S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስርዓተ ማህሌት

ማህሌት ካብሃለየዝብል ቃል ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ዘመረ፡ ኣመስገነ  ማለት ኢዩ። ካብዚ ትርጉም ተበጊስና

እንተ ርኢናዮ ማህሌት ክንብል ከሎና ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያንና ንእግዚኣብሔር ዝቐርብ ምስጋና ማለት ኢዩ። እዚ ኣገልግሎት ካብ ኣብ ቤተ-ክርስትያንና ዝግበር ኣገልግሎታት ደድሕሪ ስርዓተ ቕዳሴ ብቐዳማይ ደረጃ ይስራዕ። ስርዓተ ማህሌት ጥንታዊ  ክኸዉን  እንከሎ ዝተጀመረሉ ብቅዱስ ያሬድ ጊዜዩ፡ ጀማሪኡዉን ባዕሉ ቅዱስ ያሬድ ሙኻኑ ይጥቀስ። ኣብ ስእሊ ናይ ቅዱስ ያሬድ እንተ ተመልኪትናዉን ሃጼ ገብረመስቀል ብበትሪ መንግስቶም ጫፍ እግሩ ክወግዎ ከለዉ፡ ብማህሌት ተመሲጦም ሙኻኑ ንክትርዳእ ብዙሕ ኣጸጋሚ አይኮነን፡ ታሪኽ .ያሬድ እዉን ነዚ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ስርዓተ ማህሌትስቡሕ ወውዱስኢሉ ጀሚሩ ብንኡስን ዓቢይን ኣመላሊስካ ደድሕሪ ምምስጋን፡ ናብ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ክፍሊ ናብነግስይሰግር። ነግስ መዓልታዊ ዝበጽሕ ናይ ስላሴ፡ .ማርያም፡ መላእኽቲ፡ ጻድቃንን ቅዱሳንን  ምስጋና ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብኣዝዩ ፍሉይ ኣገባብ ከም መልክዐ መልክዕ ብሰረዝ ዝተባህለ ኣገባብ ቅኔ ዝተደርሰ ኢዩ። እዚ ግጥሚ ከም ሓደ ቀይሕ ሽጉርቲ ድርብ ሓሳባት ምስጢር ተሰኪሙ፡ ኣብ  ልዕሊ ምስጢር ካልእ ምስጢር ደሪቡ ተታሒዙ ብዉሕሉል ኣገባብ ዝተደርሰ ኢዩ። ነግስ ብከመይ ነግስ ተባሂሉ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ የለን፡ ነዚ ዝመሳሰልመልክዐ ጉባኤኢልና ንጽዉዖ ካልእ ኣለና፡ እዚ ዝተሰየመሉ ምኽንያት መልክዐ መልክዕ ጠርኒፉ ስለ ዝሕዝ ናይ መልክዐ ጉባኤ ዝብል ሽም ተዋሂብዎ። ካብ ነግስ ንበዓል ዝዉክል ተፈልዩ መረግድ ምስ ተሃርመ፡ ናብቲ  ካብኡ ቀጺሉ ዝመጽእ  ክፍሊ ይሰግር፡ ንሱ ከኣ ናይ መዓልቲ/በዓል መልክዕ ኢዩ። ካብዚ ፍልይ ዝበለ ኣብ ነግስን መልክዕን ኣትዩ መረግድ ዝህረም ካልእ ኣለና፡ ንሱ ከኣዚቅዝበሃል ክፍሊ ኣቋቋም ኢዩ። እዚ ዚቅ ዝበልናዮ ብኻልኦት ብድሕሪ  . ያሬድ  ዝመጹ ሊቃዉንቲ  ዝተደርሰ  ኮይኑ ደራሲኡ  ብርግጽ  ኣይፍለጥን ኢዩ፡ ቃል ብቃሉ ግና ካብ ኣምሓርኛ ኮይኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ሙኻኑ ንምንጋር ካብ “ዝቅ”  ዝብል ቃል ናይ ኣምሓርኛ ከም ዝወጸ ይንገር፡ ዝኾነ ኾይኑ ግና እቲ ዝዝየም ዝዝመም ኩሉ ካብ  ሰዓታት፡ ኪዳን፡ ዝማሬ መዋስዕት፡ ደጕዓ  ካልእን ተዋጺኡ ዝተዋሃሃደ ኢዩ፡ ጠቕላላ ቁጽሩ ክሳብ 1610 ዝበጽሕ  ኮይኑ ገለ ገለ  እዉን  ኣብ ቁጽሪ  ዘይኣተወ ክህሉ ይኽእል  ኢዩ። ሓደ መልክዕ  ክሳብ ሰለስተ ዚቅ እንተ ኣለዎ ካብኡ ግና ሓደ መሪጽካ ኢኻ ትጥቀመሉ። ሓደ ሓደ ግዜ ዚቅ ላዕላይ ገዛን ታሕታይ ገዛን እንዳ ተባህለ ይፈላለ ኢዩ፡ እቲ  ቀንዲ  ግና ብኣባ ጃሌው ዝተጻሕፈ ዓብሊሉ ዝርኤ፡ ካብዚ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረክበ መረግድ ይህረም። ስንክሳር ተነቢቡ ምስ ተወድኤዓርኬንበዓል ዝትንክፍ ኮይኑ ምስ ዝርከብ መረግድ ይህረም፡ ኣብ ዓርኬ ግና እዚ ኣቐዲምና ክንብሎ ዝጸናሕና “ዚቅ” የብሉን ኣብኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣብትምህርተ-ህቡአት”(ኣብ  ዘመነ ስብከትን  ጥምቀትን  ዝበሃል አካል  ማህሌትእዉን የለን። ካብዚ ቀጺሉ ናብ ምልጣን  ይሰግር፡ እዚ ምልጣን ካብዞም  ክንብሎም ዝጸናሕና ዝተፈልየ ኢዩ። እዞም ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ከም ሓደ ክፋል እንተ ርኢናዮም ከም ቀጺሉ  ዝመጽእ ካልኣይ ክፋል  ንርእዮ።

