S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዕረፍቲ ፍቁር ሓውና ነፍስሄር ዓንደማርያም ብርሃነ

"እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ!"
ሥጋዊ ሞት ዘይተርፍ ዕጫ ናይ ኵሉ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር እዩ። ስለዚ ጊዜኡ ምስ በጽሐን ሰዓቱ ምስ ኣኸለን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብዛ ዓለም ብሞት ክጽዋዕ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና። ይኹን እምበር እንጽውዓሉ ጊዜ ፍርቂ መዓልቲ ድዩ ወይስ ፍርቂ ለይቲ፥ ንግሆ ይኹን ምሸት፥ ስለ ዘይንፈልጦ ኩሉሳዕ ድልዋት ክንከውን ይግባእ። ወላ እኳ ፍትው ሓውና ዓንደማርያም ብሃንደበታዊ ሓደጋ ብሞት ካባና ምፍላዩ ከቢድ ሓዘን እንተ ተሰምዓና ንሕና ክርስቲያን ደቂ ተስፋን ውሉድ ክርስቶስን ስለ ዝኾንና ካብዚ ምድራዊ ናብራ ናብቲ ሰማያዊ ናብራ ምዃድና ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና።

ኢየሱስ ክርስቶስውን ባዕሉ ‘’ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ!  (ዮሓ 1125) ብዝበሎ መሠረት እቲ ብልቢ እነፍቅሮን ዘፍቅረናን ክቡር መንፈሳዊ ሓውና ነፍስሔር ዓንደማርያም ተስፋሚካኤል ካብዛ ናይ ግሽነትን ገዛ ኽራይን ዝኾነት ዓለም ናብቲ ዘለዓለማዊ ስፍራ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ሓሊፉ ኣሎ። እወ ከምቲ መንፈሳውያን ኣቦታትና ‘’ሞት ዘበሥጋሰ ንዋም ዘለምዕር ዘተሰርዓ ለጻድቃን ወለኃጥኣን ‘’ ትርጉሙ ‘’ሞት ናይ ሥጋሲ ቅጽበታዊ ድቃስ እዩ። ንጻድቃንን ኃጥኣንን ድማ ብማዕረ ዝተሰርዐ እዩ’’ ይብል መጽሓፈ-ግንዘት።

ክቡር ዓንደማርያም ሓውና ድማ ምስ ዓብን ንእሽቶን፥ ምስ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፥ ምስ ካህናት ይኹን ዲያቆናት ብስምምዕን ፍርሓት ኣምላኽን እናተመላለሰ ወትሩ ኣብ መንፈሳዊ ይኹን ማሕበራዊ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያኑ፥ ህዝቡን ሃገሩን ብፍቕርን ንጥፈትን ብሕጉስ መንፈስን ከገልግል ዝጸንሐ ኣብነታዊ ኣቦን ሓውን እዩ ነይሩ። እንተ ኾነ ግና ሞት ንዝዓበየ ይኹን ንዝነኣሰ፥ ንዝተሾመ ይኹን ንዝነገሠ፥ ንዝመነነ ይኹን ንዝጰጰሰ፥ ብዘይ ኣፈላላይ ተጸዊዕና ንኸዶ መወዳእታ ናይ ምድራዊ ሕይወትናን መጀመርታ ናይ ሰማያዊ ሕይወትናን ብምዃኑ ትጉህ ዓንደማርያም ኃውና ድማ ብሃንደበታዊ መጸዋዕታ ሞት ናብ ዓዲ ኵልና ሓሊፉ ኣሎ።

ንሕና ንኹን ሓውና ዓንደማርያም ከኣ ‘’እንተሎና ንክርስቶስ እንተ ሞትናውን ናብ ክርስቶስ ምዃንና ስለ ንፈልጥ’’ ብጽኑዕ እምነትን ኣሰር ፍቕርን ሰላምን ሒዝና ክነብር ዓቢይ ጸጋ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍና መዓልቲ ሞት ከኣ ከም ሰራቒ ስለ ትመጸና፡ ሓውናውን ኣብታ ናይ መወዳእታ ፈነዋኡ ‘’ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ እየ፥ ጕያይ ወዲአ እየ፥ ነታ እምነት እውን ሓልየያ እየ’’ ዝብል ጥቕሲ ሒዙ ንዓና ከቢድ ሕድርን ሓላፍነትን ገዲፉልና ካብዛ ናይ ቃንዛ ዓለም ናብ ሰማያዊት ቤትና ሓሊፉ ኣሎ። 2ጢሞ 47

ልዑል እግዚኣብሔር ንዓንደማርያም ሓውና ዘለዓለማዊ ሕይወት ንስድራ-ቤትን ምእመናንን ድማ እግዚኣብሔር ጽንዓት ይሃበልና እናበልና ብጸሎት ንጎይታ ንልምን። 

ንዓይ ሕይወት ማለት ክርስቶስ እዩ።

***********************************************************

ነፍስሄር ዓንደማርያም ካብ ኣቡኡ ኣቶ ብርሃነ ተስፋሚካኤልን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣመተ ገብሩን፡ ብ21 መጋቢት 1946 ኣብ መራጉዝ ተወሊዱ። ናይ ትምህርቲ ዕድሚኡ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ኣብ ከተማ ተሰነይ ቀዳማይ ደረጃ: ማእከላይን ደረጃ ድማ ኣብ ኣስመራ ተማሂሩ  ብፋይናንስ ፖሊስ ስራሕ ጀመረ። ዓንደማርያም፣ ብዝነበሮ ትግሃትን ተወፋይነትን ኣብ ስራሑ ዕዉትን ምስጉንን ነበረ። ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1976 ብስራሕ ንኣዲስ ኣበባ ተቐይሩ። 

