S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ዘመነ-አስተርእዮ"

ኤጲፋንያ ብምባል እንጽውዖ ብቋንቋ ግሪክ፡ ብናይ ግእዝ ቋንቋና ድማ ኣስተርእዮ ተባሂሉ ተተርጊሙ። ትርጓሜኡ ድማ ምግላጽ ማለት ኢዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዘመነ ኣስተርእዮ ወይ ድማ ናይ ምግላጽ ዘመን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመነ ኣስተርእዮ

ዝተባህለሉ ምክንያት ድማ፥ (1) ኣምላክ ሰብ ኮይኑ ካብ ድንግል ምላዱ (2) ብኢደ ዮሃንስ ኣብ ዮርዳኖስ ምጥማቑ (3) ናይ መጀመርያ ተኣምር ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ፈጺሙ ስርሑ ምጅማሩ።

እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንርእሱ ብብዙሕ ዓይነትን መንገድን ይገልጽ ነይሩ። ብኣምሳል ኣረጋዊ ንኣብርሃም፡ ብኣምሳል ንጉስ ንኢሳይያስ ተገሊጹ (ዘፍ18፡1፡ኢሳ6፡1)። እዚ ኩሉ ምግላጽ እግዚኣብሄር ንኣመንቲ ዘበራተዐሉን ዘስተምሃረሉን ነበረ። ብጐይታና ሰብ ኮይኑ ዝተገለጸሉ ግን ተወዳዳሪ ዘይብሉ ኢዩ (ዕብ 1፡1-3)። እዚ ድማ ናትና ስጋ ለቢሱ ምሳና ዝተዛመደሉ፡ ናይ መለኮትን ናይ ስጋን ተዋህዶ ዘለኣለማዊ ብምዃን ናትናን ናይ እግዚኣብሄርን ሕብረት ድማ ዘልኣለማዊ ዝኾነሉ ዓቢይ ምግላጽ ኢዩ። ስለ'ዚ ጐይታና ዝተወለደሉ ዘመን ናይ ምግላጽ ዘመን ተባሂሉ ምጽውዑ ግቡእ ኢዩ። ኣማኑኤል እግዚኣብሄር ምሳና ኮነ ተብሂሉ ዝተጸውዖ ብምላዱ እዩ (ማቴ 1፡23)። ኣብ ብሉይ ኪዳን እግዚአብሔር ምስ ህዝቡ ከምዝነበረ ባዕሉ ብዙሕ ግዜ ተዛሪቡ እዩ። ኣብ ልደቱ ኣማኑኤል ምባሉ ግን ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ ብረደኤት፡ ብተኣምራት ነበረ። ሕጂ ግን (ሓድሽ ኪዳን) ካብ ስጋና ስጋ፡ ካብ ነፍስና ነፍሲ ወሲዱ ብዘይፍታሕ ዝምድና እግዚኣብሄር ምሳና ኮነ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ብጥምቀቱ ምስ ተገልጸ ብኡ ንብኡ ሰማያዊ ከገልግሎቱ ጀመረ። ምድራውያን ወለድና ከምኡውን ብመንፈሱ ዝወለደና ሰማያዊ ኣምላክ ከመይ ገርና ከነገልግል ከምዝግብኣና ጐይታና ብሕይወቱ ኣስተምሂሩና። ጐይታ ንርእሱ ዝገለጸሉ ጥምቀቱ ኣስተርእዮ ወይ ምግላጽ ምባሉ ሓቂ ኢዩ።

