S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ማርያም በይ ኤርያ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 23 - 25/ 2009 ጥሪ ፲፮ - ፲፰ 2001 .. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።

ኣብ ዕለተ ዓርቢ: ሎሚ ንኻልኣይ ግዜ ብንኡስ ሃገረ ስብከት ዝተማእከለ ዓመታዊ ስልጠና ውሉደ ክህነት ተኻይዱ። እቲ ሰፊሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ፡ ብምሁራት ውሉደ ክህነት ዝቐረበ ሸሞንተ ምጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ኣብዚ ዝስዕብ ኣርእስትታት ዘተኮረ ነበረ። 1. ቀኖና ቤተክርስትያን፡ ቅድሚ እተን ሰለስተ ዓለም ለኻዊ ጉባኤታትን ዝተኻየደ ንኣሽቱ ጉባኤታትን ቀንዲ ትሕዝቶአንን። 2. ተግባርን ተልእኾን ኣበ ንስሓ። 3. ባህረ ሃሳብ። 4. ኣብ ሞንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስትያናት ዘሎ ፍልልይን ታሪኻዊ መንቀሊኡን። 5. ኣብ ሞንጎ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ኦርየንታል ኦርቶዶክስን (ተዋሕዶን) ዘሎ ፍልልይ፡ ንምጽባቦም ዓሊሙ ዝተኻየደ ጉባኤታትን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለን። 6. ጸገማት ኣገልገልትን ምእመናንን ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን። 7. ሕጊ ምፍራስ ዘስዓቦ ህልዉ ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን ተራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን። 8. ዕላማ፡ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤርትራ .. ቤተክርስትያን፡ ኣብዚ ፈታኒ እዋን። ሰሚናር ምስ ተወድአ ብዋዜማ ናይ ዓርቢ መደብ ተዛዘመ።

ቀዳም ካብ ወጋሕታ ብስብሓታት ዝተጀመረ ክብረ በዓል ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፤ ክብሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምንጩ ሕርየት ሥላሴ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ኣቦታት ቤተክርስትያን ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝሃብዎ ምስክርነትን ብሰፊሑ ዘረድእ ስብከት ድሕሪ ቅዳሴ ተዋሂቡ። ንሕና ምእመናን ከምቲ ጸሎትን ኣማልድነትን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንምሕጸን፤ ብእምነትን መንፈሳውነትን ድማ ናይ ኣዴና ክንወርስ ከምዝግባእ ዝምህር መሳጢ ትምህርቲ ቀሪቡ። ኣስዒቦም ህጻናት ዝተማሃርዎ ትግርኛን እንግሊዘኛን ጸሎትን መዝሙርን ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዛሙር ከቕርቡ ከሎዉ ምእመናን ሓቢሮም ምስ ደቆም ብምዝማር ከኣ ክብ ዝበለ ፍስሃን ሓጎስን ኣብ ገጾም ይንበብ ኔሩ። ብድሕሪዚ ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንዳተመርሑ ምእመናን እንዳዘመሩን እንዳሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ። ኣዴታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተክርስትያን ዘዳለወኦ ምግቢ ብምብላዕ ንዓመታ ኣብ ናትና ቤተክርስትያን ከነብዕሎ ኢና ብዝብል ቅዱስ ቅንኢያብጽሓነ ዓመ ከመ ዮም። ንዓመታ ከምዚ ሎሚ የብጽሓና ጎይታዝብል መዝሙር ናይ ቀዳም መደብ ተዛዘመ።

ኣብ ዕለተ ሰንበት ድሕሪ ጸሎተ-ምህለላ፡ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያት ተሰቒሎምዋ ዝነበሩ ጃልባ ብማዕበል ክትህወኽ ስቕ ኢሉ ዝርኣየ እምነቶም ኪፍትን ምዃኑ፤ ሎሚውን ቤተክርስትያንና ገጢምዋ ዘሎ ፍተና ይኹን፡ በብውልቅና ንሓልፎ ዘሎና ፈተናታት ጎያ እምነትና ኪፍትን እምበር ንጉድኣትና ዝሕልን ኣምላኽ ስለዘይብልና፡ ንሓቂ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተና፡ ኣብ እምነትና ክንጸንዕ፡ ዕለት ዕለት ኣብ ኣምላኽ ንዓቢ ከምዘሎና ከነረጋግጽ ከምዝግባእ ዘዘኻኽር ትምህርቲ ቀሪቡ። ብድሕሪዚ ምእመናን ኣዝዮም ዝፈተውዎን ብሰፊሑ ዝተዋስእሉን ብዛዕባ ሕማም ሽኮርን ኣተሓሕዛኡን ብዝምልከት ብናይ ሕማም ሽኮር ክኢላ ብዲያቆን (ዶክቶር) ብርሃነ ስዩም ቀሪቡ። ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ብምምራሕ ምሳሕ ሰዓበ። ኣታዊኡ ንምግዛእ ቤተክርስትያን ዝውዕል፡ ኣዴታት ዘዳለዎኦ ሎተሪ ኣብቲ መዓልቲ ኩሉ ተሸይጡ፡ ትዓወትቲ ኸኣ ዝተመደበሎም ንብረት ተቐበሉ።   ምእመናን ካብ ሓሙስ ምሸት ጀሚሮም ክሳብ ሰንበት ኩሉ ዋኒኖም ኣወንዚፎም ከቕርብዎ ዝቐነዩ መስተንግዶ ብምምጓስ ኣጋይሽ ብሰላም ነናብ ዓዶም ተፋነዉ። ምእመናን ብወገኖም ከምዚ ዝኣመሰለ ብትሕዝቶ ዝሃበተመ መንፈሳዊ መደባት ንመጻኢ ብቐጻሊ ክዳለወሎም ተላብዮም። ኣብ ኣገልገልትን ምእመናን ዝቐነየ ፍስሃን ሓጎስን ብዝበለጸ ንምዕዛብ ስእላዊ መግለጺ ተኸታተሉ

እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ስጋዊ ናብራና በረኸት ወሲኹ፡ ብመንፈስ ዓብዪናን ደልዲልናን ንዓመታ ብዝበለጸ፡ ኣስተርእዮ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን።

ንብፁእ ቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።
ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን . ማርያም ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div