S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ዋሺንግቶን-ዲሲ ተቓኒዑ

ከምቲ ዝተለምደ ኩሉ ኣብዚ ዓመት‘ዚ እውን፥ ዓመታዊ-ጉባኤ ኣብያተ-ክርስቲያናት ሰሜን-ኣሜሪካ፥ ኣብ ዋሺንግቶን-ዲሲ ተጋቢኡ ዊዒሉ። እዚ ዝተባህለ ጉባኤ ዝተቓንዐ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ደብረ-ሰላም መድኃኔ-ዓለም ኮይኑ፥ ኣቐዲሙ ብዝወጸ መርሓ-ግብር መሠረት‘ውን፥ እቲ መደብ ዝተጀመረ ኣብ እዋን  ንግሆ ሰዓት-9,00 እዩ። ከምቲ ተሠሪዑ ዝነበረ መደብ‘ውን ብጸሎት ዝኸፈቱዎ እቶም ዓቢይን ክቡርን ኣቦና ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ እዮም።

እቲ ጉባኤ ብወግዒ ዝተኽፍተ ሓሙስ 17-ሓምለ 2006 ዓ/ም(24.07.2014) ኮይኑ፥ ኣቐዲሙ ጸሎተ-ነግህ ከምዝበጽሕ ድሕሪ ምግባር፥ ብናይቲ ደብሪ-ሓላፊ መልኣከ-ሰላም ወልደ-ትንሣኤ ብርሃነ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል-ሰላምታን መንፈሳዊ-ምዕዳንን ተኸፊቱ። ካብዚ ብምቕጻል እቲ ተጋባኢ ዝነበረ-ሕዝቢ ናይ ሓባር መዝሙር ብምዝማር፥ ንእግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ከቕርብ ከሎ፥ እቶም ኣቦታት ድማ ብወገኖም “እለ በእንቲኣሁ መጠዉ ነፍሶሙ፥ መንግሥተ ክብር ይደልዎሙ“ ዝብል ያሬዳዊ ጣዕመ-ዜማ ብምውራብ፥ ነቲ ጉባኤ ድምቀት ክህቡዎ ክኢሎም።

ብድሕሪ‘ዚ ኣወሃሃዲ-መደብ ዝነበሩ ቀሲስ-ዶክተር ቴድሮስ ተስፋይ፥ ስብከተ-ወንጌል ከስምዑ ብማለት ንካህን-ዶክተር ተስፎም ገዛኢ ናብ መድረኽ ክቐርቡ ዓዲሞሞም። ንሶም ድማ “ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፍቐሩ፥ ሓድሽ-ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ“ ዝብል ኣርእስቲ መበገሲ ብምግባር፥ እቲ ሕዝቢ ከም ክርስቲያን መጠን፥ ብፍቕሪ ካብ ምንባር ዝሓይሽ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ፥ ኣብ ልቢ ሰማዕቲ ክኣቱ ብዝኽእል ኣገባብ፥ ሓናጺ ዝኾነ ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። (ዮሓ.13.34)

ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ዝቐጸለ ግዜ‘ውን፥እቲ ኣገልግሎት በቲ ሥሩዕ-መደብ እናተመርሐ‘ዩ ክቕጽል ኣምስዩ። ስለ-ዝኾነ‘ውን ቅድም ኢሎም ዶክተር ተስፋይ ገብረመድኅን “ግደ-ምሁራን፥ ኣብ ትንሣኤን ዕቤትን ቤተ-ክርስቲያን“ ብዝብል ኣርእስቲ፥ ሰፊሕን መሃርን ዝኾነ ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲ ኣስሚዖም። ካብዚ ብምቕጻል በዓል-ተራ ኮይኖም ኣብ መድረኽ ዝደየቡ፥ ቆሞስ-ተከስተ ገብረሚካኤል ኮይኖም “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም‘ሞ፥ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ክትስዕቡ፥ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ“ ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ሓናጺ-መልእኽቲ ብምትሕልላፍ፥ ብኹሉ መገድናን ኣከያይዳናን ናይ እግዚኣብሔር ወገን ኮንና ክንርከብ፥ ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ብምትሕስሳብ‘ዮም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም (1ይ-ጴጥ.2.21)

