S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፥ ኣብ እስራኤል ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 17 ታሕሳስ 2014 ኣብ እስራኤል ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት፥ ንምእመናን ዓቢይ ምጽንናዕ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ስደት እስራኤል ንዝነብር መእመንን ውሉደ ክህነትን ዓቢይ ምጽንናዕን ሞራልን ተስፋን ኮይኖምዎ ቀንዮም።

ኣብቲ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ጉባኤ፥ ካብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስን ቀሲስ ሓለፎም ዓምደማርያምን ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣብ እስራኤል  ዕለት 12, ታሕሳስ ዝጀመረ ጉባኤ፥ ክሳብ ዕለት 14, ታሕሳስ 2014 እዩ ቀጺሉ። ዓርቢ ብምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በዓታ፥ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተመርሐ ዋዜማ ካብ ሰዓት 3:00 ድ ቀ ክሳብ ሰዓት 7:00 ተቖይሙ ድሕሪ ምምሳይ፥ ብቀሲስ ሓለፎም ዓምደማርያም፥ መንነትካ ምፍላጥ፥ ዝብል ሰፊሕ መንፈሳዊ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ናብ ቀዳም ዘውግሕ ለይቲ ፍርቂ ለይቲ ዝጀመረ ማኅሌት ክሳብ ሰዓት 6:30 ክበጽሕ ምስ ሓደረ፥ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ቅዳሴ ተኻይዱ፥ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጸሎት ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋህቡ ሰዓት 11: ቅ ቀ ብጸሎት ተዘዛዚሙ፡ ኣብቲ ዕለት ድማ ሓደ ዲያቆን መዓርገ ክህነት ክወሃብ እንከሎ፥ ሓደ መእሰይ ድማ መዓርገ ዲቁና ተሾይሙ።

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 2:00 ኣብ ኣዳራሽ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ዝጀመረ ጉባኤ፥ ንኹሉ ምእመን ዘሳተፈ እዩ ነይሩ።

ብሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ “ኣነ እግዚኣብሔር ፈዋሲኻ እየ”። ዘጸ።15:26 ጠቕሲ መበገሲ ብምግባር፥ ምስ ኣዚ ከቢድ ናይ ስደትን፥ ናይ ፈተናን እዋን ብፍላይ ነቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ መንእሰያት ከጋጥሞም ዝኽእል ናይ ኣእምሮ በሰላ ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ትምህርቲ ቀሪቡ።

ብምቕጻል ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሓፈሻዊ መብርሂ ድሕሪ ምሃቦም፥ ካብ ምእመናን ዝቀረበ ሕቶታት፥ ብዝርዝር መግለጸን መብርህን ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም፥ “ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፥ ቤተ ክርስቲያንና ትሓልፎ ዘላ ከቢድ ናይ መከራ ጊዜ፥ ቤተ ክህነት ኣብ ንሕድሕዱ፥ ዓለማዊ ስሕበት፥ ምትእትታው ፖለቲከኛታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።

ሰንበት ዕለት 14, ታሕሳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምስ ናይ ዓለም ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ሓላፊ ተራኺቦም፥ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያንናን ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስን ብስፍሓት ዘትዮምን ተመያይጦምን። ኣብቲ ርክብ ብወገን ሓላፊ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ዝቀረበ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለም ብዝግባእ እንተ ዘይተስፋሕፊሑ ሰብ ቃል ኣምላኽ እንተዘይፈልጡ፥ ምስ እዚ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣማኒ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእልገሊጾም። ብተወሳኺ እምነት ክርስትና ከይተዓናቐፍ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ብትግሃት ክንቀሳቐሱ ከም ዝግባእን መብርሂ ሂቦም።

ዕለት 15 ታሕሳስ 2014 ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ የሩሳሌም ምስ ዝነብሩ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያናት፥  ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም።

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ተወከስ

በረኸት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣይፈለየና።

ኣገልግሎት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ይባርኸልና። 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div