S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 29 - 31/ 2010 ጥሪ ፳፩ - ፳፫ 2002 .. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።

ኣብ ዕለተ ዓርቢ፡ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ፍሉይ ሰሚናር ንውሉደ ክህነት ተዋሂቡ። እቲ ሰፊሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ኣስተምህሮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናውን መጻእን መደባት ሃገረ ስብከት ዘድሃበ ብቐጥታ ምስ ኣገልግሎት ቤተክርስትያንን ህይወት ኣገልገልትን ዝተተሓሓዘ ዝተፈላለየ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ዘጠቓለለ እዩ ኔሩ። ሰሚናር ምስ ተወድአ ብዋዜማ ናይ ዓርቢ መደብ ተዛዘመ።

ቀዳም ወጋሕታ ብስብሓታት ዝተጀመረ ክብረ በዓል ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፤ ክብሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምንጩ ሕርየት ቅድስት ሥላሴ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ኣቦታት ቤተክርስትያን ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝሃብዎ ምስክርነትን ብሰፊሑ ዘረድእ ስብከት ድሕሪ ቅዳሴ ተዋሂቡ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕጋዊ መውስቦ ካብ ኣቦኣ እያቄምን ኣዲኣ ሃናን ከም ዝተወልደትን፡ ልዕሊ ኩሎም ፍጡራን ኣደ ኣምላኽ ክትከውን ከምዝበቕዐትን፡ ንሕና ክርስትያናት ከኣ ኣማላድነታን ጸሎታን ዘወትር ከምእንደልን በሪሁ። እቲ እንኮ ንብምልእታ ዓለም ዘድሕን ጎይታ መድኃኔ ዓለም ስለወለደትልና ናይ ዘርእና ሓበን ምዃናውን ተገሊጹ። ኩላትና ክርስትያን ድማ እምነትን መንፈሳውነትን ናይ ኣዴና ክንወርስ ከምዝግባእ ዝምህር መሳጢ ትምህርቲ ቀሪቡ።

ኣስዒቦም ህጻናት ዝተማሃርዎ ትግርኛን እንግሊዘኛን ጸሎትን መዝሙርን ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዛሙር ከቕርቡ ከሎዉ ምእመናን ሓቢሮም ምስ ደቆም ብምዝማር ከኣ ኣብ ገጽ ኩላቶም ክብ ዝበለ ፍስሃን ሓጎስን ይንበብ ኔሩ።

ብድሕሪዚ ሰለስተ ካብቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት፡ ብትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ስርዓተ ቤተክርስትያንን ዝተመልመሉ ኣብ ስደት ዝተወልዱ መንእሰያት ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ማዕርገ “ኣናጉንስጢስ” ተቐቢኦም።

ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንዳተመርሑ ምእመናን እንዳዘመሩን እንዳሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ። ኣዴታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተክርስትያን ዘዳለወኦ ምግቢ ድሕሪ ምብላዕ ሰፊሕ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ተኸፊቱ። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ነቲ ብወረቓቕቲ ዝቐረበ ኣብ ማሕበራዊ፡ መንፈሳዊ ህይወት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስርዓት ቤተክርስትያንን ኣብዚ ሕጂ ኣብ ቤተክርስትይንና ዘሎ ከቢድ ቅልውላውን መበገሲኡ እንታይ ምዃኑዘጠቓለለ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪቡ። ኣዕጋብን ኣዝዩ መሃርን መልስታት ብብፁእ ኣቦና ብቛንቛታት እንግሊዘኛን ትግርኛን ተዋሂቡ። ምእመናን ኣብዚ ፈታኒ እዋንምዚኦም ዝኣመሰሉ ኃዋርያዊ ሕግን መጽሓፍ ቅዱስን ተንቲኖም ዝምህሩ፡ ብዓል ዓሚቕ ፍለጠት ኣቦ ብምርካብናዘደንቕ ስራሕ ኣምላኽጥራሕ እዩ ኪብሃል ዝክኣል ብምባል ገሊጾሞ። ነቲ ዕድል ብሰፊሑ ምእንቲ ኪጥቐምሉ ብጠለብ ምእመናን እቲ ናይ ሕቶን መልስን መደብ ንሰንበት ድሕሪ ኣገልግሎት ከምዝቕጽል ተጌሩ፡ ሰፊሕ ምይይጥ ከኣ ተኻይዱ። 

ንዓመታ ኣብ ናትና ቤተክርስትያን ከነብዕሎ ኣሎና ብዝብል ቅዱስ ቅንኢ ምእመናን ኣብቲ ዕለት ጥራይ ልዕሊ $27,000 (ዕስራን ሸውዓተን ሽሕ) ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙን ዝተዋጽአ ገንዘብ ብድምር ከኣ ኣስታት $80,000 (ሰማንያ ሽሕ) ኣበርኪቶም። ኣብ መጨረሻ  ያብጽሓነ ዓመ ከመ ዮም ያብጽሓነ እግዚእ። ንዓመታ ከምዚ ሎሚ የብጽሓና ጎይታዝብል መዝሙር ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ዝቐነየ መንፈሳዊ መደባት ብምስጋናን ፍስሓን ተዛዚሙ።

እቲ ዝቐነየ ፍስሃን ሓጎስን ብስእላዊ መግለጺ ንምዕዛብ (Pictorial report) ኣብዚ መላግቦ'ዚ ጠውቕ

እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ስጋዊ ናብራና በረኸት ወሲኹ፡ ብመንፈስ ዓብዪናን ደልዲልናን ንዓመታ ብዝበለጸ፡ ኣስተርእዮ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን።


ንብፁእ ወቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።
ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቤተክርስትያን ቅ. ማርያም በይ ኤርያ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div