S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ሓዋርያ- ሰላም”! 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ!

"ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም” (ማቴ 5፡9) ከም ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ምእንቲ ሰላም ክነግሥ ኣብ ኩሉ ክሰፍሕን ክዝርጋሕን ኣበርክቶ ዝገብሩን

ብጾምን ጸሎትን ዝጽዕሩን ኩሎም መተዓይይቲ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ሰባት፥ ውሉድ ናይቲ ሰላማውን ሰማያውን-ኣምላኽ ብምዃኖም ብፁዓን እዮም። እወ! እቲ ሰላም እሓድገልኩም ኣሎኹ፥ ሰላመይውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፡ ኣይትሸበሩ፥ ኣይትፍርሁ” ዮሓ 14፡27 ዝበለ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እታ ብሕድሪ ዝሃበና ዘይተቋርጽ ልባዊ-ሰላም፥ ክትዕንብብን ኣብ ልቢ ኩሉ ወዲ ሰብን ክትፈርን ኣብ ኹሉ ኵርናዕ ዓለምን ክትዝርጋሕን ኣዝዩ ባህ ዘብል ዓቢይ ብሥራት ትእዛዝ ጎይታ እዩ። ስለምንታይሲ “ሰላም” ሱርን መሠረትን ናይ ኩሉ ዕብየት፥ ነፃነት፥ ስኒት፥ ክብረትን ውሕስነት-ሕይወትን ናይ ወዲ-ሰብ ስለ ዝኾነት።

ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ናይ ቆላስይስ 3፡15 መልእኽቱ “ንሰላም ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ፡ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይንገሥ” ዝብል ሠናይን ጥዑም ማዕዳ ሓዲጉልና ኣሎ። ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልቢ ኣመንቲ እንተ ነጊሡ ከኣ ኣብ ግዜ ፈተና ይኹን ራህዋ፥ ኣብ እዋን ሕማም ይኹን ጥዕና፥ ኣብ ግዜ ሓሳር ይኹን ክብረት፥ ኣብ ዓዲ ይኹን ስደት ውሽጣዊ ሰላምና ፈጺሙ ኣይዝረግን እዩ። ስለምታይሲ ሰላም ኣምላኽ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ንደቀ መዛሙርቱ “ሰላም ንዓኹም ይኹን” ኢሉ ብመንፈሳዊ ሰላምታ ልቦም ምስ መልአ፥ ስለ ስሙ ውርደትን ማእሰርትን ስደትን ሞትን ክቕበሉ ቅሩባት ብምዃኖም “ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ውርደት ንምቕባል ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጎሱ ወጹ” ይብለና። ግሓ 5፡41። ካብዚ ጥቕሲ’ዚ እንመሃሮ ኣገዳሲ ነጥቢ ድማ ሰላም-ኣምላኽ ኣብ ልብኻ እንተነጊሡ ንውርደት ከም ክብረት፥ ንማእሰርቲ ከም በረኸት፥ ንሞት ከም ረብሓ ሕይወት ንኽትቅበሎ ቀሊልን ዘየጸግምን ምዃኑ እዩ። እቲ “ንዓይ ሕይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፥ ሙማት ድማ ረብሓይ እዩ” ዝብል ጽሑፍውን ነዚ እዩ ዘነጽረልና። ፊሊ 1፡21

 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕለት 7 ታሕሳስ 2013 ኣ.ፈ ን3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሓዋርያ-ሰላም ዝብል ናይ ክብሪ ኣሕጉራዊ ሽልማት ካብ STEPHANUS-STIFTUNG ዝበሃል ተጣባቒ ሰብኣዊ-መሰል ኣህጉራዊ ገባር-ሠናይ ማሕበር ከም ዝተሸለሙን፥ ዓቃቤ መንበርን ወኪል ፓትርያርክን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብኣካል ኣብ ጀርመን ተረኺቦም ነቲ ሽልማት ከም ዝተቃበልዎ ኣብ እዋኑ ተቓሊሑ ነይሩ እዩ። እዚ ሽላማት’ዚ ንብዙሓት ኣመንቲ ክርስትናን ንኹሎም ደለይቲ ፍትሕን-ሓቅን ህዝቢ ኤርትራ ዘሐጎሰን ተስፋ ዘስነቐን ተኣምራታዊ-ስራሕ ኣምላኽ ዘግሃደ ዘገርም ተርእዮ እዩ። ምኽንያቱ ቅዱስ ኣቦና ብዘይ ዝኾነ ይኹን  ገበን ን 10 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ማሕዩርን ዕጹው-ቤትን ከለዉ ከምዚ ዓይነት ልዑል ሽልማት-ምስክርነት ምርካቦም ከምቲ “ቃል ኣምላኽ ግና ኣይእሰርን እዩ” ተባሂሉ ዝተጻሕፈ፥ ኣምላኽ ንዘኽበሮ ሰብ ማንም ሰብ ከሕስሮ ከም ዘይኽእል ዝግሃደ ዓቢይ መንፈሳዊ ዓወት እዩ። ወላኳ ኣቦና ብገዛእ መንግሥቶምን ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን ሥጋዊ-ኣካሎም እንተ ተኣስረ፥ ዕለታዊ ሥርሖምውን እንተ ቦኸረ፥ መንፈሳዊ ፍቕሪ-ኣምላኾምን ልባዊ እምነቶምን ውሽጣዊ ሰላሞምን ግና ከቶ ክቋርጽ ከምዘይክእል ንኣሰርቶም ይኹን ንኸሰስቶም ከም ፀሓይ ቀትሪ በሪሁሎም ኣሎ።

