S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ባዕሉ ብዝጸሓፎ ደብዳቤ ክጋለጽ ከሎ

ግድን ስለ ዝኾነና ደኣምበር፥ ዮፍታሔ ዝብል ስም ክለዓልኮነ ክዝከር እንደልዮ ስም ኣይኮነን። በዓል ኣርዮስ, ንስጥሮስ,ኣውጣኪ, መቅደንዮስውን እኮ፥ ስሞም ክዝክሮ ዝደሊየልቦን። ሰይጣንውን ከምኡ ክዝከር ዝድለ ኣይኮነን።

ታሪኽ ግና ነቲ በዓል ጽቡቕ ኮነ በዓል ክፉእ፥ ንኹሎምነናቶም እናሃበ ዘቐምጦም። ስለዚ ዮፍታሔ ድማ በቲመጋበሪ ፖለቲካ ብምዃን፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንናክፍጽሞ ዝጸንሐ ዕንወት፥ ብኣሉታ እናተዘከረ ክነብርሲ ናይግድንዩ። ብዝተረፈ ኣብኡ ከሎና ኣብ ማዕዶ፥ ዮፍታሔመን-?  ንዝብል ሕቶ። እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ናቱ ትዕዝብቲጸኒሑዎዩ። ሕጂ ግን በቲ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ባዕሉ ተቓሊዑኣሎ። ኣብዚ ከኣ ኢና እቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኣፍራሲ ተልእኮ፥ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እቲ ዓቐን ክንርእዮ እንኽእል።

ብመሠረቱ ዮፍታሔ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ክመጽእ ከሎ፥እቲ መንግሥቲ ደኣ ዘምጽኦ እምበር፥ እቲ ሲኖዶስ ንባዕሉዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። እቶም ርእሰ-ብሔር ባዕሎም ግና፥ከም ዕዳ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ኣቐሚጦሞ ከም-ዝኸዱ ዝፍለጥ። በቲ እቶም ሰብ-ፖለቲካ ዝሓንጸጹዎረቂቕ ተንኮል ከኣ፥ ዋና-ጸሓፊ ዘይኮነ ዋና-ኣማሓዳሪብምባልዮም፥ ነቲ ሲኖዶስ ከም-ዝእዝዝ ጌሮም ላዕሊወጺኡ ከም-ዝቕመጥ ዝገበሩዎ። በዚ መሠረት ድማ፥ምንም ፓትርያርካት ነይሮምዮም ዝበሃልውን እንተኾነ።ንሲኖዶስ ክመርሖን ከማእክሎን ዝጸንሐ ግና፥ ንሱ እቲግዙፍ-ኣካል ዝኾነ ዮፍታሔ ደኣምበር እቶም ፓትርያርክታት ኣይነበሩን።

ርግጽ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ግዚያዊ-ሲኖዶስ፥  እቶም ሰብፖለቲካ ይገብሩዎ ብዝነበሩ ጸቕጢ፥ ሓላፍነቱ ነቶም ጳጳሳትኣረኪቡ ከም ዝኸይድ ተገይሩ ስለ-ዝነበረ።  እቲ ሲኖዶስበይኖም ጳጳሳትዮም ነይሮሞ ክበሃል ይከኣል። ነዚኣጋጣሚ ብምጥቃም ከኣ፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ ሓደ ምስሕግን ሥርዓትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ዝኾነ ኣፍልጦ ኣለዎዘይበሃል ውልቀ-ሰብ ኣምጺኦም ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያንከቐምጡዎ ከለዉ ዝኾነ ተቓውሞ ኣየጋጠሞምን።ምናልባት ግዚያዊ-ሲኖዶስ እንተዝነብር እምበር፥ ጳጳሳትንበይኖም ይኽእሉዎዮም ኢልካ ዝሕሰብውን ኣይነበረን።ከምዚ ኢሉ ድማ እቲ ዝኾነ ሞያ ነይሩዎ ዘይበሃልዮፍታሔ፥ ኣብ ዘይምጥኖ መንበር መጺኡ ክቕመጥዝኸኣለ። ኣብ ግዜቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ-ፓትርያርክታትድማ፥ ንሲኖዶስ ዝመርሕ ዝነበረ ዮፍታሔ እምበር ንሳቶምኣይነበሩን።ወይ ጎቦ ኩን፥ ወይከኣ ምስ ጎቦ ተጸጋዕከም-ዝበሃል ድማ። ኣብቲ ናይ ፖለቲካ እምባ ስለ-ዝተጸግዐ፥ እቲኩሉ ከፍርስን ከዕኑን ከሎ፥ ዓጊቱ ደው ከብሎ ዝኽእል ኃይሊ ኣይተረኽበን።

