S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይሥላሴ ምግላጽን በዓል ጥምቀትን

በዓል ጥምቀት ክርስቶስ (ኤጲፋንያ) ግልጸት ቅድስት ሥላሴ እዩ።

ሥላሴ ንመጀመርታ ጊዜ ሠለስትነቶም ንፍጥረት ደቂ ሰባት ዝገለጹሉ እዚ ክቡር በዓል ጥምቀት እዩ። ኤጲፋንያ ማለት ድማ ግልጸት ኣስተርእዮ ማለት እዩ።

ንእግዚኣብሔር ኣብ ብመለኮቱ ዓይኒ ፍጡራት ሰባት ክርእይዎ ዘይክእሉ ብምዃኖም፣ መጽኣ ቃል እምሰማይ ዘይብል ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘኣፈቅር ዘቦቱ ሠመርኩዚብል ቃል መጸ። እዚ ቃል እዚ ድማ እቲ ብዓይኒ ሰባት ክርአ ዘይክእል፣ ቃል እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ።

ክርስቶስ ቅድሚ ብሥጋ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ፣ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ፣ ምስ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ማዕረ ህልው እዩ። ምስ ተወልደውን ማዕሪኦም ህልው እዩ።

ቃል ብቅድሙ ነበረ፣ እተባህለሉ እቲ ብሥጋ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እግዚኣብሔር ኣቦ በዚ እዚ ኣቢሉ ምስ ኣዳም፣ ኣብርሃም፣ ያዕቆብ፣ ሙሴ ኩሎም ነቢያት ዝተዛረበን ዝተራኸበን እዚ ቃል እዚ እዩ።

ስለዚ ድማ እዮም ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሥላሴ ኣሕጽር ኣቢሎም ክምህሩ እንከለዉ፣ ኣብ ልቦም፣ ወልድ ቃሎም፣ መንፈስ ቅዱስ እስትንፋሶም፣ ብዝብል ኣደናቒ መግለጺ ዝገልጽዎ። እዚ ማለት ድማ ኣቦ ኣብ ዘለዎ ወልድ ኣሎ፣ ወልድ ኣብ ዘለዎ መንፈስ ቅዱስ ኣሎ፣ ዚብል ረዚን ህልውና ሥላሲ ኣብ ሠለስቲኦም ዘረድኣና ዓሚቕ ገላጽነት እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ዝረኣዮ የለን ክብል እንከሎ።

ለእግዚኣብሔርሰ፣ ኣልቦ ዘርእዮ ግሙራ፣ ኣላ ወልድ ዋሕድ ዘሀሎ ውስተ ሕፅነ ኣቡሁ ውእቱ ነገረነ።

ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሀዶ። ዮሓ.118

ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ብጀካ ንሱ ማለት ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ዋላ ሓደ ዝረኣዮ ከም ዘየለ ብቅዱስ ቃሉ ከምዚ ክብል ነጊሩና ኣሎ።

ኣልቦ ዘርእዮ ለኣብ፣ ዘንእበለ ዘእምኀቤሁ፣ ለእግዚኣብሔር ውእቱ፣ ወውእቱ ርእዮ ለኣብ። ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ ንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ። ዮሓ.646 

ውእቲ ባሕቲቱ ዘኢይመውት ወቦቱ ብርሃን ዘኢይጠፍእ፣ እምቅድመ ዓለም ወኣልቦ ዘርእዮ ሰብእ፣ ወኣልቦ ዘይክል ርእዮቶ፣ ዘሎቱ ክብር ወስብሓት ወኃይል ለዓለም ዓለም ኣሜን።

ንሱ በይኑ ዘይመውትን፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኸእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለዓለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን። 1ጢሞ.616

እዚ ማለት ግን ንክርስቶስ ርኢና ማለት ንእግዚኣብሔር ኣቦ ርኢና ማለት ምዃኑ ንጹር ክኸውን ኣለዎ። ጐይታና መድኃኒናን ኢየስስ ክርስቶስ ንሕቶ ቅዱስ ፊሊጶስ ሓዋርያ ክምልስ እንከሎፊልጶስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ። ኢየሱስ በሎ፡ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፡ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል ኣሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፧ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም  ዝነግረኩም  ዘሎኹን ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ።  ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። ዮሓ.148-11

