S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍርሓት እግዝአብሔር

ፍርሓት እንታይ ኢዩ ? ኣብ  ክርስትያናዊ  ህይወትና'  እንታይ  ትርጉም  ኣለዎ ዝብል  ብመጽሓፍ  ቅዱስ

ብክልተ ዓይነት ክንገልጾ ክፍትን ኢና። ነዚ ከኣ ብስጋዉን መንፈሳዉን ኢልና ሰሚናዮ ኣለና እዚ ማለት ከኣ ስጋዊ ማለትና ናይ ካብ ፍቃደ ኣምላኽ ዝወጹ ፍርሓት ክኸውን ከሎ፡ መንፈሳዊ ከኣ ናይቶም ፍቃድ ኣምላኽ ዝገብሩ ማለትና ኢዩ።

1. ስጋዊ ፍርሃት- እዚ ፍርሃት ብሓጢኣት  ዝመጽእ ዓይነት ፍርሃት ደቂ ሰባት ሕጊ ምስ ጠሓሱ ፡መቅጻዕቲ እግዝአብሔር አምላክ አብ ልዕለኦም ከም ዘሎ ፈሊጦም ምስ አንቀትቀጡን ምስ ረዓዱን ዝተፈጸመ ፍርሃትዩ። ''ድምጽካ አብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩ…''(ዘፍ፡86)ክብል ኣዳም ሕጊ ብጥሓሱ ፈርሔ፡አዝዩ ብምፍርሑ ድማ ካብ ገጽ እግዝአብሔር ሃደመ ''ረሲአን ዝሰጎም ዜብሎም ይሃድሙ ''ከም ዝበሎ ጥበበኛ ሰለሞን ( ምሳሌ28.1)ኣዝዩ ተጨነቀ ርዓደን፡ሕፍረቱ ከኣ ከይዱ ብቆጽሊ በለስ ሸፈነ። ከምኡ'ዉን እቲ ካብ ኣዳም ቀጺሉ ዝመጸ ቃኤል ንሓዉ ኣቤል ምስ ቀተሎ ብሰሪ ሓጥያቱ ኣዝዩ ፈርሔ ከምዚ ክብል ከኣ ተዛረበ ''ዝረኸበኒ ኩሉ ክቀትለኒ እዩ’’(ዘፍ 414) እምበኣር ነስተውዕል ህዝቢ ክርስትያን፡ ኣብዚ ልዕልና ዝረኣናዮ ጥቅስታታ ሓጥያት ምስራሕ ማዕረ ክንደይ ከቢድን ናይ ኣእምሮ ነውጽን ፍርሃትን ከም ዝትሕዘና ክንርዳእ ብቀሊሉ ንኽእል።ብርግጽ እዚ ዓይነት ፍርሃት ካብ ፍቅሪ እግዝአብሄር ዘይምርዳእ ዝነቅል ስጋዊ ፍርሃት ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ፍርሒ  ከምቲ ኣብ ያእቆብ ዝገለጾ (ያዕ 219) ሰይጣናዊ ፍርሓት' ኣጋንንቲ  ልክዕ ከምዚ ዓይነት ፍርሃት ኢዩ ዘለዎም

ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ኸምዚ ዓይነት ፍርሂ ነጻ ከም ዝወጻና ይገልጸልና ''ንስካትኩም'  ነቲ ብኡኡ ጌርና ኣባ  ኣቦ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኩም እተቐበልኩም እምበር መንፈስ ባርነት ከም ብሓዲሽ ንፍርሓት ኣይተቀበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላክ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላክ እዮም።(ሮሜ 815)ክብል የረድኣና።

