S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 14 መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብሰላም ተዛዚሙ

“ብተስፋ ተሓጎሱ፥ ብጸበባ ተዓገሱ” (ሮሜ 12፥12) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 14 ዓመት ክካየድ

 ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ካብ ሓሙስ 1 ነሓሰ ክሳብ ሰንበት 5 ነሓሰ 2012 ዓ.ም እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሄር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።

ሓሙስ ንጉሆ ብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ነቲ ጉባኤ ብጸሎት ከፊቶሞ። እግዚኣብሄር ጉባኤና ክባርኽ ጸሎቶምን ሰናይ ባህጊ-ልቦምን ገሊጾም። ንምእመናን ድማ ማዕዳን ምትብባዕን ዝመልኦ መልእኽቲ ሂቦም። ንሶም፣ ቤተ ክርስትያን ካብ ፈተና ከምዘይትዓርፍ፣ ኣብ እዋን ፈተና ምእመናን መንፈሳዊ ዕጥቂ ዓጢቖም ኣብ እምነቶም ደው ክብሉ፣ ውሉደ-ክህነት ድማ ከም ኢያሱ ንህዝቢ ብትብዓት ክመርሑ ማዕዳ ሂቦም።

ኣቐዲሙ ሃገረ ስብከት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት፣ እቶም ዝምህሩ በብዝተመደበሎም ግዜ መደባቶም ኣቕሪቦም። ከም ኩሉ እዋን: ናይ ሎሚ ዓመት መደባት ጉባኤ’ውን ኣብ ስብከት፣ ትምህርቲ፣ ሰሚናርን ጸሎትን ዘድሃበ ጉባኤ እዩ ኔሩ። ከምኡውን ህዝቢ ብኽፉት ልቢ ዝተሳተፎ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ኔሩ፡ ምስቲ ዝነበረ እዋን፡ ኣቡነ መቃርዮስ ንሕቶታት ህዝቢ ዘዕግብ መልሲ ሂቦምሉ። ብግዜ መልክዕ ክረአ ኮሎ ድማ አብ ሰለስተ ተኸፊሉ (ናይ ንጉሆ መደብ፡ ድሕሪ ቀትሪ፡ ናይ ምሸት መደባት) ተኻይዱ። መደባት ጉባኤ 2012 ብመገዲ tewahdo.org ብቐጥታ ተመሓላሊፉ፡ ከም ውጽኢቱ ኣመንቲ ተዋህዶ ካብ ርሑቕ ክከታተልዎ በቒዖም። ብቐጥታ ሳላ ዝተዘርግሐ ድማ ምእመናን ሕቶታት ክሓቱን መልሲ ክረኽቡን ክኢሎም ኣለዉ። መደባት ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ስለ ሃገርናን ህዝብናን ብዝግበር ጸሎት ይዛዘም ኔሩ።

ሰንበት 5 ነሓሰ 2012፡ ዝነበረና ጉባኤ ብቅዳሴ ተዛዚሙ። ብድሕሪኡ ኣጋይሽን ደቂ-ዓድን በሓባር ናብቲ ዝተዳለወሎም ቦታ ብምእታው ነታ መዓልቲ' ብኣዴታት ኣትላንታ ዝተዳለወ ሽሻይ ተኻፊሎም። እግዚኣብሄር ፈቒድዎ ድማ በዚ መደምደምታ ናይቲ በዓል ኮነ። ጉባኤ 2013 ድማ ካብ 10 ክሳብ 14 ሓምለ (July 10-14) 2013 ኣብ ከተማ ስያትል ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ።

ሃገረ ስብከት ዝመደቦ ናይ መደባት ውጥን ንመንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ክኸውን ብጸሎት፣ ብምኽሪ፣ ብኻልእ ሓገዝ ዝደገፍኩምና ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለኹም ኣቦታት፣ ምእመናን፣ ኣሕዋት፣ ኣሓት፡ ኣምላኽ በረኸት የብዝሓልኩም።

ብዝያዳ፣ ንምእመናን ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ኣለም ኣትላንታ፣ ንኣቦና ካህን ገ/ሚካኤል ዮሃንስ፣ ሰበኻ ጉባኤ፣ መዘምራን፣ ኣጋይሽ ኣብ ምቕባልን ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ኣገልግሎት ዝዓየዩን ዘገልገሉን ኹሎም ምእመናን እግዚኣብሄር ዓስቦም ይሃቦም። ነተን "ኢድካ ዘቖርጥም” መግቢ ዘዳለዋ ኣዴታት ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ኣለም: ኣምላኽ ኣዕዚዙ ይባርከን።

ከምቲ ሳሙኤል "እግዚኣብሄር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና ኢሉ ድማ ኤብን-ዔዘር ሰመዮ" (1 ሳሙ 7.12) ዝበሎ ንሕናውን እግዚኣብሄር ክሳብ ኣብዚ ረዲኡ ጉባኤና ብሰላም ኣፈጺሙና እዩ'ሞ "ኤብን-ዔዘር" ንብል።

እግዚኣብሄር ንቤተክርስትያንናን ህዝብናን ሰላሙ ይሃብ!

ኣምላኽ ንኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶን ንብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካን ዕድመን ጥዕናን  ይሃቦም። ኣሜን።

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ አብዚ ጠውቅ

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div