በዚ ድኽመት ድማ እቲ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ክሕመምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ እዚ ኣበሃህላ, ልክዕ ከም-ዘይነበረ፥ በቲ ዮፍታሔ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ክረጋገጽ ክኢሉኣሎ። ከመይሲ እዚ ደብዳቤ ከም-ዝሕብሮ፥ ኣብቶምጳጳሳት ክሳብ ክንደይ ጽኑዓት ተቓለስቲ ከም-ዘለዉ ዘረድእእዩ። እምበኣር እቲ ሕጂ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስብዝምልከት ተላዒሉ ዘሎ ምጉጽጓጽውን፥ ስቕ ኢሉ ዝመጸከም-ዘይኮነ ካብዚ ዝተባህለ ናይ ዮፍታሔ ደብዳቤ ኢናክንርዳእ ንኽእል። ከመይሲ ካብቲ ብማኅበረ-ሰብ ዓለምኣቢሉ ክግበር ዝጸንሐ ጸቕጢ ብዘይንእስ፥ ኣብ ውሽጢውንብወገን ገዳማትን ጳጳሳትን ይግበር ብዘሎ ጸቕጢዩ፥ እቶምሰብ ፖለቲካ ቅድሚ ዓሠርተ-ዓመት ዓጻጺፎም ዘቐመጡዎ መዝገብ ከገላብጡ ኣገዲዱዎም ዘሎ።

