S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ብጸሎት ተዘኻኸሩ"

"እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።  /ያዕ 516/

ኑዛዜ ብገዛእ ልሳንካ ሓጢኣትካ ምእማን ማለት እዩ። ኑዛዜ ናይ ዓቢይ ትሕትና መግለጺ እዩ። ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ኢሉ ሓጢኣቱ ክናዘዝ ከሎ እግዚኣብሄር ድማ ትሕትናኡ ርእዩ ካብ ዝፍትኖ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ የድሕኖ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ንትሑታት ጸጋ የልብሶም እዩ / 1 ዮሃ 55 ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንኢየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧ ኑዛዜ ንዝሓለፈ ሓጢኣት ስርየት፡ንዝመጽእ ንጹህ ልቦና እንቕበለሉ መገዲ እዩ "ምሳሌ 2813 ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ" እግዚኣብሄር ንሰብ ይቕረ ንምባል በደሉ ካብ ምእማን ዝበለጸ ምኽንያት ኣይደለየሉን። ይቕረታ ድማ ዝህቦ ብኑዛዜ ጥራሕ ኣይኮነን። ስለ ሓጢኣትና ብዝተኸፍለ ብደም ክርስቶስ ምኽንያት እዩ። "ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ካብ ኩሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ" ይብል (1 ዮሃ 17)። ደም ክርስቶስ ዘንጽሆ ንዝተወሰነ ሓጢኣት ኣይኮነን። ካብ ኩሉ ሓጢኣት' ዝብል። ስለዚ ናተይ ሓጢኣት ይቕረታ የብሉን ኢልካ ምሕሳብ ካብ ኣተሓሳስባ ክርስትና ወጻኢ እዩ። ንሓጢኣት ልዕሊ ደም ክርስቶስ ገርካ ምርኣይ ንደሙ ምቅላል እዩ። ንምሕረት እግዚኣብሄር ዝፈታተን ሓጢኣት ክህሉ ኣይክእልን። ክንፈርሕ ዘለና ንንስሓ ምድንጓይና እምበር ናተይ ሓጢኣት ንስሓ የብሉን ኢልና ኣይኮነን። ኣበዋትና ከም ዝነገሩና ናትና ሓጢኣት ማለት ናይ ገዛ ጐሓፍ ወሲድካ ኣብ ውቅያኖስ ምድርባይ እዩ። ብናይ ገዛ ጐሓፍ ውቅያኖስ ኣይረስሕን። ምሕረቱ ብዙሕ ንዘለኣለም እዩ። ናይ እኒ ዳዊት ውድቀት ዝተጻሕፈልና ንሓጢኣት ዘይኮነ ንንስሓ ክንደፍር እዩ።

ነንሕድሕድካ ናይ ምንዛዝ ዕላማ ናይ ጸሎት ኣርእስቲ ንምልውዋጥ እዩ። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ብምጽላዩ ናይ ባዕሉ ልቢ ካብ ስሕተትን ምፍራድን ይሕሉ። ንወገኑ ድማ የትርፍ ይብል። ናይ ሓዱሽ ኪዳን ጽድቂ ናይ ሰብ ሓጢኣት ምሽፋን እዩ። ናይ ብሉይ ኪዳን ጽድቂ ምግላጽ ክኸውን ከሎ ናይ ሓዱሽ ግን ምሽፋን እዩ። እዚ ሰብ እንተ ጸለየ ንኻልእ ናይ ምትራፍ ዓቕሚ ኣለዎ።

"ጸልዩለይ" ምባል ዓቢይ ብልሓት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ'ውን ብዙሕ ግዜ ናይ ካልኦት ድጋፍ ደልዩ እዩ /ኤፌሶን 619-20 ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሃበኒ፡ ብዛዕብኡ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ። ስለ ካልኦት ምጽላይ ድማ ግዴታ እዩ። ስለ ካልኦት ዘይምጽላይ በደል እዩ / 1 ሳሙ 1223 ኣነስ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ እባ ደኣ ኽምህረኩም እየ እምበር፡ ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሐቕ። እንሰምዖ ነፍሲ ወከፍ ጐደሎ ናይ ወረ ዘይኮነ ናይ ጸሎት ኣርእስቲ እዩ። ነንሕድሕድና ግሉጻት ክንከውን ይግባኣና። ብዝበለጸ ንሓቀኛታት ኣገልገልቲ ግልጺ ምዃን መፍትሒኡ ከቀላጥፍ ይኽእል። መፍትሒኡ ዘሎ ብሓደ ብምጽላይ እዩ። ኑዛዜ ከምኡ'ውን ጸሎት ናይ ክርስትና ዓበይቲ ዓቕምታት እዮም። ነንሕድሕድና ክንዘኻኸር እግዚኣብሄር ይርድኣና! ኣሜን።

ምንጪ፥-ካብ ዘንበብክዎ

ቀሺ ኣፈወርቂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div