑ፡ ብዙሕ ክንዝርዝር ንኽእል ኢና። ብሓፈሻ ግና ከም መጠቓለሊ ናይ ኵሎም ግና እቲ ሓዋርያ ከምዚ ይብለና፥እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።” (እብ 11:13) ስለዚ ምስጢር ዓወት ናይዞም ናይ እምነት ኣቦታት፡ ኣብቲ መንፈሳዊ ጉዕዞኦም ዝጥምትዎ ንጹር ተስፋ ምንባሩ እዩ።

እንጥምቶ መንፈሳዊ ተስፋ እንተዘይብልና፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ክንቅጽል ዘኽእለና ድርኺት የብልናን። ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ እዚ ሓቂ ኣብቶም ተመሃሮኡ ዝነበሩ ሰብ ገላትያ ዘስተብሃለ ሰብ ነበረ። በቲ ካብ ኣረማውነት ናብ ክርስቶስ ተመሊሶም ክመላለሱ ዝጀመሩሉ ግዜ፡ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከም ስቑል ነበረሞ፡ ነታ ሓቂ ዝእዘዙ ንቁሓት ነበሩ። ጸኒሖም ግና ትምህርቲ ኣይሁድ ክሰምዑ ምስ ጀመሩ፡ እቲ ዝጥምትዎ ዝነበሩ ስቁል ክርስቶስ ካብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኽሃስስ ጀመረ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ነታ ሓቂ ምእዛዝ ዝስኣኑ ዕዙማት ክዀኑ ገበሮም። እቲ ቃል ከምዚ ይብለናኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዓዘመኩም” (ገላትያ 3:1) ንተስፋ ደጊሙ ሃዋርያ ከም መልህቅ ንፍሲ ብከምዚ ይገልጻ እዩ፥ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ ኢየሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ አላትና።” (እብ 6: 19-20) መልህቅ ኣብቲ ብዙሕ ማዕበለ ዘለዎ ውቅያኖስ ወይ ባሕሪ መራኽብ ተገፊዐን ኣንፈተን ከይስሕታ፡ ኣብ ቦተአን ዘቁመን ወሳኒ መሳርሒ እዩ። ተስፋ ድማ ነቲ ሰዓቢ ክርስቶስ ከምኡ እዩ። ኣብዚ ብብዙሕ ዓለማን ስጋውን ማዕበላት ብሓደ ወገን፡ ብብዙሕ ናይ ስሕተት መንፈሳዊ ንፋሳት ድማ በቲ ካልእ እትናወጽ ዘላ ዓለም፡ ንነፍሲ እቲ ናይ ክርስቶስ ሰዓቢ ኣብ ቦትኣ ከጽንዓ ዝኽእል መልሕቅ እቲ ተስፋ ኣምላኽ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ንርግጽነትን ተፈጻምነትን ተስፋ ምጽኣቱ ኣመልኪትና ተዛሪብና ኔርና። ኣብዚ ክፍሊ ድማ ንእንታይነት እቲ ተስፋ ኣመልኪትና ክንመሃር ኢና። ተስፋ ሰዓቢ ክርስቶስ ግና እንታይ እዩ፧ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ፡ ተፈጻምነት ተስፋ ሰዓብቱ ከም ዝበጽሐ ዘበስር ዓብዪ ፍጻሜ እዩ። እዚ ምጽኣት እዚ ንዅሎም ስዓብቱ፡ ማለት እቶም ኣቀዲሞም ብእምነት ዝደቀሱን ንሕና ብህይወት እንጸንሕን ብማዕረ ዝምልኸተና ፍጻሜ እዩ። ንክልቲኡ ጕጅለታት ሓደ ህላዌ ዘልብስ ፍጻሜ ብምዃኑ፡ ምስ ትንሳኤ ምውታትውን ዝተተሓሓዘ እዩ። ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ነዚ ተርእዮ እዚ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፥  “ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት፡ ኢየሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብኢየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ።” (1 ተሰ 4:13-ፍጻሜ) ብተውሳኺ ኣብ 1 ቈረ 15: 51-ፍጻሜ ከምዚ ይብልእንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ  ክትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ። ኣብዘን ክልተ ክፍልታት ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ተጠቒሙሉ ዘሎ መዛዛሚ ሓሳብ እንተ እስተብሂልናደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑዝብላ ሓረጋት ነቲ ምጥማትን ምዝካርን ተስፋኻ ኣብ ህይወትካ ዘስዕቦ ረዲኤት ዘግህድ ተወሳኺ መብርሂ እዩ።

