S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣዕናዊ ጉዕዞ ኣባ ሉቃስ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ እዋን ጾም ኣርብዓ?

ኣብዚ እዋን እዚ፥ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ስቓይን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት ዝሓትዎ ሕቶ ድማ "ንሕናዶ ካብ ዓለምና ዝተፈለየ ኣበሳን ሓጢኣትን ጌርና

ኢና? ንምንታይ እዩ እዚ ኩሉ ሽግር: ፈተና:  መሪር ስደትን ሞትን ዝበጽሓና ዘሎ?" ዝብል እዩ፣ እቲ መልሲ ሓጺር እዩ። እወ ዝተፈልየ ሓጢኣትን ኣበሳን ጌርና ኢና። እንታይ እንተተባህለ፥

1. ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን፥ ብክርስትያናት ኢና ዝብሉ፥ ኣብቲ ሥጋን ደምን ናይ ኣምላኽ ዝስውኣሉ ቀጽሪ ልዕሊ ሽሕ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ኣምላኽ፥ ብሓዊ ተቓጺሉ። ትኩ ሰማይ በጺሑ ጠሪዑልና እዩ። ካብዚ ዝዓቢ ሓጢኣትን ኣበሳን እንታይ እንታይ ኣሎ?

2. ሃይማኖት ክመርሑ ጵጵስና ተቐቢኦም ዝበሃሉ ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ጉጅለ ነቲ ብሓዊ ዝተሃሞኸ ቃለ እግዚኣብሔር “ርኹስ” ዝበሉ ከሓዲ ምስ እዚ ከቢድ ክሕደቶም ከም ጳጳስ ተቐቢልና ንኸይድ ኣሎና። ነዚ ሕርሚ ዝተሰከመ ሰብ ኣብ ክንዲ ክንሳሕ፥ ንዝገበሮ ጸይቅን ክፍኣትን ክሕደትን ተሰኪምና እንኸይድ፥ ሰብ ሕርሚ ኢና። ነዚውን ኣይተነሳሕናሉን ጥራይ ዘይኮነ፥ ሕጂውን ልዑል ጸግዒ ናይ ፖለቲካ ሰበስልጣን ረኺቦም፥ እቶም ዝለዓለ መራሒ ሃይማኖት ተዋህዶ ኮይኖም ካህናትን ዲያቆናትን ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ብበትሪ ዘባርሩን ዝሰጉን ዘለውን እዮም። ግን ዘጣቓዓሎም ኣይሰኣኑን። እዚ ሓጢኣትዶ ኣይኮነን?

3. ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብኡ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣቦ ኩሉ ኤርትራዊ፥ ብፍላይ ንኣባ ሉቃስ "በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ" ኢሎም መንፈስ ቅዱስ ተቐበል ኢሎም ኡፍ ዝበሉሎም ኣቦኦም፥ ኣባ ሉቃስ ብዘለዎም ሓይሊ ፖለቲካ ተጠቒሞም፥  ነዞም ወዲ 90 ዓመት ኣቦ ኩልና፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲሮም ዘሳቕዩ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ “መናፍቕ” ኢሎም ብምጽዋዕ ስሞም ዘራኽሱን ዘጸልሙን ዘለዉ፥ ብዘይገበን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ዝነብዕዎ ዘለዎ ንብዓት፥ ኣብ ኣምላኽ ኣይጠርዕን ድዩ? መርገም እዞም ሽማግለ ክበጽሓና ዘይክእለሉ ምኽንያት ኣለዎ ድዩ?