 ኣብ 1981  ምስ ወ/ሮ ትብለጽ ሃብተ ምዉቕ ሓዳር መስሪቱ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ 1991 ክሰርሕ ጸኒሑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጊዜ ከይወሰደ ብቁልጢፍ ናብ ኣስመራ ብ1991 ተመሊሱ፣ ኣብቲ ዝፈልጦ ሞያ ናይ ፍናንሳ ብሞያ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1995 ናብ ኣሜርካ ስደት ኣምርሐ። 

ኣብ ካንሳስ ሲቲ(Kansas city) ዝበሃል ከተማ ኣሜርካ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ1996 ናብ ከተማ ኣትላንታ መጺኡ ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ተቀመጠ። 

ዓንደማርያም ካብ መጀመርታ ክሳብ'ታ ዝዓረፈላ ዕለት ኣብ ኣገልግሎት ይርከብ ነይሩ። ናይ ዓንደማርያም ኣገልግሎት ዓይነታዊ ኣብነት እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንኻልኦት ሕብረተ ሰብ ዘርኣዮ ልዑል ሓልዮትን ተገዳስነትን በብሓደ ኽትገልጾ ዝከኣል ኣይኮነን። 

ካብ ኩሉ ሰብ ፍሉይ ዝገብሮ ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ዝነበሮ ኣዝዩ ፍትውን ህቡብን ሰብ እዩ ነይሩ። ትሑት፡ ለዋህ፡ ፈቃር፡ ንህጻናት ብዘይኣፋላላይ ከም ደቁ፡ ንፈተውቱ፣ ከም ኣሕዋቱ፡ ንዓበይቲ ከም ኣያታቱ፡ ከም ኣቦታቱን ኣዴታቱን ዘኽብር፣ ኣዝዩ ፈታው ሰብ ነይሩ። ዓንደማርያም፡ ክህብ እምበር ክቕበል ዘይሓስብ፡ ዝነብዐ ዓይኒ ዝደርዝ፡ ዝፈረሰ ናብራ ዘዕሪ፡ ተስፋ ንዝቐበጹ ሞራልን ሓቦን ዘስንቕ፡ ኣቦ ኹሉን ኣያ ኹሉን ነይሩ። ንቒምን ጽልእን ባእስን ዝኸውን ስፍራ ዘይብሉ፡ ሕራይ እምበር እምቢ ዘይፈልጥ ሓው ኩሉ እዩ ነይሩ።

ንበዓልቲ ቤቱን ወዱን፡ ከም በዓል ቤትን ወላዲን ጥራይ ዘይኮነስ ዓርኮምን መሓዝኦምን እዩ። ዓንደማርያም ኣብ ኣትላንታ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ፡ ክሳብ ዕለት ዕረፍቱ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቱ ይኹን ሕብረተሰብ ንምጥርናፍ ዘካየዶ ጻዕርታት መዘና-ኣልቦ እዩ። ብዕድመ ዓቢ ዘይኮነ ክነሱ፣ ቅዱስ ቁርባን እናወሰደ ናይ ቅድስና ህይወት ዝነበሮ ዓንደማርያም፣ ብሓሙስ 11 መጋቢት 2010 ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ድንገት፡ ካብዛ ጊዚያዊት ገዛ ክራይ ዝኾነት ዓለም፡ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ፡ ወዱ፡ ወለዱ፡ ኣሕዋቱ፡ ኣሓቱን ፈተውቱን ሓዲጉ ካባና ተፈልየ።

እግዚኣብሔር ዕረፍቲ መንግስተ ሰማያት ክህቦ ንጽሊ። 

In The Memory Of  Andemariam  Berhane

This is the day when everything stands still, when we’ve come together, not only to celebrate a dear husband, father, son, brother, and friend, but also to celebrate his accomplished, fulfilled, and blessed life while here on earth.

Andemariam was born March 21, 1946 in Meraguz, Eritrea. He was a devoted and hard working husband, father, and mentor, not only to his family, but to the whole world, especially to the Eritrean community. He enjoyed socializing with friends and spending quality time with his wife and son. Andemariam was a man that loved God and loved his neighbor. He tried to assist and encouraged everyone in every aspect of life.

Andemariam was a finance officer for about 25 years prior to arriving in the United States in 1995, so he could live and continue his life pursuits. He first lived in Kansas City, Mo. After staying for a year in Kansas, he moved in 1996 to Atlanta, GA.

He was kind, admired, and loved by so many of those who were blessed to have known him, and he gave his time genuinely, selflessly, and whole heartedly to anyone and everyone. The qualities of his personality are beyond comprehension and words cannot describe them.

Andemariam, due to an untimely accident, departed on Thursday morning, March 11, 2010. His memory is carried on by his wife of 29 yrs, Teblets Habte, his son, Abel, parents, as well as many more family members and friends.

May God rest the soul of our beloved in peace and may his memory be eternal!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div