ምልጣን

ምልጣን ዝበሃል ብእስመ ለዓለም  ተቃንዩ  ብአንገርጋሪ  ተመሪሑ  ዝዝየም፡ ዝጽንጸል  ብጠቕላላ  ዝዝመር  ኢዩ። ብሕጽር  ዝበለ ኣገላልጻ ምልጣን ዝበሃል ኣንገርጋሪ ጥራይ ብስፍሕ ዝበለ ግና እስመ ለዓለም፡ አንገርጋሪ፡ ሰላም ኩሉ ብሓደ  ምልጣን ይብሃል። ኣላዕላ መቆምያ፡ ኣወዳድቃ ጻናጽል፡ ድምቀት ቃለ እግዚኣብሔር ዝራኣየሉ በዚ ምልጣንዩ። ትምህርቲ  አቋቋም ትኩረት ሂቡ ካብ  ዝህበሉ  ኣብዚ ግዜ  ኢዩ ማለት ዝማሜን  ጸናጽሉን ብምፍርራቕ ብየማን ጸጋምን ይበሃል፡ እዚ  ድርብ ኣበጻጽሓ ይበሃል። ናይ በዓል ማህሌት በዚ ይፍጸም፡ ሰላም ጸፊዖም መዛዘሚ ይገብሩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ዓመታዊ   በዓል ክከዉን ከሎ ካብዚ ከይሓለፉ ጠጠው ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም ምኽንያቱ መልክዐ መልክዕ፡ ዚቅ፡  ወረብን ፡ምልጣንን  ከብጽሑ  ግዜ  ስለ  ዝወስዱ

መሳርሒ ማህሌት

ኣብዚ ዓለም ንወዲ ሰብ መግለጺ ሓጎሱ ሙዚቃዩ፡ ስለዚ ነዚ ዘገልግሉ መሳርሒታት ኣለዉ። ደቂ ሰባት ኣብ ስጋዊ  ህይወትና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናዉን ንስሚዕትና ማራኪ መታን ክኸዉን መዝሙር ክንዝምር ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቃድ መኻኑ ብነብያት ኣቢሉ ይዛረብ። ንባዕሉ  ጎይታዉን ምስ ደቀ መዛምርቱ ብዕለት ሓሙስ ብሓደ ዘመረ፡ ኣመስገነመዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ከኣ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ “(ማቴ 2630) ኣብ ማህሌት ንጥቀመሎም መሳርሒታት ፍሉያት ኮይኖም ነዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

