S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ጸብጻብ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ዕዮ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ!

ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’እቲ ኣኽሊ ብዙሕ ኢዩ፥ ዓየይቲ ግና ውሑዳት ኢዮም’’ ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኪልእከሉ ለምንዎ! (ማቴ 9፡35) ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥  እቲ ብሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔርን ብጸሎት ብዙሓት ኣመንትን፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ካብ ዝተመደቡሉ ዕለት 17 መስከረም 2010 ኣ.ፈ ንደሓር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብብፅዑነቶም ዝተሳለጡ መደባት ብዙሓት ኢዮም። ናይ

ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ድማ ነቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ጽኑዕ መገዲ ሓቅን ሃይማኖታዊ ሕግን፥ ብሓዋርያዊ ሕድሪ ዘማሓድሩን ብቐረባ እናተኸታተሉ ዝመርሑን መንፈሳዊ ኣቦ ምርካቡ ዓቢይ ሓጎስ ስለ ዝተሰምዖ ንዝያዳ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ቤተ ክርስቲያንና ብልዑል ጻዕሪ ንኽሰርሕ ኢዩ ሰፊሕ ምድላዋት ጌሩ። እቲ ብተኣምራታዊ ስራሕ እግዚኣብሔር ዝሰመረ ናይ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መንፈሳዊ መሪሕነት ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ነዞም ዝስዕቡ ብብፁዕነቶም ዝተፈጸሙ ዝርዝር መደብ ስራሕን ሓዋርያዊ ዑደትን ጋህዲ ስለ ዝገበረ ሓጺር ጻብጻብ እናኣቕረብና ልዑል እግዚኣብሔር ንኣቦና ምሉእ ጥዕና ሂቡ ነዊሕ ዓመታት ብጸጋ ከጽንሓልና ወትሩ ብጸሎት ንልምን!

1.      ብዕለት 15 ጥቅምቲ 2009 ኣ.ፈ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኒው ጀርስይ ቦኽሪ ኣኼባ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምስ ጉባኤ ካህናት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣካይዶም። ብዛዕባ ህልው ኩነታትን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ዘትዮም። ሓድሽ መደብ ስራሕን ብዛዕባ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብያተ ክርስቲያናትን ተዘራሪቦም።

2.      ምስ ምጅማር ሓዋርያዊ ስራሕ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምጅማር ዳግማይ ኅትመት ልሳን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ዝኾነት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ታሕሳስ 2009 ብወግዒ ተጀሚሩ።

3.      ብዕለት 12 ሰነ 2010 ኣ.ፈ (5 ሰነ 2002 ዓ.ም ግእዝ) ናብ ሃገረ እስራኤል ሓዋርያዊ ዑደት ብምግባር ምስቶም ኣብ ከተማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ውሉደ ክህነት ተራኺቦም  ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ብስም ታቦት ቅድስት ማርያም መስሪቶም ።

4.      ብዕለት 8 ጥሪ 2010 ኣ.ፈ ብምኽንያት በዓል ልደት ብሠለስተ ቋንቋታት ማለት፥

v  ብቋንቋ ትግርኛ፥

v  ብቋንቋ እንግሊዝኛን፥

v  ብቋንቋ ዓረብኛን ዝተመልአ ናይ ቡራኼን ሠናይ ትምኒትን መልእኽቲ ናብ ኩሎም ምእመናን ብቪድዮ፥ ድምጽን ጽሑፍን ብመገዲ ተዋህዶ ዳት ኦርግ ተመሓላሊፉ።

5.      ኣብ ወርሒ ጥሪ 29 ክሳብ 31 2010 ኣ.ፈ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣዴና ቅድስት ማርያም ኣስተርእዮ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ዑደት ብምግባር

v  ንመንፈሳዊ ጉባኤ ካህናትን ዲያቆናትን ብመሪሕነት ኣካይዶም።

v   ንምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ነበርቲ ኦክላንድ ጸሎተ ቅዳሴን ቡራኼን ሂቦም።

v   ካብ ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ሕቶታት ብትግርኛን እንግሊዝኛን ግቡእ መልስን መብርህን ሂቦም።

v  ንሠለስተ መንእሰያት ማዕርግ ዲቁና ባሪኾም። 

6.      ካብ ዕለት 19 ወርሒ የካቲት 2010 ኣ.ፈ ጀሚሮም ንህዝቢ ኣብ ሓዳሮም፥ ኣብ ሥርሖም፥ኣብ ምዕባይ ደቆምን ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግለቶም ሓጋዚ ዝኾኖም መንፈሳዊ ማዕዳን ትምህርትን ብተኸታታሊ ሂቦም። ንሓያሎ ሕቶታት ህዝቢ ድማ ግቡእ መልሲ ሂቦም።

7.      ብምኽንያት በዓል ትንሣኤ ንኹሎም ኦርቶዶክሳውያን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንዘለዉ ኣገዳሲ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።  