ጐይታና 40 መዓልትን ለይትን ጾይሙ ምስ ተመልሰ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ናይ መጀመርያ ተኣምር ብምግባር ንርእሱ ገለጸ። እዚ መዓልቲ እዚ ዓቢይ ናይ ኣገልግሎት መኽፈቲ ጥራይ ዘይኮነ ዓቢይ ናይ መከራ መኽፈቲ ድማ ኢዩ። ስለ'ዚ እዚ ተኣምር ኣስተርእዮ ወይ ድማ ምግላጽ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቃና ዘገሊላ ዕለት 12 ጥሪ ይዝከር።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ እዩ ተጠሚቑ፡ ዝተጠመቖ ድማ ብኣገልጋሊኡኡ ብኢድ ዮሃንስ ኢዩ። 30 ዓመት ናይ ዓበይቲ ውሳኔታት ዘመን እዩ። ናይ ህጻንነት ዘመን ሓሊፉ 30 ዓመት ግን ናይ ፍሬ ዘመን እንበጽሓሉ ዕድመ እዩ። ክሳብ 30 ዓመት ዘሎ እንጎየሉ እዋን የመልክት። 30 ዓመት ግን ናይ ቀውዒ ወይ ናይ ፍሬ ዘመን እዩ። ኩሉ ክሳብ ሕጂ 30 ዓመት ዘሎ ዕድመ፥ ፍልጠትን፡ ፈተውትን ልምድታትን እንክበሉን እነደልድለሉ ዓመታት እዩ። ድሕሪ 30 ዓመት ግን ፍልጠትና ብጥበብ፡ ፈተውትና ብቃል ኪዳን፡ ልምድና ብምስትውዓል እንትግብረሉ እዩ። ፍልጠተይ ንክብሪ እግዚኣብሄር: ንጥቕሚ ሃገር ክኸውን ይግብኦ፡ ንሓዳር ምስ ዝመረጽክዋ ወይ ዝመረጽክዎ ሓቢረ ክነብር'የ ክሳብ ሎሚ ምስ ዘይተፈለዩኒ ፈተወተይ ክሳብ ሞት ክቕጽል'የ፡ ልምደይ እናካፈልኩ ናይ ካልኦት ልምዲ ክቐስም እየ እንብለሉ ዕድመ እዩ። ሃገር ንምምራሕ፡ ንሓዳር፡ ንምንኩስና፡ ንክህነት ካብ 30 ዓመት ንላዕሊ ክኸውን ይግብኦ። ጐይታና ኣብ 30 ዓመቱ ተጠመቐ።

ጐይታና ኣብ 30 ዓመቱ ጥራሕ ዘይኮነ ብኢድ ባርያኡ ተጠመቐ። ንሕና እንጥመቕ ብጸጋን ብመንፈሳዊ መዓርግ ብዝበልጹና ኣገልገልቲ ኢድ ኢና። ጐይታና ግን ብኢድ ባርያኡ ተጠመቐ። ኦዝ ትሕትና ዘመጠነዝ ትሕትና!

ምሁራን፡ ነገስታት፡ ሃብታማት እኳ እንተኾና ናይ እግዚኣብሄር ኣገልገልቲ ከይንንዕቕ ከጠንቅቐና ብኢድ ባርያኡ ተጠመቐ። ካብ ምድራዊ ስልጣንን ሓይልን ናይ ኣገልገልቲ ጸጋ ይበልጽ!

“ሽዑ ኢየሱስ ብዮሃንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ዮሃንስ ግና "ኣነ ደኣ ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ እምበር ንስኻ'ዶ ናባይ ትመጽእ!”ኢሉ ኣበዮ። ኢየሱስ ከኣ"ኩሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና ኢዩ'ሞ ሕጅስ ይኹን ደኣ ኅደግ" ድሕሪ'ዚ ፈቐደሉ። ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ ብኡብኡ ካብ ማይ ወጸ። እንሆ ከኣ ሰማያት ተኸፍተ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወረዱ ኣብ ርእሱ ኪዓልብ ረኣየ። እንሆ ድማ  “ብእኡ ዝተሓጎስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ” ዚብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ።

ስብሐት ለከ ኢየሱስ!
ምንጪ፥- ናይ ዲያቆን ኣሸናፊ መኮነን ብሎግ።
ቀሺ ኣፈወርቂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div