እዚ ጸቕጢ እንተ ዘየገድዶም ነይሩ ድማ። ብበዓል ኣባ-ሉቃስናብ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ደኣምበር፥ ናብ ሣልሳይኣቢልና ንምለሰሉ ምኽንያት የብልናንክብሃል ከም-ዘይጸንሐ፥ ሕጂ ግምጥል ኢሎም ቅድሚ ዓሠርተ ዓመትኣብ ማሕዩር ዘእተዉዎም ፓትርያርክ፥ በጃኹም ዕርቂንግበር ኢሎም ክልምኑዎም ኣይምተገደዱን። ንጽንዓትእቶም ገዳማውያን ኣቦታትን ዝተወሰኑ ጳጳሳትን፥ ጥሒስካምሕላፍ ዝከኣል ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ ግና። ከም ሕልሚበዓል ኣባ-ሉቃስ ናብ ሓሙሻይ-ፓትርያርክ ኣቢልካ ክኽየድኣይተኻእለን። እዚ ሓቂ ድማ እቶም ሰብ ፖለቲካኣዐርዮም ይፈልጡዎ እዮም። ከመይሲ እቲ ነባ-ዲዮስቆሮስፓትርያርክ ጌርካ ንምሻም ዝተገብረ ግጉይ ውሳኔ፥ ክሳብክንደይ ዝኣክል ክቡር ዋጋ ዝሓትት ኮይኑ ከም-ዝተረኽበ፥ንበዓል ኣቶ የማነ ገብረኣብ እምበር፥ ንበዓል ኣባ ሉቃስክርድኦም ይኽእል ዝበሃል ኣይኮነን። ኣባ-ሉቃስሲ  እቲኣውደ-ዓመት መጸ ኣብ ተሌቪዢን ቀሪብካ ወዛሕዛሕ ምባልከይተርፎም እንተ ዘይኮይኑ፥ እቲ ካልእሲ ንሶም ዝጭነቑሉ ጉዳይ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ተዓቂቡዝርከብ መንበር ብዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕሪ ግና፥ እቲተቓውሞ ብመንገዲ መንበረ-ማርቆስ ኣቢሉ፥ ናብ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ክበጽሕ ስለ-ዝኸኣለ። እቲ ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ተዓጺፉ ዝጸንሐ መዝገብ ንክነቓነቕ ጸቕጢ ገይሩዩክበሃል ይከኣል። እቲ ኣብ ኩሉ ዝጸንሐ ግምትውን፥ ካብዚዝተፈልየ ኣይነበረን። ደብዳቤ ዮፍታሔ ግና ካልእከይሰማዕናዮ ዜና ዝንግረና ዘሎ። እዚ ማለት ድማ ኣብቲውሽጢ ሲኖዶስውን ተሪር ኣቕዋም ዘለዎም ጳጳሳትምህላዎም ኢና ንርኢ ዘሎና። እቲ ዝዓበየ ጸቕጢ ክገብርዝኽእል ኮይኑ ዝርአ ዘሎውን፥ እዚ ናይ ገዳማትን ጳጳሳትንኅብረትዩ፥ ክበሃል ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ንኣብነት ኣብቲ መጀመርታ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብሥልጣን ዝተኣልዩሉ እዋን። እቲ ሲኖዶስ ጨሪሹ ኣብ ትሕቲምቁጽጻር ዮፍታሔ ምእታዉ ዝስማዕ ዝነበረ። ኣብቲውሽጢ ከድምዕ ዝኽእል ተቓውሞ፥ ይግበር ምንባሩውንዝስማዕ ነገር ኣይነበረን። ሕጂ ግና እዚ ዝተባህለ ናይዮፍታሔ ደብዳቤ፥ ብኣንጻር ካልእ ዝዛረብ ዘሎ። እምበኣር እቲ ዮፍታሔ ብዘለዎ ናይ ምፍርራሕ ቃላትተጠቒሙ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፥ እንሆ ካብዚ ስዒቡ ይቐርብ ኣሎ።

 

“...... ንስኹም ምስ ዉሑዳት ጳጳሳት ኮንኩም። ነቲ ቅዱስ-ሲኖዶስን መንግሥትን ብመጽናዕቲ ዝገበሩዎ ውሳኔ። ምስዝመስሉኹም ጳጳሳት ብሕቡእ ብምግላል፥ ኣድማታትንመርዛም ወረታትን ትነዝሑ ከም-ዘሎኹም ብግልጺ ተፈሊጡኣሎ። ......... ኣገልገልቲ ሃይማኖታዊ ትካል ማለት ካህናትንመነኮሳትን፥ ሃገራዊ-ኣገልግሎት ክኸዱ ኣለዎም ዝብል ናይመንግሥቲ ትእዛዝ ተጻሪርኩም። ኣሰርቶም ካልኦትመናፍቓን ብምስዓብ፥ ብውሽጠ ውሽጢ ትገብሩዎ ጸረሲኖዶስን ጸረ መንግሥትን ኣድማታት ተፈሊጡ ኣሎ።ብመንግሥትን ብውሳኔ ቅዱስ-ሲኖዶስን ካብ ፓትርያርክዝተወገደ ውልቀ-ሰብ፥ ኣባ-እንጦንዮስ ዝጸሓፎ ውግዘትተቐቢልኩም። ንስኹምን መሰልትኹም ጳጳሳትን፥ መዓርግከይወሃብ ብፓትርያርክ ተወጊዙ እዩ እንዳ-በልኩም፥ እቲዲቁናን ክህነትን ምሃብ ተኸልኪሉ ደው ኢሉ ይርከብ ኣሎ።ሕሉፍ ሓሊፍኩም ድማ ብተጽዕኖ  ኢና እምበር፥ ፓትርያርክክወርድ ኣይግባእን እዩ። ሥርዓት ሃይማኖት ተጣሒሱዝተገብረ ጌጋ እንዳበልኩም። ምስ ዉሑዳት ጳጳሳት ሕቡእኣኼባ እናገበርኩም፥ ትዘርኡዎ ዘሎኹም መርዛም  ናይሓሶት ወረ ተበጺሑ ኣሎ። ይኹን እምበር እዚ ጽሑፍዚንዓኹምን ንመሰልትኹም ጳጳሳትን ካብ ዝበጽሓኩም ዕለትጀሚሩ። ከምዚ ዓይነት ወረታትን ኣድማታትን ክትገብሩ ምስእትርከቡ። ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ቅዱስ ሲኖዶስ የፍልጥ ኣሎ ........”

