S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቀሲስ-ተስፎምን ዲያቆን-ብርሃነን ኣብ ኤውሮጳ ዝፈጸሙዎ ሓዋርያዊ-ዑደት

ኩነታት ሃገርና ካብ ዝበላሾ ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ብሰንኪ እዚውን እቲ ሕይወት መሪሩዎ ንስደት ዘምርሐ ሕዝብና፥  ማንም ክግምቶ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ብዙሕ ስለ-ዝኾነ፥ ሕዝቢ-ሓበሻ ዘይበጽሖ ሃገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ሕዝቢ ከኣ ምጽንናዕን ተስፋን ዘድልዮ

ምዃኑ፥ ማንም ክርድኦ ዝኽእልዩ። ግዳስ እዚ ሕዝቢ ዑቕባን መጽግዕን ዝኾንኦ ሃገራት እኳ እንተዘይሰኣነ፥ ኣብቲ መንፈሳዊ-ሕይወት ጠሚትካ ክዝረብ ከሎ ግን፥ ግቡእ ሓለዋን መጓሰን ይረክብ ኣሎ ዝበሃል ኣይኮነን። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ግና “-ሰብ ብቓለ እግዚኣብሔር እምበር፥ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን-“ ብምባል  ኣቐሚጡዎ ዘሎ። (ማቴ. 3/4)

ካብዚ ነጥቢ ብምብጋስዮም እምበኣርከስ፥ ዶክተር ቀሲስ-ተስፎም ገዛእን፥ ዶክተር ዲያቆን ብርሃነ ሥዩምን፥ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ኢሎም፥ መንገዶም ናብ ኤውሮጳ ኣቢሎም ክቕንዑ ዝተረኽቡ። እቲ ዑደት ብዓዲ-እንግሊዝ ዝጀመረ ኮይኑ፥ ኣብ ከተማ-ማንችስተር ኣብ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ጀሚሩ። ኣብዚ ዕለት 04/02/2017 ዝተቓንዐ ጉባኤዚ፥ ኣገልግሎት ቅዳሴ ምስ ተፈጸመዩ፥ እቲ መድረኽ ንዶክተር ብርሃነ ክወሃቦም ዝኸኣለ። ዶክተር ብርሃነ ኣብዚ እዋን ሓደ ካብቶም ኣዚዮም ዕዉታት ዝበሃሉ ሓካይም እንተኾኑ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ብዘለዎም ቅንኣት ግና፥ በቲ ኣብ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ተፈጢሩ ዝርአ ዘሎ ሃጓፍ፥ ድቃስ ዝወስዶም ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም፥ ንኣገልግሎት-ወንጌል ብዙሕ ትዅረት ሂቦም ክሥረሑሉ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።

ዶክተር-ብርሃነ ኣብቲ ዝሃቡዎ ትምህርቲ፥ ከም መሠረት ጌሮም ዘቐመጡዎ፥ ሓሙሽተ ኣእማደ-ምሥጢርን ሾብዓተ ምሥጢራት ቤተ-ክርስቲያንን እዮም። ከም ኣበሃህላኦም “-ሓደ ኣብ ሃይማኖት ኣለኹ ዝብል ሰብ፥ ነቶም ኣእማደ-ምሥጢርን ሾብዓተ-ምሥጢራትን፥ ከም ናይ እምነት እብነ-መሠረት ገይሩ፥ ኣብ ጽላት ልቡ ክጽሕፎም ክኽእል ኣለዎ። ከመይሲ ኩሉ ነገር ብዘይ መሠረት ጸኒዑ ክቐውም ከም-ዘይክእል፥ ኣብቶም ሓሙሽተ-ኣዕኑድን ሾብዓተ-ምሥጢራትን ዘይተመሥረተ እምነትውን፥ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ክርከብ ዝኽእል ኣይኮነን-“ ብምባልዮም፥ እቶም ናይ ሥነ-መለኮትውን ምሁር ዝኾኑ ዶክተር፥ ኣበርቲዖም ክጸቕጡሉ ዝተራእዩ።