ብምጽኣቱ ተስፋታትና

እምበኣር ብዳግማይ ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሰዓብቱ ዝለብስዎ መንነት እዚ እዩ፥ ነቲ ክቡር ስግኡ ዝመስለ ሰመያዊ ስጋ! ሊቀ መላእኽቲ መለከት ምስ ነፍሐ፥ ምውታት ብዘይሓልፍ ክትንስኡ እዩም። ንሕና ብህይወት እንጸንሕ ድማ ከም ቅጽበት ዓይኒ ክንልወጥ ኢና። እዚ ለውጢ እዚ ዝፍጽሞ ተስፋታት እምበእር ንርኣይ፥

1. ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ክንልወጥ ኢና፥ መደብ ኣምላኽ ንዓና ንኣመንቱ፡ ንምስሊ ወዱ ክንመስል ምዃኑ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፥ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም።ብምባል ኣንጺሩ ምሂሩ ኣሎ (ሮሜ 829) ኣምላኽ ኣባና ድሌትን ግብርን እናገበረ፡ ንክርስቶስ ንኽንመስል ኣባና ዝጀመሮ ናይ ለውጢ ሰናይ ግብሪ ኣሎ። ነዚ ዝጀመሮ ናይ ለውጢ ጉዕዞ፡ ኽሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ማለት መዓልቲ ምጽኣቱ ፈጺሙ ከም ዝውድኦ ንሱ እሙን እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ነገር ብምሉእ ተኣማንነት ከምዚ ኢሉ ይምህረና፥እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ ኣሎኹ።” (ፊሊጲ 16) እዚ ከምዚ ዝበለ ምትእምማን ብዛዕባ እቲ ኣባና ዝጀመሮን ክፍጽሞውን ዝዀነ ናይ ለውጢ ህይወት፡ ንሓዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ብምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንመስሎ ምስሊ ተመሳሳሊ ተኣምኖ ከም ዝህልዎ ከም ዝገበሮ ካብዚ ክፍሊ ንርዳእ ኢና፥ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና።” (1ዮሃ 32) ክርስቶስ ክግለጽ ከሎ ከምታ ዘለዋ ክንርእዮ ኢና፡ ንሕናውን ንዕኡ ከም እንመስል ንፈልጥ ኢና። ማለት እዚ መዋቲ ስጋ ናብ ምስሊ ኣርኣያ ክርስቶስ ክልወጥ እዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ፡ እዚ መዋቲ ድማ ዘይመውት ክለብስ እዩ። ብምጽኣቱ እምበኣ ክርስቶስ ነዚ ናይ ወርደት ስጋና ለዊጡ ነቲ ክቡር ስግኡ ከምስሎ እዩ።ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።” (ፊሊጲ 3:21)

2. ሞት ንሓዋሩ ክስዓር እዩ፥ ጐይታ ካብ ምውታት ብምትንስኡ ንሞት ስዒርዎ እዩ። እቲ ዝነበሮ ስልጣን ድማ ተወስደ። እዚ ዝዀነሉ ድማ ነቲ ንሞት ብልሒ ሂቡ ክስልጥን ጌርዎ ዝነበረ ሓጢኣት፡ ብምፍሳስ ደሙ ደምሲሱ ካብ ማእከል ብምርሓቅ እዩ። ደጊምና ባሮት ሓጢኣት ከይንኸውን ድማ ነቲ ምዉት ዝነበረ ሕልናና ህያው ዝገብር፡ ዘርኢ ኣምላኽ ኣባና ከም ዝነብር ዝገብር ናይ መንፈስ ቅዱስ ምሕዳር ሃበና። እቲ ሕጊ ዝጠልቦ ብኸምኡ ክንፍጽም እንኽእል ድማ ገበረና። ሞት ብዘይ ብልሕን ስልጣን ይኹን እምበር፡  ንሓዋሩ ናብቲ ቀላይ ሓዊ ዝደርበየሉ ግዜ ግና ብምጽኣትን ህልቀት ዓለምን ምዃኑ ካብዚ ክፍሊ ንርእዮ፥ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ።” (ራእ 2014) ብምጽኣት መጽሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞት ንሓዋሩ ተሳዒሩ ክተርፍ እዩ።

