S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልሲ ሕቶና ? ተወሊዱ።

ቅዱስ ልደት ጐይታና ይግበረልና።ኣሜን
ኣይሁዳውያን መሲሕ ከም ዝመጽእ ይኣምኑ ኔሮም። ግን መሲሕ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክውለድ፣ናይ ወርቂ ግምጃ ክንጸፈሉ፣ኣብ ዝዓበየሉ ግዜ ናይ ኩናት ሰባት ጠራኒፉ ካብ ዝገዝኡና

ብኩናት ነጻ ከውጽኣና፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ነጊሱ ንሕና ናይ ቀረባ ሰበ ስልጣን (ሰብ መዚ) ክንከውን ኢሎም እዮም ዝጽበይዎ ዝነበሩ ንጐይታና ዘይተቐበልዎ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ከምዝተጸበይዎ ስለዘይተገልጸ እዩ። ካብ ልዕልቲ ክውለድ እዩ እናበሉ ካብ ሓንቲ ድኻ ድንግል ተወልደ። ኣብ ቤተ ልሄም ክውለድ ክብሉ ኣብ መብልዒ ማል ተወልደ። ወርቀ ዘቦ ግምጃ ክንጸፈሉ እዩ ክብሉ ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ እንስሳታት ደቀሰ፣ ናይ ኩናት ሰባት ክእክብ ክብሉ ሰላማዊ ነበረ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ክነግስ እዩ ክብሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ መስቀል ዝነግስ ነበረ። ከምዝተጸበይዎ ስለ ዘይተገልጸ ኣይተቐበልዎን። ሎሚውን ምቕባል ዝኸብደና ከምእንጽበዮ ስለ ዘይግለጽ ወይ ድማ ስለ ዘይሰርሕ እዩ። ንሕና እንጽበዮ ካብ ጽቡቕ ጽቡቕ ክወጽእ ንምርኣይ እዩ። እግዚኣብሄር ግን ክፉእ ካብ ዝመስል ካብ ሕማም፣ ምግፋዕ፣ ካብ ድኽነት ጽቡቕ ነገር ምውጻእ ይኽእል። ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚውን እንረኽቦ፣ ኣብ ዘይጸበቑ ስፍራታት፣ ንዓይኒ ኣብ ዘይመልኡን ሓደራ ክግበረሎም ኣብ ዘየተኣማምኑ ኣብ ውሽጢ መሳኺን ሰባት እዩ።

ጐይታና ናብዚ ዓለም ዝመጸ ዕቤቱን ሓይሉን ንምግላጽ ኣይኮነን። ሃብቱ ብምፍጣሩ፣ ሓይሉ ብዘይ ምድፋሩ ተገሊጹ ይነብር። ብፈራድነቱን ብጽንዓት ጉልበትን ክምለኽ ይነብር። እግዚኣብሄር ግን ክግለጽ ዝደለዮ ብድኽነትን ብድኻምን ነበረ። ኩሉ ከለዎ ከምዘይብሉ ኮነ። ኣሽንባይ ካብ ሰብ ካብ እንስሳታት እስትንፋስ ተቐበለ። ናይ ፍጥረታት መጋቢ ናይ ኣዲኡ ድንግልናዊ ሓሊብ እናሰተየ ዓበየ። ኣብ ቤተ ልሄም ከም ህጻን ዝተራእየ ናይ ዘለኣለም ኣቦ ነበረ። ከም ድኹም ኣብ መብልዒ ማል ዝደቀሰ ሓያል ኣምላኽ ነበረ (ኢሳ 96)። ንሱ ካብ ላዕሊ ካብ ሥላሴነቱ ከይጎደለ ኣብ መብልዒ ማል ተረኽበ፣ ከሎና ከምዘይብልና ክንነብር ኢየሱስ ኣብ ቤት እንስሳ ደቂሱ ምሳሌ ኮነልና (ማቴ 53)