ዶክተር ብርሃነ ኣብ ሚቺጋን ወይንስቴት ዩኒቬርስቲ፥ ተሓጋጋዚ-ፕሮፌሴር ኮይኖም ዝሠርሑ ደኣ ይኹኑ እምበር፥ በቲ ዉሉደ-ክህነት ብምዃን ዘለዎም ሃይማኖታዊ ሓላፍነት ድማ፥ ኣብቲ ምእንቲ ድኅነት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፥ ተወፋይነት ዝሓትት ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ ተባሂሉ፥ ካብ ዝንገረሎም ብዙሓት ዉሉደ-ክህነት ሓደ ምዃኖም ዝፍለጥ። ስለ-ዝኾነ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሎሚ፥ ኣብ እስራኤልን ስዊስዘርላንድን ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝን ስዊስዘርላንድን፥ ክቕጽሉዎ ተረኺቦም ኣለዉ። ካብ ተመክሮኦም ድማ እቲ ማኅበረ-ምእመናን ብዙሕ ከም-ዝተማህረ፥ ባዕላቶም እቶም ኣብቲ መደብ ተሳተፍቲ ዝነበሩ፥ ክምስክሩዎ ዝኽእሉ ሓቂዩ። እቲ ሕዝቢ ዕግበት ክረኽበሉ ዝኽእል ጉባኤ ኮይኑ ከም-ዝተረኽበ ድማ፥ ካብቲ ሕዝቢ ንላዕሊ ክምስክር ዝኽእል የልቦን።

ብምቕጻል ዶክተር-ብርሃነ ዘተኮሩሉ “-ምሥጢረ-ተክሊል-“ እዩ። ማለት ብዛዕባ ኣእማደ-ምሥጢርን ምሥጢራት ቤተ-ክርስቲያንን ኣፍልጦ ከይሃለወካ ዝግበር መርዓ፥ ደልዲሉ ደው ክብል ዘኽእሎ ጽንዓት ስለ-ዘይህልዎ፥ ካብ ውድቀት ክድኅን ይኽእል ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ቃል-ኪዳን ጸኒዑ ደው ንኽብል፥ ሕዝብና ኣቐዲሙ ምሥጢራት ቤተ-ክርስቲያን ክመሃርን ክፈልጥን ክኽእል ኣለዎ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋንዚ፥ ከምዚ ዝተባህለ ኮይኑ ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ፥ ብዓቢኦም እቶም ኣቦ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ፓትርያርክ ተኣሲሮም እናሃለዉውን፥ ብዛዕባ ጉዳይ ክግደሱ ዝደልዩ ብዙሓት ኮይኖም ኣይረኣዩን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃሎኻ ድማ፥ ሃይማኖት ኣሎኒ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ከኣ ቤተ-ክርስቲያንና ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጻ ከም-እትርከብ፥ ገይሩዋ ዝርከብ ዘሎ።

ግዳስ ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ዝፍተን፥ እታ ቤተ-ክርስቲያንውን በዚ ከቢድ ፈተና ክትሓልፍ ግድን ስለ-ዝኾነ፥ ነቲ ፈተና ብጸጋ ተቐቢላ በቲ ሓዊ ክትሓልፍ፥ ግዴታኣ ምዃኑ ጽቡቕ ገይራ ትፈልጦ እያ። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ክሳብ ሞት እሙን ኩን-“ እዩ ዝብል። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያን፥ ውጽ ኢት ናይቲ ብምሥጢረ-ተክሊል ዝቐውም ስድራ ስለ-ዝኾነት፥ እቲ ስድራ ዝበሃል ብመንፈስ እናተሓንጸ ከም-ዝዓቢ ክግበር እንተ-ዘይክኢሉ፥ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን ካብ ሓደጋ ከምልጥ ይኽእል ክበሃል ኣይከኣልን። እምበኣር እዚ ፈታኒ ዝኾነ ኩነታት ከኣዩ፥ ሕጂ ንቤተ-ክርስቲያንና ኣጋጢሙዋ ዝርከብ ዘሎ። ከመይሲ እታ ውርሻ ኣቦታትና ዝኾነት፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብከቢድ ፈተና እናተፈተነት ትሓልፍ ኣብ ዘላትሉ ኣብዚ እዋንዚ፥ እቲ ቃንዛ ዝስምዖም ብዙሓት ኣለዉ ክንብል ንኽእል ኣይመስለናን። እዚ ከኣ ናይቲ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ትማሊ ዝጸንሐን፥ ገና ሕጂውን ዝርአ ዘሎን ድኽመት፥ እኩብ ድምር ክበሃል ይከኣል።

