S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፈተና

ደቂ ሰባት ኣብ ህይወትና ብቁጽሪ ዘይብሎም ፈተናታት ንሓልፍ። ፈተና ዳርጋ ንዓና ንደቂ ሰባት ናይ ምሉእ ህይወትና ቤት-ትምህርቲ ክንብሎ ንኽእል።

ይዕበ ይንኣስ ይዉሓድ ይብዛሕ ኣብ ህይወትና ፈተና የጋጥመና። እዚ ምናልባት እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ንሰናይና ኢሉ ዝመደቦ ነገር ስለ ዝኮነ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ፈተና ነጻ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ሓደ ሰብ ከይተቃለሰ ክዕወት ኣይክእልንዩ፡ ከይተ ዓወተዉን ኣኽሊል ዝደፍእ የለን፡ ንሕናዉን ኣብ ህይወትና ከይተፈተና ዓወትና ከነረጋግጽ ኣይክኣልን ኢዩ። ምኽንያቱ ወርቂ ወርቂ ምዃኑ ዝረጋገጽ ብሗዊ ምስ ዝፍተን ኢዩ።ሰስለዚ ኩሉ ግዜ ዲያብሎስ ንኽፍትነና ዝተዳለወ ኢዩ። እንተኾንነ እግዚኣበሔር ኣብዚ ፈተና ብዓወት ክንሰግሮ ይደልየና። ኩሉ ግዜውን ኣብ ጎድንና አሎ፡ ኣምላኽ፡ ብፈተና ኣሕለፈካና፡ ብሩር ብሓዊ ከም ዚኹላዕ በፈተና ኮላዕካና፡ ኣብ መርበብ ክንኣቱ ገደፍካና፡ ኣብ ዝባንና ከቢድ ጾር ኣጾርካና፡ ጸላእትና ከም ዝረግጹና ገበርካ ብሓውን ማይን ሓለፍና፡ ሕጂ ግና ንስኻ ናብ ራህዋ ኣውጻእካናክብል ዘማራይ ዳዊት ይዛረብ (መዝ.6610-12)

ዓይነታት ፈተና

ፈተና ብሰለስተ ዓይነት ንርእዮ፦

1) ብዲያብሎስ ዝመጸና ፈተና

2) ብገዛእ ትምኒተናን ድሌተናን ዝመጽእ  ፈተና

3) ብአሕዋትና ዝመጽእ  ፈተና

ብዲያብሎስ ዝመጸና ፈተና

እዚ ዓይነት ብዲያብሎሰ ዝመጽእ ፈተና ኮይኑ ምስቲ ኢዮብ ዝተፈተኖ ፈተና ነመሳስሎ። ዲያብሎስ ኩሉ ግዜ ካብቲ ምስ ኣምላኸ ዘሎና ርክብን ፍቅርን ክፈላሊየና  ምስ ጸዓረ ኢዩ።እቶም ምስ ጎይታ ዝነበሩ ሓዋርያት ነዚ ፈተና ቁልዓት ኔሮምእንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ተመነየ ኣነ ግና እምነትካ ከይትጠፍእ  ምእንታኻ ጸልየ ኣሎኹ።”(ሉቃ.2231-32) እዚ ፈተና ክሳዕ እምነትና  ክበጽሕ ይኽእል።(ጴጥ.59) ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ፈተና ሓሊፉ ብምዕዋት ንሕናውን ከምኡ ክንዕወት ኣርኣያ ሓዲጉልና ኢዩ።ስለዚ ኣብቲ ካብ ዲያብሎስ ዝመጸና ፈተና ኣምላኽ ምሳና ከም ዘሎ ክንኣምን ኣሎናንሱ ባዕሉ ኪፍተን ከሎ ተሳቂዩ ኢዩ ፤ነቶም ዝፍተኑ ክረድኦም ይከኣሎ ኢዩ።’’(ዕብ.218)

ብገዛእ ትምኒተናን ድሌተናን ዝመጽእ  ፈተና

እዚ ፈተና ብናትና ድሌትን ስሚዕትን ዝብገስ ፈተና ኢዩ። ምናልባት ዲያብሎሰ መጀመሪ ነጥቢ ኪህበና ይኽእል ይኸውን፡እቲ ዝተረፈ ግና ናትና ድሌትን ትምኒትን ኢዩ። ‘’ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱን ተሳሒቡን ተሓቢሉን ኢዩ ዝፍተን”(ያዕ.114) ከም ቀንዲ ጠንቂ እዚ ፈተና ፍትወት ዓለምን ትምኒታቱን  ኢዩ። ‘’ እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ዲዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጥኩም ኮይኑ ዝዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ኣይኮነን” (ዕብ.41) ክብል ሓዋርያ ጳውሎስ ይዛረብ። ሓዋርያ ያዕቆብኣቱም ከሓድቲንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጸላእ ከም ዝኮነዶኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዝደሊ ስብ ጸላኢ ኣምላኸ ይኸውን” (ያዕ.44) ይብል። ፍትወት ዓለም እንተድኣ ኣልዩና ብርግጽ ኣምላኽ ምሳና የለን፡ ነቲ ፈተና ከኣ ዝተቃላዕና ኢና። ቅዱሳን ሰባት ካብዚ ዓይነት ፈተና ነጻ ኢዮም።

