S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሃገረ ስብከት 2000 . . ፈረንጂ ብቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ ተባሪኹ ብወግዒ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጅምርን ቅድሜኡን ተበጊሱ፡ ንመበል 15 ዓመት ዝተኻየደ፡ ዓመታዊ ጉባኤ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሎሚውን

ብክብ ዝበለ ኣገባብኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጒንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትሙምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም።ዮሃ 154... ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጠቕሲ ካብ ሓሙስ ክሳብ ሰንበት (July) 10-13, 2013 ክካየድ ቀንዩ። እቲ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ዓብዪ ጉባኤ፣ ብጸሎተ-ነግህ ጀሚሩ፣ ብሊቃውንቲ ቤተክርስቲያንን ምሁራት ደቂ ቤተክርስቲያንን ዝውሃብ፣ ሰሚናራት፣ ወርክ-ሾፕ፣ ኣስተምህሮታት፣ ስብከትን መዛሙርን ዝሓቖፈ ኮይኑ ካብ ንግሆ (ሰዓት 600) ክሳብ ምሸት (700 .) ብመሠረት ኣቐዲሙ ዝወጽአ መርሓ-ግብር እዩ ብውህደት ኪካየድ ቀንዩ። ኣብ ስደት ንዝተወልዱ ደቅና ዝምልከትውን በቲ ዝርድእዎ ቋንቋ ፍሉይ መደብ ተሰሪዑ፡ መደቦም ምስ ወድኡ ምስ ወለዶም ብኅብረት ብድሙቕን መሳጥን መዛሙር ከገልግሉ ቀንዮም። እተን መዓልታት ድርብ በዓላት፡ ቅዱሳን ጳውሎስ ወጴጥሮስን ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴውን ዝሓቖፈ ብምንባሩ ፍሉይ ድምቀት ነይርዎ። ቀዳም ምሸት ዋዜማ ተቖይሙ ኣምስዩ ሰንበት ኸኣ ለይቲ ብስብሓታት ማኅሌትን ቅዳሴን ሊቃውንትን ምእመናንን ንኣምላኾም ከመስግኑ ኣርፊዶም። ካብ ካናዳን ኣመሪካን ብዝመጹ ብዙሓት ምእመናን ስለዝተሳተፍዎ፡ ብፍላይ ሰንበት ክልቴኡ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ሕንጻታት መሊኡ ዳርጋ ፍርቒ  ምእመናን ኣብ ደገ ኮይኑ እዩ ተኸታቲልዎ። ኣብዚ ጉባኤ ዝቐነየ መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ፍረን ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተሳተፍኩምን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራትን፡ ሃገርና ኤርትራን ኮይንኩም ብመንፈስ ሓቢርክሙና ዝቐነኹም ንምርድኡ ምእንቲ ኪጥዕም ኣብ ዝስዕብ ከፋፊልና ነቕርቦ ኣሎና።

ምምሕዳራዊ ጉዳያት መምበረ ጵጵስናን ኣብ ትሕቴኡ ዝተሓቕፋ ኣኅጉረ ስብከታትን

ካብተን መዓልታት ሓንቲ፡ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ንምእመናን ናይ ዕረፍቲ ግዜ ብምፍላይ፡ ኣቦታት ካህናትን ምምሕዳር ሃገረ ስብከትን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ዝተረኽብሉ ምስቲ ተበጹሑ ዘሎ ደረጃ ዝመጣጠን ሓድሽ ቅርጽን ኣቃውማን መንበረ ጵጵስና ከምዘድሊ ብምእማን ኪቐውም ተወሲኑ። በዚ መሠረት ካብ ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ምስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝሰርሑ ሊቃነ ካህናትን ምሁራት ደቂ ቤተክርስትያንን ብምምራጽ (ነቶም ዘይነበሩ ቦታ ብምሕዛእ) ብላዕለዋይ ጽፍሒ ኪመርሑ ተገይሩ ኣሎ። ኣብ ትሕቴኡ ዝተሓቕፋ ሃገረ ስብከታትንውን ገምጋም ድሕሪ ምግባር እቲ ዝድለ ምምሕዳራዊ ለውጥታት ከተኣታትዋ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