ንጉሥ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ 119፡165 “እቶም ሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም ዝዕንቅፎም ከኣ የልቦን! ኢሉ ከም ዝጸሓፎ እቶም ንእግዚኣብሔር ብህድኣትን ጸሎትን ዝጽበይዎ ኩሎም፡ ሰላሞም ከም ወሓዚ ይግንፍል፥ ጽንዓት እምነቶም ከም ወርቂ ይዅላዕ፥ ኃይሎም ከም ንስሪ ይሕደስ፥ ሕይወቶም ድማ ብጸጋን ተስፋን ምልእቲ እያ። ከይጸለኻ ጸጋ፥ ከይሰራሕካ ዋጋ ስለ ዘይርከብ ግና ከምቲ ኣብ ግብረ-ሓዋርያት 14፡22 “ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዝግብኣና ብብዙሕ ጸበባ እዩ” ዝብል ተጻሒፉልና ዘሎ፥ ኩሎም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ነቢያት ይኹኑ ሓዋርያት፥ ሰማዕታት ይኹኑ ቅዱሳን ብብዙሕ ፈተና፥ ማእሰርቲ፥ መግረፍቲ፥ ስደትን ሞትን ከም ዝሓለፉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ተገሊጹልና ኣሎ። ካብ መምህሩ ዝዓቢ ተመሃራይ፥ ካብ ጎይትኡ ዝበልጽ ኣገልጋሊ ስለ ዘየልቦ ድማ (ማቴ 10፡24) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ከም ኩሎም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከቢድ መከራን ማእሰርትን እንተ በጽሖም ዘገርም ኣይኮነን። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን “እቲ ክስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን፥ መስቀል ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ” እዩ ዝበለ። ማቴ 16፡24

ንምዃኑ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክና ሓዋርያ-ሰላም ዝብል ኣኅጉራዊ ሽልማት ክሽለሙ ዘብቅዖም ነጥብታት እንታይ እዩ ነይሩ? ኢልካ ምሕታት ናይ ለባማት ዘረባ እዩ። ከምቲ “እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ” 1 ጴጥ 1፡16 ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፥ ነቶም ብሓቂ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝኾኑ ከምቲ እቲ ልዑል ኣምላኾም “ግሩም መኻሪ፥ ብርቱዕ ኣምላኽ፥ ዘለዓለማዊ ኣቦ፥ መስፍን ሰላም” (ኢሳ 9፡6) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንሳቶምውን  መሓርቲ፥ ርህሩሃት፥  እሙናት፥  ፍቑራትን ሰላማውያን ክኾኑ ድሌቶምን ሕንጹጽ ዕላምኦምን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። በዚ መሠረት ቅዱስ ኣቦና ድማ ብግዜ ራህዋ ይኹን ብግዜ ፈተና፥ ኣብ መንፈሳዊ ሓላፍነት ከለዉ ይኹን ኣብዚ ሕጂ ዘለዉዎ ናይ ገዛ እስራት ውሽጣዊ ሰላሞምን ኦርቶዶክሳዊ ጽንዓቶም ከይተነቓነቐ “ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ?  …… መከራዶ፥ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥሜትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ ወይስ ሞት ? ……ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል የልቦን (ሮሜ 8፡35-39) “ትማሊ ፈላሲ፥ ሎሚ ፈላሲ” ብሓዋርያዊ ማሕላ ዝተቐበልክዎ ጕስነት ህዝቢ ኣምላኽ ንሓደ ተራ ምእመን ጭዋ ዮፍታሄ ኣሕሊፈ ኣይህብን፡ ብምባል ብሰንኪ እምነቶም ንኹሉ ዝወረዶም ክሲ፥ ግፍዒ፥ መከራን ጥልመትን ብትዕግሥትን ጸሎትን “ፍቓድካ ይኹን ጎይታ” ብምባል በጃ ዝሓልፉ ዘለዉ ውፉይ ኣብነታዊ ኣቦ-ህዝቢ እዮም።

እምበኣር ከምቲ ኣምላኽና “ኣምላኽ ሰላም እምበር፥ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኮነን” (1ቆሮ 14፡33) ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፥ ቅዱስ ኣቦና ድማ ሓዋርያ ሰላም፥ ዓቃቢ ሕጊ፥ እሙን ጓሳን ውፉይ መራሕን ምዃኖም ብቃሎም ዘይኮነስ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ብግብሮም ኣመስኪሮም እዮም። ሰላም ድማ ብሓቅን ሕግን ደኣ እምበር ብሓይሊ ብረትን ብማኅተም ክታማትን (ፌርማታትን) ኣይትመጽእን ኣይትዕቀብንውን እያ። ስለዚ ንሕና ድማ ከም ናይ ክርስቶስ ሰዓብትን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን መጠን ኣሰር ቅዱስ ፓትርያርክና ኣቡነ እንጦንዮስ ተኸቲልና ንሓቂ ሓቂ፥ ንሓሶት ከኣ ሓሶት ክንብል፥ ክርስቲያናዊ ሓላፍነትናን ግዴታናን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ስለዚ ሰማያዊ ጻዊዒትና “ባእሲ ኣብ ዘለዎ ሰላም ፥ ጽልኢ ኣብ ዘለዎ ፍቕሪ፥ ሓሶት ኣብ ዘለዎ ሓቂ፥ ዓመጽ ኣብ ዘለዎ ሕጊ፥ ንኽነግሥ ናይ ወትሩ ጸሎትናን ዕላማናን ክኸውን ይግባእ። ስለምታይሲ “ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቅርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ክነብር ኢዩ” 2 ቆሮ 13፡11-)።

ኣማን በኣማን፥ ቅዱስ እንጦንዮስ ሓዋርያ ሰላም!!!


ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም
ቅዱስ ሚካኤል ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div