ካብዚ ብምቕጻል መልእኽቲ ከመሓላልፉ ናብ መድረኽ ዝመጹ፥ ካህን-ዶክተር ቴድሮስ ተስፋይ እዮም። ሒዞሞ ዝቐረቡ ኣርእስቲ “ንሓቂ ክትፈልጡዋ ኢኹም፥ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጻኣኩም እያ“ ዝብል ኮይኑ፥ እቲ ክርስቲያናዊ-ሕይወት ኣብ መሠረት ሓቂ ጸኒዑ ክርከብ ከሎ‘ዩ፥ እቲ ሃይማኖት ወይ እምነት ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ብምባል ዝሃቡዎ መልእኽቲ፥ ነቲ ኣብዚ ግዜ‘ዚ ኣብ ሕዝብና ዝርአ ዘሎ ህልው ኵነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ብምንባሩ፥ እዋናዊ‘ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል ።(ዮሓ.8.32) ብዝተረፈ እቲ ጠቕላላ መደብ ብያሬዳዊ ወረባትን መዛሙርን ዝተሰነየ ስለ-ዝነበረ፥ ንመንፈስ ሰማዕቲ ዝሕድስ ኮይኑ ምርካቡ ብዙሓት ዓጊቦሙሉ እዮም።

ከምዚ‘ሉ ድማ እቲ ንሠለስተ-መዓልቲ ዝቐጸለ ጉባኤ፥ ንብዙሓት ምሁራን ዘሳተፈ ስለ-ዝነበረ፥ እቲ ኣብቲ ጉባኤ ክመሓላለፍ ዝቐነየ ወንጌል-ማእከል ዝገብረ መልእኽቲ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ናብ ሓደ ትስፍው ዝኾነ መጻኢ ትጐዓዝ ከምዘላ ዘመላኽት ምንባሩ ኣይከሓድን። ዝኾነ ኮይኑ ካብዚ ቀጺሎም  በዓል-ተራ ኮይኖም ናብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ዲያቆን-ዶክተር ብርሃነ ሥዩም እዮም። ንሶም ሂዞሞ ዝቐረቡ ኣርእስቲ “እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና፥ ፍቕሪ ካብ ንጹህ-ልቢ፥ ካብ ሠናይ-ሕሊና፥ ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት እያ“ ብምባል፥ እቲ ክርስቲያናዊ ሕይወት ብዘይ ፍቕሪ ትርጉም ክህልዎ ስለ ዘይክእል፥ ከምቲ እግዚኣብሔር ንዓና ዘፍቀረና፥ ንሕና‘ውን ኣብ ነንሓድሕድና ክንፋቐር ይግብኣና‘ዩ ብምባል፥ ግሩም ዝኾነ ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲ ከስምዑ ክኢሎም። (1 ጢሞ.1,5)

ብምቕጻል ከኣ ቀሲስ ብርሃነ በየነ“ ካብ ፍቕሪ-ክርስቶስ ክፈልየና ዝኽእል መን‘ዩ፥ ካብታ  ኣብ ክርስቶስ ስዘላትና ፍቕሪ፥ ከቶ ክፈልየና ዝኽእል የልቦን“ ዝብል ኣርእስቲ መበገሲ ብምግባር፥ ዝኾነ ዓይነት ፈተና‘ውን እንተኾነ ንዓና ንክርስቲያን፥ ካብ እምነትን ፍቕርን ጎይታና ክፈልየና ዝኽእል ክህሉ ኣይግባእን፥ ብምባል‘ዮም ሰቢኾም። ብሓፈሻ እቲ ኣብቲ ጉባኤ ተሳታፊ ዝነበረ-ሕዝቢ፥ በቲ ተኸታቲሉ ክቐርብ ዝርአ ዝነበረ ስብከተ-ወንጌል ዕግበት ስለ-ዝተሰምዖ፥ ናይ ምድኻም ምልክት ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ከኣ ኣብ ሕዝብና ብእወንታ ዝግምገም ምንቕቓሕ ይምዕብል ከምዘሎ ዘረድእ እዩ። (ሮሜ.8.37)