ስለዚ እዩ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል እግዚኣብሔር ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ኮይኑ ምምጽኡ፣ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝኾንዎ ምዃኖም ንኽገልጽ መልእኽቲ ናይ በይኑ ዘይኮነስ ናይ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ምዃኑ ንምግላጽ ኣነ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን፡ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎም ኢኹም። ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ እፈልጦ እየ፡ በለ። ዮሓ.728-29 ክብል ብቅዱስ ቃሉ ዝሓበረና።

ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል እግዚኣብሔር ኣቦ (Logos) ቅድሚ ብሥጋ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ፣ ብናይ እግዚኣብሔር ቃልነቱን መልእኽቱን ንሰባት ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ንብዙኃት ሰባት ከም ዝተራእየ ቅዱስ ጽሑፍና ይነግረና እዩ።

ሽዑ ድማ፡ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ሕዝቢ ኸኣ እነብር ኣሎኹ እሞ፡ ወይለይ፡ ኣዒንተይ ንንጉሥ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሠራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩ፡ በልኩ። ኢሳ.65

በልኩም ድማ እንሆ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርአየና፡ ድምጹውን ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕና፡ ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪዛረብ፡ ንሱ ኸኣ  ብሕይወት ክነብር ሎሚ ረኤና። ዘዳ.524

ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፡ እግዚኣብሔር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ። ዘፀ.3311

ዝብሉ ካልኦትውን ተወሰኽቲ ጠቕስታት፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዋላውን ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ደቂ ሰባት ከም ዘይተፈልየን ምስ ኣቶም ከም ዝነበረን ዘረድኣና እዩ።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግን ሰብ ንክርስቶስ ምስ ምሉእ መለኮታዊ ግርማ ክብሩ ፈጺሙ ክርእዮ ኣይክእልን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ እዩ።

ሙሴ ክብሩ ከርእዮ ምስ ሓተቶ እግዚኣብሔር  ከምዚ ክብል መሊሱሉ እዩ።ሰብ ርእዮኒ ብሕይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ድማ በለ። ዘፀ.3320  ዝኾነ ፍጡር ሰብ ምሉእ መለኮታዊ ክብሪ ክርስቶስ ክርኢ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ብዙኅ ጊዜ ንሰባት ብደመናን ብሓዊን ብገጽ ሰብን ዝግለጸሎም ነይሩ።

ኣብ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ፣ ሓድነቶምን ሠለስትነቶምን ዝግለጸሉ ነገራት ኣሎ፣ ኣብ ወላዲ ኣስራፂ፣ ወድ ተወላዲ ውሉድ (ቃል) ልሣኖም፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሕይወት እስትንፋሶም እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ

 እግዚኣብሔር ኣቦ፣ ልቢ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ስለ ዝኾነ ህላውነት ዓለም ሓሰበ፣ ከመይሲ ሓሳብ ካብ ልቢ (ኣእምሮ) ብምዃኑ። ዓለም ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጥረ። ከመይሲ ውሉድ ማለት ተለኣኺ ማለት እዩ። ግንከ እዚ መልእኽቲ እዚ ከቲ ሥጋዊ ኣተኣዛዝዛ መልእክቲ ኣይኮነን ስለዚእዩ ቅዱ ሕርያቆስ ኣኮ ዘይእዜዞ ኣብ በከዊነ ኣብ ክብል ብዕምቆት ገሊጽዎ ዘሎ። ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።ዮሓ.13 ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ማአት እዩ።

እስትንፋሶም ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንዓለም ሕይወት ሃበ።መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነብረ።ዘፍ. 12 ስለዚ ድማ ኢና ኣብቲ መግለጺ እምነትና ጸሎተሃይማኖት፣ ሕይወት ብዝህብ ካብ ኣብ ዝሰረፀ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን።እንብል

