S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎት - Prayer

ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ጐይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረናበሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡- “ክትጽልዩ ኸለኹም ኸምዚ በሉ፥(ሉቃ 111-2)

ጎይታ ዝመሃረና ጸሎት - ብትግርኛ

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም ዝሓደግናሎም፡በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘልኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን።

ጎይታ ዝመሃረና ጸሎት - ብግእዝ

ኣቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ። ትምጻእ መንግስትከ። ወይኩን ፈቃድከ፡ በከመ በሰማይ፡ ከማሁ በምድር። ሲሳየነ ዘለለ ዕለተነ ሃበነ ዮም። ህድግ ለነ ኣብሳነ ወጌጋየነ፡ ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘኣበሰ ለነ።ኢታብኣነ እግዚኦ ወስተ መንሱት። ኣላ ኣድኅነነ ወባልሓነ እምኩሉ እኩይ። እስመ ዚኣከ ይእቲ መንግስት ኃይል ወስብሓት ለዓለመ ዓለም።(ሉቃ 111-2)

The Lord's Prayer - English

Our Father Who art in heaven; hallowed be Thy name. Thy kingdom come. Thy will be done on earth as it is in heaven. Give us this day our daily bread.  And forgive us our trespasses, as we forgive those who trespass against us. And lead us not into temptation, but deliver us from evil, For Thine is the kingdom, the power and the glory, forever. Amen. (Luke 11:1-2)


ቤተ ክርስቲያን ዝመሃረትና ጸሎት - ብትግርኛ

እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም እብለኪ። ብሕሊናኺ ድንግል ኢኺ፡ ብስጋኺውን ድንግል ኢኺ። ኣደ እግዚኣብሔር ጸባኦት ሰላም እብለኪ ኣለኹ። ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፤ ፍረ ከርስኺውን ብሩኽ ኢዩ። ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ። ፍስሕቲ ደስ ይበልኪ፤ ሓጢኣትና ርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና።

ቤተ ክርስቲያን ዝመሃረትና ጸሎት - ብግእዝ

በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ። እግዝእትየ ማርያም ሰላም ለኪ። ድንግል ብኅሊናኪ፡ ወድንግል በሥጋኪ። እመ እግዚኣብሔር ጸባኦት ሰላም ለኪ። ብርክት ኣንቲ እምኣንስት። ወብሩክ ፍሬ ክርሥኪ።ተፈሥሒ ፍስሕት። ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምስሌኪ። ሰኣሊ ወጸልዪ ምሕረተ በእንቲኣነ ኅበ ፍቁር ወልድኪ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ። ከመ ይሥረይ ለነ ኃጣውኢነ።

The Church's Prayer (O! My Lady Mary)

O my lady Mary, with the salutation of Saint Gabriel the Angel, greetings to you. You are virgin in body and in conscience. Greetings to you mother of God of hosts. Blessed are you among women and blessed is the fruit of your womb. O full of grace, rejoice for God is with you. Pray and beseech your beloved son Jesus Christ, that he may forgive us our sins.


ጸሎተ ሃይማኖት  - ብትግርኛ

ኩሉ ብዝኃዘ ሰማይን ምድርን ዚርአን ዘይርአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ንኣምን። (ዕብ 11-6)

ብሓደ ጎይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ ኣብ ዋሕድውን ንኣምን። (ዮሓ 175)

ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ፡

ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። (ዮሓ 13)

ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ምድሓንና ካብ ሰማያት ዝወረደ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ: ሰብ ኮነ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጠናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ (ሓመመ) መከራመስቀል ተቐበለ ሞተ ተቐብረ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ተንሥኣ።(1ቆሮ153)

ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ። (1ጢሞ 316) ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐመጠ። ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ እዩ፡ ንመንግሥቱውን መወዳእታ የብሉን። (ዳን 244)

ጎይታን መሕወዪን ብዝኾነ ካብ ኣብ ብዝሰረፀ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን። ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን ብነቢያት ዝተናገረ እዩ። (መዝ 957)

ልዕሊ ኹሉ ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣምን።

ኃጢኣት ንምስትሥራይ ብሓንቲ ጥምቀትውን ንኣምን። (ኤፈ 45) ትንሣኤ ሙታንን ንዘለዓለም ዚመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር።

ጸሎተ ሃይማኖት - ብግእዝ

ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠርዓለም። ብርሃን ዘእምብርሃን አምላክ ዘእምአምላክ ዘበአማን ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ ዘዕሩይ ምስለ አብ በመለኮቱ። ዘቦቱ ኩሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ አልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ።

ዘበእንቲአነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ እምሰማያት ተሰብአ ወተሰገወ እምመንፈስ ቅዱስ ወእም ማርያም እምቅድስት ድንግል ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ በመዋዕለ ጲላጦስ ጰንጤናዊ። ሐመወሞተ ወተቀበረ ወተንሥአ እምሙታን አመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻህፍት ዓርገ በስብሓት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኰንን ሕያዋነ ወሙታነወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ። ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማኅየዊ ዘሠረጸ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወንሴብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነብያት።

ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ላእለ ኩሉ ጉባኤ ዘሓዋርያት። ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ሓጢኣት ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም።

 The Creed:

“We believe in one God, God the Father the Pantocrator. Who created heaven and earth, and all things, seen and unseen.