ስለዚውን  ነቲ ዝጸንሐ ድኽመት ንምእራም፥ እተን ስድራታት መሠረት ኣፍልጦ መጽሓፍ-ቅዱስ ከም-ዝህልወን ኣብ ምግባር፥ ኣበርቲዕና ክንሠርሓሉ ዘሎና ተልእኮ-ወንጌል ክንብል ንኽእል። ብኣፍልጦ ትምህርቲ-ሃይማኖት ዝተሓንፃ ስድራታት ምህላወን ከነረጋግጽ ከይከኣልና ግና፥ ህልውና ሓንቲ ብቕዓት ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን ከነረጋግጽ ከም-ዘይንኽእል፥ ምፍላጡ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ስለዚውን ሕዝብና ዕለታዊ መጽሓፍ-ቅዱስ ምንባብን ምጽላይን ከም-ዘድልዮ ክንገሮ፥ ቀዳምነት ሂብና ክንሠርሓሉ ዝግባና እዋናዊ ጉዳይ-“ ብምባልዮም ዶክተር ብርሃነ ጸቒጦም ከረድኡ ዝደለዩ። ብዝተረፈ ንሶም እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዘሎ ድኽመት ክዕረ እንተደኣ ኮይኑ፥ ኣቐዲሙ መሠረት ስድራ-ቤታት ክዕረ ዘለዎ ብምባልዮም፥ ብክርስትና ዝተሓንፃ  ስድራ-ቤታት ኣብ ምምሥራት፥ ዓቢይ ጠመተ ጌርካ ክሥረሓሉ ከም-ዝግባእ፥ ጸቒጦም ከተሓሳሰቡ ዝደለዩ።

ብዝተረፈ ዝኾነ ኣፍልጦ ከይሃለወን፥ ኣብቲ መንፈሳዊ-ሕይወት ዘሎ ርድኢት ከይዓበየን ዝግበር መርዓ ግና፥ እቲ ውጽኢቱ፥ እንታይ ክኸውን ከም-ዝኽእል፥ ካብዚ ሕጂ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝርአ ዘሎ ድኽመት ንላዕሊ፥ ክቐርብ ዝኽእል ካልእ መረድኢ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ህልውና ኣብ መሠረት ክርስትና ዝተሓንፃ ስድራ-ቤታት ምርግጋጽ ከይተኻለ ግና፥ እቲ ሕጂ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝርአ ዘሎ ድኽመት፥ መወዳእታ ክህልዎ ይኽእል ኢልካ ዝሕሰብውን ኣይኮነን። ብዝተረፈ ኣብዚ እዋን ወገን ቤተ-ክርስቲያን ኮንካ ምርካብ፥ ከቢድ ዋጋ ዝሓትት ፈተነ ምዃኑ ዘይርድኡዎ እንተለዉ ዘገርም ኣይኮነን። ዝነግሮን ዝምህሮን ዝሰኣነ ሕዝቢ ብኸመይ ክፈልጥ-?! እምበኣር እዚ ድኽመት ከም-ዝእረም ተገይሩ፥ እቲ መሠረት ብደረጃ ስድራ-ቤታት ክሕነፅ እንተ-ዘይክኢሉ፥ ሕዝብና ኣብ ርድኢት ክመጸሉ ዝኽእል ካልእ መንገዲ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስለናን። ብዝተረፈ ካብዚ ዝሓለፈ 11-ዓመት ጀሚሮም፥ እቶም ኣቦ ኩልና ዝኾኑ ፓትርያርክ ኣብ ማሕዩር ይርከቡ ምህላዎም፥ ዘይፈልጡን ምናልባትውን ዘይርድኦምን እንተለዉን ዘገርም ኣይኮነን።