2. መንፈሳዊ ፍርሃት፡- እዚ ዓይነት ፍርሃት ካብ ቀዳማይ ዓይነት ፍርሃት ዝተፈለየ እዩ፡ እዚ ዓይነት ፍርሃት ብሓጥያት ምክንያት ዝመጸ ዘይኮነ፡ ካብ ፍጹም ፍቅሪ እግዝአብሔርን ካብ ፍጹም ትሕትናን ተአዛዝነትን   ዝነቅል እዩ። ምስ' ቀዳማይ ፍጥረት ኣዳም ቅድሚ ሓጢኣት ምግባሩ  ኣብ ገነት ከሎ ዝነበሮ ዓይነት ፍርሓት ከኣ ሓደ ኢዩ፡ናብ ምስጋናን ውዳሴ እግዝአብሄርን ከኣ ይመርሓና።እዚ ዓይነት ፍርሓት ናይ ጥበብ ኩሉ መጀመርያ ኢዩ(ምሳ 17.ምሳ910)።ነዚ ስለ ዝተረደአ ኢዩ ዘማራይ ዳዊት ''ፍርሃት እግዝአብሄር ክምህረኩም ንዑ ስምዑኒ'' (መዝ 3411)ክብል ዝጽውዓና። አቦና ኣብርሃም በዚ ዓይነት ፍርሃት ንእግዝአብሄር ኣምላኩ ዝፈልጦ ። ''ንእግዝአብሄር  ከም ትፈርህ ሕጂ  ፈሊጠ ኣለኩኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ ፡እግዝአብሄር ይርኢ  አሉ ኣውጸኣላ።(ዘፍ 2212-13) ንእግዝአብሄር ዝፈርሁ ሰባት ፡ኣዕንቲ እግዝአብሄር ኩሉ ሳዕ ናብኦም ኢዩ ዝጥምታ። ዝገበርዎ ኩሉ ከኣ ይሰልጦም። ንያዕቆብ  ኣብ መከርኡ ምስኡነበረ፡ ከምዚ ክብል ከኣ ያዕቆብ ተዛረበ'' ኣምላክ ኣቦይ፡ እቲ ይስሓቅ ዝፈርሆ ኣምላክ ኣብርሃም ምሳይ አንተ ዘይህሉ፡ ብርግጽ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዝአብሄር ግና እቲ መከራይን ድኻም ኢደይን ርእዩ ትማሊ ለይቲ ገንሓካ''(ዘፍ 3142)። ክብል እግዚአብሔር ኣብኡ ዝገበሮ ርህራሔ ይገልጽ። ኩሉ ግዜ መልአክ እግዝአብሄር ምስ ኣምላክ ዝፈርሁ ይሰፍር ኩሉ ዕዮኦም ከኣ ይባርክ ካብ ብዙሕ መከራ ከኣ የናግፎም (መዝ 347)።ኣብርሃም ንወዱ ክስውእ ከሎ እቲ መልአክ ምስኡ ነበረ። እቲ ናይ ኣምላክ ሰብ ኤልሳዕ ነዚ ስለ ዝረኣየኣ ኢዩ፡ነቲ ጊልያኡ ኣዕንቱ በሪሁ ንክርኢ ዝለመነ (2 ነገ 616-17)። ክቡር ኣንባቢ ብመላእክቱ ተዓጂብካ ካብ ኩሉ መከራኻ  ክትድሕን ካብኡ ዝዓቢ ጸጋ  ዘሎ' ይመስለካ? ብፍጹም። ርአ በል ፡እግዚአብሔር ነቶም ዝፈርህዎ ከምዚ ኢዩ ዝገብረሎም። ፍርሃት እግዝአብሄር ዘለዎም ሰባት ልዕሊ ዝኮነ ነገር ክቡራትዮም፡ እቲ ንዕኦም ዘክብር ከኣ ንእግዝአብሄር  ዘክብር እቲ ዘማራይ ብዛዕባዚ ክዛረብ ''ንፈራህቲ እግዝአብሄር ግና ዘክብሮም'' (መዝ 154) ክብል ይዛረብ ''ነቲ ነዚ ዝገብር ኣብ ቤት እግዝአብሄር ንዘለኣለም ይነብር ክብል ወሲኩ ይነግር''። ኣቤት ክንደይ ደስ ዘይብል ቃል!!!!!

ሰሎሞን ብዛዕባ ፍርሓት እግዝአብሔር ክዛረብ፡ ''ንእግዝአብሄር ፍራህ ትእዛዙ ውን ኣክብር (ሓሉ)''(ምሳ87) ይብል ንእግዝአብሄር ዝፈርሁ ሰባት ንጸሎቶም ዝዓግቶ የብሉን። ቀርነሎዎስ እቲ ሓለቃ ምእቲ ንአምላክ ዝፈርህ ዝነበረ ሰብኣይ ከምዚ ዝብል ቃል በቲ መልአክ ተነግሮ ''ጸሎትካን ምጽዋትካን ንመዘከርታ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ  ደይቡ ኢዩ'' ክብል ተዛረቦ ክቡር ኣንባቢ  ናብ ከምዚ ዝበለ ጸጋ የብቅዓና ፡፡ኣሜን!!!

ክቡር ኣንባቢ ንሕና ኦርቶዶክሳውያ ከምቶም ንክርስቶስን ወንጌሉን ዘይተቀበሉን  ብእኡ ዘይኣምኑን ዝፈርህዎ ፍርሓት ክንርሕቅ ኣለና (. 2425)ብዙሓት ከም ፊሊክስ በዚ  ስጋዊ ፍርሓት  ምስ ኣምላኽ  ካብ  ምንባር ተዓንቂፎም'ዮም ንሕና ግና ብክርስቶስ ካብ ከምዚ ዓይነት ፍርሓት ነጻ ወጺና ኢና ።እቲ ንሕና  ክንፈርሆ ዝግበኣና ነገር' ንድሕነት ነፍስና ደኣ ክኽውን ኣለዎ።''ከምቲ ኩሉ ሳዕ እተኣዘዝኩሞ ፡ብፍርሃት ራዕድንን ምድሓንኩም ፈጽሙ''(ፊልጲ 22)።ሓዋርያ ጴጥሮስ'ውን ''ኣብዚ ናይ ዕሽነትኩም ዘመን ብፍርሃትን ፍቅርን ንበሩ'' (1 ጴጥ 117) ይብል። ስለዚ ኣምላክ ካብ ትዕቢት ንክሕልወና ንለምኖ (መዝ 1913)''ንባርያኻ ካብ ትዕቢት ሓልዎ፡ኣብ ልዕለይ ከይስልጥን ውን ዕገቶ ምሉእ ክከውን፡ ካብ ዓቢ ኣበሳ ውን ክነጽህ እየ''ንበል።ሽዑ እግዝአብሔር ከምዚ ኢሉ ክምልሰልና ኢዩ''ካባይ ከይዘብሉ ከኣ ፍርሓተይ ኣብ ልቦም ከሕድር እየ'' (ኤር 3240)። ኣብ መወዳእታ  ንእግዚአብሔር ኣምላክ ኣቦና ስለ ዝኮነ ነኽብሮ፡ ንጉስና ስለ ዝኾነ ንፍርሓዮ ጋሳና ስለ ዝኮነ ነፍቅሮ። ብፍርሓት እግዝአብሔር ንንበር!!!!                                      

ስብሓት ለእግዚአብሔር

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div