S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓል ቅዱስ መስቀል አብ ኣትላንታ ብኽብሪ ተባዒሉ!

“ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።” 1 ቆረ  1:18።

በዓል መስቀል ብሰንበት 30 መስከረም 2012 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣትላንታ ብኽብ ዝበለ ክብሪ ተባዒሉ። እቲ በዓል ብዝሒ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ብክብ ዝበለ እልልታን መዛሙርን ተሰንዩ፡ ብዲያቆናትን መዘምራን እናተመርሐ ካብ ውሽጢ ቤት ክርስቲያን ናብቲ ዳሜራ ዘለዎ ኣምሪሑ።

ቀጺሉ ሓባራዊ ጸሎት ምስ ተኻየደ፡ ካህናት ብኣርባዕተ መኣዝን ባሪኾም ነታ ተዳልያ ዝነበረት ዳሜራ ወሊዖማ። ከም ልሙድ፡ መዘምራን መንእስያት እናዘመሩን፡ አዴታት ባህላዊ መዛሙር እናዘመራን፡ ኣቦታት ድማ "ሆየ! ሆየ" እናበሉ ዑደቶም ፈጺሞም። "ርሑስ ዓመት ይግብረልና! ዓመት! ንዓመታ! የድግመና፡ ንዓመታ ከምዚ እዋን የጽንሓና ጎይታ" ወዘተ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም። ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ ብምህለላን ብጸሎትን ተዛዚሙ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ አብ ምድሪ ስደት ኮይና ከነኽብሮን እዚ ቅዱስ ትውፊት ክንዕቅቦ ብምኽአልና፡ ኩሉ ኻበኡ ኢዩ እሞ ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ይኹኖ!

ኣብ ክሉ እንገብሮ ጸጋ ኣምላኽ ኣይፈለየና!

ርሑስ በዓል መስቀል ይግበረልና! ንቤተ ክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ርግኣቱ ይሃብ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር!

ብዝበለጸ ስእላዊ መግለጺ (Pictorial report) ንምርኣይ ኣብዚ ተኸታተሉ። 

ሰባኻ ጉባኤ

ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋሕዶ ኣትላንታ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div