4. ካብ ንእሽቶ ሃገር ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጨላቅዕ መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ሃሊቖም፥ ምጽንናዕ ንህዝብና ንኽኾኖ፥ ጸሎት ፍትሓትን ጸሎት ንሕዝብናን ተገይሩ ድዩ? ናይ ጸሎትን ንስሓን ኣዋጅ ክእወጅ እዩ ዝግባእ ነይሩ  እሞ ደም እዞም ንጹሃት ናብ ሰማይ ኣይጠርዕን ድዩ? ንብዓት ደቆምን ምሕያም ኣንስቶምን ኣይከሰናን ድዩ? ኣበይ ዓለም ተራእዩ ዕሸል ምስ ዕትብቲ ኣዲኡ ከይተፈላለየ፥ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍአ? እዚ ደም እዚ ኣይከሰናን ድዩ?

5. ካብቲ ክሲ ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣባ ሉቃስ ዝመሃዚኡ ሓደ ኣብ ቁጽሪ 5 ተጠቒሱ ዘሎ፥  “ላዕለዋይ ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘዛረበኩም ጊዜ ነቶም ብቅዱስ ሲኖዶስ መናፍቓን ምዃኖም ዝተኣመነን ብካልእ ገበን ዝተኣስሩን ሰባት ክፈትሓልኩም ብስም ቤተ ክርስቲያን ምሕታትኩም” ዝብል መስተክር ናይ ጭካነ ክሲ እዩ።  መልሲ ኣቡነ እንጦንዮስ ግን“መናፍቕ እንተ ሃልዩ እቲ ክሕደት ተጠቒሱ ብኣፍን ብመጽሓፍን ተረቲዑ፥ ዝምለስ እንተ ኮይኑ ክምለስ፥ እንተ ኣብዩ ክውገዝ እዩ ዝግባእ እምበር ክእሰር ኣይኮነን  ኣይግባእን ንሱ ድማ ንቤተ ክርስትያን ይምልከት። ካልእ ገበን እንተ ኣልይዎም ምሕረት ይገበረሎም ምባለይ ኣቦ ከም ምዃነይ ምሕረት ክልምን ግቡእ እዩ። ናታትኩም ግና ጭካነ እዩ።” ይብል። እቶም ብዘይገበን ብሰንኪ ሃይማኖቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ኣመንቲ፥ እተን ንዓመታት ብዘይ ሰብኣይ ማእሚነን እናነብዓ ቆልዑ ዝኣልያ ዘለዋ ኣዴታት፥ እቶም ኣቦይ ኢሎም ግንከ ኣቦ ዘይብሎም ዝነብዑ ሕጻናት መርገሞም ከመይ ኣይበጽሓናን።

6. ኣመንቲ ናብ ሱባኤን ጸሎትን ዝኣትወሉ እዋን ጾመኣርብዓ ኣብ ገዳማት ሱባኤ ክኣትዉ ዝግብኦም መነኮሳት ድማ ንህውከትን ንጸለመን ናብ ሆቴላት ኣውሮጳ ክጎዓዙን ክሸራሸሩን ምርኣይሲ መወዳእታ ዓለም ዶኾን በጺሑ ኾይኑ እዩ? እንታይ ገደሰኒ ኣባይ ኣይብጽሓኒ ኢልና ንጥምት ዘሎና፡ ዓገብ ዘይምባልናከ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይሕትተናን ድዩ?

ሃገር ባዲማ። መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ሓሪሱን ርሂጹን ከይነብር፥ ኣደዳ መርገምን ስደትን ገይሮሞ ሃጽ ኢሉ ጠፊኡሎም ከይኣኽሎም ሕጂ ድማ ኣብ ዝተጸጋዓሉ ሃገር ስደት ስዒቦም፥ ኣብ ንሕድሕዱ ካልእ ጽልእን ቅርሕንትን ንምፍጣርን፥ ምፍልላይ ንምዝራእን፥ ኣብ ጾም ኣርብዓ እዋን ሱባኤ ናብ ኤውሮጳ መደብ ሓንጺጾም ኣለዉ።

