S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክቡር መምህር ዓንደብርሃን ገብረማርያም እንኮ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናይ ሥነ መለኮት ብፍላይ ከኣ ናይ ብሉይ ኪዳን ምሁር ዝነበሩ ብዝሓደሮም ሕማም ካብዛ ዓላፊት ዓለም ተፈልዮም።

እዞም እንኮ ናይ ብሉይ ኪዳን ሊቅ፡ (ቋንቋታት ትርግኛ፡ ግእዝ፡ ኣምሓርኛ፡ እብራይስጢን እንግሊዝኛን ጽቡቅ  ዚመልኩ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ መዘና ዘይተረኽቦም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ሓላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኮይኖም ብመንፈሳዊ ቅንኢ ዝሰርሑ ወላዲ እዮም።

እተን ዝርካበን ካብ ቋንቋ ግእዝ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝተተርጎማ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ከም መጽሓፈ ቅዳሴ፡ ጸሊተ ተክሊል፡ ጸሎተ ሥርዓተ ጥምቀት፡ ጸሎተ ቀንዲል፡ ሃይማኖተ ኣበው ዝተርጎሙ ኣቦ እዮም።

ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ወኪሎም ድማ፡ ምስ ናይ ካቶሊክን ወንጌላዊትን ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ብዙሕ ቋንቋታት ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝተርጎሙ ኣቦ እዮም።

ዮፍታሄ ቀሺ ድሜጥሮስ ንምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ገቢቱ ምስ ሓዞ መምህር ዓንደብርሃን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ምእመን ዋና ኣማሓዳሪ ክትምራሕ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ከምዘየፍቅድ ተቓዊሞሞ። ቤተ ክርስቲያን ናጽነታ ይተሓሎ ኢሎም ሓዋርያዊ ቃሎም ስለ ዝገለጹ ድማ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መሰልን ደሞዝን ካብ ስራሕ ሰጒጉዎም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቁርባን ከይወስዱ፡ ምስ ሰብ ከይሕወሱ፡ ኣብ ጸሎት ከይካፈሉ፡ መስቀል ከይሳለሙ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ከይረኣዩ ኢሉ ዮፍታሄ ምስ ኣወጀ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሰብ ዮም ካብ ሰዓት 2 ናይ ለይቲ ክሳብ ሰዓት 5፡00 ወጋሕታ ኣብ ጸሎት ሓዲሮም ይምለሱ ከምዝነበሩ ብቐረባ ዝፈልጥዎም ይምስክሩ። ንኽልተ ዓመትን ፈረቓን ካብ ቅዱስ ቁርባ ካብ ቤተ ክርስቲያን ፈልም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብጽምዋ ኣብ ገዛ ተሳቕዮም ከም ዝዓረፉ ዝበጽሓና ዜና ይገልጽትማሊ 6 የካቲት 2009 ዓ.ም. ኣብታ 'ሀ' ኢላ ዘዕበየቶም ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ስፍኣ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። "ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚኣብሔር"።

እግዚኣብሔር ንነፍስ-ሄር መምህር ዓንደብርሃን መንግሰተ ሰማያት ይሃቦም: ንምሉእ ስድራ ቤት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን ድማ ጸንዓት ይሃብ።

ታሪኽ ሕይወት ናይዞም ምሁር ኣቦ ኣብ ቀጻሊ ከነቅርቦ ኢና።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ: ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div