S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናብ ኩሎም ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንን
ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ እንቛዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላምን ደሓንን ኣብጽሓና፤ ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ-ራህዋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኪገብረልና ኸኣ ናብ ኣምላኽና ንልምን። 

ብምቕጻል ብረድኤት ኣምላኽ፣ ፍሉይ ተወፋይነት ምእመናን . ማርያም፤ ጸሎት ቅዱሳን ኣቦታትን ደገፍ ህዝብናን ፈተውትናን፡ ነቲ እናሰፍሐን እንዳዓሞቀን ኪኸይድ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን፡ ኣስተርሒና ሰፊሕ ዕዮ እናዓየሉን ኣብ ከተማናን ዙርያናን ዝርከቡ ሕብረተሰብና ዝግልገልሉ ህንጻ ክንውንን በቒዕና ኣሎና።

 

ንዕለት 10 ጥቅምቲ 2010 (መስከረም 2003 .. ግእዝ) ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምርሑ ሊቃውንትን ብዙሓት ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽብሉ ሓድሽ ህንጻ ቤተክርስትያንና እነመርቐሉ መዓልቲ ስለዝኾነ ንኹሎም ምእመናን ብኽብሪ ንዕድም።

ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓልዚ እዚ ዝስዕብ መደባት ተሰሪዑ ኣሎ።

ቀዳም (ጥቅምቲ 9 , 2010)

  • 500-630 .. ፍሉይ ትምህርቲ ንመንእሰያት ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ

ሰንበት  (ጥቅምቲ 10, 2010)

  • 600 - 800  . . ስብሓታትን ማሕሌትን 
  • 800 -1030  . . ቅዳሴ
  • 1030-1130  . . ፍሉይ ትምህርቲ ንምእመናን ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ 
  • 1130-1230  .. ምሳሕ
  • 1230- 200  .. ሕቶን መልስን ምስ ብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ

ቦታ፡

St. Mary Eritrean Orthodox Church Bay Area (ቅድስት ማርያም ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ በይ ኤርያ)
301 Dowling Blvd
San Leandro, CA 94577
Phone: 510-593-3819.

ንቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ዕዮኦም ዓወትን ኣሳልጦን፡
ንሃገርናን ቤተክርስትያንናን  ድማ ሰላሙ ይሃብ።

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን . ማርያም ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div