S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ ፎርም 1ይ ሰመስተር 2023/24 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ነሓሰ 01 ክሳብ 21 2023 ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ መስከረም 03 2023 ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ፥ Link

ካብ ጉዳያት ተመሃሮ 

ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ

 

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ንሓድሕዳ እተፈላለየትቤት ትዓኑ።ማቴ 12:25

መግለጺ ቀኖናዊ ኣኅጉረ ስብከታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ከም ዝፍለጥ፥ ኣብ 2005 ኣብ ልዕሊ "ሰማዕት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ዝወረደ ቀኖና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገሃሰ ዓመጽ፡ ዘስዓቦ ጸገም፥ እታ ሓንቲ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተኸፋፊላ፥ ኣብ ቃልዕ ብምውጻእ ንሓድሕዳ ክትወጋገዝን ክትወናጀልን ጸኒሓን ኣላን። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ከቢድ ናይ ምፍልላይ እዋን እንከላ ድማ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ቀዲሞም፥ ሎሚውን ኣቡነ ቄርሎስ፡ ይቕረ ይፍታሕ ከይተበሃሃሉ ብሞት ምፍላዮም ኣዝዩ መሪር ሓዘን ይስምዓና። ኣምላኽ ነፍሶም ይምሓር። ዘሎናሉ እዋን ይትረፍ ተፈላሊኻ፥ ቢርካ ንምጉዓዝ'ውን ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ዘመን፥ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ኣደዳ ስደት፥ ፍልሰትን፥ ኲናትን ኮይኑ ዝበርስ ዘሎ ሕዝብና መዕረፊት ልቡን ቤት-ሰላሙን ክትኮኖ ዘይምኽኣላ ኣዚና ንሓዝን። እዚ ጾር እዚ ድማ ኣብ ዝባን ኩላትና ተጻዒኑ ዘሎ ከቢድ ዕዳን ሓላፍነትን እዩ።

ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ደ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ንዘሎ ኲናት ንምኹናን ዚወጸ መግለጺ መንበረ ጵጵስና።

“እምበኣርስከ እዚ ቃል እዚ ንገሮም፥ እታ ድንግል ጓል ሕዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፥ ብዘሰቂ ቁስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፥ ኣዕይንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ። ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ እነሆ ብሰይፊ ዝሞቱ፥ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥ እነሆ ብጥሜት ዝቓህመሙ፥ ክሳዕ ነቢይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።” ኤር. 14:17-18።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካናዳን ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ህሉው ኩነታት ኣድሂቡ ዘውጸኦ መግለጺ እንሆ።

ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን እሞ: ኣነ ድማ ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ! ራእ/ዮሓ 2፡10

ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ብማዕርግ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ካብ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ መበል 120: ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከኣ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኮይኖም፥ ሓዋርያዊ ሕግን ክርስቶሳዊ ሥርዓትን ኣኽቢሮም፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ድምጺ ዝተሓርዩ፥ ፓትርያርክ እዮም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div