ብኣሕዋትና ዝመጽእ ፈተና

ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ጸሎትኩሉ ቅንኣተን፡ኩሉ ፈተናን፡ ኩሉ ግብሪ ሰይጣንን ምኽሪ ኩፉኣት ሰባትን ፡ሕቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፡ ኦ ጎይታ ካባይ ኣርሕቕኢልና ጸሎት እንገብሮ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ደቂ  ሰባት መፈንጠራ ናይ ፈተና ይኮኑና ኢዮም። እዚ ፈተና ክርስቶስውን ዝፍተኖ ዝነበረ ኢዩ። ፈሪሳዊያንን ሰዱቓዉያንን ንክርስቶሰ ካብ ልሳኑ ኣበር ክረኽብሉ ኢሎም ብዙሕ ግዜ ይፍትንዎ ኔሮም፡ ‘’ኣቱም  ግቡዛት ንምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም። (ማቴ.2218) ይብል። እዚ ፈተና ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝመጸና ፈተና ኢዩ።

ቀንዲ ጠንቅታት ፈተና

ትዕቢት

ትዕቢት እቲ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ሓጢኣት ኮይኑ፡ዲያብሎስ ኣብቲ ከረን ንክርስቶስ ክፍተኖ ከሎ ሓደ በዚ ትዕቢት ኣቢሉ ኢዩ።ስለዚ ዕቡይ ሰብ ንፈተና ዝተመደበ ሰብ ኢዩ ካብ ፈተናውን ክወጽእ ኣይኽእልን።ትዕቢት ምኽንያት ባእስን ቅንእን ኢያ ፤ኣብ ዕቡይ ሰብ ሰላም ዝበሃል ነገር።ኩሉ ህይወቱ ብመልክዕ ነበሰ ክብሪ ስለ ዝርእዮ። ካብ ብዙሕ ሰብ ተቃውሞ ይመጾ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ከይተረፈ ከም ሓደ ጠንቂ ኮይኑ ምኽንያት ዝርግርግን ዕንወት ነብሳት ኢዩ።ምኽንያቱ ውድቀት ቃኤል እታ ምስ ቅንኢ ትዓዪ ዝነበረት  ትዕቢት ኢያ(ዘፍ.46-9)

ስስዐ

ስስዔ ድሕሪ ትዕቢት ቀጺላ ትመጽእ ጠንቂ ኮይና፡ እዚኣውን ልክዕ ከም ትዕቢት ኣብቲ ዲያብሎስ  ንክርስቶስ ክፍትኖ ከሎ ዝተጠቐሞ ሜላ ተጠቂሳ ንረኽባ(ማቴ.43) ስስዔ ዘይናተካ ምድላይ ኢዩ።ደቂ ሰባት ብእግዚኣብሔር ዝህበና በረኸት እንበር ባዕላትና ነምጽኦ ከምዘይሙኻንና ካብ ዘይምስትብሃል ዝመጽእ ፈታኒ ኩነታት ወይውን ነቲ እግዚኣብሔር ዝህበና ተመስገን ኢልና ዘይምቕባል ኢዩ። ደቂ እስራኤል ከምዚ ክብሉ ንርኢእቲ ኣብ ጥቃ ስጋ ዝመልአ ቁራዕ ኮፍ ኢልና  ክንበልዕ ፤ዝደሌናዮ እንጌራ በሊዕና ከኣ ክንጸግብ ከሎና፡ብኢድ እግዚኣብሔር  ኣብ ግብጺ እንተ ንመውት ምሓሸናክብሉ ብስስዕቲ ነቲ ዝነበርዎ እንዳዘከሩ ናብ እግዚኣብሔር ከማርሩ ንርኢ(ዘፍ163)። ስስዔ  እቲ ቀንዲ ማሕለኻ ፈተና ኣብ ደቂ ሰባት ኢዩ።