ንኣደነት ዝመረጻ ሓንቲ እስራኤላዊት ድንግል እዩ። ኩሉ ናቱ ስለ ዝኾነ፣ ንሱ ናይ ስጋ ብልጽግና ኣይርእን። እግዚኣብሄር ብልጽግና ዝብሎ ንእግዚኣብሄር ምስዓብ እዩ። እግዚኣብሄር ዝደልዮ ብልጽግና ኣብ ድንግል ማርያም ረኸቦ ደስ በሎ። ጐይታ ዘለዎ ኩሉ ኣለዎእናበልና ንዝምር። ሰላም ንዝሰኣኑ ሰላሞም፣ በረኸት ንዝሰኣኑ በረኸቶም፣ ዕረፍቲ ንዝሰኣኑ ኣማናዊ ሰንበቶም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብርግጽ ድማ ናይ ድሌትና ዝርዝር ሒዝና ካብ ምንባር ንጐይታ ምድላይ ይበልጽ። ንዕኡ ዝረኸቡ ነቲ ምንጪ ረኸቡ፣ ጸጋኡ ዘይኮነ በዓል ጸጋ ዝሓዙ ብሓቂ ከበሩ። ጐይታና ነቲ ዘፍርሓና ካብ ሰብ ምንኣስ ዝበሃል ምሽቑራር ከንቱ ክገብር፣ ብንብረት እንወዳደሮ እኳ ብቕንጣ መንጢ፥ ብጸጋ እግዚኣብሄር ምውድዳር ከምዘይግባእ ክገልጸልና ምንም ዘይብሉ ድኻ ኮይኑ ምውላድ መረጸ። ብናይ ኣዲኡ ድኽነት ኣይሓፈረን፣ ብትሕትናኣ ግን ደስ በሎ፣ ሎሚ ንዝጸለመት፣ንዝሓመቐት፣መልክዓ ንዝተቐየረ ኣዲኦም ንዝኽሕዱ ተግሳጽ ክህቦም ካብ ሓንቲ ድኻ ድንግል ተወልደ። ንዕኡ ኣብ ዝሕሰበሉ ሰዓት ድማ ኣብ መስቀል ኮይኑ ንኣዲኡ ሓሰበ (ዮሃ 1926)

ጐይታና ዝተወልደ ኣብ መብልዒ ማል  እዩ። በቲ ዘመን እቲ መብዛሕቲኡ መብልዒ ማል በዓትታት ነበረ። ስለዚ ነቲ ዝተወልደ ህጻን ንምርካብ ኩሉ ናብ በዓቲ ትሕት ኢሉ ምእታው ግዴታኡ ነበረ። ኢየሱስ ክርስቶስ ትሕት እንተ ዘይኢልካ ኣይርከብን። ቀደም ሰማይን ናይ ሰማይ ኣምላኽን ንምርኣይ ቅንዕ ምባል ግዴታ ነበረ፣ ሕጂ ግን ሰማይን ናይ ሰማይ ኣምላኽን ኣብ መብልዒ ማል ስለ ዝወደቐ ትሕት ምባል ግዴታ እዩ። ኣብ ኣደባባይ ጅግንነቶምን ኩርዓቶምን ዘውርዩ ሰበኽቲ ነዚ ጐይታ እናሰኣንዎ እዮም የሕዝን። እቶም ጠቢባን፣ ነገስታትን ሃብታማትን ዝኾኑ ሰብኣ ሰገል ንኢየሱስ ንምርካብ ናብ በዓቲ ትሕት ኢሎም ኣተዉ። ትሕት እንተ ዘይኢልካ ክርስቶስ ብጥበብ፣ ብስልጣንን ሃብትን ኣይርከብን። ደጊመ ይብል ኣለኹ ክርስቶስ ብጥበብ፣ ብስልጣንን ሃብትን ኣይርከብን። ንክርስቶስ እንረኽቦ ብትሕትና ጥራሕ እዩ። እዚ ትሕትና ኣብ ቅድሚ ሰባት ምምጽዳቕ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሕሊናን ጐይታን ንርእስኻ ብልክዕ ምርኣይ እዩ። ሰባት ዘለዎም እሴት (ዋጋ) ኣብ ግምት ብምእታው ጐይታ ክቕበሎም ይደልዩ። እግዚኣብሄር ግን ዝቕበለና ብእግዚኣብሄር እዩ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ መዓርግና ምስ እንመጽእ ንጐይታ ኣይንረኽቦን። ሽልማትና ምስ እነውጽእ ናይ ምድሓን ሽልማቱ ይገብረልና።