ብምቕጻል ኣብ መድረኽ ዝቐረቡ ሊቀ-ካህናት ገብረሚካኤል ዮሓንስ ኮይኖም። ሒዞሞ ዝቐረቡ ኣርእስቲ ድማ “ግደ ደቀንስትዮ፥ ኣብ ትንሣኤን ዕቤትን ቤተ-ክርስቲያን“ ዝብል እዩ። ነቲ ኣርእስቲ ክትንትኑዎ ከለዉ ድማ፥ ኣብ ዕቤት ቤተ-ክርስቲያን ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስለ-ዝኾነ፥ ንሳተን ክሳተፋሉ ዝኽእላ ባይታ ምጥጣሕ፥ ብዕቱብ ክሥርሓሉ ዘለዎ ነጥቢ ምዃኑ‘ዮም ኣረዲኦም። ብርግጽ‘ውን ብዘይ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ክብጻሕ ዝኽእል ዓወት ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፥ ኣብ ትምህርቲ-ሰንበት ንደቀንስትዮ ዘሳትፍ መድረኽ ምኽፋት ከምዘድሊ፥ ንጽባሕ ተባሂሉ ክውንዘፍ ዝግብኦ ከምዘይኮነ ‘ዮም ሊቀ-ካህናት ኣረዲኦም።

 ካብዚ ብምቕጻል‘ውን ቀሲስ-ዲበኩሉ ገብረወልድ‘ዮም በዓል-ተራ ኮይኖም ኣብ መድረኽ ዝወጹ። ዝሓዙዎ ኣርእስቲ “ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን። ንክፍኣት ፈንፍኑዎ ኣብ ሠናይ ልገቡ“ ዝብል ኮይኑ። ኣብቲ ኣብዚ እዋን‘ዚ ፍቕሪ ውሒድዎ‘ሎ ተባሂሉ፥ ብግልጺ ዝዝረበሉ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ብምትኳር፥ መሠረት ፍቕሪ ክናወጽ ከሎ ብሰላም ምንባር ስለ-ዘይከኣል፥ ከምቲ እግዚኣብሔር ክንከውን ዝደልየና ኮንና ክንርከብ፥ ብመገዲ ፍቕሪ ምምልላስ ከም-ዘድሊ ብምምሃር‘ዮም መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ቀጺሎም ከኣ ቀሲስ-ሓለፎም ዓምደ-ማርያም “እቲ ሕንፃ ብጎይታ እናተኣሳሰረ ይዓቢ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ኣብኡ ማሕደር-ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ትሕነጹ ኣለኹም“ ዝብል ኣርእስቲ መበገሲ ብምግባር፥ ኩልና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ናይቲ ክርስቶስ ዝመሠረቱ ሕንፃ፥ ኣካላት ምዃንና ፈሊጥና ነዚ ክብሪ‘ዚ ንምዕቃብ ብቑዓት ኮንና ክንርከብ ከምዝግብኣና ብምትሕስሳብ‘ዮም መልእኽቶም ደምዲሞም (ኤፌ.2,21-22)

ብድሕሪ‘ዚ ሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን፥ “ኣብቲ ናይ ትማሊ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፥ መንእሰያት ዝነበሮም ግደ“ ብዝብል ኣርእስቲ፥ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ እወንታውን ኣሉታውን ጐድኑ ብምግምጋም፥ እቲ ኣብ ኣተሓሕዛ መንእሰያት ዝጸንሓና ድኽመት፥ ንቤተ-ክርስቲያና ናይ ወላዲት መኻን ገይሩ ከም-ዘትረፋ ድሕሪ ምግላጽ፥ ሕጂ ከም ሕጂ መጠን ግን በቲ ሒዝናዮ ዝጸናሕና መንገዲ፥ ቀጺልና ክንጐዓዝ ንረብሓ ቤተ-ክርስቲያንና ከምዘይኮነ ፈሊጥና፥ ነቲ ክትከኣና ዘለዎ መንእሰይ-ትውልዲ ማእከል ዝገበረ መደብ-ኣሠራርሓ ክተኣታቶ፥ ብምትሕስሳብ መልእኽቶም ኣስሚዖም።

