S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕቶ ሰብን፡ መልሲ ኣምላኽን

በስመ ኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን::
ሰብ ብባህርያቱ መንፈሳዊ ስለዝዀነ ከምልኽ ዝደሊ ባህርያዊ ዝምባሌ ዘሎዎ ፍጡር እዩ። ውሉድ ንወላዲኡ ከም ዝሓትት፡ ሰብ ድማ ብሕልንኡ ብዛዕባ ህይወቱ ኩሉ ሳዕ ንፈጣሪኡ እናሓተተ እዩ ዝነብር። እስከ ንበል መኪና እንተ ተበላሸወትና ናብ መካኒክዶ ኣይኮናን ንወስዳ፧ ሰዓት እንተ ተባላሸወትናኸ ናብ ዓራይ ሰዓትዶ ኣይኰናን ንወስዳ፧ ህይወትና እንተ ተበላሸወትናኸ ናበይ ንውስዳ፧ ናብቲ ከዕርያ ዝኽእል ፈጣሪኣ ክንወስዳ ግድን እዩ። ሰዓትን መኪናን እንተዘይ ተዓርየን ይድርበያ፡ ሰብ ድማ ናብ ፈጣሪኡ ከይዱ እንተዘይተዓረየ ከምቲ ንሰዓትን መኪናን እንድርብየን ከምኡ ክድርበ ናይ ግድን እዩ።

ከመይሲ እቲ ዝተደርበ ንሕቶኡ ባዕሉ ስለ ዝምልሶ፡ ብብዝሒ በደልን ሓጢኣትን ዓመጽን ፍትሒ ምጉዳልን ንሕሊናኡ ስለ ዘዘላሕልሖ፡ ክድርበ ግድን እዩ። እቲ ንሰዓትን ንመኪናን ዝፈጠረ ሰብ፡ ብጥበቡ ክሰርሐን እንከሎ፡ ንዑደተን ከማላኣሉ ዘኽእለን ብሕግን ሥርዓትን ከም ዝህልወን ገይሩ እዩ ዝሰርሐን። እቲ ንሰብ ዝፈጠረ እግዚአብሔር ጐይታ ሰራዊት ድማ ንሰብ ብዘይ ሕጊን ስርዓትን አይገደፈናንሞ፡ ንሕቶና ከከም አድላይነቱ ብጥበቡ ብቀጥታዊ ራእይ ይኹን ብነብያትን፡ ብሓዋርያትን ብጳጳሳትጌሩ በብጊዚኡ መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣይፈልጥን። መልሲ ምሃብ ዘየድልዮ እንተኾይኑውን መልሲ አይህብናን። ብፍላይ ሎሚ ኣብ ዓመተ ምሕረት ንነብር ስለ ዘሎና፣ ኣምላኽ ከኣ ቀረባና ስለ ዝዀነ። ንሕይወትና ብዘድልያ ዘበለ ብሥርዓተ አምልኾ ኣቢሉ ንምድሓናን ዘድሊ ካብ ዘበለ፡ አብ ቅዱስ ጽሑፍ ንሕቶና ዝምልስ እኹል መዕረይ ህወትና ዝኸውን መምርሒ ሂቡና አሎ። ቅዱስ ጽሑፍ ሂቡና ጥራሕ ከይኣክል ድማ ነቲ በብግዜኡ ዝለዓል ሕቶና ዝምልሱልና መማህራን ሃበና። መብዛሕትኡ ሕቶና እግዚኣብሔር ካባይ እንታይ ይደሊ፧ ኣነኸ እንታይ ክገብረሉ ይኽእል፧ ከመይ ገይረኸ ምስጋናይ ክገልጸሉ ይኽእል፧ እናበልና ኢና ብሕሊናና ንሓትት፡ መልሲ እግዚኣብሔር ድማ ብርግጽ ሕሊናና ከምኡ ከም ዝሓትት ስለ ዝተረድአ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ቅዱስ ጽሑፉ ሰፊሩ ከም እንረኽቦ ከምዚ ኢሉ መሊሱልና ኣሎ።

ንመልሲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ኣብ ሰለስተ ከፊልና እንተ ረኤናዮ ከምዚ ይብል፡-

1. “ኣታ ሰብ ቅኑዕ ኽትገብር፡
2.  ምሕረት ከአ ክትፈቱ፡
3. ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኮነስ፡ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩኢሉ ይምልሰልና (ሚክ፡ 6-8)

ቅኑዕ ኽትገብር፡ (ፍትሒ ከይተጉድልባዛዕባ ፍትሒ ኣብ ቅዱስ ቃላቱ ይብለና፡ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት፡ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ሩባ ይውሐዝ” (ኣሞጽ 5:24) ንሕና ደቂ ሰብ ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጠርና ካብ ቅንዕናኡ ዝተዋህበ ቅንዕና ኣብ ሕልናና ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ግዜ ቅኑዓትን ፍትሓውያንን ክንከውን ድላዩ ምዃኑ ካብ ደለየና፡ ድኻ ክብደል ፍትሒ ክጐድል ክንርኢ ከሎና  “ፍትሒ ጐደለ፣ ድኻ ተበደለክንብል መንፈሳዊ ሓላፍነትና ቅንዕናን ምዃኑ ባዕሉ ገለጸልና። ብዛዕባ ቅኑዕ ምግባር ብመጀመርያ ነንውልቀና ኢዩ ሂቡና። ኣብ ኣተገባብራኡ ድማ ንዓና ሓደገልና። ብቕንዕና እንተነበርና፡ ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ደው ምስ በልና ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 25 ተጻሒፉ ዘሎ ኩሉ ጽቡቅ ፍርዲ ክበጽሓና ግድን እዩ። ብቅንዕና እንተዘይ ነበርና ግና ኩሉ እቲ ኣብኡ ዘሎ መከራ ዘምጽእ ፍርዲ ክፍረደና ከሎ፡ ባዕልና ብሕሊናና ክንፍረድ ኢና እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ሓቂ ደው ክንብል ዋላ ሓንቲ ትብዓት የብልናን። ከመይሲ ኣብ ምድሪ ከሎና ካብ የማን ጸጋም ካብ ብርሃን ጸልማት ስለ ዝመረጽና።

ንሥልጣንን መዝነትን ዘለዎም ሰባት ኣምላኽ ብሓላፍነት ይሓቶም እዩ። ኣብ ትንቢት ዳንኤል 427 እንተ ተመልከትና እቲ ጻድቅ ነብይ ዳንኤል፡ ንንጉሥ ነቡካደናጸር ክምዕዶ ከሎ “..ስለዚ፡ ንጉሥ፡ ምኽረይ ስማዕ፡ ንሓጢኣትካ ብጽድቂ፡ ንኣበሳኻውን ንድኻታት ብምምሓር ቁረጾ፡ ምናልባሽ ልምዓትካ ኺነውሕ እዩ።ኢሉ ከም ዝመዓዶ ነንብብ። ፍትሒ ምስ ዝጎድል ኣምላኽ ይጉሂ፡ ጓሂ ኣምላኽ ከኣ ቍጥዓን መዓትን የስዕብ። ኣብ .ኣሞጽ 2:6-7 እንተ ተመልከትናእግዚኣብሔር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነቲ ጻድቕ ብብሩር፡ ነቲ ድኻ ኸአ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም፡ ስለ ሰለስተ ገበን እስራኤል፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣብ ርእሲ ድኻታት ተጎጓ ምድሪ ኺርእዩ ይትምነዩ፡ ንመገዲ ትሑታት ይጠውይዎ፡…” ኢሉ ክኹርየሎም ነብብ።

ጐታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስውን እቶም ብግዚኡ ዝነበሩ ሰበ ሥልጣን፡ ሃይማኖታውያንን ኢና እናበሉ ንሃይማኖት መሳርሒ እከይን ግቡዙን ተግባሮም ይገብርዎ ስለ ዝነበሩ፡ ፍትሒ ብምጉዳሎም ክግስጾም ንርኢ፡ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትኣትዉዋን፡ ነቶም ኪኣትዉዋ ዚደልዩ ድማ ኪኣትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ቤት መበለታት ትበልዑ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ ኣሎኹም። ስለዚ ዝገደደ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።  ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።ኢሉ ከም ዝገሰጾም ነንብብ (ማቴ 2313-15) 

ፍትሒ ካበይ እያ ትጅምር፧ ንመንከ ንህቦ፧  ኢልና እንተ ሓቲትና፡ ፍትሒ ኣብ ገዛና እያ ትጅምር፡ ነቶም ምሳና ዘለዉ ደቅናን፡ በዓልቲ ቤትናን (በዓል ቤትና) ኮታ ምሉኣት ስድራ ቤትና ሓቀኛ ፍትሒ ብምሃብ ኢና ክንጅምራ ዝግበኣና፡ ኣብ ቤትና ከይሃብና ኣብ ደገ ከነዘውትራ ግና ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ፍትሒ ብዝምልከት ትሽዓተ ዓይነት ሰባት ፍትሒ ከነውጽኣሎም ይነግረና። ፍትሒ ንመበለት (Widow) ንዘኽታማት ወላዲ ዘየብሎም (fatherless) ወይ ንዘኽታማት (orphans) ንድኻታት (poor) ንዝጠመዩ (hungry) ንኣጋይሽን ስደተኛታትን (stranger) ንስኡናት (needy) ንድኹማት (weak) ንእሱራትን ወይ ንጥቁዓት (oppressed) ፍትሒ ኣውጽኡሎም ዘይብለና ንሃብታማት እዩ፡ ምኽንያቱ ንሶምሲ ፍትሒ ኣብዛ ዓለም ብገንዘቦም ምግዛእ ኣየሸግሮምን እዩ። እንተ ሎሚ ግን ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣብ ዓለምና እንርእዮ ዘሎና፡ ድኻ ክብደል ሃብታም ድማ ድሌቱ ጌሩ ክኸይድ ኢና ንርኢ ዘሎና። ብሕልፊ ድማ ኣብቶም ብስሙ እንጽዋዕ ህዝበ ክርስቲያን ተባሂልና ዝተሰመና፡ ካብ ክብሪ ኣምላኽሲ ክብሪ ሰብ መሪጺና ንጽድቂ ሸለል ዝበልናያ ንመስል ኣሎና። ስለምንታይ፧  ኣምላኽ ብዘየወላውል ኣብ ቅድሜና ኽንኮኖ ዝግበኣና ኣቀሚጡልና ኣሎ። ናይ ነበረያ ነበረ ዘይኮነስ ናይ ሎሚ ኢና ንሕተትት ዘሎና። ንዝሓለፈ ብንስሓ ዝድምስስ በብመዓልቱ ዘሕድሰና ኣምላኽ እዩ ዘሎና። ብዝሓለፈ ንነሳሕ ብዝመጽእ ድማ ንጠንቀቅ። ፍረ ፍትሒን ቅንዕናን ክህልውና ኣምላኽ ይሓግዘና።

