S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓድሽ ሕንጻ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ ተመሪቑ።

ብሓይሊ ልዑል ኣምላኽ፤ ብጸሎት ፓትርያርክና ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብጸሎትን ምኽርን ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፡ ጸሎትን ደገፍን ብዙሓት ኣቦታትን ኣባላትን ናይ

ኣሓት ኣብያተ ክርስትያናት፡  ኣስተርሒና ኣገልግሎትና እንፍጽመሉ ቤተክርስትያን ብምውናንና ነቲ ኣብዚ ዘብጽሓና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ። ኣዴና ቅድስት ማርያም፡ ነቲ ዓቢ ብስራት ቅ. ገብርኤል መልኣኽ “እንሆ ክትጠንሲ፡ወዲውን ክትወልዲ ፡ስሙ ከኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ” ምስ በላ፡ ብስንባደን ብኣንክሮን ሰሚዓ፡ ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ “ኣነ ድንግል ኢየ እዚ ነገር’ዚ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል” ኢላ ምስ ሓተተት፡ ብሓንቲ ዓባይ ቃል ዓጊባ ይኹነለይ እያ ዝበለት። ንሳ ኸኣ “ንኣምላኽ እሞ እንታይ ይስኣኖ” (ሉቃስ 1፡37) ትብል እያ። ኣሰር ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምስዓብ፡ ምእመናን ነቲ ኩሉ ኣብ ልዕሌኦም ዝወረደ ግፍዒ ተጻዊሮም ቤተክርስትያን ኪውንኑ ዘኽኣለቶም፡ መሪሕ ሓሳብ ከኣ እዛ ዓባይ ቃል’ዚኣ ነበረት። እዚ ህንጻ’ዚ ካብ ዝግዛእ ክሳብ ብቡፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝባረኽ፡ ዳርጋ ንኣስታት 2 ወርሒ ምእመናን ቅ. ማርያም ብዘይ ምቁራጽ ምስ ሞያውያን ኣባላት ብምትሕብባር፡ እቲ ብኣሰራርሓኡ ንኻልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት ንኸገልግል ዝተሰርሐ ህንጻ፡ ኣብ ዓድና እንጥቀመሉ ቤተክርስትያን ዝመስል ጌሮም ሓዲሶሞ። 

ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተባረኸ ሓድሽ ህንጻ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ተሳተፍትን ኣባላትን ዝፈጠሮ መንፈስን ኒሕን ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። እቲ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት ናይ ኣጋ ምሸት (ጥቅምቲ 9 ን 10/ 2010 ዓ. ም ፈረንጂ) ዝነበረ ጸሎት፡ ቅዳሴ፡ ሕቶን መልስን ምስ ምእመናን ብቐጥታ ብመርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት  (Live Video) ኣቢሉ ክመሓላለፍ ቀንዩ። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ነቲ ብወረቓቕቲ ዝቐረበ ኣብ ማሕበራዊ፡ መንፈሳዊ ህይወት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስርዓት ቤተክርስትያንን ኣብዚ ሕጂ ኣብ ቤተክርስትይንና ዘሎ ከቢድ ቅልውላውን መበገሲኡ እንታይ ምዃኑ… ዘጠቓለለ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪቡ። ኣዕጋብን ኣዝዩ መሃርን መልስታት ብብፁእ ኣቦና ብቛንቛታት እንግሊዘኛን ትግርኛን ተዋሂቡ። 

ብውሑዳትን ውፉያትን ኣባላት ዝተጀመረ ኣበርክቶ ምስ ግዜ ብዙሓት እንዳሰዓብዎ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ብ$1.4 ሚልዮን ቤተ ክርስትያን ምግዛእን ናብዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ዕብየት ምስግጋር፡ ብሓይሊ ኣምላኽ እምበር ብዓቕሚ ሰብ ጥራሕ ኪኸውን ስለዘይኽእል፡ ነቲ ትኣምራት ኪገብር ዝክኣሎ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ኣብ ኣገልገልትን ምእመናን ዝቐነየ ፍስሃን ሓጎስን ብዝበለጸ ንምዕዛብ ኣብ ስእላዊ መግለጺ  (Pictorial report) ተኸታተሉ 

ጸጋ ኣምላኽን ሰላሙን ምስ ኩልና ይኹን። 

ንብፁእ ውቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።

ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቅ. ማርያም ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div