ከምኡ‘ውን መልኣከ-ሰላም ወልደ-ትንሣኤ “ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፥ ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ“ ዝብል ኣርእስቲ መበገሲ ብምግባር፥ እቲ ሕዝቢ ኣብ ፍቕሪ ዘለዎ ርድኢት ክዓብን ክሰፍሕን ከምዝግባእ ናብ ዝብል ሓሳብ ብምትኳር፥ ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን ብምባል፥ ፍቕሪ ዘይብሉ ሕይወት መቐረት ኮነ ትርጉም ክህልዎ ከምዘይክእል‘ዮም ዝሰበኹ። ካብዚ ብምቕጻል ንቅዱስ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስን፥ ንኹሎም እቶም ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ኣብ ትሕቲ-መቝሕ ተታሒዞም ዝርከቡ ዘለዉ ክቡራን ውሉደ-ክህነትናን፥ ነቲ ብዘይ ዝኾነ ናይ ሕጊ መሥርሕ ኣብ ልዕሊኦም እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ መከራን ስቓይን ንምዝካር፥ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝተመርሐ ጸሎተ-ምህልላ ተኻይዱ። ነፍስ-ወከፍ ተሳታፊ እቲ ጉባኤ‘ውን ጥዋፍ ብምብራህ፥ ነቲ ሥነ-ሥርዓት ብዓቢይ ናይ ሕልና-ተመስጦ ክሳተፎ ክኢሉ።

ኣብ ምዝዛም እቲ እቲ ሠለስተ-መዓልቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ድማ፥ እቲ ላዕለዋይ-ቦርድ ሃገረ-ስብከት ሰሜን-ኣሜሪካ፥ ብዲያቆን ሳሙኤል ኣቢሉ ሓፈሻዊ-ጸብጻብ ከቕርብ ክኢሉ። ማለት ብጠቕላላ እቲ ክግበር ዝጸንሐ ንጥፈታት‘ኳ ውጽኢታዊ‘ዩ ተባሂሉ ብእወንታ ዝግምገም እንተኾነ፥ ምስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ-ፖለቲካ ትርከብ ምህላዋ ግን፥ እቲ ዝጽበየና ዘሎ ዕማም ቀሊል ተባሂሉ ክግምገም ከም-ዘይከኣልዩ እቲ ጉባኤ ገምጊሙ። ስለ-ዝኾነ‘ውን ነቲ ናይ ጽባሕ መድረኽ ኣብ ረብሓ ቤተ-ክርስቲያን ምውዓሉ ምእንቲ ክከኣል፥ “ሓደ ማእከልነት“ ክቐውም ኣብ ዝከኣለሉ ራእይ ኣቢልካ ምጥማት ከምዘድሊ‘ዩ እቲ ጉባኤ ተሰማሚዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ካብ ምእመናን-ደቆም ንዝቐረበሎም ዝተፈላለየ ሕቶታት፥ በቲ ዝተፈልጠ ሊቅነቶም ብስፍሓትን ብምልኣትን መልሲ ክህቡሎም ኣብ ርእሲ ምኽኣሎም፥ ነቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ጌርካ፥ ንምድኻማ ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ-ጸቕጢ፥ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክነቕሓሉ ከምዝግባእ ብትሕስሳብ፥ ብፁዕነቶም ሰፊሕ ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ብዝተረፈ ሰበኻ-ጉባኤ ደብረ-ሰላም መድኃኔ-ዓለም ዋሺንግቶን-ዲሲ፥ ምእመናኖም ብምትሕብባር ኣጋይሾም ንምቕባል ዘርኣዩዎ እዚ ተረፎ ዘይብሃል-ዕጥቂ፥ ቤት በረኸት ይግበርኩም ብምባል እቲ ኣብቲ ጉባኤ ተሳታፊ ኮይኑ ዝቐነየ ሕዝቢ፥ መሪቑዎምን ኣመስጊኑዎምን እዩ። እቲ ንሠለስተ-መዓልቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጉባኤ ከኣ ብዓወት ክዛዘም ክኢሉ።

 

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል፥ ወለወላዲቱ-ድንግል፥ ወለመስቀሉ-ክቡር

ዘኣንበሳ - ማርቆስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div