1) መቖምያ

መቆምያ ማለት መደገፊ ማለትዩ፡ እዚ ኣብ ናይ ጥንቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ኣገልግሎት ስርዓት ከቢድ ስለዝነበረ፡ ኣብ ዉሽጢ ቤተ ክርስትያንዉን መዕረፊ ወንበር ስለ ዘይነበረ ስርዓት ተጀሚሩ ክሳብ ዝዉዳእ ጠጠዉ ክብሉ ስለ ዘለዎም መቆምያ ግድነት ተጀመረ። እዚ መቆምያ ንመደገፊ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዜማ ቤተክርስትያን ከም መሐበሪ (መዘመሚ) ኮይኑዉን የገልግል ኢዩ። ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርሰትያና ዝማሜ ብመቖምያ ጥራይ ዝፍጸመሉ ግዜ ኣሎ፦ንሱ ከኣ ኣብ እዋኑ ኣብ ዓቢይ ጾምን ሓዘንን ኢዩ። ኣብ ናይ መቖምያ ዝማሜ፡ መቖምያ ካብ የማን ናብ ጸጋም እንዳኣዋዛወዙ ወይ ዘሚሞም ምስ ወድኡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ክውርውርዎ ንርኢ ኢና-እዚ ከኣ ምሳሌ እቲ ኣይሁዳውያን ንክርስቶሰ ካብ ሓና ናብ ቀያፋ፡ ካብ ቀያፋ ናብ ሓና መላሊሶም ደሓር ኣብ መስቀል ከም ዘሰቀልዎ ኣብ መወዳእታ ከም ዝቀበረዎ ዝገልጽ ትምህርቲ ኢዩ።

 

2) ጸናጽል

ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያንና ኩሉ ሞልጣን፡ መዝሙር፡ ዘማሜ ነዚ ዘመስል ቃል እግዚአብሔር በመቖምያ ደሕሪ ምዝማም ናብ ጸናጽል ይአትው፡፡ ጸናጽል ዝበሃል ብገዛእ ርእሱ ኣዝዩ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ ኮይኑ፡ መልክዑ ኣዝዩ ብውቕብ ኣሰራርሓ ዝስራሕ መሳርሒ ኢዩ። ኣጀማምርኡ ብዕብራውያን ኢዩ። ንሕና ብናይ ዳዊት መዝሙር ኣቢልና ነዚ ስርዓት ተቀቢልናዮ። ዳዊት ንርእሱሰብሕዎ በጸናጽል ዘሰናይ ቃሉይብል፤፡ እዚ መሳርሒ ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያንና ካብ ብሩር፡ ነሓስን ሓጺንን ዝስራሕ ኮይኑ፡ ናቱ ኣላዓዕላ ንኡስ መረግድ፤ ዓቢ መረግድ ለዘብ፡ መልስ፡ ወረብን ካልእን ዝኣቱ መሳርሒ ኢዩ። ጸናጽል ኩሉ ግዜ ምስ ከበሮ ኮይኑ፡ ንበይኑ ግና ኣይአቱን ኢዩ።

3) ከበሮ

ከበሮ እንበሎ መሳርሒ ኣብ ኣገልገሎት ቤተ-ክርሰትያን ዝውዕል ፍሉይ ድምጺ ዘለዎ ዉሽጡ ተበርቢሩ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ኮይኑ ብቖርበት ዝተሽፈነ ኢዩ። ንከበሮ ዝመስል ንነጋሪትን ሙዚቃን ዝጥቀምሉ ነጋሪት ዝብሃል ካልእውን አሎ። ኣሰራርሕኡ ሓደ ዓይነት ኮይኑ፡ ፍልልዮም ከበሮ ክልተ(2) ኣፍ ስለ ዘለዎ ኢዩ። እዚ ዓይነት መሳርሒ ናብ ሃገርና ዝኣተወ ምናልባት እምነት ኦሪት ናብ ሃገርና ምስ መጸ ኪኸውን ይኺእል ኢዩ። ምኽንያቱ ዘማራይ ዳዊትሰብሕዎ በከበሮ ወበትፍስህትስለ ዝብል። ነዚ ኣገላልጻ በምኽታል ጥንታዊያን ኣቦታት ይጥቐምሉ ከም ዝነበሩ ይጥቀስ። ምናልባት ኣብ ብዙሕ ወገናት ኣፍሪቃ ከበሮ ኣሎ፡ ኣገባቡን ዓይነቱን ግን ምስ ናይ ቤተ-ክርስተያንና ሓደ ኣይኮነን። ኣብ ቤተ-ክርስተያንና ኣተሃራርማ ከበሮ ምስ ጸናጽል ተወሃሂዱ ዝኸይድ ኢዩ። እዚ መሳረሒ መበዛሕትኡ ናብ ደስታን ሓጎስን ስለ ዝወስድ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ኣይህረምን ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ገዳማትውን እንትርፎ ኣብ ክብረ በዓል፡ ዝውቱር ኣይኮነን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div