 እታ ካልኣይቲ ድማምሕረት ክትፈቱኢሉ ይእዝዘና፡፡ ምሕረት ማለት ፍቕሪ ብተግባር ማለት እዩ።ዝምሕር የፍቕር።ከም ዝተባህለ፡ ብመጀመርያ ኣምላኽ ስለ ዘፍቀረና ንሕና ድማ ከነፍቅር ይግብኣና። ኣብ ኣምላኽ እንተሎና ኸኣ ኣፍቀርቲ ኣምላኽን ሰብን ኢና ማለት እዩ።ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።” (ቲቶስ 3:5) ኩሉ ግዜ ብልምዲ ድዩ ብምርዳእ ክንጽሊ ከሎናንሕና ንዝበደሉና ከም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና:”  ንብል (ማቴዎስ 6:12) እቲ ብቓልና እንደግሞ ዘሎና ቃል ኣምላኽከም ዝሓደግናሎምኢልና ኢና ንደግሞ ዘሎና፡ ከምኡ ዲና እንገብርእምብኣርከስ ከምኡ ንገብር እንተ ሃሊና፡ ሓዳጋትን መሓርትን ኰይና ኣሎና፡ ከምኡ ብምግባርና ድማ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ኣምሊጥና ኣሎና፡ እንተዘይኰነ እንደግሞ ካልእ እንገብሮ ካልእ እንተዀነ፡ ጌና ኣብ ማእሰርቲ ሰይጣን ኢና ዘሎና። 

መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብፁዓን እዮም” (ማቴ 57) ከም ዝበለ ጐይታ፣ መሓርቲ ብምዃና በረኸት ኣምላኽ ኣባናን፡ ኣብ ቤትናን፡ ኣብ ሕብረተ ሰብናንይዓስል። ምሕረት፣ ሰላም ትዕድም፡ ሰላም ድማ ብልጽግና ትዕድምነዚኣተን ስለ ዝሰኣና ድማ ኣዚና ንሳቀ ከም ዘሎና ኩልና እንፈልጦ ብሩህ ሓቂ እዩ። ፈውስና ፍሉጥ እንከሎ፡ ካብ ፈውስና ንሃድም ኣሎና። ኣምላኽ መሓሪን ፈቓርን እዩ። ከም ሰብ ነነዌ ልብና ናብ ኣምላኽ ንምለስ፡ መሓርቲ ከኣ ንኹን ምሕረት ከኣ ክንረክብ ኢና።   

እታ ሳልሰይቲ፡ብትሕትና ተመላለስንእትብል ቃል ኣምላኽ፡ ኣብዛ ዘለናያ ዓለም፡ ከም ድኽመት ዝርኣየሉ ግዜ ኢና ዘሎና። ኣምላኽ ግን ኣብ ቅዱስ ጽሑፉ ከምዚ ክብል የጠንቅቀና፡ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል” (ያእቆብ 4:6)ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦምይብል (ምሳሌ 3:34) ኣብዛ ዘለናያ ዓለም እዚኣ ክንደይ ዕቡያት ከም ጐልያድ ክሳዶም ዘትረሩ ንገዛእ ርእሶም ትሕት ትሕት ከየብሉስ፡ ንገዛእ ርእሶም ልዕል ልዕል ዘበሉ ዕቡያት፡ ከም ጐልያድ ናብ ምድሪ ጻሕ ኢሎም ክወድቁ ኣርእዩና ካብኡ የድሕነና።

ብትሕትና ከምዚ ኢልና ክንመላለስ ከምዘሎና ከምዚ ኪብል ይነግረናኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዐበዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኲላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንኲሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” (1 ጴጥ 5:5-7)

እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እብኳ ደኣ ተኣዘዘ” (ፊልጲ 2:5-8)

መልሲ ካብ ፈጣሪና ብኢድ ነብያትን ሓዋርያትን ተዋሂቡና ጥራሕ ከይኣክል መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ኣብ መንጎና ተረኺቡ ብቅልል ዝበለ ካብ ሰለስተ ኣብ ክልተ ትእዛዝ ጠቕሊሉ ሂቡና፡:  ”ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኺዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሐተቶ። ኢየሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡  እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።  ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ፡ በሎ” (ማቴ 22:36-40) ኣምላኽ ትእዛዛቱ ክንፍጽሞ የብቅዓና።

ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን!

ንቅዱስ ፖትርያሪክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁዕ አቡነ መቃርዮስ አብ አገልግሎቶም አሳልጦ ይሃበልና!

ንቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን ሰላሙ ይሃብ። ኣሜን!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div