S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልሲ ንሕቶኹም

ብመጀመርያ ብእግዝኣብሄር ሰላምታይ ይብጻሕኩም ኽሓተኩም ደልየ ዘለኩ ሕቶ ድማ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ስነ-ጽሕፍኹም፣ ዮፍታሄ ዚሰደዳ ኢልኩም ስለ ካተሊክ ዚሓረድዎ ስጋ ኣይትብለዑ ትብል ጽሕፍኩም፡ 

እቲ ኣጋላልጻኩም ኦርቶደክስን ካቶሊክን ሓደ ከም ምኻኑ ኢዩ  ዘስምዕ፣ ምክንያቱ እቲ ንባብ ከምዚ ይብል (ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ድማ ንሓድሕድና ተፋቒርና ንኣምላኽ ከነስምርን ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብርን ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።) ይብል ስለዚ

(1) ስለ እምነት ምስ ካተሊክ እንታይ ዘራክብ ኣለና፧

(2) ዚተፈላለየ ፍቕሪ እንድዩ ዘሎ፣ ግን እንታይ ዓይነት ፍቅሪ ምስ ካተሊክ ንኣምላክ ከነስምሮ፧ እዘን 2 ሕቶ ክትምሉስለይ ብትሕትና ይሓተኩም፧

ኣምላኸ እስራእል ምስ ኩልና ይኩን ኣሜን።

ኣምበሳጅር


ሕቶ:- (1) ስለ እምነት ምስ ካተሊክ እንታይ ዘራክብ ኣለና፧

መልሲ:- እቲ መግለጺ ካቶሊክ ዚሓረድዎ ስጋ ክንበለዕ ስኽፍ ክብለና ኣይግባእን ንምባል ዝወጸ እዩ። ካቶሊካውንያን ይኹኑ ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና። እቲ ቀንዲ ክርስቲያን ክንበሃል ዝድርኸና ሒ ነገር ድማ ንኩልና ዝምልከት እዩ። ከምውጽኢቱ ካብ ዝፈላልየና ዘራኽበና ይበዝሕ ይኹን እምበር ኣብዞም ዝስዕቡ ነገራት ግና ፍልልይ ኣሎና።

  • ምውራድ/ምስራጽ መንፈስ ቅዱስ (The Filioque Controversy)
  • ፖፕ ወይ ፓትርያርክ ጌጋ አይፍጽምን እዩ ዝብል ትምህርቲ (The Papal Infallibility)
  • ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ነጻ እያ ዝብል ትምህርቲ (Immaculate Conception)
  • መጻንሒ ቦታ (Purgatory)
  • ትውፊት (Traditions)
ሕቶ:- (2) ዚተፈላለየ ፍቕሪ እንድዩ ዘሎ፣ ግን እንታይ ዓይነት ፍቅሪ ምስ ካተሊክ ንኣምላክ ከነስምሮ፧

መልሲ:- ክርስቲያናዊ ፍቕሪ

 

ዑቅበ ዘመደ

ኣገልጋሊ/ዲያቆን ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div