S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍጹም ዕርቂ ንፍጹም ሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን

መግለጺ ብዛዕባ ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ።

ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ካብታ ንልዕሊ ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ዝተመቁሕላ ቦታ ወጺኦም ገጽ ዝናፍቕዎን ዝናፍቖምን ህዝቢ ንምርኣይ ብምብቅዖም፥ ንጹህ ኣየር ከተንፍሱ ብምኽኣሎም መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ንኣምላኽ ልዑል ምስጋና የቕርብ። እዚ ክውን ክኸውን ዝገበረ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ከምኡውን ነቶም ዝጸዓሩን ዝደኸሙን ገዳማውያን ኣቦታትና ዘካየድዎ ጻዕርን ሓልዮትን የመስግን።

ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ካብ ማእሰርቲ ሥጋ ምፍታሖም፥ ዘሕጉስ እዩ። እቲ ዝዓበየ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ግን ኣቦና ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ኣይተመልሱን። እምበኣር ብዘይዝኾነ ምስምስ ናብ መንበሮም ክምለሱ እዋኑ ሕጂ እዩ። ብተወሳኺ፥ ነቲ ንሶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዘንበርዎ ውግዘት፥ ከምቲ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዝእዝዞ፥  ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብጸሎት ዝተሰነየ ስርየት ክህቡን ከልዕልዎን ኣለዎም።

ምሉዕ ዕርቂ ክኸውን፥ እቶም ስለ እምነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ካህናት፥ መነኮሳት፥ ዲያቆናትን ምእመናን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ'ውን ደጊምና ንጽውዕ።

ኣህጉረ ስብከታት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብመትከል ዝሓተቶ ቀኖናዊ መርገጺኡ ንሱ ምንባሩ ሕጂውን ንመስርሕ ዕርቂ ብመትከል (ብሓጎስ) ከምዝተቐበሎ ብንጹር ገሊጹ እዩ። ካብዚ ወጻኢ: “ኣብ ሱባኤ ጸኒሖም” እናበልካ ዝግበር ዘሎ ሓድሽ መዝሙር ግና ኻልእ ነገር ዝእምት ፋይዳ ኣልቦ ምስሉይነት እዩ። ዕርቂ ዝበሃል ነቶም ዝበደሉ ጳጳሳት ከም ንጹሃት፥ ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ድማ ከም ገበነኛ ጌርካ ንምቕራብ እንተኾይኑ እቲ ዝግበር ዘሎ ነገር፥ ንቤተ ክርስቲያን ኮነ ንህዝቢ ዘየርብሕ፥ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ክበሃል ዘይግብኦ ተግባር እዩ። ሓቀኛ ዕርቂውን ክበሃል ኣይክእልን እዩ። 

 

መንበረ ጵጵስና  ኣኅጉረ ስብከታት

23 ሓምለ 2017

ቻርሎት ኖርዝ ካሮላይና

ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div