S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምጅማር ኣገልግሎት ፓልቶክ

ንምክትታል ምእንቲ ኪጥዕም፣ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ተሰሪዖም ዘሎዉ መደባት ብምሕባር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ተጠቀምቲ ናይዚ መደብ ኪኾኑ በዚ ኣጋጣሚ ንላቦ። 

ናይ ክልተ ወርሒ መደብ (ፍሉይ ሰሚናራት)

1.      ሚያዝያ (April) 9/2011 "ተካእቲ መንእሰያት ንምፍራይ ዝግበር ኣገልግሎት፣ ክብደቱን ፍሬኡን ብኸመይ ትግምግምዎ?" ዲያቆናት ፊልሞን ገ/ትንሳኤን ቶማስ ነጋስን Dn. Filimon and Dn Thomas on Challenges and benefits of serving the youth and producing competent successors: Youth perspective (1st part)

2.     ሚያዝያ (April) 23/2011 መልእኽቲ በዓል ትንሣኤ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ

H.G. Bishop (Abune) Mekarios “Message on the Resurrection of our savior Jesus Christ”

3.     ግንቦት (May) 7/2011. "ተካእቲ መንእሰያት ንምፍራይ ዝግበር ኣገልግሎት፣ ክብደቱን ፍሬኡን ብኸመይ ትግምግምዎ?" ኣቦይ ቆሞስ ከሰተብርሃን ገ/ሚካኤል (1ይ ክፍሊ) “Challenges and benefits of serving the youth and producing competent successors: Church leaders perspective by Hegemony Kesete-berhan G/Michael  (2ይ ክፍሊ)

4.     ግንቦት (May) 21/2011. ቀሺ ወልደትንሳኤ ብርሃነ "ብውሑድ ዓቕሚ ዓብዪ ቤተክርስትያን ምግልጋል ዘለዎ ክብደት ብሓደ ወገን፣ ዕግበትን መንፈሳዊ ፍረን በቲ ኻልእ ሸነኽ፣ እንታይ ይመስል?" Fr. Woldetensae topic on "The challenges and opportunities of serving a big congregation"

5.     ሰነ (June) 4/2011. ቀሺ (ዶር) ተስፎም ገዛኢ "ኣብ መንጎ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን፣ ሓላፍነት ቤተሰብ፣ ስራሕን ትምህርትን ሚዛን ምሕላውን ክብደቱ ምስ ናብራ ስደትን"

Fr. Tesfom Gezai (Ph.D.) topic on "Balancing family responsibility, church service and work-school loads"

"ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለዝኣበኻ፥ ኣነ ድማ ካህን ኮይትኾነኒ ኪኣብየካ እየ።" ሆሴእ 4፣6 (“My people are destroyed for lack of knowledge. Because you have rejected knowledge, I also will reject you from being priest for Me …” Hosea 4:6)

እቲ ስሩዕ ናይ ጸሎት፣ ዕለታዊ ቃል እግዚኣብሔር፣ ፍሉይ ሰሚናርን ናይ ሕቶን መልስን ግዜያት ዝሓቖፈ ኣገልግሎት ፓልቶክ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ደቂ ቤተክርስትያን እንዳተሳተፍዎ ብትሕዝቶ መልእኽትታትን ብዝሒ ተሳተፍትን እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ተሳተፍቲ፣ ምሁራት ኣገልገልቲ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፣ እዋናዊ ጸገም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ምዕቡል ፍርያት ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም፣ ኣብ ፈቖድኡ ፋሕ ኢሉ ንዘሎ ህዝቦም ንምግልጋል፣ ዝገብርዎ ዘሎዉ ጻዕርታት ኣሞጊሶም ብዕምቆት ኪቕጽል ከኣ ተላብዮም።

ዕለተ-ፓልቶክ ካልኣይን ራብዓይን ቀዳም ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኮይኑ ካብ ሰዓት 1:00 – 3:00 ድ.ቀ. (ብኣቖጻጽራ ምብራቓዊ ሰሜን ኣመሪካ) ወይ ድማ ቀዳም ካብ 8፣00 - 10፣00 ድ.ቀ (pm) ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ይፍጸም።

እቲ ናይ ፓልቶክ ቤት (Paltalk Room) ኣብ ትሕቲ “Eritrean Orthodox Tewahdo Diocese of North America” ዝብል ስም እዩ። እዚ ናይ ክልተ ሰዓት መደብ፣ ጸሎት፣ ዕለታዊ ቃል እግዚኣብሔር፣ ፍሉይ ሰሚናር፣ ናይ ሕቶን መልስን ግዜያት ዝሓቖፈ እዩ።

"ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለዝኣበኻ፥ ኣነ ድማ ካህን ኮይትኾነኒ ኪኣብየካ እየ።" ሆሴእ 4፣6 (“My people are destroyed for lack of knowledge. Because you have rejected knowledge, I also will reject you from being priest for Me …” Hosea 4:6)

እቲ ስሩዕ ናይ ጸሎት፣ ዕለታዊ ቃል እግዚኣብሔር፣ ፍሉይ ሰሚናርን ናይ ሕቶን መልስን ግዜያት ዝሓቖፈ ኣገልግሎት ፓልቶክ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ደቂ ቤተክርስትያን እንዳተሳተፍዎ ብትሕዝቶ መልእኽትታትን ብዝሒ ተሳተፍትን እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ተሳተፍቲ፣ ምሁራት ኣገልገልቲ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፣ እዋናዊ ጸገም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ምዕቡል ፍርያት ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም፣ ኣብ ፈቖድኡ ፋሕ ኢሉ ንዘሎ ህዝቦም ንምግልጋል፣ ዝገብርዎ ዘሎዉ ጻዕርታት ኣሞጊሶም ብዕምቆት ኪቕጽል ከኣ ተላብዮም። 

ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ሳልሳይ ፓትርያርክ፣ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ።
ስብኃት ለእግዚኣብሔር
Glory be to God the mighty! Amen
March 19/2011

Diocese

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 

Support Tewahdo TV

Gofundme

Support Diocese

PayPal

ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store

ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ

ስብከተ ወንጌል

ራድዮ ቃለ ኣዋዲ

መጻሕፍቲ - Books 

ጾምን በዓላትን

Diocese Churches

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div