እቲ ኣብ 2000 ዓ.ም መጽሓፍ ቅዱስ ብሓዊ ንኽነድድ ቀንዲ ኣተሓባባሪ ዝነበረ ሕጂ ናይ ኣቶ ዮፍታሄ ቦታ ተኪኡ ዘሎ ጸረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቶ ግርማይ ዝተባህለ ሰብ ሕጂውን ተመሳሳሊ እኩይ ስራሕ ንኽሰርሑ ኣሰንይዎም ይመጽእ ኣሎ።ብሰንኪ እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ በረኸት ቦታ መርገምን ክሕደትን ገኒኑ ክትርኢ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ብርግጽ ንሶም ሰብ ዓላማ እዮም። እቶም ኮፍ ኢልና ንርእን ንሰምዕን ዘሎና ግና ስለ እምነትና ደው ክንብል ይግብኣና'ዩ። ኣብዚ እዋን ጾም ኣርብዓ ቀንዲ ዕላማ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ መምጽኢኦም። ስም ኣቡነ መቃርዮስ ንምጽላም፥ ንሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንምክፋእ፥ ኣብ መንጎ ካልኦት ሃይማኖታት ጽልኢ ንምጽሕታር፥ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ንምክያድን ምውዳብን እዩ።

ስለዚ: ሓቂ ክትፈልጡ እትደልዩ ተብዓት ኦርቶዶክሳውያን። ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ብልቦና ነዘን ሕቶ እዚኤን ጥራይ ኣቕርቡሎም። ብመልሶምን ትሕዝቶኦምን ከደንጽወኩም እዩ።

1.  እዋን ጾም ኣርብዓ ሱባኤን ጸሎትን ጾምን፥ ትእውጁን ገዳምኩም እትኣትዉን እምበር፥ ኣኼባ ዝግበሮ እዋን ድዩ?

2. ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓዊ ነዲዱ? ኣባ ሉቃስ ስለምንታይ ንመጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ርኩስ ኢልኩም? ቅድም ግን  https://www.youtube.com/watch?v=ONevo1O9n5k&feature=share ረኣይዎ፥ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኮነን እቲ ዝነደደ ኢሎም ንክኽሕዱ ምንም ጸገም ስለ ዘይብሎም።

3. እቶም "በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ" ኢሎም ዝቐብኡኹም ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ስለምንታይ ኣውሪድክሞም? ስለምንታይከ ኣእሲርክሞም? መናፍቕነት እንተ ኣለዎም፥ ንስኹም ብመናፍቕ ዝተቀባእኩም ከመይ ኢልኩም ጳጳስ ክትኮኑ ትኽእሉ? ብመናፍቕ ዝተቐብአ መናፍቕ እንድዩ? ብዘይፍቓድ ፓትርያርክ ከመይ ኢልኩም ትንቀሳቐሱ? ሲኖዶስ ድላዩ ክገብር ስልጣን ኣለዎ ክብሉ ስለ ዝእክሉ ወይ ድማ ዘይኮነ ጸለመ ከጸልሙ ስለ ዝኽእሉ ግን ቅድም ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተኸሰስዎ ክስን ዝሃብዎ መልስን ኣብ http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=232%3Atest&Itemid=80 ኣንብቡ።

ስልጣን ፓትርያርክ ከመይ ይመስል http://tewahdo.org/images/stories/news/Pat_Autority.pdf ዝብል ጽሑፍ ኣንብቡ

4. ኣሽሓት መንእሰያት ካብ ሃገር ይበርሱን ይጠፍኡን ኣለዉ። ኣማኢት ድማ ኣብ ቀላያት መደትራንያን ሃሊቖም፥ ይትረፍ ክትፈትሕዎም መጸናንዒ ቃላት’ውን ኣየውጻእኩምን፥ ሕጂ ደኣ ካብ ዓዲ ክንስደድ ደፊእኩም ስለምንታይ ደድሕሬና ትስዕቡና?

