S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ጽጌ"

ጽጌ ማለት ጸገየ ዓንበበ፡ ማለት እዩ። እዚ ወርሓት እዚ ዘመነ ጽጌ ዘመነ ዕንባባ ተብሂሉ ይጽዋዕ።

ዘመነ ክረምቲ ሓሊፉ፡ ዘመነ ፍሬ ስለ ዝኾነ። ሰማይ ብኸዋኽብቲ ዝስርገወሉ፣ ምድሪ ድማ ብዕንባባታት መሮር እተግይጸሉን እትስለመሉን፡ ዝማሬ ኣዕዋፍ ዝስመዓሉ፡ ኣእካል ፈርዮም ናብ ማዕከን ዝኣትውሉን ግዜ እዩ። ጥበበኛ ሰሎሞን ኣብ መዝሙሩ፥-" መሃልይ 211-13 እንሆ ክረምቲ ሐሊፉ ዝናም ዛርዩ ተወዲኡ። ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዜ መዝሙር በጽሔ፡ ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ። በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተይ ተንስኢ ጽብቕተየ ንዒ፡ ይብል። ምስዚ ናይ ሰሎሞን ዝሰማማዕውን ቅዱስ ያሬድ ኣብ መዝሙሩ፦ትዌድሶ መርዓት፣እንዘ ትብል ነዓ ወልድ እኁየ ንጻእ ሐቅለ።ንርአይ ለእመ ጸገየ ወይን፣ ወለእመ ፈረየ ሮማን። አሰርገወ ሰማየ በከዋክብት፣ ወምድረኒ በስነ ጽጌያት። እስመ ውእቱ ወልድ ዋሕድ እግዚአ ለሰንበት። ትዌድሶ መርዓት ወትብሎ። ወልድ እኁየ ቃልከ አዳም እታ መርዓት ከምዚ እናበለት ተመስግኖ: ኣታ ወዲ፥ ሓወይ ንዓ ንጻእ በረኻ፣ ወይኒ ዓንቢቡ ሮማንውን ፈርዩ እንተ ኮይኑ ንርአ። ንሰማይ ብኸዋኽብቲ ኣጌጸ፣ንምድሪውን ብዕንባባታት። ወልድ ዋህድ ጐይታ ሰንበት እዩሞ። መርዓት ተመስግኖ ኣታ ሓወይ ቃልካ ጥዑም እዩ። እዚ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ክርስቶስን ዘሎ ፍቕሪ እዩ።

እዚ ዝስዕብ እቲ መንፈስዊ  ምስጢሩ እዩ። እቲ ብዘመነ ክረምቲ ዝምሰል ዘመነ ፍዳ፡ ዘመነ ኩነኔ፡ ዘመነ ብልየት ተወዲኡ መኣዛ ዓለም መድሕን ዓለም፡ ብርሃን ዓለም፡ ናፍቖት ዓለም፡ ተስፋ ዓለም ክርስቶስ ተገሊጹ /ተወሊዱ/። ዘመነ ምሕረት፡ ዘመነ ሕዳሴ፡ ግዜ መዝሙርን ምስጋና፡ ግዜ ዓወትን ድሕነትን፡ ዘመነ ትንሳኤን ሰላምን፡ ዘመነ ወንጌልን ፍቕርን በጺሑ ማለት እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂ ነዚ ብዘገርም ይገልጾ፣- “ብኣይሁድ ድንግል ከም ትጠንስ ተነግረ፣ ብኣና ግን እሙን ኮነ፣ ትንቢት ምኩራብ  ትርጉም ድማ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህበ ምኩራብ ትንቢት ገንዘባ ገበረት፣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ናይ ምኩራብ  ገበረቶ፣ ምኩራብ ጸምሪ ኣነመት ቤተ ክርስቲያን ተኸደነቶ፣ ምኩራብ ወለደቶ ቤተ ክርስቲያን ተቐበለቶ፣ ምኩራብ ሃነጸቶን ኣዕበየቶን ቤተ ክርስቲያን ድማ ብእኡ ጸንዐትን ረብሐትሉን፣ ኣብ ምኩራብ ሓረግ ወይኒ /መስቀል/ ተተኽለ፣ብኣና ግን ፍረ ጽድቂ ተረኽበ። ምኩራብ ንወይኒ ኣብ ዓውዲ ኣኺዳቶ ኣህዛብ ድማ ምስጢሩ ሰተዩ፣ ምኩራብ ፍረ ስርናይ አት ኣህዛብ ድማ ብማዕጺድ ሃይማኖት ብምሕረቱ ጽጌ ረዳ ኣከቡ [ሃይማኖትን ምግባርን ሓዙ]፣ እሾኹ ግን ኣብ ኣይሁድ ተረፈ እዚ ድማ ክሕደት ኑፋቄ ማለት እዩ።” /ሃይ፣አበው 6621-23/

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና እዚ ወርሓት እዚ ዘመነ ስደት ጐይታን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን እትዝክረሉ፡ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብጽጌ፣ ንጐይታ ብፍሬ፡ንጐይታ ብዕንባባ፡ንድንግል ማርያም ድማ ብጉንዲ፡ብሱር፡ ብበትሪ እናመሰለት እትዝምረሉን እተመስግነሉን እዩ። እዚ ድማ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰማማዕ እዩ። ኣብ ኢሳይያስ 111 “ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ። እቲ ጉንዲ ወይ ሱር ተባሂሉ ዘሎ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እያ፡ እቲ ፍረ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ፍረ ህይወት ፈርያ ንዓለም መድሓኒት ዝሃበት ንሳ ስለ ዝኾነት" ጉንዲ ወይ ሱር" ተብሂላ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ'ውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ድርሰቱ፥-" አንቲ ውእቱ ጽጌ መዓዛ ሰናይ እንተ ሰረጸት እም ስርወ እሴይ፡ ንስኺ እታ ካብ ሱር እሴይ ዝበቖለት ጥዑም መኣዛ ዘለዋ ዕንባባ ኢኺ። መኣዛን ክብሪ ቅዱሳንን ዝኾነ ፍረ (ክርስቶስ) ዘፍረየት ዕንባባ (ድንግል ማርያም) እያ። ቅዱስ ጳውሎስ፥-" 2 ቆረንቶስ 215 ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና" ኣባ ህርያቆስ ኣብ ቅዳሴኦም - “ ድንግል መፍርዪት ለእንተ ይትበላዕ ወመንቅዕት ለእንተ ይሰተይ፣ ኦ ድንግል! ዚብላዕ ዘፍረኽልና፣ ዚስተውን ዘፈልፈልክልናኢሎም የመስስግንዋ። እቲ ዝብላዕ ዘፍረኽልና ኢሎሞ ዘለዉ፣- “አነ ውእቱ ኅብስተ ሕይወት፡እንጌራ ህይወት ኣነ እየ” /ዮሃ 635/፣ ዚስተ ዘፈልፈልክልና ድማ፣-“እቲ ብኣይ ዚኣምን ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ፣ካብ ውሽጡ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ” /ዮሃ 738/። እዚ ድማ ኣብ ዮሃ 654 - “ዘበልዓ ስጋየ ወዘሰትየ ደምየ ሕይወት ዘለዓለም፣እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎዝብል እዩ።

እቲ ናይ ህይወትና መኣዛ ክርስቶስ ኢየሱስ ንዘለኣለም ንህይወትና ይቐድሶን የምእዞን። ኣሜን።

ቀሺ ኣፈወርቂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div