በዚ መሠረት፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ንብዙሕ ዓመታት እሙናት ብምዃን ብተዋፋይነት ንኣምላኾምን ሕዝቦምን ከገልግሉ ዝጸንሑ ካህናትን ምሁራት ደቂ ቤተክርስትያንን ከዕርፉ ብምግባር ሓደስቲ ተካእቶም ኣብ ፈጻሚት ኮሚቴ መጺኦም ንሰለስተ ዓመት ብሓድሽ ሓይልን መንፈስን ከገልግሉ ድማ ትጽቢት ይግበረሎም። ካብ ነፍሲ ወከፍ ቤተክርስቲያን ተዋጺኦም መጺኦም ንሃገረ ስብከት ዘገልግሉ ምሁራት ደቂ ቤተክርስቲያን ከኣ ንሞያውያን ደቂ ኣንስትዮ ከሳትፉ ለበዋ ተመሓላሊፉ። በዚ መሠረት ገንዘባዊ ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ብሞያውያን (Accountants) ኪእለ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

ኣስተምህሮ ሰሚናራትን ስብከታትን

ብመሠረት ኣቐዲሙ ዝውጸ መርሓ-ግብር፡ ሠለስተ ፍሉይ ሰሚናራት፡ ሠለስተ ትምህርትታትን ሽዱሽተ ስብከታትን ብዝተፈላለዩ ሊቃውንቲ ቀሪቡ። ሕዝቢ ኸኣ መንፈሳዊ ርውየት ከምዝረኸበ፡ በቲ ርእይቶን ንምስማዕን ገምጋምን ንምግባርን ዓሊሙ ናብ ምእመናን ዝተዘርገሐናይ ገምጋም ቅትዒ/ፎርምኪረጋገጽ ተኻኢሉ። ኣብዚ ንመንፈስ ሰባት ዕረፍቲ ዝኸልእ ኩነታት ሕዝብናን ከቢድን ፈታንን ናብራ ምዕራባውያን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ መኣዲ ብውልቂ፡ ብደረጃ ቤተሰብን ማሕበረ ሰብን ብዙሕ ረብሓ ከምዘሎዎ ብድጋሚ ተረጋጊጹ። እቲ ናይ ዓመታት ጓይላን ዳንኬራን ተደሪቱ፡ ሕዝብና ምስ ኣምላኹ ዝዕረቐሉ፡ ነፍሱ ዝፈልጠሉ ዘመን ሃይማኖት፡ ዘመን ሥርዓትን ሕግን፡ ዘመን ፍቕርን ስኒትን ኪመጽእ ኩሉ ሰብ ናብቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ብልቢ ኪምለስ ይግባእ። እዚ ሕዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ቅልውላው ዝመልኦ ሕይወት ከኽትም ዝኽእል ዕርቂ ምስ ኣምላኽ ከምኡውን ዕርቂ ምስ ብጻይን ብምግባር ጥራይ እዩ።

ዓመታዊ ኮንፈረንስን ጉባኤ መንእሰያትን (Youth Retreats) ዝያዳ ንምሕያሉ ኣተኲራ እተጽንዕ ኮሚቴ ወጺኣ።

ንመበል 15 ዓመታት ዝተኻየደ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ምንጪ ምንቕቓሕን ኃይልን ብምዃን ንብዙኃት ምእመናን ዓመታዊ ዕረፍቶም ኣዋህሊሎም ብሃንቅውታ ዝጽበይዎ ዓብዪ መንፈሳዊ ንግደት እዩ። ምስቲ ሕዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኪርኣይ ከሎ ግን ሰኣን ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ መኣዲ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ብዙሕ እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ሎሚ ንሻድሻይ ዓመቱ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ መንእሰያት (Youth Retreat) ቤተ ክርስቲያን ምሁራት ተካእቲ መንእሰያት ኣብ ምፍራይ ተስፋ ዝህብ ፍረ ይሕፈሶ ኣሎ። እዚ ነቶም ኣብ ቤተክርስትያን ዝተጸግዑ ጣዕሚ ክርስትና ዘስተማቐሩን ኣብ ሕይወቶም ዓብዪ ቦታ ረኺቡ ብሥጋን ብመንፈስን ናብ ዓወት እኳ እንተመረሖም፡ ሰኣን ዝኣልዮም መፍቶ ድራግ፡ ጭንቀትን ሕማምን ብምዃን ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ዝቕዘፉ ዘሎዉ መንእሰያት ግን ሒደት ኣይኮኑን።