5. እቲ ካልእ መልእኽቶም በቶም ለኣኽቶም ዝተላእክዎ፥ ንስም ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን፥ ኣቡነ መቃርዮስን  ንምጽላምን ስም ንምኽፋእን እዩ። ንምዃኑ ንስኹም ብዛዕባ እቶም ፖለቲከኛታት ኣብ ሃገርና ዝገብርዎ ዘለዉ ግፍዕን፥ ሕገ ኣልቦ ማእሰርትን ግፍዕን ተቓዊምኩምዶ ትፈልጡ? ቅድም ግን ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ መጋቢት 2011 ኣብ ማልታ ዝጠሓሉ 450 መእሰያት ዝበልዎ ቃል፡ https://www.youtube.com/watch?v=lUl5mu45z7A ቀዳማይን ካልኣይን https://www.youtube.com/watch?v=2rcji0ApBUI ምእንቲ ሕዝቦም ዝበኸይዎን ንመራሕቲ ሃገር ዝሃብዎ ስምዕታን ተመልከቱ። ኣብ ጥቅምቲ 2013, 360 መንእሰያት ኣብ ላምፐዱሳ ኢታልያ ሃሊቖም ዓለም ምሉእ ኣእውዩሎም። ንስኻትኩምከ? እንታይ ገበርኩም?

6. ሰሜን ኣሜሪካ ይኹኑ ኣቡነ መቃርዮስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘይትምህሮን ዘይትኣምኖን ሃይማኖት ዶ ምሂሮም እዮም? እንተ ኣሎ ኣየናይ እዩ? ስእሊ ስላሴ ኣብ ሃገርናን ኣብ ኢትዮጵያን እዩ ዘሎ፥ እዚ ድማ ኣብ ዘመነ መንግስቲ ጎንደር ዝተኣታተወ እዩ ኣብ ካልእ ኣብያተ ክርስቲያናት ግን የለን ስለ ዝበሉ፥ ስላሴ ከም ዝኸሓዱዶ የርኢ እዩ? ከምኡ እንተ ኾይኑኸ፥ እተን ስእሊ ስላሴ ዘይቅበላ ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ከመይ ገይሩ ሓድነት ምሳና ክህልወን ይኽእል?

7. ኣዳማዊ ውርሻ (ጥንተ- ኣብሶ) ዝብል ቃል ናይ ኩለን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ናይ ኢትዮጵያ ፓትርያርክ ዝነበሩ ኣቡነ ጳውሎስ፥ ናይ ወጻኢ ዝነበሩ ኣቡነ ይስሃቅ፥ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን፥ ናይ ሶርያን ህንድን ፓትርያርክ፥ ናይ ግሪኽ፥ ዝሃብዎ መልሲ http://medhanialemeotcks.org/ ኣንብብዎ እሞ እንታይ እዩ ደኣ እቲ ጌጋ ዝብል ሕቶ ኣቕርቡሎም። ኣባ ሉቃስ እንታይ ይብሉ ድማ ካብ ቃሎም ትሰምዕዎ።

8. ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ እትኣምኖ እምነት ዘይትቕበሉ እንተ ኮንኩም ደኣ፥ ስለምንታይ ብፓትርያርክ እንጦንዮስ ተሾምኩም? ከመይሲ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ጵጵስንኦም ኮነ ፓትርያርክነቶም ብናይ ግብጺ እዮም ተቐቢኦም። ምናልባት እቶም ፖለቲከኛታት ዝደግምዎ ቃል እዮም ክብሉ፥ ንሕና እኮ ናጻ ሃገር ናጻ ቤተ ክርስቲያን ኢና” እያ እታ ዝምልስዋ፥ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ግን ናጻ ናይ ፖለቲካ ክበትኮ ይኽእል ድዩ? ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኣ እሞ፥ ብሥጋ ኣይሁዳዊ እንድዩ።  ነጻ እንተ ዀንና ንምንታይ ደኣ ንስዕቦ? መልሲ ክረክቡሉ ኣይክእሉን እዮም።

ምእመናን: ንእምነትኩም ፈሊጥኩም ሓቂ ደው በሉ። ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ምፍራህ ኣይግባእን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div