ናይ ክርስቶስ ናባና መልእኽትነቱ ፍሉይ ዝገብሮ ግን እቲ መለኮታዊ ኃይሊ ምስ ሥጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሃሂዱ፣ ፍጹም ሰብ ከማና፣ ኮይኑ ብምሉእ ዓይንና ክንርእዮ ክንድህስሶ፣ ምብቃዕና እዩ።

እቶም መለኮታዊ ሓዊ ብሥጋ ተጋሪዱሎም ምስኡ ዝነበሩ ደቂ መዛሙርቱ ከምዚ ክብሉ ሓቢሮም።እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ሕይወት 1 ዮሓ.11

ቅዱስ ያሬድውን ዘኢይትገሠሥ ወዘኢይትለከፍ ዘመልዕልተ ሰማያት ዘመልዕልተ ሥልጣናት ወገብረ መንጦላዕተ ሥጋ ሰብእ መዋቲ ወረደ ዲበ ምድር ወአንሶሰው ውስተ ዓለም በበሕቅ ልሕቀ በ፴ ክረምት

በዮርዳኖስ ተጠምቀ፡፡  ቅዱስ ያሬድ ዚቅ ዘጥምቀት።

ትርጉም፣ እቲ ዘይተሓዝ፣ ዘይትንከፍ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሥልጣናትን ዚነብር፣ መዋቲ ሥጋ ሰብ መጋረጃ ገይሩ፣ ናብ ምድሪ ወረደ፣ ኣብ ዓለም ተመላለሰ፣ ኣብ 30 ዓመት ኣብ ኦርዳኖስ ተጠምቀ።

 

ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ ሥላሴ ክገልጽ ዝኽእል ፍጡር ዓቕሚ ሰብ እኳ ፈጺሙ ዘይከኣል እንተኾነ እቲናይ ክርስቶስ ተልእኾኡ ናባና ግን ንጹር ኣፍልጦ ክህልወናይግባእ

ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን ሎሚ ኣብዛ ፈተናን ሽግርን ዝመልኣ ዓለም ካብ ከንቱ ስምዒትን ዘይፍልጠታዊ ኣተሓሳስባን ወጺእና፣ ኣብ ዘይግብኣና ቦታ ከይንህሉ ክንጥንቀቕ ይግባእ እዩ።

ሎሚ ከይተረድኦም ብዙኃት ግሩሃት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ካብ ዝሰምዕዎን ዝተወርየን ተበጊሶም፣ ፍጹም ሠረት ናይ ሥነ-መለኮት ትምህርቲ ዘይብሎም፣ ኣብ ብዙኅ ጌጋታት ይወድቁ ኣለዉ። እቲ ኣብዚ ጊዜ እዚ ብሓደገኛ መገዲ ዝጎዓዝ ዘሎ ናይ ሓዲሽ ዘመን ምንቅስቓስ (New age movement) ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ ብዘስፋሕፍሖ ዘሎ ሓደገኛ መንገዲ ብዘይርድኢት ይብከሉ ኣለዉ።

ሕልፍ ሓሊፎም ሰኣን ትርጉም ቃል ኣምላኽን ትምህርት፣ ንሰባት ማዕረ እግዚኣብሔር ወልድ ብምስራዕ፣ እገሌ ንእግዚኣብሔር ኣብ ርእይዎ እዩ፣ ብዝብል ኣዝዩ ሓደገኛን ግጉይን ትምህርቲ ኣብ ክብሪ ኣምላኽነትን ሥልጣንን እግዚኣብሔር ወልድ ተዳፈርቲ ይኾኑ ኣለዉ።

 ሕልፍ ሓሊፎምውን ከጋግዩሉ፣ ይፍትኑ ስለ ዘለዉ፣ ርግእ ኢልና ክርስትና እምነትና ኣስተውዒልና ክንከይድን መጽሓፍ ቅዱስ ብመፈስ ኣምላኽን ብማዕዳ ምኽርን ኣቦታትን ተኸቲልና ክንከይድ ይግባእ እዩ።

ይቕጽል…….

ርሑስ በዓል ጥምቀት (ኤጲፋንያ) ይግበረልና።

ዕዝራ ጸሓፊ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div