8.      ብዕለት 12 ሚያዝያ 2010 ኣ.ፈ ብምኽንያት ዓመታዊ ንግደት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ጆርጂያ ብኣካል ተረኺቦም፥

v  ብድሮ በዓል ንዝተኻየደ ፍሉይ ሰሚናርን ጉባኤ ካህናትን ዲያቆናትን መሪሖም።

v  ብጸሎተ ቅዳሴን ሓዋርያዊ ስብከትን ንህዝቢ ዝባርኽ ኣገልግሎት ሂቦም።

v  ካብ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ዝቐረበሎም  ሕቶታት ግቡእ መልሲ ሂቦም።

v  ምስ ግሪኻዊ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡባዊ ኣሜሪካ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ተራኺቦም ብዛዕባ መንፈሳዊ ምትሕብባር ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም። 

9.      ካብ ዕለት 22 ክሳብ 25 ሓምለ 2010 ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ዝተኻየደ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ብጸሎት ከፊቶም ን4ተ መዓልቲ ብተኸታታሊ መሪሖሞ።

v  ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝመጹ መትሮፖሊታን ኣቡነ ሰራፊም ብወግዒ ተቐቢሎም።

v  ምእንቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክን ምእንቲ ኩሎም ብሰንኪ ሓቀኛ እምነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ኣመንትን ፍሉይ ጸሎት ኣካይዶም።

v  ንዲያቆን (ዶ/ር)  ሃብቱ ገብረኣብ ዝበሃሉ ብስም ኣትናቴዎስ ማዕርግ ክህነት ሂቦም

v   ንዶ/ር ደሳለ ዝተባህሉ ኣገልጋሊ ኃው ከኣ ብማዕርግ ዲቁና ባሪኾም።

v  ንክብረ በዓል ታቦት ቅዱስ ገብርኤል ምስ መትሮፖሊታን ኣቡነ ሰራፊም ባሪኾም  

10.  ብዕለት 11 መስከረም 2010 ኣ.ፈ ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ስያትል ተረኺቦም ንኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ብቅዳሴን ጸሎተ ምህለላን መንፈሳዊ ቡራኬ ሂቦም።

v  እቲ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ስያትል ዝተገብረ ቡራኬ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ  ብቪድዮ ቀጥታ ብመገዲ ተዋህዶ ዳት ኦርግ ተመሓላሊፉ።

v  ካብ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ዝቐረቡ ብዙሕን ዝተፈላለየን ሕቶታት ግቡእ መልሲ ሂቦም።

v  ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን መጻኢ መደባትን ሰፊሕ ሓበሬታን መግለጽን ሂቦም።

11.  ብተወሳኺብመደብ  ምምሕዳር ሃገረ ስብከትን ብመንፈሳዊ መሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ጸሎቶም ሠሚሩ ካህናት ብምምዳብ ምእመናን ብምጥርናፍን እዘን ዝስዕባ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኽምስረታ ክኢለን ኣለዋ፥

v  ኣብ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ታቦት ቅዱስ ሚካኤል፥

v  ኣብ ኣልባንይ ኒው ዮርክ ታቦት ኪዳነ ምሕረት፥

v  ኣብ ሲንሲናቲ ኦሃዮ ታቦት ቅድስት ሥላሴ፥

v  ኣብ ኦረገን ታቦት ቅድስት ማርያም ልደታ እየን።

12ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ድማ ናብ ሓዋርያዊ መንበረ ማርቆስ ግብጺ መንፈሳዊ መገሻ ብምግባር ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይን ካልኦት መንፈሳውያን ኣቦታትን ብኣካል ተራኺቦም ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕብየትን ኣገልግሎትን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብሓፈሻ ድማ ብዛዕባ እታ ኣብ ከቢድ ፈተናን ጸገም ወዲቓ ዘላ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘትዮም።


ኣብ መደምደምታ ኣቦና ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብዘለዎም መንፈሳዊ ጸጋን ዓቕሚ ትምህርትን ምስ ውሉደ ክህነት ከም ሓዋርያዊ መራሒ፥ ምስ ዓበይቲ ምእመናን ከም ዓቢይ፥ ምስ መንእሰያት ተመሃሮ ድማ በቲ ዝርድኦም ቋንቋን ድሌትን ተረዲኦም ጥንታዊ እምነት ተዋህዶና ተዓቂቡ ናብ ደቅና ንኽመሓላለፍ ዘድሊ መንፈሳዊ ኣገልግሎት የበርክቱ ኣለዉ። እዚ ኣብ ተዋህዶና ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ጸገም ብረድኤት እግዚኣብሔር ተፈቲሑ ህዝብናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንናን ብሕጋዊ ፓትርያርካ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥንታዊ ሕጋን መንፈሳዊ ሓቃን ትመሓደረሉ ጊዜ ቀሪቡ ከም ዘሎ ከኣ ብሩህ መጻኢ ተስፋ እዩ። ጸሎት ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስን ቡራኼ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ልዑል እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ምሉእ ጥዕናን ፍትሕን ይሃበልና!

ልዑል እግዚኣብሔር ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምሉእ ጥዕናን መንፈሳዊ ዓወትን ይሃበልና!

ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን!

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div