3. ጐይታ ንህዝቡ ዕረፍቲ ክህብዩ፥ ነቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበብ ኣምሊጥና፡ ነዚ ለውጢ እነርኽብ ሰዓብቱ ዕረፍቲ ክህበና እዩ። ንብዓት ካብ ኣዒንትና ክድረዝ እዩ፥ ደጊም ሓዘን ኣይኸውንን።

2 ተሰሎንቄ 1: 6-7 – “በቲ ምግላጽ ጐይታና ኢየሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘልዉን ጸበባ ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ

ራእይ ዮሐንስ 21:4 – “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

ራእይ ዮሐንስ 7: 16-17 – “እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።

4. ጐይታ ኣብ ኣመንቱ ክኸብር፡ ብምእማኖ ድማ ክንእዶም እዩ፥ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታና፡ ኵሎም ሰዓብቱ ንክርስቶስ ዘኽብሩላ መዓልቲ እያ። እቲ እምበርዶ እምነት ኣብ ምድሪ ክረክብ እየ ዝበለ ጐይታ ብወገኑ፡ ንኣመንቱ ክንእዶም እዩ። እታ እሙን ሕያዋይ ባርያ ናብ ናይ ሓጎስ ጐይታካ እቶ እናበለ ክንእድ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሰዓቢኡ ድማ ክከም ጻዕሪ ዕስቡ ክህቦ እዩ። (ማቴ 2521-23 ያእ 112 ራእ 210 2ጢሞ 25  48 1ተሰ 110-11)

እቲ ብምጽኣት ጐይታና እንጽበዮ ተስፋታት ብዚሕ እዩ። ብግልኩም መጽሓፍ ቅዱስኹም ገንጺልኩ፡ ብዛዕባ እዚ ተስፋታት ክተጽንዕ ኣተባቢዕ ናብ ካልእ ሃሳብ ኽካልፍ።

ንምጽኣቱ ድልው ምዃን

እቲ ብተስፋ ምጽኣቱ ተዳልዩልና ዘሎ ተስፋታት ብዚሕ ካብ ዀነ፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ኣነን ንስኻትኹምን እዚ ተስፋ ዝምልከተና ሰባት ንምዃን ርእስና ናይ ምውሓስ ጻዕሪ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ምዒዱና ዘሎ ከምዚ እናበለብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። ወይስ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባካትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም።ርእስና ምምርማር ርእስና ምፍታን ይግብኣና (2ቈረ 13:5) እዚ ናይ ምምርማር ጉዳይ ዘይምልከቶ ኣካል ከምዘየል ንምምልካት ድማ ደጊሙ ከምዚ ይብልስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።” (1ቈረ 10:12)

እቲ መርሚርና ክንበጽሖ ዘሎና፡ ህይወትናውን ክትነብሮ ዝግብኣ ውሑስ ቦታ ግና እንታይ እዩ፧ ከምቲ እቲ ፍቁር ወደ መዝሙር ሓዋርያ ዮሃንስ ዝምህረና ከምዚ እናበለሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።እታ ውሕስቲ ቦታ፡ ኣብብእኡ ማለት ብክርስቶስ ምንባርእያ ዘላ። (1 ዮሃ 2:28-29) ብእኡ ምንባር ማለት፡ ካብ ናትካ ነገር ወጺእካ ንክርስቶስ ምንባር ማለት እዩ። እዚ ድማ ነቲ ብጥምቀት ዝኣወጅናዮ ኣዋጅ ማለት ንርእስና ሞይትና ንክርስቶስ ተንሲእና፡ ምስ ክርስቶስ ተቀቢርና ምስ ክርስቶስ ተንሲእና፥ ንሓጢኣት ሞይትና ንጽድቂ ተንሲእና ዝብለ ኣዋጅ ብግብሪ ምንባር እዩ። መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ምዕራፍ 6 ብምልኡ ኣንብብ። ናይቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ ዕላማ ንሕና ብህይወት፡ ማለት ብናቱ ህይወት ምእንቲ ክንነብር እዩ። እቲ ሓዋርያ ነዚ ብኸምዚ ይምህረና፥  “እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።” (ሮሜ 6:4) ወሲኹ ድማሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና።” (ሮሜ 6:5)