We believe in one Lord Jesus Christ, the only begotten Son of God, begotten of the Father before all ages; Light of Light, true God of true God, begotten not created, of one essence with the Father, by whom all things were made; who for us, men, and for our salvation, came down from heaven, and was incarnated of the Holy Spirit and of the virgin Mary, and became man. And He was crucified for us under Pontius Pilate, suffered and was buried, and on the third day He rose from the dead, according to the Scriptures, and ascended into the heavens; and sat at the right hand of His Father, and also He is coming again in His glory to judge the living and the dead, whose kingdom has no end.

Yes, we believe in the Holy Spirit, the Lord, the Life-Giver, who proceeds from the Father. Who, with the Father and the Son, is worshiped and glorified, who spoke in the prophets. And in one holy, Catholic (Universal) and Apostolic Church. We confess one baptism for the remission of sins. We look for the resurrection of the dead, and the life of the coming age. Amen.”


እግዚኣብሔር ጓሳይ እዩ፡

 1 እግዚኣብሔር ጓሳይ እዩ፡ ዝጐድለኒ የብለይን።

2 ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።

3 ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመንገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ

4 በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ። ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡ ብርባርባ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡ክፉእ ኣይፈርህን እየ።

5 ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ፡ መኣዲ ትሰርዓለይ።ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፡ ጽውዐይ ይጅርብብ ኣሎ።

6 ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብኹሉ ዕድመይ ክስዕባኒ ኢየን፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ከኣ ንዘልዓለም ክነብር ኢየ። (መዝሙር ዳዊት 23)


6 ቃላት ወንጌል

1. ጠምየ ኣየብላዕኩምንን፡

2. ጸሚኣ ኣየስተኹምንን፡

3. ጋሻ ኮይነ ኣይተቐበልኩምንን፡

4. ዓሪቐ ኣይከደንኩምንን፡

5. ሓሚመ ኣይበጻሕኩምንን፡

6. ተኣሲረ ኣየጸናናዕኩምንን። (ማቴ 25 42)


ቀዳምነታት መጽሓፍ ቅዱስ

1. ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እሞ ኩሉ ድማ ክውስኸልኩም እዩ (ማቴ 633)

2. ቅድም ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ኣውጽእ እሞ ደሓር ኣብ ዓይኒ ሓውኻ ዘሎ በሰር ከተውጽእ ክትክእል ኢኻ (ማቴ 75)

3. ቅድም ወለዲ ንእግዚኣብሔር ክእዘዝዎ ይግብኦም ምእንቲ ደቆም ክእዘዝዎም (ኢሳ 35)

4. ቅድም ምስ ሓውኻ ተዓረቕ እሞ ደሓር መባእካን ጸሎትካን ናብ እግዚኣኣብሔር ኣቕርቦ ንሱ ድማ ክቕበለልካ እዩ። (ማቴ 523)

5. ቅድም ንቖልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምሉእ ሕይወቱ ካብኣ ኣይከልግስን እዩ።(ምሳ 226)


ቅዱስ እስጢፋኖስ

እስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ሕይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ።ንእስጢፋኖስ ተንስእዎ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብንመንፈስን ግና ኪማጎትዎ ኣይተኻእሎምን።

ካብ ነብያትክ ኣቦታትኩም ዘይሰጎጉዎ መን እዩ? ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም። ሕጂውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም። ንስኻትኩም ነቲ ሕጊብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎስ ኣይሓሎኹምዎን። ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጎይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል፡ እናበለን፡ ብዳርባ እምኒ ቀተልዎ። ተምበርኪኹ ከኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ጎይታይ፡ እዚሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለ እውን ዓረፈ (ግብ 78-60)

እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ (ግብ 756) መስዋእቲ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ናይ ክርስትና መንፈስ ዘዛሕትሎ፡ መመሊሱ ድኣ ብዓብዪ ሓይሊ ከምዘስፋሕፍሕን፡ ከም ዝዓቢን ይገብሮ።

ብሓልዮት ትምህርቲ ሰንበት . .ገብርኤል ኒው ዮርክ ተዳለወ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div