S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብርኩ ዝጠለሞ ሲኖዶስ ኤርትራ!!!

ንቡር ከይተርፍ ሲኖዶስ ኢለ ክጽውዖ። እምበር፤ ሲኖዶስ ኢዩ ክትብሎ ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ኣቃዉማን ስርዓትን የብሉን። ገዛእ ፓትርያርኩ ንበላዒ ኣሕሊፉ ዝሃበ፤ ርእሱ ዘዘቅንዐ ኣገልጋሊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዉርዉር እኮ ኢዩ ሲኖዶስና።

ኣነስ እቲ ምስ ግብጻዊት ቤተክርስትያን ዝተገብረ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ተጣሒሱ፤ ኣብ ክንድኡ ስለምንታይ ምስ ... ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ምፍጣር ተመሪጹ ኢዩ ዝገርመኒ። ዳኒኤል ክብረት ዝተባህለ ኢትዮጲያዊ፤ኣብ ስሩዕ ጉባኤ ሲኖዶስ ኢትዮጲያ፤ ወከልቲ መንግስቲ ወንበር ተዋሂብዎም ክሳተፉ ምስ ረኣየ፤እኛ እና መንፈስ ቅዱስ ወስነናል መባል ሊቀር ነው ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ። እዚ ናትና ሲኖዶስ እውን ዝነግረሉ ኢዩ ሲኢኑ እምበር፤ኣብ ክንዲንሕናን መንፈስ ቅዱስን ወሲንና ኣሎናምባል፤ንሕናን ህግደፍን ወሲንና ኣሎናንምባል ዝተረፎ ምንም የልቦን።

ሳላ ሲኖዶስና እንታይ ተሳኢኑ፤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ምስ ኩለን ብእምነት ኣሕዋት ዝብሃላ ኣብያተክርስትያን፤ ቀጥታዊ ኮነ ተዘዋዋሪ ርክብ ኣቋሪጻ፤ ኣደዳ ተነጽሎ ካብ ትኸውን ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተቆጺሩ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እኳ ናይ ግብጻዊት ቤተክርስትያን ፓትርያርክ፤ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስ ምስ ናይ ኢትዮጲያ ናይ እንግሊዘይና ጋዜጠይና ተፈራ ገዳሙ፤ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፤ ንሕጋውነት ኣቡነ እንጦንዮስ ከም ወትሩ ዳግም ኣረጋጊጾም ኢዮም። ብሓፈሻ ካብ እዘን ኣሕዋት ቤተክርስትያን ዋላ ሓንቲ ትኹን ንሹመት ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣፍልጦ ዝሃበት ቤተክርስትያን የላን። እቲ ዘሕዝን ድማ ዕርቂ ከይተገብረ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ናብ ዋንኦም ኣቢሎም። ኣምላኽ ነብሶም ይቀበል።እንተ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና፤ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝተነፍጎም ክብረት፤ብኻልኦት ኣብያተክርስትያን ብዝግባእ ረኺቦም ኢዮም። ግብጻዊት ቤተክርስትያን ኣብ ጸሎት ከይዘከረቶም ኣብኲራ ኣይትፈልጥን። ኣቡነ ሺኖዳ ኢዮም ኩሉ ግዜ ንክዝከሩ ስርዓት ገይሮም ዝሓለፉ። ናትና ኣብያተክርስትያን ግና ንኣረሜን መራሒ ሃገር ኢየ ንዝብል እኳ ጸሎት እናገበራ፤ ኣብ ኣቡነ እንጦንዮስ በጺሐን፤ኣፈን ዝልጎማሉ ምኽንያት ኣይርድኣንን ኢዩ። ሐራይ እስከ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎስ፤ ኣብ ኣፉ ፕላስተር ተገይሩሉ። እቲ ዘገርምን ዘደንጹን፤ ስቅታ ናይ እዘን ኣብ ደገ ዘለዋ ኣብያተክርስትያን ኢዩ።ነብይ ኣብ ዓዱ ኣይከብርን ኢዩ ካብ ምባል ሓሊፈ እንታይ ክብል። ዝያዳ ኩሉ ግዜ፤ እዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፤ ንጽህና ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብሪሀን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኢየን። ምኽንያቱሲ፤ እቲ ቀደም ቀደም ዝነበረ ክሲ መንፊቆም፤ ተሓዲሶም፤ ኢዮም ዝብል ኢዩ ነይሩ። እሞ ድኣ እንታይ ተረኽበ ንመናፍቅ ብለበጣ ይቅሬታን ተጋግየን ናብ ቤተክርስትያን እሞ ድማ ናብቲ ዝለዓለ ስልጣን ቤተክርስትያን ንክምለሱ ተደልዩ?

ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ብይቅሬታን ተጋግየን ናብ መንበሩ ዝተመልሰ መናፍቅ ኣቦ የብልናንን። መናፍቅ ወይ ተወጊዙ ይፍለ፤ ወይ እውን ትምህርቱ ኣመዓራርዩ ቀኖናኡ ወሲዱ ናብ ሕብረት ቤተክርስትያን ይምለስ። እንተዘይኮይኑ መናፍቅ ተባሂሉ ኣብ ጉድጓድ ዝተወርወረ ሰብ፤ እንደገና ንዓ ኣቦ ኩነና ክብሃል፤ ንመጀመርያ ግዜ ብሲኖዶስ ኤርትራ ንርኢ ኣሎና። እቲ ኣዚዩ ደስ ዘብል ግና፤ እቲ ኩሉ መንፊቆም ኢዮም፤ ተሓዲሶም ኢዮም፤ ኢሉ ዝጭርሕ ዝነበረ፤ እቲ ሓቂ ምስ በርሀ፤ መልሓሱ ምእካቡ ኢዩ። ሕፍረት ድዩ ሒዝዎ ሕማቅ ኒሕ ብዘይርድኣኒ ግና፤ እዞም ኣቦ ንጹህ ኢዮም ክብል ገና ድፍረት ኣይረኸበን ኣሎ።

እቲ ኣዝዩ ኣዝዩ ዝድንጽወንን፤ እንሓንሳብ ድማ ሕርቃነይ ክሳብ ምቁጽጻር ዝስእን ዘሕምመኒ፤ እዞም ኣቦ ንመን ኢዮም በዲሎም ዝብል ኢዩ። እስከሞ ንቤተክርስትያን በዲሎም ንበል፤ ጉዳዮም ስለምንታይ ቤተክርስትያን ብቅዱስ ጉባኤ ዘይትድምድም። ንምንታይ ከም ሓደ ሰራቂ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝድርበዩ? ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ህግደፍ ተሰሓሒቦም እንተ ኮይኖም ድማ ስለምንታይ ሲኖዶስ ከፍትሖም ዘይክኣለ? ኣቱም ሰባት፤ ነዞም ኣቦ ወዲ መንጎ ኣእትዮም ንብላሽ የሕቅቅዎም ኣለዉ። ከምዚኣ ኢሎም ከለው እንተ ዓሪፎም ንህይወት እዞም ኣቦ ሓላፍነት ዝወስድ መን ኢዩ? ነገር ኣብ ጠልጠላ እዞም ኣቦ እንተዓሪፎም ግና፤ ይቅሬታ ክትገብረሉ ዝኸብድ ገበን ኢዩ ክኸውን። ንቤተክርስትያን ድማ ሕማም መንድዓት።

ኣቡነ እንጦንዮስ ድሮ 92 ዓመት ገይሮም ኣለዉ። ካበዚ ቁሩብ እንተሓሊፎም፤ ናይ ተፈጥሮ ጉዳይ ስለዝኾነ፤ ኣእምሮኦምን ዘረብኦምን ዘይቋጻጸሩሉ እዋን ክኸውን ኢዩ። ስግኣተይ ድማ ነዚ ከም ብልጫ ወሲዶም ዘይኣምኑሉ ወረቀት ከየፈርምዎም ኢዩ።

እምበኣር ካብዝን ወድከምዝን ስግኣት ነጻ ዝኾነ ዕርቂ ብግብጻዊት ቤተክርስትያን ክግበር እዋኑ ሕጂ ኢዩ። ኣምሓሩ ክምስሉ፤ኣባቱ ዳኛ ልጁ ቀማኛይብሉ። ናይ ግብፂ ቤተክርስትያን ኣብ ዘይብሉ ንህግደፍ ኣማእኪልካ፤ ባዕልኻ ከሲስካ፤ ባዕልኻ ዳኛ ምዃን ግና ኣይግርምን ኣይጽቡቕን እዩ።

ብዛዕባ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፤ዝብሎ ብዙሕ ኣሎኒ ንሕጂ ግና ኣብዚ ይኣኽለኒ ዝብለኩም ኣቤልየ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div