S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ረዚን ቃል ናይ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዩ። እንሆ ድማ እቲ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ ቃሎም 

አብ ቅድሚ ዓይንና ክፍጸም ከሎ ንርእዮ አሎና። ከምይሲ 3ይ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ብመሠረቱ ምስ ዮፍታሔ ይኹን ኣባላት ሲኖዶስ፡ ከምኡውን ምስ መንግስታውያን ሓለፍቲ ዘሰሓሓቦም ቀንዲ ጉዳይ “ልዕልና ሕጊ ይከበር” ብምባሎም ጥራይ እዮም። ከምቲ አብ መርበብ ሓበሬታ ተዋሕዶ ዳት ኦርግ ዝወጸ፥ ጠንቂ ናይቲ ሽግር ብመሠረቱ ደፋር ዮፍታሔ ድሜጥሮስ ብገዛእ ኢዱ ነቲ መንፈሳዊ መማሓደሪ ሕጊ ቀሊሱ ንነብሱ ምሉእ ሥልጣን ዝህብ ዓንቀጻት ብምውጽኡ እዩ። ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ድማ ነዚ ልዕሊ ሕጊ ምዃን ናይ ዮፍታሔ ሸለል ክብልዎ አብ ዘይክእልሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ነታ ዝመሓልኩላ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን ንሓዋርያዊ-ሓላፍነተይ አየዝልቕን ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባል፡ አንታ! ክንደይ’ ከ ትደፍር? ምምሕያሽ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን እኮ ሓላፍነት ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ጥራሕ እዩ። ንስኻ ደኣ መን ምስበለካ ኢኻ ብገዛእ ርእስካ ሕጊ-ተዋህዶ ትቅይር ? በልዎ። ግናኸ ዮፍታሔ በዓል ጊዜን ዝአመኖ ስለ ዘለዎን ብ3ይ ፓትርያርክ ብወግዒ ተወጊዙ እንከሎ፥ እንሆ ልዕሊ ፓትርያርክ ኮይኑ ድላዩ ይገብርን ይዕንድርን አሎ። እቶም ናይ አምላኽ ክቡር ሰብ ግና ኣቐዲሞም ብቃሎም አጠንቂቖምን ነጊሮምን እዮም።

ከምቲ “መርገም ወላዲስ፥ እንተ ዘይቀተለስ የዕነኒ” ዝበሃል እንሆ ነቲ ከምድላይና ኢና ንገብር ዝበለ፡ ብመርሕነት ዮፍታሔ ተጨውዩ ዘሎ ሲኖዶስ ከም ኢዱ ይረክብ አሎ። ምኽንያቱ “ከታሪ ክኽተር፥ ዓማጺ ክዕመጽ፥ ሕጊ ዝጠሓሰ ብሕጊ ክርገጽ” ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ብትሪ ተዛሪቦም እዮም። ከምኡውን “ኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል።” (ምሳሌ 22:28) ዝብል ቃል ቅዱስ ጽሑፍውን ብመሰረቱ “ደረት ሕጊ” ከተዝብል ከሎኻ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ምፍላጥ የድሊ። ብመስረቱ ልቦና እንተሎ? ቅድሚ ደረት ምዝባልካ ከኣ ንምታይ እዩ እዚ ደረት ተጌሩ? ኢልካ ምሕታት አድላዪ ኢዩ። ሕጋዊ ፖትርያርክ ብሕይወት ከሎ ብዘይ ቀኖናዊ አገባብ አይትካእ እዩ፡ ዝብል ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ከኣ ኣብ መጀመርያ ጉባኤ ኒቅያ ዝጸደቀ ጥንታዊ-ሕጊ(ደረት)፡ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሓድነት ንምሕላውን ሓዋርያዊ ሰንሰለት ንምትሕልላፍን ዝቖመ እዩ (ማቴ 28:19-20)። እዚ ሕጊ ክኽበር ኩለን አሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ብሕልፊ እተን ሓዋርያዊ ሕብረት ዘለወን አጢቢቀን ይሰርሓሉ አለዋ። በዚ ምኽንያት ከአ እዮም እኒ ቀይዲ በተኽ ዮፍታሔን ሰዓብቱን አብ ምቕባእ መበል 118 ፖፕ ናይ ኣለክሳንደርያ (ግብጺ)ዘይተኻፈሉ። እታ ቅድሚ 7ተ ዓመት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝበልዋ “ንሕጊ እንተረጊጺካዮ ተመሊሱ’ዩ ዝረግጽካ” ትብል ቃል ብተግባር ትማሊ አብቲ ኩሉ ዓለም ዝተሳተፎ ምቕባእ ናይ ፖፕ ቴዎድሮስ 2ይ ተፈጺማ ኣላ። እወ!  እታ ዝረገጽዋ ሕጊ ተመሊሳ እባ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዓለም ረጊጻቶም። እዚ ጥራሕ ከይአክል ከኣ አብ ዝተፈላለዩ ዓለም-ለካዊ ጉባኤታት ብሕልፊ ኣብ ናይ አሓት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ዝግበር ጉባኤታት ጉጅለ ኣቶ ዮፍታሔ ፈጺሞም ንኸይሳተፉ ኩልኩላት እዮም። እምበር መን ርሒቁ ወይ መን ቀሪቡ? ምኽንያቱ እቲ ዝዘርእዎ እዮም ዝዓጽዱ ዘለዉ። እዚ ከኣ በቲ ምንሳሕ ዝኣበየ ልቦምን፥ ጭካነ ዝመልኦ ተግባሮምን ዝመጾም ዘሎ ውርደትን መቕጻዕትን  እዩ። ይኹን እምበር ሕጂውን ውግዘትን መግናሕትን ዝሰምዑ እንተ ኮይኖም ዝኣክል ጊዜ ኣብ ቅድሚኦም ኣሎ። እቲ እነምልኾ አምላኽሲ ነስሓን ጣዕሳን ዝፈቱ ብዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ!