ስለዚ ሓላፍነት ናይዛ ካብ ምእመናን እኹል ሓበሬታ ኣኪባእዘን ክልተ ዓበይቲ መደባት ናይ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኪሰፍሓን ኪዓብያን እሞ ንዝበዝኀ ካብ ቤተክርስቲያን ርሒቑ ዝርከብ ሕዝቢ ክንጥርንፍ እንታይ እንተተግብረ ይሕይሽ?” ንዝብል ሓሳብ እተጽንዕ ኮሚቴ ተመሥሪታ ኣላ። ጸብጻባ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ከተቕርብ እያ።

ብሕቶን መልስን ሰፊሕ ምይይጥ ኣብ መንጎ ምእመናን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ኣካየድቲ ካህናትን ተኻይዱ።

ብጽሑፍ ተኣኪቡ ካብ ምእመናን ዝተዋጽአ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዝድህስስ ሕቶታት ምእመናን ፍሉይ ጊዜ ብምስራዕ መልሲ ከምዝውሃብ ኪግበር ቀንዩ። እዚ ዕምቆትን ደረጃ መንፈሳዊ ዕብየትን ምእመናንና ዝእምት ዝተፈላለየ ኣገደስቲ ሕቶታት ኣብ ትምህርትን ስብከትን ንዘይተሓቖፉ ነገራት የልዕል ብምንባሩ ሃናጽን መሃርን እዩ ነይሩ። ገለ ካብቲ ብትደጋጋሚ ዝተሓተተ ኣብ መንጎ ሃገርን ሃይማኖትን ብዛዕባ ኪህሉ ዝግብኦ ዝምድና ዘረድእ ኪኸውን ከሎ፤ ናይ ፖለቲካ ሰባት ካብ ሓቂ ዝርሓቀ ተጋራጫዊ መግለጺታት እኳ ይህቡ እንተለዉ፤ እቲ ሓቂ ግን ንሃገሩ ዝጎድእ ኤርትራዊ ከምዘየሎን ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ንሃገሩ እቲ ዝግባእ ኩሉ መዳያዊ መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ተነጺሩ። ምሕደራን ሃገርን ነንበይኑ ምዃኑ፤ ምሕደራ ሓላፋይ ሃገር ግን ነባሪት ከምዝኾነት በሪሁ። እቲ ንቤተክርስቲያንና ማንም ዘይተጸበዮ ዱቦላ ሓደጋ ዘውረደ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምሕደራ ምዃኑ ብምንጻር፡ ቤተክርስቲያን ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ከምዘይብላን፡ ሕጋን ሥርዓታን  ኪኽበረላ ደጋጊማ ትጽውዕ ከምዘላ ተገሊጹ።

ሾመንተ ኣንበብትን ክልተ መዘምርን ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ተባሪኾም።

ቅድስቲ ሥላሴ ቤተክርስትያን ስያትል፡ ሓደ ካብቲ መለለይኡ ኣብዚ ዓዲ ተወሊዶም፡ ቛንቛኦም ኣጽኒዖም ምስ ወለዶም ተሰጥዎ ዝቕበሉን ኣብቲ ዝተመደበሎም ጊዜ፡ ድሕሪ ቅዳሴ፡ ብመዝሙር ዘገልግሉ ልዕሊ ሚእቲ መንእሰያት ዝርከብዎ ኣብነታዊ ቤተክርስቲያን ምዃኑ እዩ። ገለ ካብኣቶም ኣብ ኮለጅ ቀዳማይ ዲግሪ ዘጽንዑ ዘሎዉ ኪኾኑ ከሎዉ ዝተወሰኑ ኸኣ ካልኣይ ዲግሪ (Masters Program) ዝከታተሉ ይርከብዎም። ኣብዚ ዓብዩ በዓል ቅድስት ሥላሴ እምበኣር ሾመንተ ኣንበብቲ ክልተ ኸኣ መዘምራን ብምዃኑ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ተበሪኾም።

ስለ ብዓልቲ ቤት ቀሺ (ዶር) ፍጹም ገብረንጉሥ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ብዘይ ገለ ክሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ፡ ብሕማም ተሳቕያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝዓረፈት / ኣልማዝ ሠመረ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ።

