S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።                                      

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ታቦትና ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ

ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል ብቀዳም ዕለት 21 ሕዳር 2015 . (፲፩ ሕዳር ፳፻፰ .) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን 6 ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብነፈርትን መካይንን ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ልዑል ሓጎስን ፍሉይ በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ ተኸቢሩ ውዒሉ።

መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል ብድሮ ዓርቢ ብዋዜማ እዩ ጀሚሩ። ቀዳም ንግሆውን  ኣቦታት ውሉደ-ክህነትን ማሕበረ-ምእመናንን ብዝጀመርዎ ጸሎተ ነግህን ነቲ ዕለት ዝምልከት ማሕሌትን ብመንፈሳዊ ጣዕመ ዜማ ተሰንዩ መዝሙር ምስጋናን ጸሎተ ቅዳሴን ዓሪጉ። ብምቕጻል ንኽብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዝምልከት ንልቢ ኣመንቲ ዝመሰጠ፥ ግሩም ስብከተ-ወንጌል ተዋሂቡ። ኣቦና ዳዊትናሁ ሠናይ ወናሁ ኣዳም። ሶበ ይሄልዉ ኣኃው ኅቡረ!’’ እዚ ማለትእንሆ ህዝቢ እግዚኣብሔር ብሓደ ኃቢሮም ኪነብሩስ፥ ኣዝዩ ሠናይን ጥዑምን እዩ!” መዝ 1331 ከም ዝበሎ ኩሎም ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ብሕብረት ተኣኪቦም፡ ብጸሎተ-ኣምልኾን መዝሙር ምስጋናን ንእግዚኣብሔር ክውድሱ ክትርኢ ከሎኻ ከኣ ብሓቂ ዘሓጉስን ባህ ዘብልን ሠናይ ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ ይበርሃልካ።

ሚካኤል ማለት መን ከም እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ኣቦና ዳዊትውንንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ዚመስል የልቦንክብል ገሊጽዎ ንረኽቦ (መዝ 1135)  በዚ መሠረት ድማ ኣምላኽንህዝቢ እስራኤል ካብ ጭቆና ፈርዖንን መግዛእቲ ግብጽንብረድኤት ሊቀ-መላእኽት ቅዱስ ሚካኤልን መሪሕነት ነቢይ ሙሴን ተሰንዮም፥ ካብ ሰማይ መና እናውረደ፥ ካብ ከውሒ ማይ እናውሓዘ፥ ናብታ ምድሪ ርስትን ተስፋን ዝኾነት ሃገረ እስራኤል ከም ዘእተዎም፥ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ንህዝብናን ቤተ ክርስቲያናን ፍቕርን ሰላምን ንሃገርና ከኣ ፍትሕን ቅሳነትን የውርደልና። ከምቲመልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዚፈርህዎ ይሰፍር፥ ካብ ድንገት ድማ የናግፎም።ዝብል ተጻሒፉልና ዘሎ (መዝ 347) መንፈሳዊ ረድኤትን ኣማላድነትን ኩሎም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ መዓልታዊ ዕዮ ደቂ-ሰባት ፍሉይን ኣገዳስን መንፈሳዊ ቦታ ሒዙ ንረኽቦ። በዚ ኣጋጣሚ ንኩልኹም ነጋድያን እግዚኣብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም፥ ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልና እናበልና ዕዙዝ መንፈሳዊ ምስጋናና ነቕርብ። በዚ ድማ ነቲ ጎይታ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ልዑል እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ንዘለዓለም ንዕኡ ይኹን!!!

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ                        

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ-መላእኽቲ ምስ ኩልና ይኹን!                               

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ሚካኤል ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div