S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክብረ በዓል ኣስተርእዮ ቤክ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ በይ ኤርያ ተኸቢሩ

ካብ ዕለት 1/30/2015 ክሳብ 2/12015 ክብረ በዓል ኦርቶዶክሳዊት ቤክ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ በይ ኤርያ ብድምቀት ተኸቢሩ። 

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ንኽብረ በዓል ዝመጹ ሊቃውንትን ከምኡውን ኣብ በይ ኤርያን ከባቢኣን ዝነብሩ ምእመናን ብዘሐጉስ መንፈስ ተኸቢሩ። በዓል ቅድስት ደንግል ማርያም በይ ኤርያ: ብምእመናን ዝተገብረ ናይ ኣቀባብላ ወህደት ኣብ ገጽ ዕዱማት ይንበብ ኔሩ ከምኡውን ኣባላት ኣጋይሾም ንምእንጋድ ዝነበሮም ታሕጓስ ወሰን ኣይነበሮን።

ብሕጽር ዝበለ፥ ዓርቢ ምሸት ብዋዜማ ተኸፊቱ፡ ቀዳም ካብ ወጋሕታ ከኣ ብስብሓታት ዝተጀመረ ከብረ በዓል ቅደስቲ ማርያም ብቅዳሴ ተዛዚሙ። ድሕሪ ቅዳሴ ድማ ብኣቦና ቆመስ ተኽስተ ሰፊሕ ተምህርቲ ብዛዕባ ክብሪ በዓል ኣዴና ድንግል ማርያም ሂቦም። ቀጺሉ፥ ታቦት ብሊቃውንቲ  ተመሪሑ ብምእመናንን ተመሃሮን ተሰንዩ ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዕደት ኣብቲ ቅጽሪ ቤተክርስትያን ተኻይዱ።

ካብኡ ቀጺሉ ነጋድያን ብሓበራ ኣብ ኣደራሽ ኣትዩም ነቲ ብውሕልነት ኣዴታት ዝተዳለወ ምቁር ምሳሕ ተኻፊሎሞ። ድሕሪ ምሳሕ፥  ዲያቆን ዶ/ር ብርሃነ ዝተዳለወ ትምህር ብዛዕባ ሽኮርያ (ብዝሒ/ዋሕዲ) ደም ሳዕቤናቱን ንምእመናን ኣስፍሕ ኣቢሉ ገሊ። ካብ ምእመናን ንዝቐረበሉ ሕቶታን ድማ ንኹሉ ዘዕግብ መብሪሂ ሂቡ።  ምእመናን፥ ስለቲ ዝረኸብዎ ጸጋን ዕድልን "ዓመት ንዓመት ይድገመና" እናበሉ ንኣምላኽ ብታሕጓስ ኣመስጊኖም።

እዚ ንራብዓይ ዓመቱ ዝኽበር ዘሎ ክብረ በዓል ኦርቶዶክሳዊት ቤክ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት እዓበየን ኣብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት እናሰፍሐን ዝኸይድ ዘሎ፥ ሎሚውን ብሕጻናትን ቤትምህርቲ ሰንበትን ዝተዳለወ መዛሙር ንምእመናን ዝመጸጠ እዩ ኔሩ። ሓደ ካብቲ እታ ቤተክርስትያን መደብ ኣውጺኣ እትሰርሓሉ ዘላ ዓቢ መደብ ድማ መደብ ሕጻናት ኮይኑ ዛጊት እቲ መደብ ብዘሕጉስ ጽፈት እንዳሰፍሐ ይቕጽል ኣሎ። እዚ መደብዚ: ሕጻናት ብእምነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ተመልሚሎም እምነት ኣቦታቶም ንኽስዕቡ ብትግርኛን እንግሊዘኛን መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርሉ መንፈሳዊ መኣዲ እዩ

ክብሪ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ይኹን። ኣሜን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ: ካሊፎርንያ፣
..ኣ 

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ተወከሱ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div