ቀሺ (ዶር) ፍጹም ገብረንጉሥ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያን፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ብዙሓት ሊቃውንትን ዝወረደ መዳርግቲ-ኣልቦ ግፍዒ ወሪድዎ ብዘይ ክስን ፍርድን ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ጽኑዕ ቤት ምእሰርቲ ይርከብ። እዚ እንኳንዶ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሥጋን ብመንፈስን ዝተማህረ ሃገር ክሃንጽ እትጽበዮ ንጹህ ዜጋ፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጸላኢውን ኪፍጸም ዝኾነ ሒልና ዘለዎ ፍጡር ዝምነዮ ኣይኮነን። ቀሺ (ዶር) ፍጹም ገብረንጉስ፡ እንኮ ስፐሽያሊስ ስነ-ልቦና (Psychiatrist) ኮይኑ ኣማሓዳሪ ቅድስቲ ማርያም ሰምበል፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሆስፒታል፡ ብምዃን ንሕዝቡ ብቕንዕናን ተወፋይነትን ዘገልግል ዝነበረ ወዲ ቤተክርስቲያንን ኤርትራዊ ዜጋን እዩ።

ካብ ዝምርዓዉ ሓደ ድሕሪ ምላዶም፣ ካልኣይ ከይተክኡ ኣብ ቤት ምእሰርቲ ዝበሊ ዘሎ ንጹህ ዜጋ፣ በዓልቲ ቤቱ ሕቑፈ በዓል ቤታ ክየጸገበት፣ ብመሪር ኃዘንን ጓህን ሕማምን፣ ካልኣይ ሕፃን ከይሓቖፈት ኣብ ሓመድ ተደብያ። በዓል ቤታ ቀሺ ዶር. ፍጹም፣ ሰበይቱ ኣብ ጎድኒ ተኣሲሩሉ ዘሎ ቦታ እናተቐብረት፣ ከም ንቡር እሱር ብፖሊስ ተዓጂቡ፣ ብዋሕስ፣ ሰበይቱ ሓመድ ኣዳም ከልብስውን ኣይተፈቕደሉን። ኣምላኽ ምጽንናዕ ከውርድ ግን ኩሉ ብጸሎት ክዝክሮ ይግባእ።

ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎተ ነግህ ተጀሚሩ ብጸሎተ ምህለላ ንህሉው ኩነታት ቤተክርስትያንናን ሃገርናን ብልማኖ ነቲ ኩሉ ዝክኣሎ ኣምላኽ ኪምሕጸን ቀንዩ።

ህሉው ኩነታት ቤተክርስትያንናን ሕዝብናን ንማንም ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ቤተክርስቲያን ብጸሎት ናብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ቀሪባ፡ ኣብዚ ከቢድ እዋን ተስፋን ጸግዕን ሕዝባ ኪትከውን ግቡኣ እዩ። ሕዝብና፡ ኪሕርብቶ ከሎ ናብ ኣምላኽ ይግባይ ብምባል ብጸሎትን ምህለላን ናይ ምቕራብ ጽቡቕ ባህሊ ኣሎዎ።  

ዝመጽእ ዓመት መበል 16 ዓመታዊ ጉብኤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ካብ ሓምለ 24-27 (July 24-27, 2014) ኪካየድ ተወሲኑ።

እቲ ብብዙሕ ህንቀወታ ምእመናን ዝጽበይዎ ጉባኤ ናብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት በብተርታ ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ናይ ዝቕጽል ዓመት ከኣ ኣብ ደብረ-ሰላም መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ምዃኑ ተፈሊጡ። ከም ወትሩ ምእመናን ዓመታዊ ዕረፍቶም ብምሕዛእ ኣቐዲሞም መደብ ኪገብሩ ሃገረ ስብከት ይጽውዕ።

መራሕትን ምእመናን ቅድስት ሥላሴ ዝገብርክምዎ መስተንግዶ ካብ መጠን ንላዕሊ እዩ። ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመርካ ምስጋናኡ የቕርብ። እቲ ውዕለት ዘይርስዕ ኣምላኽ ዓስብኹም ይሃብኩም።

 

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ

ፈጻሚት ኮሚቴ ጉባኤ ካህናት

ሓምለ 16, 2013.

 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!

ንቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።

ንቤተክርስትያንና ነቲ ዝተወለድናሉን ንነብረሉን ዘሎና ሃገራት ድማ ሰላሙ ይሃብ። ኣሜን።

ካብ ትሕዝቶታት ጉባኤ 2013

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div