ፍቅሪ ገንዘብ

ፍቅሪ ገንዘብ ልክዕ ከም ስስዔን ትዕቢትን ጠንቂ ፈተና ኢዩ። ምናልባት ኣቦታት ካብ ሓደገኛነት እዘን ነገራት ብምርዳእርእሲ ሓጢኣትአሎም ይሰምይወን። ዲያብሎስ ልክዕ ከም ብትዕቢትን ስስዔን ብዚአውን ንክርስቶስ ፈቲንዎ ኢዩ (ማቴ.48-9) ብሰንኪ ገንዘብ (ንብረት) እምነት ኣብ ደቂ ሰባት ብዙሕ ግዜ ክትጠፍእ ንርእያ።እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና ኣብ ፈተነናን መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ዕሽነት ጉድኣትን ትምኒትን ኢዮም ዝወድቑ፡ ፍቅሪ ገንዘብ ሱር ኩሉ ክፍኣት ኢዩ። ግሊኦም ብህርፋን፡ ገንዘብ ኪረክቡ ኪብሉ ካብ እምነት ዘንበሉ ፡ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” (1 ጢሞ.69-10) ክብል አነጺሩ ይገልጸልና (መክብብ 510)

ኣብ  ፈተና  ብከመይ  ንዕወት

) ጸሎት

ኣብ ማእከልኩም ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ”(ያዕ.513) ጸሎት ቀንዲ ንፈተናና እንስዕረሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎት(ንጥፈት) ኢዩ።ጎይታ ብዛዕባ ኪምህረናኣብ  ፈተና ከይትኣትውስ ጸልዩ” (ሉቃ.2240)ክብል የረድኣና ።ጸሎት እቲ እንኮ ሓገዝ እግዚኣብሔር እንሓተሉ ቋንቋውን ኢዩ።ኩሉ ቅንኣትን ፡ኩሉ ፈተናን፡ ኩሉ ግብሪ ሰይጣንን ፤ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን ፡ሕቡእን ግሁድን ምልዓል ጸላእን፡ ኦ ጎይታ ካባይ ኣርሕቅ ፤ካብ ኩሉ ህንብኻ ኣርሕቕ፤ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚውን ኣርሕቅ።እንዳበልና ከም እንጽልዮ። በዚ ጸሎት ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን መናፍስቱን ሓይሊ ንረክብ (ማቴ.1721) ጸሎት እቲ ናይ መጀመረያን ቀንድን ካብ ፈተና ዲያብሎስ  ከነምልጠሉን ክንዕወተሉን እንኽእል መንገዲ ምዃኑ መታን ክምህረና ጎይታ ባዕሉ ጸልዩ ንሓዋርያት ካብቲ ዲያብሎስ መዲብዎ ዝነበረ ፈተና ነጻ ገበሮምእንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕይኩም ተመነየ ኣነ ግና እምነትካ ከይትጠፍእ ምእንታኻ  ጸልየ  ኣሎኹ” (ሉቃ.2231-32)

) ትዕግስቲ

ትዕግስቲ ትብል ቃል ክንርኢ ከለና ፈተና ኣቦና ኢዮብ ዓወቱን ኢና እንርኢ ፤፡ እዚ ከም ቀንዲ ኣብነት ክኾንና ይኽእል  “እንሆ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ ብፁኣን  ኢዮም ንብሎም ብዛዕባ ትዕግሰቲ ኢዮብ ሰሚዕኩም ኣሎኹም፡ነቲ  እግዚኣብሔር ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉ ደበስዉን ርኢኹም  ኣሎኹም ፡ከመይ እግዚኣብሄር ለዉሃትን ምሕረትን ዝመልአ ኢዩ።(ያዕ 511)ክብል ሃዋርያ  ያዕቆብ ይዛረብ።ስለዚ ኣብ ፈተናኻ ዕጉስ ሙኻን ምንጪ ዓወት ኢዩ።

ተስፋ

ተስፋ ነቲ ዘይርእዮ ከም ዝረኣኻዮ፡ነቲ ዝመጽእ ከም ዝረኸብካዮ ነቲ ዝመጽአ  ከም  ዝኣገዳሲ ነገር ኢዩ (ዕብራ.111) ምናልባት ከም ኣብነት እንተ ርኢናዮ ተስፋ እቶም ስለሰተ መንእሰያት ናብ ሓዊ ዝተደርበዩ ኢና ነስተብህል ንጉስ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ግሁር እቶን ሓዊ  ከናግፈና ይኽእል ኢዩ”(ዳን 37) ክብሉ ተስፍኦም ገለጹ፡ ከም ተስፍኦም ከኣ ተፈጸመሎም። ኣብ ህይወትና ብእምነት ይኹን ብኻልእ ዓበይቲ ፈተነታት እንተ መጹና፡ ብርግጽ በቲ ኣምላኽ ዘዳለወልና ኣኽሊል ተስፋ ብምግባር  ነቶም ሽግራት ክንሓልፎም ይግባእ።መንፈሳዊ ምልምማድ ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእ ህይወትን ኢዩ ዝጠቅም ”(1ጢሞ 48) ሓዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎዉንኣቱም ፍቑራተይ፡ ከም ሓዊ ዝባላዕ ፈተና ክረኽበኩም ከሎ፡ ሓደ ሓዲሽ ነገር ከም ዝበጻሓኩም ጌርኩም ኣይትገረሙ፡ ንሱ ብግርማ ክግለጽ ከሎ ባህ ክብለኩም ኢዩ እሞ፡ ኣብ ስቓይ ክርስቶስ ክትካፈሉ ከለኹም ተሓጎሱ(1 ጴጥ 412-13)