ስለዚ እቲ ኣብ ትንሳኤኡ ዝሓብር፡ እቲ ብጥምቐት ኣብ ናይ ክርስቶስ ሞት ሓቢሩ፡ ብሓዳስ ናይ ክርስቶስ ህይወት ክነብር ዝርኸብ ሰብ እዩ። እዚ ህይወት እዚ፡ ብጽድቅን ቅድስናን ብመልኽዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓዲሽ ሰብ እዩ። ናይ ጽድቂ ባህርይ ዘለዋ ህይወት። ንንግስነት ሓጢኣት ደንኺሉ ንክርስቶስ ንጉሱ ጌሩ ዝሾመ ህይወት። እቲ ቅዱስ ሓዋርያ ኣብዚ ምዕራፍ ደጊሙ ብዛዕባ እዚ ብኸምዚ ይምህረናእቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና።” (ሮሜ 6: 6-7) ስለዚ እቲ ሕቶ፡ ባርያ መን ዄንካ ትከይድ ኣለካ ዝብል እዩ ዝኸውን ዘሎ። ባርያ ሓጢኣት ወይስ ባርያ ክርስቶስ። ኣብ ቁጽሪ 12 ድማ እቲ ሃዋርያ ከምዚ ኢሉ ይብድሃና፥ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። (ሮሜ 6:12)

ንንግስነት ሓጢኣት ካብ ህይወትና እንኣልየሉ መገዲ ግና እንታይ እዩ፧ ነዚ ኣርእስቲ ብዝበለጸ ዝሕግዘና ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ጳውሎስ ናይ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 8 እዩ። ነዚኣውን ባዕልኹም ኣንብቡዋ። ቀጺልና ክልተ መሰረታውያን መገድታት ክንጠቅስ ኢና፥

1. ብመንፈስ ምምልላስ፥ ነዚ ሓሳብ ካብዚ ዝስዕብ ክፍሊ ንመሃሮ።

ሮሜ 8: 9-13 - ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ ህይወት እዩ። እቲ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ። እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን።

ገላ 5: 16-25 - ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ።

እዚ መገዲ እዚ፡ እቲ ንፍቃድ ስጋና እናኸሓድና፡ ርእስናን ፍቃድናን ነቲ ወሃቢ ህይወት ዝዀነ መሕወዪናን ቀዳሲናን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ እነግዝኣሉ ናይ ጸሎት ህይወት እዩ።

2. ምምጋብ ቃል ኣምላኽ፥ ዘይተመገበ ክሕይል፡ ንጸላኢ ዝስዕረሉ ጉልበት ድማ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ብቃሉ ዘይዓቢ ሰዓቢ ክርስቶስ ድማ ንሓጢኣት እምቢ ንጽድቂ ድማ ሕራይ ክብለሉ ዝኽእል ዓቅሚ ዝተነፍጎ ሰብ እዩ። ነዘን ዝስዕባ ጥቕስታት ንንብብ።

ኢሳያስ 7:15 – “ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ክሳዕ ዚፈልጥሲ፡ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ።

1 ጴጥ 2:1-2 – “እምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።

ዮሃ 15: 3 “ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።

ዮሃ 17:17 “በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ።

ስለዚ በዚ ክልተ መገድታታት፡ ነቲ ባሮቱ ክገብረና ዝደሊ ሓጢኣት ካብ ህይወትና ነርሕቕ። ንክርስቶስ ነንግሶ ብመንፈሱ ድማ ንመራሕ። ሽዑ በታ ኣምላኽ ንብረቱ ክእክበላ ዝመጸላ ግዜ ኣይክንሓፍርን ኢና። ምኽንያቱ ኣምላኽ ነቶም ናቱ ይፈልጦም እዩ። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ግና ንሱ ናቱ ኣይዀነን። (ሮሜ 89) - “ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።

 

ከም ቃሉ ክንነብር  ብመንፈሱ ይደግፈና

ስብሓት ለእግዚእብሔር ለዓለም ወዓለመ ዓለም። ኣሜን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div