ጐይታና ዝተወልደ ብጣዕሚ ቁሪ ኣብ ዝነበረሉ ወርሓት እዩ። ብለይቲ፣ ከምኡ ድማ ኣብ ውሽጢ መብልዒ ማል፣ ነቲ ቁሪ ምግላጽ ብፍጹም ኣይከኣልን። ኣብ ደምበ እንስሳታት ምድቃሱ ናይ እንስሳታት እስትንፋስ ድማ ምማቑ ኣደናቒ እዩ! ንሕና ንደቅና እንገብሮ ምንክብኻብ ጐይታ ግን ኣይኮናሉን። እዚ ንምንታይ ኮነ? ምስ እንብል ብናቱ ድኽነት ሃብታማት ክንከውን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹሉ ባዶ ኮነ (2 ቆሮ 89)

ጐይታና ኣብ መጀመርያ መዋእለ ስጋዌኡ ጥራይ ኣይኮነን ብድኽነት ዝነበረ። ምሉእ ዘመኑ ብድኽነት ነይሩ። ሃገር ዘይብሉ ኮይኑ ምስዳዱ፣ ብናይ ሰብ ጃልባ ምጉዓዙ፣ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ካብ ናይ መሬት ወኻሩ ዝነኣሰ ኮይኑ ንርእሱ ዘጸግዓሉ ቤት ምስኣኑ፣ ዕርቃኑ ምስቃሉ፣ ኣብ ናይ ሰብ መቓብር ምቕባሩ እዚ ኩሉ ዘይንገር ድኽነት እዩ። ነዚ ፍቕርን ውዕለታን ከመይ ጌርና ክንምልሶ ኢና? ሞቱ ጥራሕ ዘይኮነ ናብራኡ ድማ በጃና ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቕሪ ከመይ ድንቂ እዩ!

ሎሚ እዚ ፍቕሪ ምዝካር ዘይኮነ ምምላስ ይግብኣና። ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ብኣካል የለን ከመይ ኢልና ውዕለታኡ ክንምልሶ? ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚውን ምስ ስደተኛታት እናተሰደደ፣ ምስ ጥሙያት እናጠመየ፣ ንደቀን ዘልብሳኦምን ዘብልዖኦምን ሲኢነን ምስ ዝሓዝና ኣዴታት እናሓዘነ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ምስ ቤት ዘይብሎምን ኣብ ጎደና ዝሓድሩን ብቑሪ እናተሳቐየ እዩ። ኣብ ኩሉ ሃገር ኣብ ናይ ስደትኛ መጽለሊ ንዝጭነቕ ንሓደ ወገንና ሎሚ ነጻ ንምውጻእ እንተ ተላዒልና ኢየሱስ ካብ ስደቱ (ግብጺ) ብርግጽ ክምለስ እዩ። ንሓንቲ ድኻ ኣደ ንደቃ ምግቢ ሎሚ እንተሂብናያ ናይ ድንግል ማርያም መከራኣ ክሒስናያ። ኣብ ጎደና ዝወደቑ ሎሚ መጽለሊ እንተ ሰሪሕና ንኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቤትና ኣእቲናዮ ማለት እዩ። ልቢ በሉንሱ ኣብ ናይ በዓል ድግስ ኣይርከብን። ንሱ ኣብ ውሽጢ ድኻታት እዩ ዝነብር። ንሱ ብናይ ቃል ፍቕሪ ኣይርከብን፣ ብተግባራዊ ፍቕሪ ይረዊ!