እምበኣር እቲ በቶም ጳጳሳት ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ። ነቲብመንገዲ ዮፍታሔ ኣቢሉ ዝነጥፍ ዝነበረ ሃገራዊ-ድኅነት፥ ክሳብ ክንደይ ዘይስገር ፈተና ኮይኑዎ ከም-ዝነበረ፥ ካብዚደብዳቤ ኢና ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ድማ እቲ ብስምሲኖዶስ ዝሓልፍ ዝነበረ ውሳኔታት ኩሉ። ናይ ሲኖዶስ ከም-ዘይነበረ ከረድኣና ዝኽእል እዩ። ብዝተረፈ ነቲ ዝግበር ዝነበረናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተቓውሞ ብምንጻግ፥ ንነዊሕዓመታት ክኽየድ ጸኒሑዩ። ከኸተሎ ዝጸንሐ ጸቕጥንተነጽሎን ግና፥ ኣብ ክንደይ ብዓለም-ለኸ ዝጥመቱ ጉባኤታትክርአ ጸኒሑዩ። እዚ ከኣ ንበዓል ዮፍታሔን ኣባ-ሉቃስን እኳዘይስምዖም እንተነበረ፥ ንቤተ-ክርስቲያንን ደቂ ቤተ-ክርስቲያንን ግና ዘቐንዝዎም ኮይኑ ኣይጸንሐን ክበሃል ኣይከኣልን።

ብዝተረፈ እቲ ኣብ ደብዳቤ ዮፍታሔ ተገሊጹ ዘሎ ኃይለ-ቃላት። እቲ በቲ እዋን በቶም ጳጳሳት ዝግበር ዝነበረተቓውሞ፥ ክሳብ ክንደይ ከስግኦም ክኢሉ ከም-ዝነበረዘረድእዩ። እዚ ተቓውሞ ከኣ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ዝጸንሐደኣምበር፥ ሓንሳእ ተቐልቂሉ ደሓር ዝጠፍእ ኣይነበረን። በዚተቓውሞ ከኣዮም መወዳእታኡውን፥ እቶም ክልተ ከምቁርዲድ ደም ቤተ-ክርስቲያን ክመጽዩ ዝጸንሑ ዮፍታሔንቀሺ-ሃብቶምን፥ ካብቲ ንዓመታት ከፍርሱዎን ከዕንዉዎንዝጸንሑ ደምበ ተደፊኦም ክወጹ ዝኸኣሉ። እዚ ከኣ ከምቲለጠቢብ ኣሓቲ ቃል ትበቁኦዝበሃል፥ ነቶም ድሕሪ መጋረጃኮይኖም ንቤተ-ክርስቲያን ክሕምሱዋ ዝርከቡ ዘለዉ ሰብፖለቲካ፥ መለበሚ ክኾኖም ዝግባእ ዝነበረ። እቲ ክኸዱዎዝርኣዩ ዘለዉ መንገዲ ግና። ኣብ ልዕሊ ዝጸንሐ ጌጋ ካልእጌጋ ዝውስኽ ደኣምበር፥ መንገዲ ልቦና ክኸዱ ዝደልዩመሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ይኹን-እምበር ንሳቶም ካብ ዝሓለፈ ዕሥራን-ሓሙሽተንዓመት ኣትሒዞም። ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክሕምሱዋጸኒሖምዮም። ሕጂ እቲ ትማሊ ዝተገብረ ጸወታ ክንደግሞኢና በሃልቲ እንተደኣ ኮይኖም ግና፥ ፈጺሞም ኣይክእሉንእዮም። ከመይሲ ትማሊ ሰብ ዘይብሉ ደምበ ጸኒሑዎም።ሎሚ ግና እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን-!! ንዝኾነመድረኽ ክገጥም ዝኽእል ዉሉደ-ክህነት ኣሎናዩ። ስለዚንከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝኣመስሉ ሒዝካ ክግበር ዝድለሕልክስና፥ ኣብ ዝኾነ ከብጽሕ ዝኽእል ከም-ዘይኮነምፍላጡ ኣገዳሲዩ። የግዳስንዝመውት ምድሪ ኣይምሰዮከም-ዝበሃል፥ ብጉዳይ ቤተ-ከርስቲያን ተዋሕዶ ምጽዋትከም-ዘብቅዐ ክፍለጥ ኣለዎ። ስለዚ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስውን ጉዳይ ሕዝቢ ተዋሕዶ ስለ-ዝኾነ፥ ነቲ ዋናንበዓል-ቤትን ዝኾነ ሕዝቢ ዝሕደግ ደኣምበር፥ እቶም ሰብፖለቲካ ዝሽገሩሉ ጉዳይ ኮይኑ ክርከብ ዝደሊ ዋላ ሓደ የልቦን።

ብዝተረፈወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕናከም-ዝበሃል። እቲብማሕዩር ኣቢሉ ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ ክካየድ ዝፀንሐቃልሲ። ብዓወት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከም-ዝተዛዘመ፥ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ዓለም ብዓለሙ ርእዩዎዩ። ሕጂእቶም ሰብ-ፖለቲካ ብምኽሪ በዓል ኣባ-ሉቃስ ተረሳሲኖም፥መሊሶም ኣብቲ ዝተሸነፉሉ መድረኽ ክድይቡ ንውርደትእምበር ንኽብሪ ክኾነሎም ዝኽእል ኣይኮነን። ብጉራንፈኸራን ክኸውን ዝኽእል ነይሩ እንተ-ዝኸውን ድማ፥ ካብቲኣብ ደብዳቤ ዮፍታሔ ተፈኪሩ ዘሎ ፈኸራ ዝበዝሕ ካልእፈኸራ ክመጽእ ኣይክእልንዩ። ነቲ ምፍርራሕንምጉብዕባዕን ግና ዋጋ ዝህቦ ኣይተረኽበን። ከመይሲነዲሩ ዝተላዕለ ሕዝቢ፥ ንድሕሪት ተመለስ ኢልካ ክትመልሶኣይከኣልን እዩ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ድማ እቲ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመግህሰት መሪሩዋስ ይኣክል ትብል ዘላ-!!!

ብዝተረፈ እቲ ብልቦና ዝፍለጥ ካህን፥ ቀሲስ ገብረ-መድኅንገብረ-ጊዮርጊስ። እቲ ብወገን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶዝነበረ ኣቕዋም፥ ግልጽ ኣቢሉ ተዛሪቡ ነይሩዩ። “... ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብግዜ ደርጊ መጋበሪ ፖለቲካ ኮይናጸኒሓያ። እዚ ሕማቕ ተሞክሮ ግና ሕጂ ክትደግሞኣይትደልን...” ብምባል፥ እቶም ርእሰ-ብሔር ተረኺቦምኣብ ዝነበሩሉ ጉባኤ ተቢዑ ዝተዛረበ። ግደፉ ኣይትጸዓኑናከምታ ዓቕምና ኮንና ክንነብር እዩ ዝበለ። እዚ ከኣ ሕጋዊዝኾነ ቅቡል ዘረባ ነይሩ። እዚ ዘረባ ከም ገበን ተቘጺሩግና፥ እንሆ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ረዚን ካህን፥ ኣብትሕቲ መቝሕ ካብ ዝኣቱ ልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ።

