S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ

ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል ብቀዳም ዕለት 19 ሕዳር 2016 ኣ.ፈ (፲ ሕዳር ፳፻፱ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ን7ይ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብነፈርትን መካይንን ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ልዑል ተስፋን ዕዙዝ በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።

መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል ብድሮ ዓርቢ ብዋዜማን ጸሎተ-ሰርክን  እዩ ጀሚሩ። ቀዳም ወጋሕታውን ኣቦታት ቆሞሳት ውሉደ-ክህነትን ማሕበረ-ምእመናንን ብዝጀመርዎ ጸሎተ ነግህን ነቲ ዕለት ዝምልከት ማሕሌት ከኣ ብቀሲስ መሪጌታ ዳዊትን መሪጌታ ዳንኤል እናተመርሐ፥ ብመንፈሳዊ ጣዕመ ዜማ ተሰንዩ ወረብ መዝሙር ምስጋናን ጸሎተ ቅዳሴን ዓሪጉ።ክልተ ሕጻውንቲ ደቅና (ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን) ሥርዓት ጸጋ-ጥምቀት ተፈጺምሎም ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብምዃኖም ከኣ ንወለድን ምሉእ ኣማኒ ህዝቢ ተሳታፊ እቲ ዓመታዊ ክብረ-በዓል ድርብ ሓጎስን ክብርን ዝሃቦ ሠናይ መደብ ኣምላኽ እዩ ነይሩ።

ብድሕሪ እዚ ናይ ዕለቱ ስብከተ-ወንጌል ብሊቀ ካህናት ቀሲስ ገብረሚካኤል መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርህዎ ይሰፍር፡ ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም። (መዝ 34:7) ካብ ዝብል መንፈሳዊ ጥቕሲ መሠረት ብምግባር፥ እግዚኣብሔር ሠናይ ምዃኑ ጠዓሙን ርኣዩን ብምባል ንልቢ ኣመንቲ ዝመሰጠ፥ ግሩም ስብከት ተዋሂቡ። ብተወሳኺ ነቶም ቅድሚ 12 ዓመታት ኣብዛ ዕለት እዚ ብዘይ ሓደ ገበንን ብደለን ብሰንኪ ኦርቶዶክሳዊ እምነቶም ጥራይ ኣብ ሰንሰለት ሞቝሕ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ካህናትን ነቶም ወዲ 90 ዓመት ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቦና ዝበጽሖም ዘሎ መከራን ብምዝካር  ሕልናዊ ጸሎተ-ኣስተንትኖ ተገይሩ።

ሚካኤል ማለት መን ከም እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ኣቦና ዳዊትውን “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ዚመስል የልቦን” ክብል ገሊጽዎ ንረኽቦ።መዝ 113፡5። በዚ መሠረት ድማ ኣምላኽ “ንህዝቢ እስራኤል ካብ ጭቆና ፈርዖንን መግዛእቲ ግብጽን” ብረድኤት ሊቀ-መላእኽት ቅዱስ ሚካኤልን መሪሕነት ነቢይ ሙሴን ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ መቒሉ፥ናብታ ምድሪ ርስትን ተስፋን ከም ዘእተዎም፥ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ንመከራ ቤተ ክርስቲያናን ሽግር ሃገርናን ቀንጢጡ ንኣመንቲ ጽድቂ፥ ንብኡሳት ዕርቂ፥ ንግፉዓት ፍትሒ፥ ንጨካናት ዝርህር ልቢ ክህቦም ጸሎተ-ምህልላ ተገይሩ፡ እትዉ-በሰላም! ተባሂሉ ጸሎተ-ቡራኬ ምስ ተገብረ ታቦት ብኽብሪ ውሉደ-ክህነት ተዓጂቡ፥ ተመሃሮ ት/ሰንበት ብዝተፈላለዩ መዛሙርን ብዕልልታን ኣዴታትን ተሰንዩ ዑደት ተኻይዱ። ብድሕሪ እዚ ብምእመናን ንዝተዳለወ ምሳሕ ንግደት ኩሉ ህዝቢ ተመጊቡ። በዚ ኣጋጣሚ ንኩልኹም ነጋድያን ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልኩም እናበልና፥ ብፍላይ ንምእመናን ደብረ ግዕዛን መድኃኔ-ዓለም ኣትላንታ ዕዙዝ መንፈሳዊ ምስጋናና ብምቕራብ ንኹልኹም ተሳተፍቲ ክብረ-በዓልና እግዚኣብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም ንብል።

በረኸትን ረድኤትን ሊቀ-መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን!

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ሊ/መ ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div