እወ ምእንቲ ድኅነትን ክብርን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ በጃ ንምዃን ብዙሓት ኣቦታት ብዙሕ ፈተናታት ክቕበሉ ጸኒሖምዮም። ገናውን ኣብ መቝሕን ኣብ ስደትን ዝርከቡ ዘለዉ ዉሉደ-ክህነትና ዉሑዳት ኣይኮኑን። ይኹን እምበር ነቲ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ፈተናታት፥ ብጸጋ ዝቕበሉዎ ዝኽእሉ ኣቦታት ክህሉዉና ምኽኣሎም፥ ክንደይ ከሐብነና ዘይግብኦ ኣይኮነን።  ግዳስ  እዚ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንን ደቂ ቤተ-ክርስቲያንን ዝፍጸም ዘሎ መቝሕን ስደትንዚ፥ ብመንጽር ኣብቶም ቀዳሞት ክርስቲያን ብኔሮን ዝተፈጸመ ህልቂት ክርአ ከሎ፥ ከምኡውን ብመንጽር ብቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ-ኣርመን ዝተፈጸመ፥ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ-ግፍዒ ክርአ ከሎ፥ ምስኡ ዝወዳደር ክንብል ኣይንኽእልን። ከምኡ ስለ-ዝተባህለ ግና ኣብ ቤተ=ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ዝተፈጸመ ወይ ዝፍጸም ግፍዒ የልቦን ማለትና ኣይኮነን። እቶም ፓትርያርክ ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ መቑሕ ይርከቡ ምህላዎም ግና፥ ካብኡ ዝዓቢ ግፍዒ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ነቲ ብመቑሕን ስደትን  ኣቢሉ ዝመጽእ ፈተና ፈሪሕካ ግና፥ ምስቶ ፀረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ኃይልታት-ፖለቲካ ተደናጋጺ ኮንካ ምርካብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እሙን ኮንካ ክትርከብ ዘኽእል ኣይኮነን። ስለዚውን ዝሓተተ ዋጋ ይሕተት ብዘየገድስ፥ ኣብ ዝኾነ እዋንን ሰዓትን ንዝኾነ ፈተና ዝጻወር ትዕግስቲ ክህልወና ዝግባእ-“ ኣብ ዝብል ሓሳብ ብምትኳርዮም ዶክተር ብርሃነ፥ንሕልና ሰማዕቲ ከለዓዕል ዝኽእል ሓናፂ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ።

ከምኡውን ዶክተር-ብርሃነ፥ ንጽባሒቱ ዕለት 05/02/2017 ናብ ርእሰ-ከተማ ዓባይ-ብሪታንያ፥ ማለት ኣብ ሎንዶን ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም፥ ተመሳሳሊ ጉባኤ ብምክያድ፥ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ንዝተኣከበ ሕዝቢ፥ ዕግበት ክረኽበሉ ዝኽእለ፥ ግሩም ዝኾነ መሃርን ሓናፅን ትምህርቲ ክህቡ ክኢሎም። ብተወሳኺውን ዶክተር-ብርሃነ ንሕማም ሽኮርያ ብዝምልከት፥ ሕዝቢ ክፈልጦን ክጥንቀቐሉን ዝግባእ፥ ኣብ መሠረታዊ ነገራት ብምትኳር ዝሃቡዎ ትምህርቲ፥ ብብዙሕ እቲ ሕዝቢ ዝዓገበሉ ትምህርቲ ምንባሩ ክጥቀስ ግቡእዩ።

እዚ ሓዋርያዊ-ተልእኮ ግን፥ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ጥራይ ዝውዳእ ኣይነበረን። ኣቐዲሙ ተሠሪዑ ብዝነበረ ፕሮግራም መሠረት፥ ቀዳም  11/02/2017 ኣብ ስዊስዘርላንድ ከም-ዝቕጽል ተገይሩ። ኣብዚ ኣብ ከተማ-ዙሪክ ኣብ ዝርከብ፥ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ዝተኻየደ ጉባኤዚ፥ ዶክተር ቀሲስ-ተስፎምውን ስለ-ዝተሓወሱዎ፥ ክልቲኦም ምሁራን ብምትኅብባር መሃርን ሓናፅን መደብ ከቕርቡ ስለ-ዝኸኣሉ፥ ዳርጋ ዘይተሓጎሰ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል።

ብዝተረፈ ቀሲስ-ተስፎም ዘቕረቡዎ ትምህርቲ፥ ኣዚዩ ሰፊሕ መደብ ዘጠቓለለ ኮይኑ፥ እቲ ኣዚዩ ኣገዳስን መሃርን ዝነበረ ዘቕረቡዎ መደብ ብጽማቝ ክርአ ከሎ ግና፥  ብጠቕላላ ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና ዘተኮረ ኮይኑ፥ እቲ ሕጂ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ዝርአ ዘሎ ቅልውላው፥ እቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ምምሕዳር ቤተ-ክርስቲያን ዝርከቡ ኣቦታት፥ ሓላፍነቶም ብምዝንጋዕ ኣገልገልቲ ዓለም ክኾኑ ካብ ምድላይ፥ ዘርእዩዎ ዘለዉ ድኽመት ብምባልዮም ቀሲስ-ተስፎም ገሊጾሞ። ከም ኣበሃህላኦም መሠረት ወይ ጉንዲ ቤተ-ክርስቲያን፥ ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኮይኑ፥ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትና ሓዋርያት ዝወረደ ኃይሊ መንፈስ-ቅዱስ ኣቢሉ ድማ፥ እቲ ሥልጣነ-ክህነት ብኣንብሮተ-እድ እናተወራረደ መጺኡ፥ እቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ኣብ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ በጺሑ ይርከብ ኣሎ።

