S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜና ካብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኢየሩሳሌም

ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሃገረ እስራኤል ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብዕለት 12 ሰነ 2010 ኣ.ፈ (5 ሰነ 2002 ዓ.ም ግእዝ) ብወግዒ ፈላሚ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብዙሕን ሰፊሕን  መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ። ኣብዚ ቅንያት እዚ’ውን ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ  ምእታው ሓድሽ ዓመት 2003 ዘመነ ሉቃስ መሠረት ብምግባር፥ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ብዙሓት ምእመናንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም

ተኣኪቦም ግሩም ዝኾነ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ እዮም ኣብዒሎም። ኣገባብ ኣበዓዕላ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኢየሩሳሌም ከምቲ ልሙድ ሥርዓት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና፡ ቀዳም ዕለት 11 መስከረም 2010 ኣ.ፈ (1 መስከረም 2003 ዓ.ም ግእዝ) ንግሆ ብስብሓታትን ማሕሌትን ምስ ተጀመረ ናብ ጸሎተ ቅዳሴን ምዝርዛር ባሕረ ሓሳብ በዓላትን ኣጽዋማትን ኢዩ ቀጺሉ። ብድሕሪዚ ንዕለቱ ብዝተዳለወ ጥዑም ስብከት ብኣቦታት ካህናት ምስ ተዋህበ ብዝተፈላለየ መዝሙራት ተሰንዩ ብምህለላን ጸሎትን ተዛዚሙ።

ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሃገረ እስራኤል ካብ ዝተመሠረተሉ ጊዜ ጀሚሩ ወላኳ ዝተፈላለየ ጸገማትን ፈተናታትን ዘጋጠሞ እንተ ኾነ፡  ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ ‘’ኣኅዋተየ በበይኑ ዝኾነ ፈተና ኪበጽሓኩም ከሎ፡ ንኹሉ ከም ሓጎስ ቍጸርዎ። ከመይ ብእምነትኩም ክትፍተኑ ከሎኹም ጽንዓት እዩ ዘፍርየልኩም። ግና ብሓንቲ ነገር እኳ ከይጎደለኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ክትኮኑ፥ ብትዕግሥቲ ክሳዕ መወዳእታ ጽንዑ’’። (ያዕ 1፡2-4) ዝበሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሃገረ እስራኤል ድማ ነዚ ሕያው ቃል ሓዋርያት መምርሒኣ ጌራ፡ ኩሎም ኣገልገልትን ምእመናንን ብትዕግሥትን ጸሎትን ጸኒዖም መንፈሳዊ ዕዮኦም የሳልጡ ኣለዉ። ብረድኤት ቅድስት ማርያም ከኣ ቁጽሪ ምእመናን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ብዕጽፊ እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። ነቶም መንፈሳዊ ጓሳ ስኢንና ብስደትን ጸገማትን ክንሽገር ዝጸናሕና ህዝበ ክርስቲያን ተዋህዶ ጠርኒፎም ብሓዋርያዊ ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስቲያንና ተመሪሖም ዝኸዱ እሙናት ኣቦታትን ኣገልገልቲ ውሉደ-ክህነትን ምርካባና ከኣ ብሓቂ ዓቢይ ተስፋን በረኸትን ኢና ረኺብና ዘሎና። በዚ ከኣ ወትሩ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።

