S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብስም ቡራኬ ናብ ሕዝቢ ዝወርድ ዘሎ መርገም ንኹንኖን ነወግዞን

“ብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዚንእስ በቲ ዚዓብዮ ይምረቕ እዩ።” ዕብ 7:7

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ብታሪኽ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ከቢድ ግህሰት ሃይማኖት ይፍጸም ኣሎ።

በዓል ቅዱስ ዮሓንስምሉእ ሕብረተ ሰብ ጽቡቕ ኣዋጅን ሠናይ ትምኒትን፥ ምሕረትን ዝጽበየሉ፥ ዝኣረገ ኃጢኣትን ጽልእን ተጓሒፉ፥ ክረምትን ጥሜትን ሓሊፉ፥ ሓዲሽ ተስፋ መጻኢ እተማዕድወሉ ሓዊ ተሳጊርካ ሓድሽ ዘመነ-ፍቕርን ሓድነትን እትጽበየሉ እዋን መስከረም እዩ። ሕዝብና ግን ንዝሓለፈ ዓሠርተ ክልተ ዓመታት፥ ዓመት መጸ መርገምን ብኽያትን እምበር በረኸትን ሠናይ ትምኒቱን ክረክብ ኣይከኣለን።

ከመይሲ ኣቦ-ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር ዳጒንካ፥ ብኣባ ሉቃስ ዝግበር ዘሎ ዕንደራ መግትኢ ተሳኢንዎ፥ ዓመት መጸ ኣብ ክንዲ በረኸት መርገም የውረድሉ ኣሎ።

ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝተገብረ ፍጹም ዕርቂ ተገይሩ፥ ፓትርያርክ ካብ ዝነበርዎ ማሕቡስ ወጺኦም ኣለዉ ተባሂሉ ምስ ተሓበረ፥ ኣምላኽ ጸገም ቤተ ክርስቲያንናን ሕዝብናን ወዲእዎ፥ ቅዱስ ዮሓንስ መዓልቲ ኣዋጅ ምሕረትን ዕርቅን ካብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክሰምዕ ዘይተሃንጠየ ሰብ ኣይነበረን።

ሕዝቢ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣብ ዘለወሉ እዋን፥ እታ እንኮ ናይ ተስፋ ኣፍደገ ቤተ ክርስቲያን ደምበ ጎሓሉ ስለዝተቐየረቶ ሕዝቢ ተስፋ ዘስንቖ ስኢኑ ዳግማይ ናብ ተስፋ ምቑራጽን መርገምን ኣውዲቖሞ ይርከቡ። ሕዝበይ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፥ ነታ እትኸደላ መገዲ ከኣ የጥፍእዋ ኣለዉ።ኢሳ 3:12 ዝተባህለ ትንቢት ብተግባር ይፈጽም ኣሎ።

ኣሕጉረ ስብከታት መንበረ ጵጵስና፥ ነዚ ብኣባ ሉቃስ ዝወሃብ ብስም ቡራኬ መርገምን ብድዐን ኣብ ርእሲ ቤተ ክርስቲያንን ምእመንን ኣትሪርና ንውግዞን ንኹንኖን ኣሎና። ኃይሊ ኣምላኽ ተጸጊዕናን ተወኪልናን ድማ ክሳብ ቅድስና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቦታኡ ዝምለስ ደው ኢልና ክንቃለስ ምዃንና ደጊምና ነረጋግጽ። ኃይሊ እቲ ሰማያዊ ኣምላኽን ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን፥ ጸሎት ቅዱሳንን ተደጊፍና፥ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተጠርየት ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ንቡር ቦታኣን ቅድስናኣን ክትበጽሕ ምዃና ንኣምን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራን ምእመናን ኣብ ውሽጥን ደገን፥ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ካብ ቀደሙ ብዝኃየለ መገዲ ኣትሪሩ ክቃወምን፥ ናይዚ መርገም እዚ ተካፋልን ኣሜን በሃልን ከይከውንን፥ ዓገብ ክብልን ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጽውዕ።

መንግሥቲ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣንቢርዎ ዘሎ ከቢድ ተጽዕኖን ኢድ ምትእትታውን ሕጂውን ካብ ቤተ ክርስቲያን ከልዕልን ከውጽእን ንጽውዕ ኣሎና። ንኹሉ ምትእትታው ፖለቲካውያን ኃይልታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣትሪርና ነወግዞን ንኹንኖን ኣሎና።

ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትርከቡ ኣገልገልቲ ካህናት፥ ዲያቆናትን፥ መዘምራንን ምእመናንን፥ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ብቐዳምነት ሰሪዕና፥ ብሕብረት ዓገብ ንብለሉ እዋን፥ ሕዝብና ካብ መርገም እነድኅነሉ ጊዜ እዩ እሞ ናባኻትኩምን ናብ ኩሎም ምእመናንን ጸዋዒትና ነቕርብ።

ኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ሕብረት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ከም ዘይተመልሱን፥ ዳግማይ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ግፍዒ ይፍጸም ከም ዘሎን ተረዲእኩም ከም ቀደምኩም ኣብ መትከልኩም ክትጽንዑ ንሓትት።

በረኸት ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ኣይፈለየና።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት።

17 መስከረም 2017 (መስከረም , ፳፻፲ ዓም)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div