ሕጂ ግና ከምቲ ደቂ-ኣሮን ናዳብን ኣብዩድን ዝገበሩዎ፥ ካብ ድሌትን ፍቓድን እግዚኣብሔር ወጻኢ፥ ካልእ መንገዲ ክኽየድ ተመሪጹ ኢና ንርኢ ዘሎና። ማለት ብሉይ-ኪዳን ከም-ዝብሎ፥ እቶም ናዳብን ኣብዩድን ዝተባህሉ ደቂ-ኣሮን። ብእግዚኣብሔር ዘይተኣዘዘ ካልእ ባዕዲ ዝኾነ ሓዊ፥ ኣብ ጽንሓህ ብምግባር ክንዓጥን ኢሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር  ስለ-ዝቐረቡ። ከም ሳዕቤን እቲ ዝገበሩዎ በደል ከኣ፥ ቁጥዓ-ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ክነድድ ከም-ዝኸኣለ ክንርኢ ንኽእል፥ በዚ ድማ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ከም-ዝበልዖም እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተዛሪቡ ኣሎ። እምበኣርከስ ሕጂውን ኣብዚ ዘሎናዮ ሰዓት፥ ተመሳሳሊ ነገር ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ። ከመይሲ እዞም ሕጂ መንገዲ ደቂ-ኣሮን መሪጾም፥ ንቤተ-ክርስቲያን ክሕምሱዋ ዝርከቡ ዘለዉ ፈሪሳውያን፥ ካብቲ ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን መጠን ዝበቘልናዮ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጻኢ፥ ካልእ ምስ ቅድስና ዝኾነ ምትሕሓዝ ኣለዎ ዘይብሃል፥ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ሒዞም ሃውቲቶም ክኸዱዮም ዝርኣዩ ዘለዉ። እዚ ግና ካብ ተግባር ደቂ ኣሮን ፈሊኻ ክርአ ዝኽእል ኣይኮነን። ንሳቶም እዞም ሰባት እዚኣቶም፥  ከም ዴማስ ነዛ ዓለምዚኣ ስለ-ዘፍቀሩዋ ግና፥ ገና ሕጂውን ብቅድስና ቤተ-ክርስቲያን ክጻወቱ ምቕጻሎም፥ ክንደይ ዘሕዝን እዩ።  (ዘሌ. 10/1-2)(2 ጢሞ. 4/10)

ብዝተረፈ ንሕና ደቂ መንበረ-ማርቆስ ኢና ክሳብ ዝበልና፥ ካብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጻኢ የማነ ጸጋም ኣላጊስና፥ ንኸዶ መንገዲ ከም-ዘይህልወና እናተፈልጠ ከሎ። እዞም ካብ ጸጋ-እግዚኣብሔር ርሒቖም ብፍቕሪ-ዓለም ተነዲፎም ዝረኣዩ ዘለዉ ዴማሳውያን፥ እቲ ሒዞሞ ዘለዉ መንገዲ ንቁጥዓ-ኣምላኽ ዝዕድም ኣዚዩ ሓደገኛ ምዃኑ፥ ክሳብ ሕጂ ክርድኦም ዘይምኽኣሉ ብጣዕሚ ዘገርምዩ። ብዝተረፈ መጠኑ ዝሓለፈ ድርቅና ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ካብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ናይ መንበረ-ማርቆስ ወጺኢ ኮንካ እነብር ኣለኹ ማለት። ርእስኻ ምትዕሽሻው እንተ-ዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ዝኽእል ኣይኮነን። እዚ እናታለልካ ክኽየድ ዝድለ መንገዲ እውን፥ ንማኅበረ-ሰብ ዓለም ንምግጋይ ብዙሕ ፈተነታት ክካየደሉ ከም-ዝጸንሐ ዝፍለጥዩ። እቲ ናይ ዓለም ማኅበረ-ሰብ ግና፥ ብጀካ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካልእ ከም-ዘይፈልጥ፥ ግልጺ ገይሩ ክዛረብ ጸኒሑዩ። ሕጂውን ገና ይዛረብ ዘሎ።