ብተወሳኺውን ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሃገረ እስራኤል ንዓመታዊ በዓል ደብረ ታቦር ምኽንያት ብምግባር ብዕለት 21 ነሓሰ 2010 ኣ.ፈ ጸሎተ ቅዳሴ ካብ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ቅ/ቀትሪ ምስ ተዛዘመ፡ ጉዕዞ በዓል ደብረ ታቦር ብኣቦታት ካህናትን መዘምራን-ደባትርን ዲያቆናትን ተወሃሂዶም ዝመርሕዎ መንፈሳዊ ዑደት፡ ልዕሊ 120 ዝኾኑ ምእመናን ምስ 32 ዝኾኑ ውሉደ ክህነት ኣቦታት ተኣኻኺቦም ብ3ተ ዓበይቲ ኣውቶቡሳት መደብ ጉዕዞ ኣዳልዮም ናብ ቅዱስ ቦታታት ደብረ ታቦርን ሩባ ዮርዳኖስ ከይዶም ውዒሎም። ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ካብ ቅዱስ ወንጌል (ማቴዎስ 17፡1 ማርቆስ 9፡2 ሉቃስ 9፡28)  መሠረት ብምግባር ምስቲ ቦታን ምስ ዑደት ኢየሱስ ክርስቶስን ዝሰማማዕ ጽቡቕ ስብከታትን መብርሂታትን ብሰፊሑ ክወሃብ ውዒሉ። ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ በጺሕካ ንኽትምለስ ልዕሊ 6ተ ሰዓታት ዝወስድ እኳ እንተ ነበረ ምእመናንን ኣገልገልትን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ቅንእን ጽምኢ ቃል እግዚኣብሔርን ስለ ዘለዎም ናብቲ ቅዱስ ቦታ ብኣካል ከይዶም ኣብኡ ዝተገብረ ተኣምራትን ዕጹብ ነገራትን ንኽመሃሩ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኢዮም ረኺቦሞ። ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ መንፈሳዊ ዑደት ከኣ ብሓጎስን ፍቕርን መገሻኦም ብጽቡቕ ዛዚሞም ነናብ ቦትኦም ብሰላም ተመሊሶም።

ብሓፈሻ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሃገረ እስራኤ፡ ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ  ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራን ብቡራኼ ኣቡነ መቃርዮስን ብወግዒ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ነቲ ዝተመሥረተሉ ቅኑዕ መንፈሳዊ ዕላማ ኣኽቢሩ ማለት፡ ብስደት ንዝተበተኑ ሃይማኖቶም ከጽንዑ፥ ንዝደኸሙ ብእምነት ክብርትዑ፥ ተስፋ ንዝሰኣኑ መንፈሳዊ ተስፋ ከስንቕ፥ ንዝተወለዱ ጸጋ ጥምቀት ክህብ፥ ንዝምርዓዉ ብቓል ኪዳን ክባርኽ፥ ንዝዓረፉ ድማ ብጸሎተ ፍትሓት ክዝክር ብዝብል መንፈሳዊ ዕላማ ተበጊሱ እንሆ ሎሚ ብጸጋ እግዚኣብሔር፡ ብረድኤት ቅድስት ማርያምን ብጸሎት ኩሎም ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን ተሓጊዙ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ እናሰፍሐን እናዓበየን እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ኣብታ ቅድስት ሃገር ኢየሩሳሌም፡  ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ መጀመርያ (ቦኽሪ) ታቦት ብምዃኑ፡ ካብዚ ብኽራይ ንጥቀመሉ ዘሎና ጊዚያዊ ቦታ ወጺእና ናትና ቦታን ቤተ ክርስቲያንን ሰሪሕና ንኹሎም ምእመናን ነጋድያን ኢየሩሳሌም ክንቅበልን ከነአንግድን ምእንቲ ኽንክእል ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ዘለኹም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ኣሕዋትና ናይ ወትሩ ጸሎትኩምን መንፈሳዊ ደገፍኩምን ከይፍለየና በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽር ንፈቱ። መድኃኔ ዓለም ኣምላኽና ኩሉ ዝከኣሎ እሙን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ‘’ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኪገብር ዝከኣሎ ኣምላኽ፥ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ንኹሉ ወለዶታት ብቤተ ክርስቲያንን ብክርስቶስ ኢየሱስን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ኤፈ 3፡20-21።

ዘመነ ሉቃስ 2003 ዓመት ሓጎስን ሰላምን ይግበረልና!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div