ጐይታና ኣብ መብልዒ ማል ኣብ ዝተወለደሉ ግዜ መልኣኽ ንጓሶት፥-“ሎሚ ኣብ ከተማ ዳዊት መድሓኒት ክርስቶስ ጐይታ ተወሊድልኩምበሎም (ሉቃ 211)። ብርግጽ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ ንመላእክት ኣይኮነን። ንዓና እዩ። ስሌና ተወሊዱ ካልኦት ካብ ዘመሩ ንሕና ደኣ ማዕረ ክንደይ ክንዝምር ዘይግብኣና? ንናይ ሎሚ ጭንቀትና ኢየሱስ ክርስቶስ  ተወሊዱልና፣ ንናይ ሎሚ ስብራትና ኢየሱስ ክርስቶስ ተወሊዱልና፣ ንናይ ሎሚ መከራና ኢየሱስ ክርስቶስ ተወሊዱልና፣ እወ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ መልሲ ክኾነና እዩ! ክብሪ ምስጋና ካብ ምድሪ ክሳብ ኣርያም ንዝተወልደ መድሕን ይኹን ንዘለኣለም ኣሜን!

ጸሎት (ሓደ ፍትዉ ኣንባቢ ዝለኣኹለይ ምስ ናይ ጥንታውያን ኣቦታት ዝተኣሳሰረ: ፍቕሪ ዝተመልአ ንኹላትና “ኣሜን” ዘብል ጸሎት እንሆ)

ጐይታይ፣ማዕረ ክንደይ ፈተኻኒ፣ስለ ዝፈታኻንስ ክንደይ ተዋረድካለይ! እዚ ፍቕሪ ኣየናይ ልሳን ክገልጾ፣ኣየኖት ቃላትስ ክስእልዎ ይኽእሉ ይኾኑ! ናትካ ክትገብረኒ ንዓይ መሰልካ፣ ክትደልየኒ ተረኸብካለይ፣ኣብ መንግስትኻ ከተዕርፈኒ ኣብ ማህጸን ድንግል ኮንካ መዕረፊ ክትደሊ ኣብ መብልዒ ማል ኣተኻለይ፣ ከተንስኣኒ ወደቕካለይ፣ ጐይታይብሓቂ ስራሕካ ካብ ልዕሊ  ኣእምሮ  እዩ!

ከም ቅድስት ድንግል ኣብ ልቢ ሒዙናትካ ስራሕ እጹብ እዩ" እናበሉ ብምስጋና ነፍሲ ኣብ ቅድሜኻ ካብ ምፍሳስ ወጻኢ እንታይ እንታይ መግለጺ ይህልዎ!

ዝጸላእክዎ መንነተይ ንዓይ መሲልካ ቀዲስካዮ! ዘይቀደስካዮ ናይ ኣንነተይ ዋላ ሓደ የለን። ኩለንታይ ቀደስካዮ! ሰብ ኮንካ ሰብ ምዃን ቀደስካዮ! ጐይታይ ስምካ ይባረኽ! ወልደ ማርያም ድንግል ፍጹም ኣፍቃሪየይ፣ ናይ ኣንነተይ ሓቀኛ ኣፍቃሪ! ስምካ ልዕል ልዕል ይበል። ጐይታይ ኣብ ዕለት ዕለት ንዓኻ ምፍላጥ፣ ንዓኻ ምፍቃርን ንዓኻ ምስዓብን ኣብ ልበይ ወስኸለይ ዕለት ዕለት ተወለድ፣ ንበረለይ። ዝዓረፍካላ ቦታ፣ ነገስታት፣ ጓሶት፣ መላእኽቲ ናባይ ክመጹ ዝረኽብዎ ንስኻ ጥራሕ፣ ዝሰምዕዎ ቃልካ፣ ዝስምዖም ሰላምካን ፍቕርኻን ጥራሕ ይኹን። ኣቦየ! ንዓይ ዝረኽቡ ኩሎም ንዓኻ እምበር ንዓይ ኣይርከቡ። ኣብ ውሽጢ ልበይ ንስኻ ጥራሕ እምበር ኣነ ኣይንበር። መድሓኒት ብዝኾነለይ ስምካ! ኣሜን።

ደራሲ፣-ዲያቆን ኣሸናፊ
ትርጉም፣- ቀሺ ኣፈወርቂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div