ንሳቶም እቶም እግዚኣብሔር ዘይኣዘዞ ባዕዲ ሓዊ ሒዞም፥ ክንዓጥን ኢና ኢሎም ኣብ ምዕግርጋር ዝርከቡ ዘለዉ ግና፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣሮን ዝወረደ ኣምላኻዊ-ቁጥዓ፥ ከስተውዕሉዎ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ። ከም ሳዕቤን ኩሉ ድማ እንሆ፥  ከምቲ ንደቂ-ኣሮን ሓዊ ዝበልዖም፥ ንዓናውን ሓዊ ምድረ-በዳ እናበልዓና ዝርከብ ዘሎ-!! ከም ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምንውን፥ ባሕሪ ኣፋ ከፊታ እናወሓጠትና ትርከብ ዘላ-!! ስለዚ ክህነትና ክህነት ኣሮን ክኸውን እንተደኣኮይኑ፥ ሓውና ጋሻ ሓዊ ክኸውን የብሉን። እቲ ሳዕቤኑ ስለ-ዝርደኣና ከኣ ኢና፥ እዚ ጋሻ ሓዊ ኣይንቕበልን ብምባል፥ ኣብቲ ክርስቶስ ዝመሠረቱ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዕና ደው ኢልና ንርክብ ዘሎና። ስለዚ ድማ ኢናዘኣበዮ ለእንጦንዮስ ኣበዮ ለመንፈስ-ቅዱስምባልና ቀጻሊ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። ብዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል መልእኽቲዮም፥ እቶም ሰባኽ-ወንጌል ዝኾኑ ካህን ኣመሓላሊፎም።

ቀሲስ-ተስፎም ዝህቡዎ ትምህርቲ፥ ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን ዘተኮረ ኮይኑ ብምርካቡ፥ ንተገዳስነትብዙሓት  ተሳተፍቲ ዝዕድም ኮይኑ ተረኺቡዩ። በዚውን ካብቶም ተጋባእቲ ብዙሕ ሕቶታት ክቐርብ ተራእዩ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ወገን ማኅበረ-ምእመናን፥ ብዛዕባ ቤተ-ክርስቲያን ዘሎ ኣፍልጦን ተገዳስነትን እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ዘመልክትዩ። ብዝተረፈ ቀሲስ-ተስፎም ኣብታ “-ህላዌ-ኣምላኽ እትገልጽ፥ ወትሩ እትነድድ ሓዊ ክንዕቅባ ኣሎና-“ ትብል ኣበሃህላ ብምትኳር ዝሃቡዎ ትምህርቲ፥ ንስምዒት ተጋባኢ ዝነበረ ሕዝቢ ብብዙሕ ዘለዓዕል ኮይኑ ተረኺቡ ክበሃል ይከኣል። እዛ ሓዊዚኣ ከኣ እታ ምስ መንበረ-ማርቆስ እተራኽበና፥ ብማኅተም መንፈስ-ቅዱስ ዝጸንዐት ሓዋርያዊት-ሰንሰለት እያ። ነዛ ሓዊዚኣ ከኣዮም ቀሲስ-ተስፎም፥ “-ህላዌ-ኣምላኽ-“ እትገልጽ ብምባል፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ኣብ ምዕቃባ ዘለዎ ሓላፍነት ክፈልጥ ብምድግጋም ዘተሓሳሰቡ።

ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ፥ እዚ በዞም ክልተ ምሁራን ዝተገብረ ዑደት፥ ኣብ ማኅበረ-ምእመናን ክሳብ ክንደይ ዝኣክል እወንታዊ ጽልዋ ከሕድር ከም-ዝኸኣለ፥ ካብቲ ተሳታፊ ኮይኑ ዝወዓለ ሕዝቢ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ብዝተረፈ እዚ ዑደት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ንኣገልግሎት-ወንጌል ብብቕዓት ክገጥም ዝኽእል ዉሉደ-ክህነት፥ ኣብ ተፍርየሉ ደረጃ ከም-ዝበጽሐት ዘረድእ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ኣዚዩ ሕዝቢ ዝዓገበሉ መሳጢ ጉባኤ ድማ፥ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዕዉት ክበሃል ዝኽእል ኣገባብ ክካየድ ምኽኣሉ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ፓትርያርክነት ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ከምኡውን ዓቃቤ-መንበርነት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ተጠርኒፉ። ምእንቲ ዕቤትን ክብርን ትንሣኤን ተዋሕዶ ዝቃለስ ዘሎ ዉሉደ-ክህነት ዓወት ክብሃል ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ዘኣንበሳ ማርቆስ    

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div