እምበኣር እዚ ኣፈራሪህካን ድሂልካን ክግበር ዝጸንሐኣሠራርሓ። ምስ ገዛእ ሕዝብኻ ዘባእስን፥ ካብ ማኅበረ-ሰብዓለም  ዝንጽልን ኮይኑ ደኣዩ ዝተረኽበ እምበር። ብዓይኒፖለቲካ እንተ-ተራእየውን፥ ብጀካ ክሳራ መኽሰብ ተረኺቡዎዝበሃል ኣይኮነን። ሕጂ ድማ እቶም ገዳማውያን ኣቦታት ኮኑዝብዝሑ ጳጳሳት፥ ፓትርያርክና ኣቡነ-እንጦንዮስ ኣብ ዝብልኣቕዋም ጸኒዖም ደው ኢሎም ከም-ዘለዉ ዝስማዕ ዘሎ።እቶም ነቲ ዝመሓሉሉ መዓርግ ጠሊሞም፥ ኣብቲ ካልእመስመር ኣለዉ ዝበሃሉ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስንግና፥ ነታ ንመዓርገ-ጵጵስና ዘብቅዓቶም ቤተ-ክርስቲያንዘይኮኑ፥ ነቲ ፖለቲካውን ክኾኑዎ ይኽእሉዮም ኣይንብልንኢና። ግዳስ ንሳቶም ካድረታት ክንከውን ኢና እንተበሉናታቶም ምርጫ እዩ። ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ወኪሎምዝኾነ ነገር ክብሉ ግና፥ ዝተዋህቦም ውክልና ከም-ዘየልቦክፍለጥ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ።ከም ዓሚ ይመስለክንሞውሕጅ ይወስደክንከም ዝበሃል። እቲ ደምበ-ተዋሕዶናሕጂ፥ ኣብቲ ቅድሚ ዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት ዝነበሮ ደራጃኣይኮነን ዝርከብ ዘሎ። ብብዙሕ ዝተለወጠ ምሁራን ዘለዉዎደምበዩ። ኣፈራሪህካ ኮነ ኣተዓሻሺኻ ገለ ክግበር ይከኣልዩዝበሃልውን ኣይኮነን። እቲ ሕጂ ዘሎ ዉሉደ-ክህነት ቤቱከመሓድር ጸገም ስለ-ዘይብሉ፥ ዝኾነ ኢድ ምትእትታውክግበር ዝፈቅድ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብቲ ቅዱስ-ጽሑፍናይቄሣር ንቄሣር፥ ናይ እግዚኣብሔር ድማ ንእግዚኣብሔርተባሂሉ ዘሎ። ሕጂውን እቲ ደምበ ተዋሕዶና፥ ዝኾነ ናይፖለቲካ ኢድ ምትእትታው ክግበር ኣይፈቅድን እየ እዩ ዝብልዘሎ። ከምኡ ክብል ድማ መሰሉዩ።

ከመይሲ እዚ ክብል ከሎ ብስምዒት ተላዒሉ ዝብሎ ዘሎኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ መሠረት ሕጊ ረጊጹዩ። ከመይሲኣብቲ መንግሥታዊ-ኣዋጅ ቁጽሪ 73/1995 ኣንቀጽ-2 (1)ተመልኪቱ ከምዘሎ “- ኣብ ኤርትራ መንግሥቲ ከምፖለቲካዊ-ሥርዓት፥ ሃይማኖታትን ሃይማኖታውያን ትካላትንከኣ፥ ከም መንፈሳዊ-ትካላት ነንበይኖም ስለ-ዝኾኑ፥መንግሥቲ ኣብ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት፥ ሃይማኖታትንሃይማኖታዊ-ትካላትን ድማ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያትኣይኣትዉን-“ ብምባል እቲ ሕጊ ኣቐሚጡዎ ስለዘሎ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እዚ ብሕጊ ዝተሓንጸጸ ደረት ክኸብርኣለዎ ትብል ዘላ። ነቲ ሕጊ ብምትሕልላፍ ኣብ ልዕሊኣክግበር ዝድለ ፖለቲካዊ ጸቕጢ፥ እምቢ-!! ኣይቅበልንእንተበለትሲ ዝገበረቶ በደል እንታይ-?

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ - ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div