S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ብሰላም ተዛዚሙ !

እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ካብ ሓሙስ 20 ክሳብ ሰንበት 23ሓምለ 2017 . (፲፫ ክሳብ ፲፮ ሓምለ ፳፻፱ . ግእዝ) ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ከተማ ሻርሎት ክካየድ ዝቐነየ መበል 19ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብጸሎተ ቅዳሴ ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስጳጳስ ዲበ-ኩሉ ብሰላም ተዛዚሙ።

ኣብዚ ንሓያሎ ኣዋርሕ ሰፊሕ መደባትን ምድላዋትን ክግበረሉ ዝጸንሐ ዓመታዊ ጉባኤ ምእመናን ኦርቶዶክስ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለግዝኣታት ሰሜንኣሜሪካ ብዝመጹ ብዙሓት ኣቦታት ካህናት፥ዲያቆናት፥ ምእመናንን ምሁራን ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ማዕሪጉ ብጸሎት ብፁዕ ኣቦና ብወግዒ ምስ ተኸፍተ"ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደኃን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ይብል እግዚኣብሔርኤርምያስ 29:11ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ተኸቲሉ ብክፍሊ ትምህርትን ስብከትን ዝተዳለወ መደባት ብብጊዜኡን ሰዓቱን ዝተፈላለየ ኣስተምህሮ፥ ስብከት፥ መዝሙራት፥ ከምኡውን ጸሎተ-ማሕበር ናይ ንግህን ሰርክን ክበጽሕ ቀኒዩ።

ብተወሳኺ ኣብ መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ፍሉይ ዝኽሪ ዕለተ-ልደት መበል 90 ዓመት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ብክብሪ ተዘኪሩ፡ ጸሎተ-ምህለላ ተገይሩ። ብድሕሪ ቅዳሴ ታቦተ-ጽላት ብኽብሪ ተዓጅቡ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ቀጽሪ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት ንዝርከብ ፈልፋሊ ዓይኒ-ማይ ማየ-ጸሎት ኮይኑ ንኸገልግል ካብ ወንጌል ዮሓንስ 5 ምዕ ምስ ተነበበ ሥርዓተ-ጸሎት ተገይሩ፥ ህዝቢውን ብዕልልታን ሓጎስን ኣመስጊኑ።  መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብዚ ናይ ፈተና ከቢድ  እዋን ምእንቲ ልዕልና ሕግን ሓቅንንዕብየትን ሓድነትን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረገ፡ ንኦርቶዶክሳውያን ምእመናን መንፈሳዊ፥ሞራላውን ማሕበራውን ሰፊሕ ኣገልግሎት ዝህብን ብሓዋርያዊ ቅድስና 3 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምራሕ ምእኩል ሃገረ ስብከት እዩ።

እዚ ዓመት መጸ 19 ዓመታት ብዘይምቁራጽ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ክግዝኣታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝጋባእ ዓመታዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን 1999 . መንፈሳዊ ቅንኢ ብዝሓደሮም ኦርቶዶክሳውያን መንእሰያት ተመሃሮ ልዑል ትምህርቲ ብወግዒ ዝጀመረ ሠናይ ተበግሶ እዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ብውሉደ-ክህነትን ምእመናን ማዕሪጉ፥ ብቡራኼ ካብ መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ ብዝለኣኹ ኣቦታት ጳጳሳት 6 ዓመታት ብጽቡቕ ምስ ቀጸለ፡ 2005 . መበል 7 ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ክካየድ፡ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስውን ብኣካል ክሳተፍዎ ብዙሕ ሃረርታን ትጽቢትን እናተግብረሎም ከሎ፥ ብውዲት መንግሥቲ ኤርትራ ሃንደበት ወግዓዊ መገሻ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ተሰሪዙ፥ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ምስ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተማኺሩ ንኣቡን ሉቃስ ስለ ዝለኣኾም፡ ኣብ መንጎ ተጋባእቲ ከቢድ ሕንፍሽፍሽን ምብትታንን ከም ዘእተወ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝበሎ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝኸፈቶ ማንም ሰብ ክዓጽዎ ስለ ዘይክእል፥ (.ዮሓ 37) እንሆ ካብ 1999 . ጀሚሩ ክሳብ 2017 . 19 ዓመታት ብዙሕ ዋጋ ከፊሉ ንኹሉ ማሕለኻታት ናይ ሰይጣን እንዳ በተኸ፥ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ብማሕበረ ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን እንዳሰሰነ ኣብ ትስፍው መንፈሳዊ ንጥፈታት ይርከብ ኣሎ። ኣብ መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ፡- ብዛዕባ ሓድነትን መጻኢ መደባትን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥

ብዛዕባ መንፈሳዊ ትምህርትን ተካእቲ መንእሰያትን፥ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን፥ ብዛዕባ ምምዕባል ዓቕሚ ካህናትን ዲያቆናትን፥ ብዛዕባ መራኸቢታትን እዋናዊ ዜናታትን፥ብዛዕባ ብብዝሒ ዝስደዱ ዘሎዉ ውሉደ ክህነትን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን፥ብዛዕባ ምስፋሕ ትምህርቲ ሥነ መለኮትን ዕዮ ወንጌልን ... ወዘተ ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ ኣሎ።

ብሓፈሻ መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ በረኸት ኣምላኽ ዝሰፈኖ ዕዉት ጉባኤ እዩ ነይሩ። በዚ ኣጋጣሚ ንጉባኤ ካህናትን ምምሕዳር ሃገረ ስብከትን መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ሻርሎት ክበዓል ምውሳኑ ዝምስገን ውሳኔ እዩ። ብፍላይ ከኣ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ምስ ምእመናን ቅዱስ ሚካኤል ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከተማ ሻርሎት በቲ ዘርኣይዎ ትግሃትን ክርቲያናዊ ተወፋይነትን ልባዊ ምስግና ይግብኦም። ከምኡውን ንኹሎም ኣቦታት ካህናት፥ ዲያቆናት፥ ምእመናንን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝተሳተፉ ህዝበ-ክርስቲያን ጻማኹም እግዚኣብሔር ይኽፈልኩም ንብል። ሠናይ ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን! መበል 20 ዓመታዊ  ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ከተማ ስያትል ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

 

ዕድመን ጥዕናን 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ!

ኣሳልጦን ዓወትን ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ!

ክብርን ምስጋናን ንልዑል እግዚኣብሔር ይኹን!

ደቂቀ እንጦንዮስ፥ ዘክርስቶስ

 

ገለ ካብቶም ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ዝተዋህቡ...

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div