እንተ ዘይኮነ ግና እዚ እንርእዮ ዘሎና ቀቀሊሉ እዩ። ልዕሊ ኩሉ አምላኽ ዝገደደ መዓት ከየውርደልና ብሓቂ ጸሎትን ንስሓን ዘድልዮ እዋን እዩ። እቲ ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፥ እቲ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንዓይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ።” (ሉቃስ 10:16) ዝብል ቃል መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዘልናዮ ግዜ ዝግስጽ ማዕዳ እዩ። ስለዚ እምበኣር ብዘይ ወዓል ሕደር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ምሉእ ሓላፍነቶምን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ይመለሱ። ነቶም ብምኽንያት እምነቶም ጥራይ ተአሲሮም ዘለዉ ኩሎም ውጹዓት ድማ ብህጹጽ ይፈትሑ። “ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።” ሉቃስ 21:33 ዝብል ቅዱስ ቃል ከተሓሳስበና ኣለዎ። እቶም ቅቡአት ናይ አምላኽ ኣገልገልቲ’ውን ቃላቶም  መንፈሳዊ ሓይሊ አለዎ እዩ፡፡ እንሆ እኳ ቃል ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሓይሉን ሳዕቤኑን ብተግባር ንርእዮ ኣሎና። እምበኣር ኣምላኽ ምእንቲ ክዕረቐና፥ ናብ ሓቅን ዕርቅን ንመለስ። ቃል አምላኽ ዝከብረሉን፡ ሓዋርያዊ ቀኖና ቤተ ክርስቲያንና ዝጸንዓሉ ግዜ ይሃበና።

እቶም ሓዋርያዊ ሕግን ሓቅን ሒዞም ኣሰር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣሰር ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ዝስዕቡ ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ግና አምላኽ ስለ ዘይሓደገና፥ ብመሪሕነት ብፁዕ አቡነ መቃርዮስን ብሳላ ጽኑዓት አቦታትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ሓዋርያዊ ቀኖና ተኸቢሩ ይርከብ አሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና  ምስተን ኣሓት ሓዋርያውያን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ተሰሪዓ ትርከብ አላ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ሕጊ ንዘኽበረ እታ ሕጊውን ተኽብሮ ዝለዝኾነት አብ ዓለም-ለካዊ ጉባኤታት ንኽሳተፉ መሰልን ዕድልን ረኺቦም ንርእዮም አሎና። ወላኳ አብ ሓንቲ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ገለ ንሕጊ ዘኽብሩ ዝእዘዙን፥ ገሊኦም ከኣ ንሕጊ ዝግህሱን ዝጥሕሱን ክልተ ዝተፈላለየ ምርጫ ኣብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን እንተ ኾነ፥ እቲ ኣብ እብዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ መንፈሳዊ-ፈተና ግና ንሱ እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ወይ ንሓቂ ክስዕብ ወይከኣ ኣንጻር ሓቂ ደው ክብል  እቲ ምርጫ ነናትና ይኸውን! እግዚኣብሔር ሰላሙን ጸጋኡን ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን የብዝሓልና።

ኣምላኽ ሰማይ ጥዕናን ሰላምን ንፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ይሃበልና!

ንብፁዕ አብነ መቃርዮስ ከአ አብ ጉስነቶምን አገልግሎቶም ዓወት ይሃበልና!

ዲያቆን ፀሃየ መንግስትአብ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div