ኣብ ኣምላኽ ምዉካል(ምጽጋዕ)

ኣብ መወዳእታ ነዞም ክንብሎም ዝጸናሕና መታን  ብምሉእ ክንጥቀመሎም፡ ብርግጽ ኣብ እግዚኣብሔር ልባዊ እምነት ክህልወና ኣሎዎ፡ንሱ ከአ ኣብ ኣምላኽ ምጽጋዕ ኢዩ። ኣብ ፈተናኻ፡ ካብቲ ምስ ምስቲ መጻርርትኻ ዘሎ ሓይሊ ምሳኻ ዘሎ ሓይሊ፡ ማለት እግዚኣብሔር ከም ዝዓቢ ክትአምን ኣሎካ። ዘማራይ ዳዊት  ከምዚ ይብልእግዚኣብሔር ኩሉሳዕ ምሳይ ከም ዝኾነ እፈልጥ ኢየ ምሳይ ስለ ዝኾነ ድማ ኣይክናወጽን እየ”(መዝ 168) ይብል። ቀጺሉ ነቢይ ኤርምያስ ከምዚ ይብለናግናኸ ንስኻ እቲ ሓያል ጅግና ዝኾንካ እግዚኣብሄር ምሳይ  ኢኻ ”(ኤር 2011 )ክብል ይነግረና። እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ንደገፍና ኩሉ ሳዕ ድሉው እዩ ከምቲ ዓይኒ ሰገን ናብ እንቋቕሖኣ ጥራይ ዝጥምታ ኣምላኽና ውን ኩሉ ግዜ ከምኡ እዩ። እንተኾነ ኣብ እዋን ፈተናና ናብኡ ዝርኢ ልቢ ከድልየና ኢዩነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝጽግዑ ምእንቲ ከጸናንዖም እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እዩ ኣተኲሩ ዝርኢ “ (2 ዜና 169) ንዝመጸና ፈተና መታን ክንሰግሮ ብጸጋኡ ጌሩ ይድግፈና፡ ዋላ ኣብ ደኺምና ዝተሓለልናሉ ግዜ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎድንና ኣሎ፡ ካብ ዝወደቕናዮ ከኣ የተንስኣና ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባዚ ክግለጽነሱ ከኣ ሓይለይ ኣብ ድኻም ኢዩ ዝግለጽ እሞ ጸጋይ የኣኽለካ በለኒ “(2 ቆሮ 129) ክብል ብዛዕባ እቲ ኣብ ድኻሙ ዝድግፎ ዝነበረ ጸጋ ይገልጽ ቀጺሉበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ክርስቶስ ነኹሉ እኹእሎ እየ “(ፊልጵ 43) ክብል ጸጋ ኣምላኽ ንኩሉ ከም ዘኽእሎ ይምስክረልና። ስለ ብርግጽ ሓይሊ ኣምላኽ ምሳናን ኣባናን ከም ዝዓዪ ምእማን ግድነት ኢዩ። ምስኡ ኬንና ክንዓዩ ግና ቅሩብነትና ኣገዳሲ ነገርዩ። ሽግራትናን ፈተናን ብኣምላኽ ደኣ እምበር ብጥበብና ከም ዘይንሰግሮም ክንኣምን፡ ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን ኩሉ ግዜ እግዚኣብሄር ዝደልዮ ነገርዩ።  ስለ ኣብ እዋን ፈተናና ከምዚ ክንብል የድሊረድኤትና ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝመጽእ“ (መዝ 1248) ነዚ ምስ እንብል ብርግጽ ኣብ ኣምላኽ ተወኪልና ኣለና ማለት ኢዩ። ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ እዋን ድኻምና ብኸምዚ የጸናንዓናእቶም ንእግዚኣብሄር ዝጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ፡ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጎዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን “(ኢሳ 4031)ይብለና። ኣብ መወዳእታ ካብ ኩሉ እቲ ብድያብሎስ ዝመጸና ፈተና ክንፈርህ የብልናን ፡ኣምላክ ከምዚ ይብለናምሳኻትኩም እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣነ ኣምለኽኩም ኢየኢሳ 410) ስለ ነቲ ፈተና ብኣምላኽ ዝስገር ጌርና ክንወስዶ ኣለና።

ከምቲ ንዳንኤል ኣፍ ኣናብስቲ ዝዓጸወሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዓና ውን ውዲት ሰይጣንን መናፍስቱን ይዕጸወልና

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div